ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • my ዛንታ 94
  • የሱስ ንኣሽቱ ቘልዑ ይፈቱ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • የሱስ ንኣሽቱ ቘልዑ ይፈቱ
  • መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ነቶም ሃዋርያት ብዛዕባ ምኻዱ የዳልዎም
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • ክርክር ይልዓል
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • ኣገዳሲ ትምህርቲ ትሕትና
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • የሱስ ብዛዕባ መዐንቀፍን ሓጢኣትን ምኽሪ ሃበ
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
ዝያዳ ርአ
መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
my ዛንታ 94

ዛንታ 94

የሱስ ንኣሽቱ ቘልዑ ይፈቱ

የሱስ ነዚ ንእሽቶ ቘልዓ ሓቚፍዎ ኸሎ እሞ ርኣዮ። የሱስ ብሓቂ ንንኣሽቱ ይግደሰሎም ከም ዝዀነ ክትዕዘብ ትኽእል ኢኻ። እቶም ዝርእይዎ ዘለዉ ሰብኡት ሃዋርያቱ ኢዮም። የሱስ እንታይ ኢዩ ዝብሎም ዘሎ፧ እስከ ንርአ።

የሱስን ሃዋርያቱን ካብ ነዊሕ ጕዕዞ ሕጂ ሕጂ ኢዮም ተመሊሶም። ኣብቲ መገዲ እቶም ሃዋርያት ንሓድሕዶም ይከራኸሩ ነበሩ። ስለዚ ጕዕዝኦም ምስ ወድኡ: የሱስ ‘ኣብቲ መገዲ ብዛዕባ እንታይ ኢኹም ትከራኸሩ ዝነበርኩም፧’ ኢሉ ሓተቶም። ብሓቂ የሱስ እንታይ የከራኽሮም ከም ዝነበረ ይፈልጥ ኢዩ። እንተዀነ ግን: እቶም ሃዋርያት ዝነግርዎ እንተ ዀይኖም ንኽርኢ ኢዩ ዝሓተቶም።

እቶም ሃዋርያት ኣይመለስሉን: ምኽንያቱ ኣብቲ መገዲ ዘከራኽሮም ዝነበረ ካብኣቶም እቲ ዝበለጸ መን ከም ዝዀነ ኢዩ ነይሩ። ገሊኦም ሃዋርያት ካብቶም ካልኦት ዝኸበሩ ክዀኑ ኢዮም ዝደልዩ ነይሮም። ዝበለጽካ ኽትከውን ምድላይ ጌጋ ከም ዝዀነ የሱስ ከመይ ገይሩ ኢዩ ኽነግሮም፧

ነዚ ንእሽቶ ወዲ ጸውዖ እሞ: ኣብ ቅድሚኦም ከኣ ደው ኣበሎ። ብድሕርዚ ንደቀ መዛሙርቱ ‘ከም ንኣሽቱ ቘልዑ እንተ ዘይኴንኩም መንግስተ ሰማያት ከም ዘይትኣትዉ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። ኣብ መንግስተ ሰማያት ዝዓበየ ዝኸውን እቲ ኸምዚ ቘልዓ እዚ ዝኸውን ኢዩ’ በሎም። የሱስ ከምዚ ዝበለ ስለምንታይ ከም ዝዀነስ ትፈልጥዶ፧

ንኣሽቱ ቘልዑ ካብ ካልኦት ዝበለጹ ወይ ዝኸበሩ ክዀኑ ኢሎም ኣይሓስቡን ኢዮም። ስለዚ እቶም ሃዋርያት በዚ መገዲ እዚ ከም ቈልዑ ክዀኑ: መን ይበልጽ ወይ ይኸብር ኢሎም ከይከራኸሩ ክማሃሩ ነበሮም።

የሱስ ንናእሽቱ ቘልዑ ክሳዕ ክንደይ ከም ዝሓልየሎም ዘርኣየሉ ካልእ ኣጋጣሚታት እውን ኣሎ። ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ገለ ሰባት ደቆም ንየሱስ ክርእይዎ ኢሎም ኣምጽእዎም። እቶም ሃዋርያት ከኣ ክሰጕዎም ፈተኑ። የሱስ ግን ንሃዋርያቱ ‘መንግስተ ሰማያት ንኸምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ኢያ እሞ ቘልዑ ናባይ ይምጽኡ ሕደግዎም’ በለ። ካብኡ የሱስ ነቶም ቈልዑ ሓቘፎምን ባረኾምን። የሱስ ንናእሽቱ ቘልዑ ይፈቱ ምዃኑ ምፍላጥ ሰናይዶ ኣይኰነን፧

ማቴዎስ 18:⁠1⁠-​4፣ 19:⁠13⁠-​15፣ ማርቆስ 9:⁠33⁠-​37፣ 10:⁠13⁠-​16

ሕቶታት መጽናዕቲ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ