ዛንታ 106
ካብ ቤት ማእሰርቲ ናጻ ወጹ
ነዚ ማዕጾ ቤት ማእሰርቲ ሒዙ ዝኸፍቶ ዘሎ መልኣኽ እሞ ርኣዮ። እቶም ናጻ ዘውጽኦም ዘሎ ሰባት ሃዋርያት የሱስ ኢዮም። ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘእተዎም ነገር እንታይ ምዃኑ እስከ ንርአ።
መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሊ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ካብ ዝወርድ ሒደት መዓልትታት ጥራይ ኢዩ ሓሊፉ ነይሩ። እቲ እተፈጸመ ነገር ከኣ እዚ ኢዩ:-ጴጥሮስን ዮሃንስን ሓደ መዓልቲ ኣብ ድሕሪ ቐትሪ ናብ ቤት መቕደስ የሩሳሌም ይኸዱ ነበሩ። ኣብ ኣፍደገ እቲ ቤት መቕደስ ከኣ ምሉእ ዕድሚኡ ዝለመሰ ሰብኣይ ነበረ። ካብቶም ኣብቲ ቤት መቕደስ ዝኣትዉ ሰባት ገንዘብ ምእንቲ ኽልምን መዓልቲ-መዓልቲ ሰባት ተሰኪሞም የምጽእዎ ነበሩ። ንጴጥሮስን ዮሃንስን ምስ ረኣዮም: ገለ ነገር ክተዅብሉ ለመኖም። እቶም ሃዋርያት እንታይ ይገብሩ ይዀኑ፧
ደው ኢሎም ነቲ ድኻ ሰብኣይ ጠመትዎ። ጴጥሮስ ከኣ ‘ገንዘብ የብለይን: እቲ ዘለኒ ግን ክህበካ። ብስም የሱስ ደው በል ኪድ ከኣ!’ በሎ። ብድሕርዚ ጴጥሮስ ነቲ ሰብኣይ ብየማናይ ኢዱ ኣተስኦ: ብኡንብኡ ኸኣ ደው በለ: ክኸይድ እውን ጀመረ። እቶም ሰባት እዚ ምስ ረኣዩ ኣዝዮም ተገረሙ: በዚ ዘደንቕ ተኣምራት ከኣ ተሓጐሱ።
ጴጥሮስ ከኣ ‘ብሓይሊ ናይቲ ንየሱስ ካብ ምዉታት ዘተንስኦ ኣምላኽ ኢና እዚ ተኣምራት እዚ እንገብር ዘሎና’ በለ። ንሱን ዮሃንስን እናተዛረቡ ኸለዉ ኸአ ገለ መራሕቲ ሃይማኖት መጹ። ጴጥሮስን ዮሃንስን ነቶም ህዝቢ: የሱስ ካብ ምዉታት ከም ዝተንስአ ይነግርዎም ስለ ዝነበሩ ተቘጥዑ። ስለዚ ሒዞም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዉዎም።
ንጽብሒቱ እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ዓቢ ኣኼባ ነበሮም። ንጴጥሮስን ንዮሃንስን ምስቲ ዘሕወይዎ ሰብኣይ ድማ ናብኡ ኣምጽእዎም። ‘እዚ ተኣምራት እዚ ዝገበርኩሞ በየናይ ሓይሊ ኢኹም፧’ ኢሎም ከኣ ሓተትዎም።
ጴጥሮስ ከኣ ብሓይሊ ናይቲ ንየሱስ ካብ ምዉታት ዘተንስኦ ኣምላኽ ኢና ብምባል መለሰሎም። እቶም ካህናት እንታይ ከም ዝገብሩ ጠፍኦም: ምኽንያቱ እዚ ዘገርም ተኣምራት ከም እተፈጸመ ፈጺሞም ክኽሕዱ ኣይክእሉን ኢዮም። ስለዚ ነቶም ሃዋርያት ድሕሪ ደጊም ብዛዕባ የሱስ ከይዛረቡ ኣጠንቂቖም ይኺዱ ገደፍዎም።
መዓልትታት እናሓለፈ ብዝኸደ መጠን እቶም ሃዋርያት ብዛዕባ የሱስ ምስባኽን ሕሙማት ምሕዋይን ቀጸሉ። ወረ ብዛዕባ እዚ ብዙሕ ተኣምራት እዚ ኣብ ኵሉ በጽሐ። ስለዚ ኸኣ ካብተን ኣብ ከባቢ የሩሳሌም ዝነበራ ከተማታት እውን ከይተረፈ ሃዋርያት ምእንቲ ኸሕውይዎም ሕሙማት ኣምጽኡሎም። እዚ ኸኣ ነቶም መራሕቲ ሃይማኖት ኣቕነኦም: ስለዚ ነቶም ሃዋርያት ሒዞም ቤት ማእሰርቲ ኣእተዉዎም። ኣብኡ ግን ብዙሕ ኣይጸንሑን።
ኣብዚ ከም እትርእዮ: መልኣኽ የሆዋ ንማዕጾ ናይቲ ቤት ማእሰርቲ ብለይቲ ኸፈቶ። እቲ መልኣኽ ከኣ ‘ኣብ ቤት መቕደስ ኪዱ: ነቶም ህዝቢ ኸኣ ተዛረብዎም’ በሎም። ንጽብሒቱ እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ነቶም ሃዋርያት ከምጽእሎም ናብቲ ቤት ማእሰርቲ ሰባት ሰደዱ: እቶም ሃዋርያት ግን ኣብኡ ኣይነበሩን። ጸኒሖም ኣብ ቤት መቕደስ ክምህሩ ኸለዉ ረኸብዎም እሞ ናብ ኣደራሽ ሳንሄድሪን ከኣ ኣምጽእዎም።
እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ከኣ ‘ብዛዕባ የሱስ ከይትምህሩ ኣይኣዘዝናኩምንዶ፧ ንስኹም ግን ንየሩሳሌም ብትምህርትኹም መሊእኩምዋ ኣለኹም’ በልዎም። ድሕርዚ እቶም ሃዋርያት ከምዚ ኢሎም መለስሎም:- ‘ካብ ንሰብ ንኣምላኽ ኢና እንእዘዝ።’ “ብስራት” ምምሃሮም ከኣ ቀጸሉ። እዝስ ክንስዕቦ ዝግብኣና ሰናይ ኣብነትዶ ኸይኰነ፧