ዛንታ 88
ዮሃንስ ንየሱስ የጠምቖ
እዛ ኣብ ርእሲ እዚ ሰብኣይ ክትዓልብ ትወርድ ዘላ ርግቢት እሞ ርኣያ። እቲ ሰብኣይ የሱስ ኢዩ። ሕጂ ወዲ 30 ዓመት ኣቢሉ ኢዩ ዀይኑ ዘሎ። እቲ ምስኡ ዘሎ ሰብኣይ ከኣ ዮሃንስ ኢዩ። ብዛዕብኡ ድሮ ቝሩብ ተማሂርና ኢና። ማርያም ንኤልሳቤጥ ዘመዳ ክትበጽሓ ከም ዝኸደት: እቲ ኣብ ውሽጢ ኤልሳቤጥ ዝነበረ ህጻን ከኣ ብሓጐስ ከም እተሰራሰረ ትዝክሮዶ ኢኻ፧ እቲ ሽዑ ኣብ ማህጸን ዝነበረ ህጻን ዮሃንስ ኢዩ። ሕጂ ግን ዮሃንስን የሱስን እንታይ ይገብሩ ኣለዉ፧
ዮሃንስ ንየሱስ ኣብ ማይ ናይ ርባ ዮርዳኖስ ኣጥሒሉ ኣውጽኦ። ሰብ በዚ መገዲ እዚ ኢዩ ዝጥመቕ። መጀመርታ ኣብ ማይ ይጥሕል: ብድሕርዚ ኸኣ ካብኡ ይወጽእ። ዮሃንስ ንሰባት ከምኡ ይገብሮም ስለ ዝነበረ ዮሃንስ መጥምቕ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ዮሃንስ ንየሱስ ዘጠምቖ ዘሎ ግን ስለምንታይ ኢዩ፧
ዮሃንስ ከምኡ ዝገበረ የሱስ ከጠምቖ ስለ ዝሓተቶ ኢዩ። ዮሃንስ ነቶም በቲ ዝገበርዎ ሓጢኣት ከም እተናስሑ ከርእዩ ዝደልዩ ዝነበሩ ሰባት ኢዩ ዘጠምቕ ነይሩ። የሱስ ግን ዝጠዓሰሉ ነገርዶ ገይሩ ይፈልጥ ኢዩ፧ ኣይፋልን: የሱስ ፈጺሙ ሓጢኣት ገይሩ ኣይፈልጥን ኢዩ: ምኽንያቱ ካብ ሰማይ ዝመጸ ወዲ ኣምላኽ ኢዩ። ስለዚ ንዮሃንስ ከጠምቖ ዝሓተቶ ብኻልእ ምኽንያት ኢዩ ነይሩ። እቲ ምኽንያት እንታይ ከም ዝነበረ እስከ ንርአ።
የሱስ ናብ ዮሃንስ ቅድሚ ምምጽኡ ጸራቢ ኢዩ ነይሩ። ጸራቢ ዝበሃል ብዕንጨይቲ ገይሩ ከም ጣውላ: ሰድያ: ከምኡውን ነዋሕቲ ኮፍ መበሊታት ዝሰርሕ ሰብ ኢዩ። ዮሴፍ ሰብኣይ ማርያም ጸራቢ ኢዩ ነይሩ: ንየሱስ ከኣ ጸራቢ ክኸውን መሃሮ። የሆዋ ግን ወዱ ኣብ ምድሪ ጸራባይ ክኸውን ኣይለኣኾን። ክገብሮ ዝነበሮ ፍልይ ዝበለ ዕዮ ነይርዎ ኢዩ: እቲ የሱስ ነዚ ዕዮ እዚ ዝጅምረሉ ግዜ ኣኺሉ ነበረ። ስለዚ የሱስ ፍቓድ ኣቦኡ ኽገብር ከም ዝመጸ ንምግላጽ ንዮሃንስ ከጠምቖ ሓተቶ። ኣምላኽከ በዚ ተሓጒሱዶ፧
እወ: ተሓጒሱ ኢዩ: ምኽንያቱ የሱስ ካብ ማይ ድሕሪ ምውጽኡ ካብ ሰማይ ‘እዚ ብእኡ ባህ ዝብለኒ ወደይ ኢዩ’ ዝብል ድምጺ ተሰምዐ። ከምኡውን ሰማያት ተኸፍተ: እታ ርግቢት ከኣ ኣብ ልዕሊ የሱስ ዓረፈት። እንተዀነ ግን: ርግቢት ኢያ እትመስል እምበር ናይ ሓቂ ርግቢት ኣይነበረትን። እቲ ሓሳብ ስለ እተቘራረጸ ኢየ ብሓደ ገይረያብሓቂ መንፈስ ቅዱስ ኣምላኽ ኢዩ።
ሕጂ የሱስ ክሓስበሉ ዘለዎ ብዙሕ ነገራት ኣሎ: ስለዚ ን40 መዓልትታት ናብ ሓደ ጽምዊ ቦታ ኸደ። ኣብኡ ሰይጣን መጾ። ንየሱስ ከኣ ሰለስተ ግዜ ኣንጻር ሕጊ ኣምላኽ ክገብር ፈተኖ። የሱስ ግን ኣይገበሮን።
ድሕርዚ: የሱስ ገለ ካብቶም ናይ መጀመርታ ሰዓብቱ ወይ ደቀ መዛሙርቱ ዝዀኑ ሰባት ረኸበ። ናይ ገለ ካብኣቶም ስም ከኣ እንድርያስ: ጴጥሮስ (ስምኦን ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ): ፊሊጶስን ናትናኤልን (በርተሎሜዎስ ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ) ኢዩ። የሱስን እዞም ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቱን ናብ ኣውራጃ ገሊላ ከዱ። ኣብ ገሊላ ኸኣ ቃና ናብ እትብሃል ዓዲ ናይ ናትናኤል ኣተዉ። ኣብኡ የሱስ ናብ ሓደ ዓቢ መርዓ ኸደ: ኣብኡ ኸኣ እቲ ናይ መጀመርታ ተኣምራት ገበረ። እቲ ተኣምራት እንታይ ምዃኑ ትፈልጥዶ፧ ንማይ ናብ ወይኒ ቐየሮ።