ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lfb ትምህርቲ 63 ገጽ 150-ገጽ 151 ሕ.ጽ. 1
  • ኣብ መንደቕ እተጻሕፈት ጽሕፈት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣብ መንደቕ እተጻሕፈት ጽሕፈት
  • ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ መንደቕ ብኢድ እተጻሕፈ ነገር
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ቂሮስ እቲ ዓብዪ
    ንቕሑ!—2013
  • ህዝቢ ኣምላኽ ካብ ባቢሎን ወጹ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ንዓለም ዝቐየራ ኣርባዕተ ቓላት
    ንትንቢት ዳንኤል ኣቕልበሉ!
ዝያዳ ርአ
ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
lfb ትምህርቲ 63 ገጽ 150-ገጽ 151 ሕ.ጽ. 1
ኢድ ኣብ መንደቕ ትጽሕፍ

ትምህርቲ 63

ኣብ መንደቕ እተጻሕፈት ጽሕፈት

ድሕሪ ነዊሕ ግዜ፡ ቤልሻጽር ንጉስ ባቢሎን ኰነ። ሓደ ምሸት፡ ኣብታ ሃገሩ ንዚርከቡ ኣሽሓት ሰበ ስልጣን ድራር ዓደሞም። ንገላዉኡ ድማ፡ ነቲ ነቡካድነጻር ካብ ቤተ መቕደስ የሆዋ ዝወሰዶ ጽዋኣት ወርቂ ኼምጽእዎ ኣዘዞም። ቤልሻጽርን ዕዱማቱን ድማ በቲ ጽዋኣት እናሰተዩ ንኣማልኽቶም ወደሱ። ብሃንደበት፡ ኢድ ሰብ ተራእየት እሞ ኣብቲ ኣብ መመገቢ ኣዳራሽ ዚርከብ መንደቕ ምስጢራዊ ቓላት ጸሓፈት።

ሽዑ፡ ቤልሻጽር ተሸበረ። ነቶም ገበርቲ ስሒር ጸዊዑ ኸኣ፡ ‘ነዘን ቃላት እዚአን ኪገልጸለይ ዚኽእል እንተ ኣልዩ፡ ኣብ ባቢሎን ሳልሳይ ገዛኢ ኺገብሮ እየ’ ኢሉ ቓል ኣተወሎም። ንሳቶም ድማ ዝፈተኑ እኳ እንተ ፈተኑ፡ ነተን ቃላት ኪገልጹሉ ኣይከኣሉን። ሽዑ፡ ንግስቲ መጸት እሞ፡ ‘ንነቡካድነጻር ዚገልጸሉ ዝነበረ ዳንኤል ዝስሙ ሰብኣይ ኣሎ። ንሱ ነዘን ቃላት እዚአን ኪገልጸልካ ይኽእል እዩ’ በለቶ።

ዳንኤል ከኣ ናብ ንጉስ መጸ። ቤልሻጽር ድማ፡ ‘ነዘን ቃላት እዚአን ከተንብበንን ትርጉመን ክትገልጸለይን እንተ ኽኢልካ፡ ድሪ ወርቂ ኣብ ክሳድካ ኽገብረልካ፡ ኣብ ባቢሎን እውን ሳልሳይ ገዛኢ ኽገብረካ እየ’ በሎ። ዳንኤል ከኣ ከምዚ በሎ፦ ‘ህያባትካ ኣይደልን እየ፣ እዘን ቃላት እዚአን እንታይ ማለት ምዃነን ግና ክነግረካ እየ። ኣቦኻ ነቡካድነጻር ዕቡይ እዩ ነይሩ፣ የሆዋ ድማ ኣዋሪድዎ። ንሱ እንታይ ከም ዝዀነ እናፈለጥካ ኽነስኻ፡ በቲ ኻብ ቤተ መቕደስ የሆዋ ዝመጸ ጽዋኣት ወርቂ ጌርካ ብምስታይ ንየሆዋ ንዒቕካዮ። ስለዚ፡ እተን ኣምላኽ ዝጸሓፈን ቃላት ከምዚ ይብላ፦ መኔ፡ መኔ፡ ቴቄል፡ ፋርሲን። እዘን ቃላት እዚአን ከኣ፡ ሜዶናውያንን ፋርሳውያንን ንባቢሎን ከም ዚስዕርዋ፡ ንስኻ እውን ካብ ንግስነትካ ኸም እትወርድ የመልክታ።’

ሰራዊት ንጉስ ቂሮስ ነቲ ፈለግ ሰጊሮም ናብ ኣፍ ደገታት ባቢሎን ይምርሹ

ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ባቢሎን ዘይትስዓር እያ እትመስል ነይራ። እታ ኸተማ ብድልዱል መካበብያን ብዓሚቝ ፈለግን እተኸብበት እያ ነይራ። በታ ለይቲ እቲኣ ግና፡ ሜዶናውያንን ፋርሳውያንን ኣጥቅዕዋ። ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ድማ ተዋጋእቱ ናብ ኣፍ ደገታት እታ ኸተማ ምእንቲ ኺምርሹ ኢሉ ነቲ ፈለግ መገዱ ኣቐየሮ። ኣብኡ ምስ በጽሑ ድማ፡ እቲ ማዕጾ ተኸፊቱ ጸንሖም። እቶም ሰራዊት ከኣ ብእኡ ኣትዮም ነታ ኸተማ ሰዓርዋ፡ ንንጉሳ እውን ቀተልዎ። ሽዑ፡ ቂሮስ ገዛኢ ባቢሎን ኰነ።

ኣብ ውሽጢ ዓመት ድማ፡ ቂሮስ ከምዚ ኢሉ ኣወጀ፦ ‘የሆዋ ነታ ኣብ የሩሳሌም እትርከብ ቤተ መቕደስ ዳግም ክሃንጻ ኣዚዙኒ እዩ። ካብ ህዝቡ ኺሕግዝ ዚደሊ ዘበለ ኪኸይድ ይኽእል እዩ።’ ስለዚ፡ ከምቲ የሆዋ ዘተስፈዎ፡ ብዙሓት ኣይሁድ ካብቲ የሩሳሌም ዝጠፍኣትሉ ድሕሪ 70 ዓመት ናብ ዓዶም ተመልሱ። ቂሮስ ከኣ ነቲ ነቡካድነጻር ካብታ ቤተ መቕደስ ዝወሰዶ ብወርቅን ብብሩርን እተሰርሐ ጽዋኣትን ኣቕሑን መለሶ። እሞኸ፡ የሆዋ ንቂሮስ፡ ንህዝቡ ንምሕጋዝ ብኸመይ ከም እተጠቕመሉስ ርኢኻዶ፧

“እታ ዓባይ ባቢሎን ወዲቓ፡ ወዲቓ! ማሕደር ኣጋንንቲ . . . ዀይና!”—ራእይ 18:2

ሕቶታት፦ ትርጉም እታ ኣብ መንደቕ እተጻሕፈት ጽሕፈት እንታይ እዩ፧ የሆዋ ንቂሮስ እንታይ ኪገብር እዩ ኣዚዝዎ፧

እዝራ 1:1-11፣ ዳንኤል 5:1-30፣ ኢሳይያስ 44:27–45:2፣ ኤርምያስ 25:11, 12

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ