ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • jy ምዕ. 12 ገጽ 34-ገጽ 35 ሕ.ጽ. 3
  • የሱስ ተጠምቀ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • የሱስ ተጠምቀ
  • የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ጥምቀት የሱስ
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • ዮሃንስ ንየሱስ የጠምቖ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ትርጕም ጥምቀትካ
    ነቲ ሓደ በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣምልኽ
  • የሱስ ክርስቶስ መን እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
ዝያዳ ርአ
የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
jy ምዕ. 12 ገጽ 34-ገጽ 35 ሕ.ጽ. 3
የሱስ ኪጥመቕ ይሓትት፡ ዮሃንስ ግና ይኣብዮ

ምዕራፍ 12

የሱስ ተጠምቀ

ማቴዎስ 3:13-17 ማርቆስ 1:9-11 ሉቃስ 3:21, 22 ዮሃንስ 1:32-34

  • የሱስ ተጠምቀን ተቐብአን

  • የሆዋ፡ የሱስ ወዱ ምዃኑ ገለጸ

ካብቲ ዮሃንስ መጥምቕ ስብከት ዝጀመረሉ ድሕሪ ሽድሽተ ወርሒ፡ እቲ ሽዑ ወዲ 30 ዓመት ዝነበረ የሱስ ናብ ዮሃንስ ናብ ፈለግ ዮርዳኖስ መጸ። እንታይ ኪገብር፧ ኪበጽሖ ኢሉ ኣይኰነን። ስራሕ ዮሃንስ ከመይ ይኸይድ ከም ዘሎ ኺፈልጥ ኢሉ እውን ኣይኰነን። የግዳስ፡ ብዮሃንስ ኪጥመቕ እዩ ኸይዱ።

ዮሃንስ ግና፡ “ኣነ ብኣኻ ኽጥመቕ የድልየኒ እምበር፡ ንስኻዶ ናባይ ትመጽእ፧” ኢሉ ኣበዮ። (ማቴዎስ 3:14) ዮሃንስ፡ የሱስ ፍሉይ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ኣብ ማሕጸን ኣዲኡ ኤልሳቤጥ ከሎ፡ ማርያም ንየሱስ ጥንስቲ ዀይና ኽትበጽሖም ምስ ከደት፡ ብሓጐስ ከም እተሰራሰረ ትዝክሮ ኢኻ። ደሓር ኣዲኡ ነዚ ነጊራቶ ኽትከውን ኣለዋ። ብዘይካዚ፡ መልኣኽ ብዛዕባ ልደት የሱስ ምብሳሩ፡ በታ የሱስ እተወልደላ ለይቲ ድማ መላእኽቲ ነቶም ጓሶት ከም እተራእይዎም ሰሚዑ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ዮሃንስ፡ እቲ ዚገብሮ ዝነበረ ጥምቀት ነቶም ካብ ሓጢኣቶም ዚንስሑ ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። የሱስ ግና ሓጢኣት ኣይነበሮን። ይኹን እምበር፡ ዮሃንስ እኳ እንተ ኣበየ፡ የሱስ፡ “ኵሉ ጽድቂ ኽንፍጽም ይግብኣና እዩ እሞ፡ ሕጅስ ይኹን ደኣ” ብምባል ግዲ በሎ።—ማቴዎስ 3:15።

የሱስ ኪጥመቕ ግቡእ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧ የሱስ ካብ ሓጢኣቱ ኸም እተነስሐ ኼርኢ ኣይኰነን ተጠሚቑ። የግዳስ፡ ፍቓድ ኣቦኡ ንምግባር ገዛእ ርእሱ ኸም ዘቕረበ ኼርኢ እዩ ተጠሚቑ። (እብራውያን 10:5-7) ቅድሚኡ ጸራቢ እዩ ነይሩ፣ ድሕሪኡ ግና፡ ነቲ ሰማያዊ ኣቦኡ ኣብ ምድሪ ኺፍጽም ዝለኣኾ ኣገልግሎት ኪጅምር እዩ። እሞኸ ዮሃንስ ንየሱስ ኬጥምቖ ከሎ ዘይልሙድ ነገር ኪፍጸም ዝጽበ ዝነበረዶ ይመስለካ፧

ዮሃንስ ጸኒሑ፡ “እቲ ብማይ ከጥምቕ ዝለኣኸኒ ደኣ፡ ‘እቲ፡ መንፈስ ወሪዱ ኪቕመጦ እትርእዮ፡ ንሱ እዩ ብመንፈስ ቅዱስ ዜጥምቕ’ ኢሉኒ እምበር፡ ኣነስ ኣይፈለጥክዎን” ኢሉ ተዛሪቡ እዩ። (ዮሃንስ 1:33) ስለዚ፡ ዮሃንስ መንፈስ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ሓደ ንሱ ዜጥምቖ ኺወርድ ይጽበ ነይሩ እዩ። እምበኣር፡ ዮሃንስ፡ የሱስ ካብቲ ማይ ምስ ወጸ፡ “መንፈስ ኣምላኽ ከም ርግቢ ወሪዱ . . . ኣብኡ ኺዓርፍ” ምርኣዩ ኣየገረሞን ኪኸውን ይኽእል እዩ።—ማቴዎስ 3:16።

የሱስ ኪጥመቕ ከሎ መንፈስ ቅዱስ ይወርዶ

የሱስ ኪጥመቕ ከሎ ግና፡ እዚ ጥራይ ኣይኰነን ኰይኑ። ‘ሰማያት ተኸፊቱሉ’ እዩ። እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ኪጥመቕ ከሎ፡ ነቲ ሰብ ቅድሚ ምንባሩ ዝነበሮ ሰማያዊ ህይወቱ ዘኪርዎ ማለት ከይኰነ ኣይተርፍን እዩ። ስለዚ፡ የሱስ ድሕርዚ ነቲ ኸም መንፈሳዊ ወዲ የሆዋ ዝነበሮ ህይወት፡ እንተላይ እቲ ሰብ ኰይኑ ናብ ምድሪ ቕድሚ ምምጻኡ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ዚዛረቦ ዝነበረ ሓቅታት ኪዝክሮ ኽኢሉ ማለት እዩ።

ብተወሳኺ፡ ምስ ተጠምቀ፡ “ዝሰምሮ ፍቑር ወደይ እዚ እዩ” ዚብል ድምጺ ኻብ ሰማይ ተሰምዐ። (ማቴዎስ 3:17) ናይ መን ድምጺ እዩ ነይሩ፧ ናይ የሱስ ድምጺ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ ነይሩ፣ ከመይሲ፡ ንሱ ኣብኡ ምስ ዮሃንስ እዩ ነይሩ። የግዳስ፡ እቲ ድምጺ ናይ ኣምላኽ ድምጺ እዩ ነይሩ። የሱስ ወዲ ኣምላኽ ደኣ እምበር፡ ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ ከም ዘይኰነ ንጹር እዩ።

ይኹን እምበር፡ ከምቲ እቲ ናይ መጀመርታ ሰብ ዝዀነ ኣዳም ሰብኣዊ ወዲ ኣምላኽ ዝነበረ፡ የሱስ እውን ሰብኣዊ ወዲ ኣምላኽ እዩ ነይሩ። ሉቃስ እቲ ወደ መዝሙር ብዛዕባ ጥምቀት የሱስ ድሕሪ ምግላጹ፡ “የሱስ ዕዮኡ ኺጅምር ከሎ፡ ወዲ 30 ዓመት ኣቢሉ ነበረ፣ ወዲ ዮሴፍ ድማ ይመስሎም ነበረ፡ ወዲ ሄሊ፡ . . . ወዲ ዳዊት፡ . . . ወዲ ኣብርሃም፡ . . . ወዲ ኖህ፡ . . . ወዲ ኣዳም፡ ወዲ ኣምላኽ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ።—ሉቃስ 3:23-38።

ከምቲ ኣዳም ሰብኣዊ “ወዲ ኣምላኽ” ዝነበረ፡ የሱስ ከኣ ከምኡ እዩ ነይሩ። የሱስ ምስ ተጠምቀ፡ መንፈሳዊ ወዲ ኣምላኽ ብምዃን፡ ምስ ኣምላኽ ሓድሽ ዝምድና እዩ ጀሚሩ። ስለዚ፡ መለኮታዊ ሓቂ ኺምህርን መገዲ ህይወት ኬርእን ይኽእል እዩ። ሰብኣዊ ህይወቱ ኣብ ክንዲ ሓጥኣን መስዋእቲ ናብ ምግባር ዚመርሖ መገዲ እዩ ዚጅምር ነይሩ።

  • ዮሃንስ ንየሱስ ይፈልጦ ነይሩ እንብል ስለምንታይ ኢና፧

  • የሱስ ሓጢኣት ዘይፈጸመ ኽነሱ፡ ብዮሃንስ እተጠምቀ ስለምንታይ እዩ፧

  • ዮሃንስ፡ መንፈስ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ የሱስ ምውራዱ ዘየገረሞ ኪኸውን ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ