ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lfb ትምህርቲ 95 ገጽ 222-ገጽ 223 ሕ.ጽ. 1
  • ዋላ ሓደ ደው ኬብሎም ኣይከኣለን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ዋላ ሓደ ደው ኬብሎም ኣይከኣለን
  • ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “ንኣምላኽ ኢና ኽንእዘዝ ዚግባእ”
    ‘ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣጸቢቕካ መስክር’
  • ካብ ቤት ማእሰርቲ ናጻ ወጹ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ‘ብዛዕባ የሱስ ምዝራብ ክንሓድግ ኣይኰነልናን እዩ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ንመን ኢኻ እትእዘዝ፧ ንኣምላኽዶ ወይስ ንሰብ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
ዝያዳ ርአ
ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
lfb ትምህርቲ 95 ገጽ 222-ገጽ 223 ሕ.ጽ. 1
ጴጥሮስን ዮሃንስን ካብቶም ካህናትን ሰዱቃውያንን ተቓውሞ እናኣጋጠሞም ክነሱ ብትብዓት ይሰብኩ

ትምህርቲ 95

ዋላ ሓደ ደው ኬብሎም ኣይከኣለን

ሓደ ብኣእጋሩ ኪኸይድ ዘይክእል ሰብኣይ፡ መዓልቲ መዓልቲ ኣብ ኣፍ ደገ ቤተ መቕደስ ተቐሚጡ ይልምን ነበረ። ሓደ ድሕሪ ቐትሪ፡ ጴጥሮስን ዮሃንስን ናብ ቤተ መቕደስ ኪኣትዉ ኸለዉ፡ ‘በጃኹም ትዀቡለይ’ ኢሉ ለመኖም። ጴጥሮስ ከኣ፡ ‘ካብ ገንዘብ ዚበልጽ ነገር ክህበካ እየ። ብስም የሱስ፡ ተንሲእካ ኺድ!’ በሎ። ሽዑ፡ ጴጥሮስ ደጊፉ ምስ ኣተንስኦ፡ እቲ ሰብኣይ ኪዛወር ጀመረ! እቶም ህዝቢ ድማ በዚ ተኣምር እዚ ተሓጐሱ፣ ብዙሓት እውን ኣመኑ።

እቶም ካህናትን ሰዱቃውያንን ግና ተቘጥዑ። ነቶም ሃዋርያት ሒዞም ከኣ ናብ ቤት ፍርዲ ወሰድዎም፣ ‘ነዚ ሰብኣይ እዚ ኸተሕውይዎ መን ሓይሊ ሂቡኩም፧’ ኢሎም እውን ሓተትዎም። ጴጥሮስ ድማ፡ ‘ካብቲ ዝቐተልኩምዎ የሱስ ክርስቶስ ኢና ሓይሊ ተቐቢልና’ ኢሉ መለሰሎም። እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ከኣ፡ ‘ብዛዕባ የሱስ ምዝራብ ደው ኣብሉ!’ ኢሎም ጨደሩሎም። እቶም ሃዋርያት ግና፡ ‘ብዛዕባኡ ኽንዛረብ ኣሎና። ደው ኣይነብልን ኢና’ በልዎም።

ጴጥሮስን ዮሃንስን ምስ ተፈትሑ፡ ናብ ካልኦት ደቀ መዛሙርቲ ኸይዶም ብዛዕባ እቲ ዘጋጠሞም ነገራት ነገርዎም። ብሓባር ኰይኖም ናብ የሆዋ ኣብ ዘቕረብዎ ጸሎት ድማ፡ ‘ዕዮኻ ምእንቲ ኽንዓዪ፡ ተባዓት ክንከውን በጃኻ ሓግዘና’ ኢሎም ለመንዎ። ሽዑ፡ የሆዋ መንፈስ ቅዱሱ ሃቦም፣ ንሳቶም እውን ምስባኽን ንሕሙማት ምሕዋይን ቀጸሉ። ብዙሓት ሰባት እውን ኣመኑ። ሰዱቃውያን ከኣ ኣዝዮም ስለ ዝቐንኡ፡ ነቶም ሃዋርያት ሒዞም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ደርበይዎም። ብለይቲ ግና፡ የሆዋ መልኣኹ ለኣኸ፣ እቲ መልኣኽ ከኣ ነቶም ሃዋርያት መዓጹ ቤት ማእሰርቲ ኸፊቱ ኣውጽኦም እሞ፡ ‘ናብ ቤተ መቕደስ ኬድኩም ምሃሩ’ በሎም።

ንጽብሒቱ፡ ነቶም ኣብቲ ዋዕላ ዚቕመጡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ‘እቲ ቤት ማእሰርቲ ተሸጒሩ ኣሎ፣ እቶም  ዝሓዝኩምዎም ሰባት ግና ኣብኡ የለዉን! ኣብ ቤተ መቕደስ ኰይኖም ንህዝቢ ይምህሩ ኣለዉ’ ተባሂሉ ተነግሮም። ንሳቶም ድማ ከም ብሓድሽ ነቶም ሃዋርያት ሓዝዎም፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ዋዕላ እውን ኣቕረብዎም። እቲ ሊቀ ኻህናት ከኣ፡ ‘ብስም የሱስ ከይትዛረቡ ኣዚዝናኩም ደይነበርናን፧’ በሎም። ጴጥሮስ ግና፡ “ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ኢና ኽንእዘዝ ዚግባእ” ኢሉ መለሰ።

እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ኣዝዮም ስለ እተቘጥዑ፡ ነቶም ሃዋርያት ኪቐትልዎም ደለዩ። ግናኸ፡ ገማልኤል ዝስሙ ፈሪሳዊ ተንስአ እሞ፡ ‘ተጠንቀቑ! ኣምላኽ ምስዞም ሰባት እዚኦም ኪኸውን ይኽእል እዩ። ምስ ኣምላኽ ክትብኣሱዶ ትደልዩ ኢኹም፧’ በሎም። ንሳቶም ከኣ ነቲ ምኽሩ ሰምዑ። ድሕርዚ፡ ነቶም ሃዋርያት ገረፍዎም፣ ስብከቶም ደው ኬብሉ መሊሶም ኣዚዞም ድማ ኪኸዱ ሓደግዎም። እዚ ግና ነቶም ሃዋርያት ደው ኣየበሎምን። ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ ኣብ ቤተ መቕደስን ኣብ በቤትን ብትብዓት ይሰብኩ ነበሩ።

“ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ኢና ኽንእዘዝ ዚግባእ።”—ግብሪ ሃዋርያት 5:29

ሕቶታት፦ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ስብከት ደው ዘየበሉ ስለምንታይ እዮም፧ የሆዋ ንዓታቶም ብኸመይ ሓጊዝዎም፧

ግብሪ ሃዋርያት 3:1–4:31፣ 5:12-42

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ