ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • my ዛንታ 96
  • የሱስ ሕሙማት የሕዊ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • የሱስ ሕሙማት የሕዊ
  • መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሱስ ከም ንጉስ ኰይኑ ይመጽእ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ንዕዮን ንዕረፍትን “ገግዜኡ ኣለዎ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2019
  • ክርስትያናት ሰንበት ኬኽብሩ ይግብኦም ድዩ፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ብሰንበት ሰዊት ቀንጠቡ
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
ዝያዳ ርአ
መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
my ዛንታ 96

ዛንታ 96

የሱስ ሕሙማት የሕዊ

የሱስ ኣብ ኵላ እታ ምድሪ ኽጓዓዝ ከሎ: ሕሙማት የሕዊ ነበረ። ናይዚ ተኣምራት እዚ ወረ ኸኣ ኣብ ኵሉ ኣቝሻትን ዓድታትን ተሰምዐ። ስለዚ እቶም ሰባት ንዝለመሱ: ዝዓወሩ: ዝጸመሙ: ከምኡውን ብዙሓት ዝሓመሙ ናብኡ ኣምጽኡ። የሱስ ከኣ ንዅሎም ኣሕወዮም።

ዮሃንስ ንየሱስ ካብ ዘጠምቖ ሕጅስ ዳርጋ ልዕሊ ሰለስተ ዓመታት ሓሊፉ ኢዩ። የሱስ ከኣ ንሃዋርያቱ ድሕሪ ቝሩብ ናብ የሩሳሌም ከም ዝኸይድ ኣብኡ ኸኣ ከም ዝቕተልን ካብ ምዉታት ከም ዝትንስእን ነገሮም። ክሳዕ ሽዑ ግን የሱስ ሕሙማት ምሕዋይ ይቕጽል ነበረ።

ሓደ መዓልቲ የሱስ ብመዓልቲ ሰንበት ይምህር ነበረ። ሰንበት ንኣይሁድ መዓልቲ ዕረፍቲ ኢያ። እዛ ኣብዚ ስእሊ እትርእያ ዘለኻ ሰበይቲ ኣዝያ ሓሚማ ኢያ ነይራ። ን18 ዓመታት ጐቢጣ ኢያ ነይራ: ቅንዕ ክትብል እውን ኣይትኽእልን ነበረት። ስለዚ የሱስ ኢዱ ኣንበረላ እሞ: ንሳ ኸኣ ቀንዐት። ሓወየት!

እዚ ኸኣ ነቶም መራሕቲ ሃይማኖት ኣሕረቖም። ሓደ ካብኣቶም ከኣ ‘ክንዓየለን ዝግብኣና ሽዱሽተ መዓልትታት ኣለዋ። ክትፍወሱ ኸኣ ኣብተን መዓልትታት እቲኣተን ኢኹም ክትመጹ ዘለኩም እምበር ብመዓልቲ ሰንበት ኣይኰነን!’ ብምባል ነቶም ህዝቢ ተቘጠዖም።

የሱስ ግን ‘ኣቱም እኩያት። ካባኻትኩም ብመዓልቲ ሰንበት ኣድጉ ፈቲሑ ማይ ዘየስቲ የለን። ስለዚ እዛ ን18 ዓመት ሓሚማ ዝነበረት ሰበይቲኸ ብመዓልቲ ሰንበት ክትሓዊ ኣይግብኣንዶ፧’ ኢሉ መለሰሎም። መልሲ ናይ የሱስ ከኣ ነዞም እኩያት ሰባት ኣሕፈሮም።

ጸኒሖም ከኣ የሱስን ሃዋርያቱን ናብ የሩሳሌም ገጾም ተጓዕዙ። ካብ ከተማ ያሪኮ ውጽእ ምስ በሉ ኸኣ: ክልተ ዕዉራት ለመንቲ የሱስ ይሓልፍ ከም ዘሎ ሰምዑ። ‘የሱስ በጃኻ ርድኣና!’ ኢሎም ከኣ ጨደሩ።

የሱስ ነቶም ዕዉራት ጸውዖም እሞ ‘እንታይ ክገብረልኩም ትደልዩ፧’ ኢሉ ሓተቶም። ንሶም ከኣ ‘ጐይታይ ኣዒንትና ክኽፈታ’ በልዎ። የሱስ ኣዒንቶም ተንከፎም ብኡንብኡ ኸኣ ክርእዩ ከኣሉ! የሱስ እዚ ዅሉ ዘደንቕ ተኣምራት ስለምንታይ ከም ዝገበሮ ትፈልጥዶ፧ ንሰባት ስለ ዘፍቅርን ኣብኡ እምነት ክገብሩ ስለ ዝደልን ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ንሱ ንጉስ ኰይኑ ክገዝእ ኸሎ ኣብ ምድሪ ዋላ ሓደ ዝሓምም ከም ዘይህሉ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።

ማቴዎስ 15:⁠30, 31፣ ሉቃስ 13:⁠10⁠-​17፣ ማቴዎስ 20:⁠29⁠-​34

ሕቶታት መጽናዕቲ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ