ዛንታ 78
ኣብ መንደቕ ብኢድ እተጻሕፈ ነገር
ኣብዚ እንታይ ኢዩ ዝፍጸም ዘሎ፧ እቶም ሰባት ዓቢ በዓል ይገብሩ ኣለዉ። ንጉስ ባቢሎን ሽሕ ዝዀኑ ዓበይቲ ኣጋይሽ ዓዲሙ ኣሎ። ነቲ ካብ የሩሳሌም ካብ ቤት መቕደስ የሆዋ እተወስደ ናይ ወርቅን ብሩርን መስተይታት ኢዮም ዝጥቀምሉ ዘለዉ። ብሃንደበት ግን ኣጻብዕ ሰብ ተራእየ: ኣብቲ መንደቕ ከኣ ክጽሕፍ ጀመረ። ኵሎም ፈሪሖም ኢዮም ዘለዉ።
ሕጂ ቤልሻጽር ወድወዱ ንነቡካድነጻር ኢዩ ንጉስ ኰይኑ ዘሎ። ነቶም ጠቢባኑ ክጽውዕዎም ጨደረ። እቲ ንጉስ ከኣ ‘ነዛ ጽሕፈት እዚኣ ዘንብባን ትርጓሜኣ እውን ዝነግረኒ: ብዙሕ ህያብ ክዋሃቦ: ኣብታ መንግስቲውን ሳልሳይ ገዛኢ ክኸውን ኢዩ’ በለ። እንተዀነ ግን: ዋላ ሓደ ካብቶም ጠቢባን ነቲ ጽሕፈት ከንብቦ ይኹን ትርጕሙ ክነግር ዝኸኣለ የለን።
ኣደ እቲ ንጉስ እቲ ዋጭ ዋጭ ሰሚዓ ናብቲ ዓቢ መመገቢ ክፍሊ ኣተወት። ንንጉስ ከኣ ከምዚ በለቶ:- ‘ኣይትጨነቕ። ኣብ ግዝኣትካ ሓደ መንፈስ ቅዱሳን ኣማልኽቲ ዘለዎ ሰብኣይ ኣሎ። ኣቦሓጎኻ ነቡካድነጻር ንጉስ ከሎ ኣብ ልዕሊ ኵሎም ጠቢባን ሸይምዎ ነበረ። ስሙ ዳንኤል ኢዩ። ጸውዓዮ እሞ: እዚ ዅሉ እንታይ ማለት ከም ዝዀነ ክነግረካ ኢዩ።’
ብኡንብኡ ዳንኤል ተጸዊዑ መጸ። ህያብ ምውሳድ ድሕሪ ምእባዩ: ዳንኤል ንቤልሻጽር ሓደ ግዜ የሆዋ ንኣቦሓጎኡ ነቡካድነጻር ንጉስ ከይከውን ዘልገሶ ስለምንታይ ከም ዝዀነ ከዘንትወሉ ጀመረ። ‘ነቡካድነጻር ልቡ ተዓበየ። የሆዋ ኸኣ ቀጽዖ’ ኢሉ ነገሮ።
ንቤልሻጽር ከኣ ‘ንስኻ እዚ ዅሉ ፈሊጥካ ከለኻ ከምቲ ነቡካድነጻር ዝገበሮ ገና ትዕበ ኣሎኻ። እቲ ካብ ቤት መቕደስ የሆዋ ዝመጸ ኣቓሑ ወሲድካ ብእኡ ሰቴኻ። ነቶም ብዕንጨይትን እምንን እተገብሩ ኣማልኽቲ ወደስካሉ: ነቲ ልዑል ፈጣሪና ግን ክብ ኣየበልካን። በዚ ምኽንያት እዚ ኢዩ ኣምላኽ እዚ ጽሕፈት እዚ ዝጸሓፈ።
ዳንኤል ‘እቲ ጽሑፍ ከኣ: መʹኔ: መʹኔ: ተʹቄል ኡፋርʹሲን ኢዩ ዝብል’ በሎ።
‘መʹኔ ኣምላኽ መዓልትታት ናይ መንግስትኻ ቈጸሮ ኣብ መወዳእትኡ ኸኣ ኣብጽሖ ማለት ኢዩ። ተʹቄል ተመዚንካ ፈዂስካ ተረኺብካ። ኦፋርʹሲን ከኣ መንግስትኻ ንሜዶንን ፋርስን ተዋሂባ ማለት ኢዩ’ በሎ።
ገና ዳንኤል እናተዛረበ ኸሎ እውን ሰብ ሜዶንን ፋርስን ንባቢሎን ምጥቃዕ ጀሚሮም ነበሩ። ነታ ኸተማ ሓዝዋ እሞ ንቤልሻጽር ከኣ ቀተልዎ። እቲ ኣብቲ መንደቕ ብኢድ እተጻሕፈ: በታ ለይቲ እቲኣ ተፈጸመ! ሕጂ ግን ንእስራኤላውያን እንታይ ከጓንፎም ኢዩ፧ ቀልጢፍና ክንርእዮ ኢና: መጀመርታ ግን ንዳንኤል እንታይ ከም እተጓነፎ እስከ ንርአ።