ዛንታ 102
የሱስ ህያው ኢዩ
እዛ ሰበይትን እዞም ክልተ ሰብኡትን መን ምዃኖም ትፈልጥዶ፧ እታ ሰበይቲ ማርያም መግደላዊት ፈታዊት የሱስ ኢያ። እቶም ጻዕዳ ኽዳውንቲ ተኸዲኖም ዘለዉ ሰብኡት ከኣ መላእኽቲ ኢዮም። እዛ ማርያም ተቐልቂላ ትርእያ ዘላ ንእሽቶ ኽፍሊ የሱስ ምስ ሞተ ሬስኡ እተቐመጠላ ቦታ ኢያ። መቓብር ከኣ ይበሃል። ሕጂ ግን እቲ ሬሳ የለን! መን ወሲድዎ፧ እስከ ንርአ።
የሱስ ድሕሪ ሙማቱ እቶም ካህናት ንጲላጦስ ‘የሱስ ብህይወቱ ኸሎ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ክትንስእ ኢየ ኢሉ ነይሩ ኢዩ። ስለዚ ደቀ መዛሙርቱ ሬስኡ ሰሪቖም ካብ ምዉታት ተንሲኡ ምእንቲ ኸይብሉ እቲ መቓብር ሓለውቲ ክግበረሉ ኣዝዝ!’ በልዎ። ጲላጦስ ነቶም ካህናት ወተሃደራት ልኢኾም ነቲ መቓብር ክሕልዉዎ ነገሮም።
እንተዀነ ግን: የሱስ ካብ ዝመውት ኣብታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ገና ብለይቱ ኸሎ መልኣኽ የሆዋ ብድንገት መጸ። ነቲ እምኒ ካብቲ መቓብር ኣልገሶ። እቶም ወተሃደራት ኣዝዮም ስለ ዝፈርሑ ክንቀሳቐሱ እውን ኣይከኣሉን። ኣብ መወዳእትኡ: ኣብ ውሽጢ እቲ መቓብር ምስ ረኣዩ እቲ ሬሳ ኣይነበረን! ገለ ካብቶም ወተሃደራት ናብ ከተማ ኣትዮም ነቶም ካህናት ነገርዎም። እቶም እኩያት ካህናት እንታይ ከም ዝገበሩ ትፈልጥዶ፧ ነቶም ወተሃደራት ክሕስዉ ከፈልዎም። ‘ደቀ መዛሙርቱ ብለይቲ ደቂስና ኸለና መጺኦም ነቲ ሬሳ ሰሪቖሞ’ ኢሎም ክዛረቡ ኸኣ ነገርዎም።
ኣብ መንጎኡ ገለ ፈተውቲ የሱስ ዝዀና ኣንስቲ ናብቲ መቓብር መጻ። ጥራዩ ምስ ጸንሐንሲ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢየን ዝሰንበዳ! ሃንደበት ከኣ ጻዕዳ ክዳን እተኸድኑ ክልተ መላእኽቲ ተራእዩወን። ‘ንየሱስ ስለምንታይ ኣብዚ እትደልይኦ፧ ተንሲኡ ኢዩ። ቀልጢፍክን ኪዳ እሞ ንደቀ መዛሙርቱ ንገርኦም’ በልወን። እተን ኣንስቲ ኸኣ ብምሉእ ሓይለን እናጐየያ ኸዳ! ኣብቲ መገዲ ግን ሓደ ሰብኣይ ደው ኣበለን። መን ይመስለካ፧ የሱስ ኢዩ ነይሩ! ‘ኪዳ ንደቀ መዛሙርተይ ንገርኦም’ ከኣ በለን።
እተን ኣንስቲ የሱስ ህያው ከም ዝዀነ: ከም ዝረኣይኦ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ምስ ነገርኦም ክኣምንወን ኣይከኣሉን። ጴጥሮስን ዮሃንስን ባዕሎም ምእንቲ ኽርእይዎ ናብቲ መቓብር ጐየዩ: እቲ መቓብር ግን ጥራዩ ነበረ! ጴጥሮስን ዮሃንስን ምስ ከዱ ማርያም መግደላዊት ድሕሪት ተረፈት። ሽዑ ኢያ ንውሽጢ ተቐልቂላ ነቶም ክልተ መላእኽቲ ዝረኣየቶም።
እቲ ናይ የሱስ ሬሳ እንታይ ከም ዝዀነ ትፈልጥዶ፧ ኣምላኽ ሰዊርዎ ኢዩ። ኣምላኽ ንየሱስ በቲ ዝሞተ ስጋዊ ኣካሉ ኣይኰነን ኣተንሲእዎ። ከምቲ እቶም ኣብ ሰማይ ዘለዉ መላእኽቲ ዘለዎም ሓድሽ መንፈሳዊ ኣካል ሃቦ። ንደቀ መዛሙርቱ ህያው ምዃኑ ምእንቲ ኸርእዮም ግን: ቀጺልና ከም እንማሃሮ የሱስ ሰባት ክርእይዎ ዝኽእሉ ኣካል ለበሰ።