ክፍሊ 5
ትምህርትን ስራሕን
ቤት ትምህርቲ ፍተዎ ኣይትፍተዎ ብዘየገድስ: ዳርጋ 12 ዓመታት ናይ ህይወትካ እተሕልፈሉ ቦታ ኢዩ። እተን ኣብ ትምህርቲ እተሕልፈን ዓመታት ዘሰልክያ ዓመታት ወይ ብዙሕ ሓድሽ ነገራት እትረኽበለን ዓመታት ክዀና ይኽእላ ኢየን። እዚ ብዓቢኡ ኣብ ኣጠቓቕማ ናይቲ ኣብ ትምህርቲ እተሕልፎ ግዜ እተመርኰሰ ኢዩ። ስለዚ እምበኣር ኣብዛ ክፍሊ እዚኣ ብዛዕባ ትምህርቲ: ዕዮ ገዛ: ነጥቢ: ከምኡውን መምህራን ዕሙቝ ዝበለ ሓሳብ ክንርኢ ኢና። እቶም ድሮ ትምህርቲ ዝወዳእኩም ድማ ኣብ ስራሕኩም ዕዉታት ክገብረኩም ዝኽእል ገለ ነጥብታት አእቲና ኣሎና።