ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lfb ትምህርቲ 91 ገጽ 212-ገጽ 213 ሕ.ጽ. 1
  • የሱስ ተንስአ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • የሱስ ተንስአ
  • ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣምላኽ ንወዱ ዘከሮ
    ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር
  • የሱስ ህያው ኢዩ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • እቲ መቓብር ጥራዩ ጸንሐ—የሱስ ህያው ኰነ!
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • የሱስ ህያው ኰነ!
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
ዝያዳ ርአ
ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
lfb ትምህርቲ 91 ገጽ 212-ገጽ 213 ሕ.ጽ. 1
እተን ኣንስቲ፡ መቓብር የሱስ ጥራዩ ምስ ጸንሐን ይስምብዳ

ትምህርቲ 91

የሱስ ተንስአ

የሱስ ምስ ሞተ፡ ዮሴፍ ዝስሙ ሃብታም ሰብኣይ ንጲላጦስ፡ ንሬሳ የሱስ ካብቲ ጕንዲ ኣውሪዱ ኺወስዶ ለመኖ። ዮሴፍ ከኣ ነቲ ሬሳ ብቕጭን በፍታ ገኒዙ፡ ሽቱ ለኽዩ፡ ኣብ ሓድሽ መቓብር ኣንበሮ። ዓብዪ እምኒ ኣንከባሊሉ ድማ ነቲ ኣፍ መቓብር ዓጸዎ። ሽዑ፡ ሊቃውንቲ ኻህናት ንጲላጦስ፡ ‘ገሊኦም ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ንሬሳኡ ኸይሰርቅዎ እሞ፡ ካብ ምዉታት ተንሲኡ ኸይብሉ ንፈርህ ኣለና’ በልዎ። ስለዚ፡ ጲላጦስ፡ ‘ነቲ መቓብር ሕተምዎ፡ ሓለውቲ እውን ግበሩሉ’ በሎም።

ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ድማ፡ ገሊአን ኣንስቲ ኣንጊሀን ናብቲ መቓብር ከዳ፣ እቲ እምኒ ኸኣ ካብቲ ኣፍ መቓብር ተንከባሊሉ ጸንሐን። ኣብ ውሽጢ እቲ መቓብር ድማ፡ ሓደ መልኣኽ፡ ‘ኣይትፍርሃ። የሱስ ተንሲኡ እዩ። ኬድክን ንደቀ መዛሙርቱ ኣብ ገሊላ ኺረኽብዎ ንገራኦም’ በለን።

ማርያም መግደላዊት ድማ ንጴጥሮስን ንዮሃንስን ክትረኽቦም ከደት። ምስ ረኸበቶም፡ ‘ሬሳ የሱስ ወሲዶምዎ!’ በለቶም። ጴጥሮስን ዮሃንስን ከኣ ናብቲ መቓብር ጐየዩ። ጥራዩ ምዃኑ ምስ ረኣዩ፡ ነናብ ቤቶም ከዱ።

ማርያም ናብቲ መቓብር ምስ ተመልሰት፡ ክልተ መላእኽቲ ኣብ ውሽጡ ረኣየት እሞ፡ ‘ንጐይታይ ኣበይ ከም ዝወሰድዎ ትፈልጡዶ፧’ በለቶም። ድሕሪኡ፡ ሓደ ሰብኣይ ረኣየት፣ ኣታኽልተኛ መሲልዋ ድማ፡ ‘ኣበይ ከም ዝወሰድካዮ ግዳ ነገረኒ’ በለቶ። እቲ ሰብኣይ፡ “ማርያም!” ኢሉ ምስ ጸውዓ ግና፡ ንሱ የሱስ ምዃኑ ፈለጠት። ስለዚ፡ ዓው ኢላ፡ “መምህር!” በለቶ፣ ኣጽኒዓ እውን ሓዘቶ። የሱስ ከኣ፡ ‘ከም ዝረኣኽኒ፡ ኬድኪ ንኣሕዋተይ ንገርዮም’ በላ። ሽዑሽዑ፡ ማርያም ናብቶም ደቀ መዛሙርቲ ጐየየት፡ ንየሱስ ከም ዝረኣየቶ እውን ነገረቶም።

በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ክልተ ደቀ መዛሙርቲ ኻብ የሩሳሌም ናብ ኤማሁስ ይኸዱ ነበሩ። ኣብ መገዲ ኸኣ፡ ሓደ ሰብኣይ ተጸምበሮም እሞ፡ ብዛዕባ እንታይ ይዛራረቡ ኸም ዘለዉ ሓተቶም። ንሳቶም ድማ፡ ‘ኣይሰማዕካን ዲኻ፧ ቅድሚ ሰለስተ መዓልቲ እኮ፡ ሊቃውንቲ ኻህናት ንየሱስ ቀቲሎምዎ እዮም። ሎሚ ግና ገሊአን ኣንስቲ ኸም ዝተንስአ ነጊረናና’ በልዎ። እቲ ሰብኣይ ከኣ፡ ‘ብነብያትዶ ኣይትኣምኑን ኢኹም፧ ንሳቶም፡ ክርስቶስ ከም ዚመውትን ከም ዚትንስእን ተነብዮም እዮም’ በሎም። ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት እውን ገለጸሎም። ኣብ ኤማሁስ ምስ በጽሑ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ነቲ ሰብኣይ ምሳታቶም ኪሓድር ለመንዎ። ኣብ ድራር ብዛዕባ እቲ እንጌራ ምስ ጸለየ ኸኣ፡ ንሱ የሱስ ምዃኑ ኣለለይዎ። ንሱ ግና ካባታቶም ተሰወረ።

ሽዑ፡ እቶም ክልተ ደቀ መዛሙርቲ ተቐላጢፎም ናብታ ሃዋርያት ኣብ የሩሳሌም እተኣከቡላ ቤት ከይዶም፡ እንታይ ከም ዘጋጠሞም ነገርዎም። ኣብ ውሽጢ እታ ቤት ከለዉ ኸኣ፡ የሱስ ንዅሎም ተራእዮም። ኣብ ፈለማ፡ ንሱ የሱስ ምዃኑ፡ እቶም ሃዋርያት ኣይኣመኑን። ሽዑ፡ ‘ኣእዳወይ ርኣዩ፣ ተንክዩኒ። ክርስቶስ ካብ ምዉታት ከም ዚትንስእ ጽሑፍ ኣሎ’ በሎም።

“መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይካ ብኣይ፡ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን።”—ዮሃንስ 14:6

ሕቶታት፦ እተን ኣንስቲ ናብ መቓብር የሱስ ምስ ከዳ እንታይ እዩ ኣጋጢምወን፧ ናብ ኤማሁስ ኣብ እትወስድ መገዲ እንታይ እዩ ኣጋጢሙ፧

ማቴዎስ 27:57–28:10፣ ማርቆስ 15:42–16:8፣ ሉቃስ 23:50–24:43፣ ዮሃንስ 19:38–20:23

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ