ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • my ዛንታ 97
  • የሱስ ከም ንጉስ ኰይኑ ይመጽእ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • የሱስ ከም ንጉስ ኰይኑ ይመጽእ
  • መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንጉስ ኣብ ጻዕብ ተወጢሑ ናብ የሩሳሌም ኣተወ
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • የሱስ ሕሙማት የሕዊ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ሓንቲ ኣድጊ ትዛረብ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧ ከም እንደልያኸ ብኸመይ ነርኢ፧
    ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር
ዝያዳ ርአ
መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
my ዛንታ 97

ዛንታ 97

የሱስ ከም ንጉስ ኰይኑ ይመጽእ

ነቶም ክልተ ዕዉራት ለመንቲ ድሕሪ ምሕዋዩ ቁሩብ ጸኒሑ የሱስ ናብ ሓንቲ ኣብ ጥቓ የሩሳሌም ዘላ ንእሽቶ ቝሸት መጸ። ንኽልተ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ‘ኣብዛ ዓዲ እተዉ እሞ እተኣስረት ጻዕብ ኣድጊ ክትረኽቡ ኢኹም። ፈቲሕኩም ከኣ ናባይ ኣምጽእዋ’ በሎም።

ነታ ኣድጊ ምስ ኣምጽእዋ: የሱስ ኣብኣ ተወጥሐ። ካብኡ ኸኣ ናብታ ቐረባ ዝነበረት የሩሳሌም ከደ። ናብታ ከተማ ምስ ቀረበ: ዓቢ ጭፍራ ህዝቢ ክቕበሎ ወጸ። ብዙሓት ካብኣቶም ከኣ ክዳውንቶም ኣውጽኡ ኣብቲ መገዲ ኸኣ ኣንጸፍዎ። ካልኦት ከኣ ካብ ኣእዋም ስየ ጨነፍር ቈረጹ። ንዕኡ እውን ኣብቲ መገዲ ገበርዎ: ዓው ኢሎም ከኣ ‘ነቲ ብስም የሆዋ ዝመጽእ ንጉስ ኣምላኽ ይባርኮ!’ እናበሉ ጨደሩ።

ቀደም ኣብ እስራኤል ሓደስቲ ነገስታት ኣብ ጻዕብ ኣድጊ ተወጢሖም ናብቲ ህዝቢ ይወጹ ነበሩ። የሱስ ከምኡ ኢዩ ዝገ​ብር ዘሎ። እዞም ሰባት ከኣ የሱስ ንጉሶም ክኸውን ከም ዝደልዩ ኢዮም ዘርእዩ ዘለዉ። እንተዀነ ግን: ኵሎም ሰባት ኣይኰኑን ዝደልይዎ። እዚ በቲ የሱስ ኣብቲ ቤት መቕደስ ምስ ከደ ዝፍጸም ነገር ክንርእዮ ንኽእል ኢና።

ኣብቲ ቤት መቕደስ የሱስ ዕዉራትን ድኑሳትን ሰባት ኣሕወየ። እቶም ቘልዑ እዚ ምስ ረኣዩ ኸኣ ንየሱስ ወደስዎ። እዚ ግን ነቶም ካህናት ኣቘጠዖም: ንየሱስ ከኣ ‘እዞም ቈልዑ ዝብልዎ ዘለዉስ ኣይትሰምዖን ዲኻ፧’ በልዎ።

የሱስ ከኣ ‘እወ እሰምዖም ኣለኹ። “ካብ ኣፍ ቈልዑ ምስጋና ኣዳሎኻ” ዝብልሲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣየንበብኩምን ዲኹም፧’ ኢሉ መለሰሎም። ስለዚ እቶም ቈልዑ ነቲ ናይ ኣምላኽ ንጉስ ምውዳስ ቀጸሉ።

ከምዞም ቈልዑ እዚኣቶም ኢና ኽንከውን እንደሊ: ኣይኰነንዶ፧ ገሊኦም ሰባት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ምዝራብ ክኽልክሉና ይፍትኑ ይዀኑ። እንተዀነ ግን: ብዛዕባ እቲ የሱስ ንሰባት ዝገብረሎም ዘደንቕ ነገራት ምዝራብ ክንቅጽል ኢና።

የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ ንጉስ ኰይኑ ምግዛእ ዝጅምረሉ ግዜ ኣይነበረን። እዚ ግዜ እዚ መዓስ ኢዩ ዝኸውን፧ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ክፈልጡ ደለዩ። ቀጺልና ብዛዕባ እዚ ከነንብብ ኢና።

ማቴዎስ 21:⁠1⁠-​17፣ ዮሃንስ 12:⁠12⁠-​16

ሕቶታት መጽናዕቲ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ