ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • my ዛንታ 88
  • ዮሃንስ ንየሱስ የጠምቖ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ዮሃንስ ንየሱስ የጠምቖ
  • መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሱስ ተጠምቀ
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • የሱስ፡ ደቀ መዛሙርቲ ኺገብር ጀመረ
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ጥምቀት የሱስ
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • እቶም ናይ መጀመርታ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
ዝያዳ ርአ
መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
my ዛንታ 88

ዛንታ 88

ዮሃንስ ንየሱስ የጠምቖ

እዛ ኣብ ርእሲ እዚ ሰብኣይ ክትዓልብ ትወርድ ዘላ ርግቢት እሞ ርኣያ። እቲ ሰብኣይ የሱስ ኢዩ። ሕጂ ወዲ 30 ዓመት ኣቢሉ ኢዩ ዀይኑ ዘሎ። እቲ ምስኡ ዘሎ ሰብኣይ ከኣ ዮሃንስ ኢዩ። ብዛዕብኡ ድሮ ቝሩብ ተማሂርና ኢና። ማርያም ንኤልሳቤጥ ዘመዳ ክትበጽሓ ከም ዝኸደት: እቲ ኣብ ውሽጢ ኤልሳቤጥ ዝነበረ ህጻን ከኣ ብሓጐስ ከም እተሰራሰረ ትዝክሮዶ ኢኻ፧ እቲ ሽዑ ኣብ ማህጸን ዝነበረ ህጻን ዮሃንስ ኢዩ። ሕጂ ግን ዮሃንስን የሱስን እንታይ ይገብሩ ኣለዉ፧

ዮሃንስ ንየሱስ ኣብ ማይ ናይ ርባ ዮርዳኖስ ኣጥሒሉ ኣውጽኦ። ሰብ በዚ መገዲ እዚ ኢዩ ዝጥመቕ። መጀመርታ ኣብ ማይ ይጥሕል: ብድሕርዚ ኸኣ ካብኡ ይወጽእ። ዮሃንስ ንሰባት ከምኡ ይገብሮም ስለ ዝነበረ ዮሃንስ መጥምቕ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ዮሃንስ ንየሱስ ዘጠምቖ ዘሎ ግን ስለምንታይ ኢዩ፧

ዮሃንስ ከምኡ ዝገበረ የሱስ ከጠምቖ ስለ ዝሓተቶ ኢዩ። ዮሃንስ ነቶም በቲ ዝገበርዎ ሓጢኣት ከም እተናስሑ ከርእዩ ዝደልዩ ዝነበሩ ሰባት ኢዩ ዘጠምቕ ነይሩ። የሱስ ግን ዝጠዓሰሉ ነገርዶ ገይሩ ይፈልጥ ኢዩ፧ ኣይፋልን: የሱስ ፈጺሙ ሓጢኣት ገይሩ ኣይፈልጥን ኢዩ: ምኽንያቱ ካብ ሰማይ ዝመጸ ወዲ ኣምላኽ ኢዩ። ስለዚ ንዮሃንስ ከጠምቖ ዝሓተቶ ብኻልእ ምኽንያት ኢዩ ነይሩ። እቲ ምኽንያት እንታይ ከም ዝነበረ እስከ ንርአ።

የሱስ ናብ ዮሃንስ ቅድሚ ምምጽኡ ጸራቢ ኢዩ ነይሩ። ጸራቢ ዝበሃል ብዕንጨይቲ ገይሩ ከም ጣውላ: ሰድያ: ከምኡውን ነዋሕቲ ኮፍ መበሊታት ዝሰርሕ ሰብ ኢዩ። ዮሴፍ ሰብኣይ ማርያም ጸራቢ ኢዩ ነይሩ: ንየሱስ ከኣ ጸራቢ ክኸውን መሃሮ። የሆዋ ግን ወዱ ኣብ ምድሪ ጸራባይ ክኸውን ኣይለኣኾን። ክገብሮ ዝነበሮ ፍልይ ዝበለ ዕዮ ነይርዎ ኢዩ: እቲ የሱስ ነዚ ዕዮ እዚ ዝጅምረሉ ግዜ ኣኺሉ ነበረ። ስለዚ የሱስ ፍቓድ ኣቦኡ ኽገብር ከም ዝመጸ ንምግላጽ ንዮሃንስ ከጠምቖ ሓተቶ። ኣምላኽከ በዚ ተሓጒሱዶ፧

እወ: ተሓጒሱ ኢዩ: ምኽንያቱ የሱስ ካብ ማይ ድሕሪ ምውጽኡ ካብ ሰማይ ‘እዚ ብእኡ ባህ ዝብለኒ ወደይ ኢዩ’ ዝብል ድምጺ ተሰምዐ። ከምኡውን ሰማያት ተኸፍተ: እታ ርግቢት ከኣ ኣብ ልዕሊ የሱስ ዓረፈት። እንተዀነ ግን: ርግቢት ኢያ እትመስል እምበር ናይ ሓቂ ርግቢት ኣይነበረትን። እቲ ሓሳብ ስለ እተቘራረጸ ኢየ ብሓደ ገይረያብሓቂ መንፈስ ቅዱስ ኣምላኽ ኢዩ።

ሕጂ የሱስ ክሓስበሉ ዘለዎ ብዙሕ ነገራት ኣሎ: ስለዚ ን40 መዓልትታት ናብ ሓደ ጽምዊ ቦታ ኸደ። ኣብኡ ሰይጣን መጾ። ንየሱስ ከኣ ሰለስተ ግዜ ኣንጻር ሕጊ ኣምላኽ ክገብር ፈተኖ። የሱስ ግን ኣይገበሮን።

ድሕርዚ: የሱስ ገለ ካብቶም ናይ መጀመርታ ሰዓብቱ ወይ ደቀ መዛሙርቱ ዝዀኑ ሰባት ረኸበ። ናይ ገለ ካብኣቶም ስም ከኣ እንድርያስ: ጴጥሮስ (ስምኦን ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ): ፊሊጶስን ናትናኤልን (በርተሎሜዎስ ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ) ኢዩ። የሱስን እዞም ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቱን ናብ ኣውራጃ ገሊላ ከዱ። ኣብ ገሊላ ኸኣ ቃና ናብ እትብሃል ዓዲ ናይ ናትናኤል ኣተዉ። ኣብኡ የሱስ ናብ ሓደ ዓቢ መርዓ ኸደ: ኣብኡ ኸኣ እቲ ናይ መጀመርታ ተኣምራት ገበረ። እቲ ተኣምራት እንታይ ምዃኑ ትፈልጥዶ፧ ንማይ ናብ ወይኒ ቐየሮ።

ማቴዎስ 3:⁠13⁠-​17፣ 4:⁠1⁠-​11፣ 13:⁠55፣ ማርቆስ 6:⁠3፣ ዮሃንስ 1:⁠29⁠-​51፣ 2:⁠1⁠-​12

ሕቶታት መጽናዕቲ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ