ምዕራፍ 18
18 ነጥበይ ብኸመይ ኢየ ከመሓይሾ ዝኽእል፧
ብዙሓት ተማሃሮ ቀዳማይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ‘ልዕሊ ዅሉ ብዛዕባ እንታይ ኢኹም እትሻቐሉ፧’ ተባሂሎም ምስ ተሓቱ 51 ሚእታዊት “ብዛዕባ ነጥቢ” ኢሎም መለሱ!
ስለዚ እምበኣር ንብዙሓት መንእሰያት ኣብ ትምህርቲ ዝረኽብዎ ነጥቢ እንተ ኣሻቐሎም ዘገርም ኣይኰነን። ኣብ ትምህርቲ እትረኽቦ ነጥቢ ከም እትሓልፍ ወይ ከም እትተርፍ: ጽቡቕ ደሞዝ ዘለዎ ወይ ትሑት ደሞዝ ዘለዎ ስራሕ ከም እትረክብ: ንወለድኻ ከም እተሐጕስ ወይ ከም እተጕሂ ኽገብር ይኽእል ኢዩ። ነጥብን ፈተናን ናቱ ቦታ ከም ዘለዎ ርዱእ ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ኢዩ የሱስ ክርስቶስ ንደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ ገለ ነገር ከም እተረድኦምን ዘይተረድኦምን ንምፍላጥ ብዙሕ ግዜ ዝፍትኖም ዝነበረ። (ሉቃስ 9:18) ከምቲ ሜዠርመንት ኤንድ ኤቫልወሽን ኢን ዘ ስኩልስ እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ዝበለቶ ድማ “ናይ ፈተና ውጽኢት ሓያልን ድኹምን ጐድንኻ የርእየካ: ኣብ ቀጻሊ ንእትገብሮ መጽናዕቲ ድማ ደራኺ ሓይሊ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።” ነጥብኻ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኸመይ ትዓዪ ከም ዘሎኻ—ንጽቡቕ ድዩ ንሕማቕ—ንወለድኻ ክሕብሮም ይኽእል ኢዩ።
ሚዛን ምሕላው
ይኹን እምበር: ብዛዕባ ነጥቢ እምብዛ ምጭናቕ ሃሳዪ ክኸውን: ከምኡውን ሕማቕ ናይ ምውድዳር መንፈስ ከም ዝሓድረካ ክገብር ይኽእል ኢዩ። ብዛዕባ ኣባጽሕ እትዛረብ ሓንቲ ናይ መምሃሪ መጽሓፍ ከም ዝገለጸቶ ብፍላይ ናይ ኮሌጅ ተማሃሮ “ኣብ ክንዲ ኣብቲ ዝቐስምዎ ትምህርቲ ኣብ ነጥብን ደረጃን እተመርኰሰ ውድድር ይሓድሮም ኢዩ።” ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ከምቲ ዶ/ር ዊልያም ግላሰር ዝበሎ: ተማሃሮ “ከሎ ገና ኣብ ፈተና እንታይ ከም ዝመጾም ይሓቱ እሞ . . . ነቲ ዝፍተንዎ ጥራይ የጽንዑ።”
ንጉስ ሰሎሞን ከምዚ ኢሉ ኣጠንቀቐ:- “ኵሉ ጻዕርን ኵሉ ምስላጥ ዕዮን ከኣ ንሰብ ኣብ ብጻዩ ቕንኢ ኸም ዜተንስእ ርኤኹ። እዚውን ከንቱነትን ደድሕሪ ንፋስ ምጕያይን እዩ።” (መክብብ 4:4) ንስጋዊ ሃብቲ ይኹን ሽልማት ኢልካ ዝግበር ብርቱዕ ውድድር ከንቱ ኢዩ። እቶም ንኣምላኽ ዝፈርሁ መንእሰያት ክማሃሩ ኣድላዪ ምዃኑ ይርድኦም ኢዩ። እንተዀነ ግን: ንትምህርቲ ኣብ ህይወቶም ቀንዲ ነገር ገይሮም ኣይኰኑን ዝርእይዎ: ኣብ ክንድኡ የሆዋ ብስጋዊ ነገራት ከም ዝሓልየሎም ብምትእምማን መንፈሳዊ ረብሓታት ኢዮም ዘቐድሙ።—ማቴዎስ 6:33፣ ነታ ብዛዕባ ምምራጽ ስራሕ እትዛረብ ምዕራፍ 22 ርአ።
ኣብ ርእሲ እዚ: ትምህርቲ ክበሃል ከሎ ዝለዓለ ነጥቢ ምርካብ ማለት ጥራይ ኣይኰነን። ትምህርቲ ማለት ነቲ ሰሎሞን “ናይ ምሕሳብ ክእለት” (NW ) ኢሉ ጸዊዕዎ ዘሎ ምምዕባል ኢዩ: እዚ ድማ ሓበሬታታት ኣኻኺብካ ካብኡ ጥዑይን ተግባራውን መደምደምታ ናይ ምግባር ክእለት ኢዩ። (ምሳሌ 1:4) ሓደ ብግምት: ብሽምደዳ: ወይ እውን ብምቕዳሕ ናይ መሕለፊ ነጥቢ ዝረክብ መንእሰይ ብኸመይ ከም ዝሓስብ ፈጺሙ ኣይማሃርን ኢዩ። ብቝጽሪ ዝለዓለ ነጥቢ ኣምጺእካ ዳሕራይ ግን ንናይ ሕሳብ ደብተር እኳ ክትድምር እንተ ዘይክኢልካ እንታይ ይዓብስ፧
ስለዚ እምበኣር: ነጥቢ ናይ መወዳእታ ሸቶኻ ዘይኰነስ ነቲ ኣብ ትምህርቲ እተርእዮ ዘሎኻ ዕቤት ከም መዐቀኒ ገይርካ ክትርእዮ ኣገዳሲ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ክእለትካ ከንጸባርቕ ዝኽእል ነጥቢ ብኸመይ ኢኻ ኽትረክብ እትኽእል፧
ንኽትማሃር ሓላፍነት ይሰማዕካ!
መምህር ሊንዳ ኔልሰን ከም ዝበለቶ ሕማቓት ተማሃሮ “ሕማቕ ነጥቢ ምስ ዝረኽቡ እቲ ሕቶታት ርትዓዊ ኣይነበረን: እቲ መምህር መዳለዊ ኢዩ: ሕማቕ ዕድል ኢዩ ዘሎኒ: ጽሕፍቶይ ኢዩ: እቲ ዅነታት ኣየር ኣይፈተኽዎን ነይረ ብምባል ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ዝዀነ ዅነታት ከም ዘጋጠሞም ናብ ምምኽናይ ኢዮም ዝዘዝዉ።” መጽሓፍ ቅዱስ ግን “ነፍሲ ሃካይ ሃረር ትብል እሞ ገለ ኣይትረክብን” ኢዩ ዝብል። (ምሳሌ 13:4) እወ: ዝበዝሕ ግዜ ተማሃሮ ሕማቕ ነጥቢ ዝረኽቡሉ ናይ ሓቂ ምኽንያት ትህኪት ኢዩ።
ንፉዓት ተማሃሮ ግን ነቲ ንኽማሃሩ ዘለዎም ሓላፍነት ኣርዚኖም ኢዮም ዝርእይዎ። መጽሔት ቲን (እንግሊዝኛ) ሓደ ግዜ ኣብ መንጎ ንፉዓት ተማሃሮ ላዕለዋይ (ካልኣይ) ደረጃ ቤት ትምህርቲ መጽናዕቲ ገይራ ነይራ። እቲ ምስጢር መንፍዓቶም እንታይ ኢዩ፧ ሓደ ኻብኦም “ብሕታዊ ድራኸ ይሕግዝ ኢዩ” በለ። ካልእ ኸኣ “ንገዛእ ርእስኻ ብመደብ ምምራሕን ግዜኻ ምምቕራሕን ኢዩ” ይብል። ሓደ ኻልእ ድማ “ሸቶ ከተውጽእ ኣሎካ” ይብል። እወ: ጽቡቕ ነጥቢ ኽትረክብ እንተድኣ ዄንካ ብዓቢኡ ኣብቲ ኽትቈጻጸሮ ዘይትኽእል ረቛሒታት ዘይኰነስ ኣባኻ እተመርኰሰ ኢዩ። እዚ ማለት ድማ ኣበርቲዕካ ንምጽናዕን ንገዛእ ርእስኻ ኣብ ትምህርቲ ንምውፋይን ፍቓደኛ ኣብ ምዃንካ ዝምርኰስ ኢዩ።
‘ግን እኮ አጽንዕ ኢየ’
ገሊኦም መንእሰያት ከምዚ ኢዮም ዝብሉ። ዝከኣሎም እናጸዓሩ ክነሶም ክዕወቱ ዘይከኣሉ ዀይኑ ኢዩ ዝስምዖም። ገለ ዓመታት ይገብር ግን ኣብ ስታንፎርድ ዩኒቨርሲቲ (ሕ.መ.ኣ.) ዘለዉ ተመራመርቲ ን770 ዝዀኑ ተማሃሮ ነቲ ናይ ቤት ትምህርቲ ዕዮኦም ንምፍጻም ክሳዕ ክንደይ ይጽዕሩ ዘለዉ ዀይኑ ከም ዝስምዖም ብምሕታት መጽናዕቲ ኣካየዱ። እቲ ዝገርም: እቶም ሕማቕ ነጥቢ ዘለዎም ተማሃሮ እውን ከይተረፈ ልክዕ ከም ካልኦት ኣበርቲዖም ከም ዘጽንዑ ኢዮም ተዛሪቦም! እቲ ናይ መጽናዕቲ ልምዶም ምስ ተመርመረ ግን ዝሰርሕዎ ዕዮ ገዛ ካብቶም ንፉዓት መማህርቶም ኣጸቢቑ ዝተሓተ ኰይኑ ኢዩ ተረኺቡ።
ካብዚ እንታይ ኢኻ እትማሃር፧ ምናልባት ንስኻ እውን ዋላ እኳ ኣበርቲዕካ ተጽንዕ ዘሎኻ ኰይኑ እንተ ተሰምዓካ ዕዉት ንምዃን ክትገብሮ ዘሎካ ለውጥታት ክህሉ ይኽእል ኢዩ። ኣብ ጆርናል ኦቭ ኢዱኬሽናል ሳይኮሎጂ እትበሃል መጽሔት (እንግሊዝኛ) ዝወጸ ዓንቀጽ ከም ዝሕብሮ “ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ነቲ ዝወሃበካ ዕዮ ገዛ ንምስራሕ ንውሕ ዝበለ ግዜ ምሕላፍ ጥራይ ኣብቲ እተምጽኦ ነጥቢ ኣወንታዊ ጽልዋ ክህልዎ ይኽእል ኢዩ።” አረ “ኣብ ሰሙን ካብ 1 ክሳብ 3 ሰዓት ጥራይ ንዕዮ ገዛ ግዜ ምምዳብ ነቲ ንፉዕ ዘይኰነ ተማሃራይ እውን ከይተረፈ ክንዲ ናይቲ ዕዮ ገዛ ዘይሰርሕ ማእከላይ መንፋዓት ዘለዎ ተማሃራይ ዝኣክል ነጥቢ ኸም ዝረክብ ክገብሮ ይኽእል ኢዩ።”
ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብቲ ዘውጽኦ ሸቶ ንኽበጽሕ ብምሳልያዊ መገዲ ‘ንስጋኡ ከሰቅዮ’ ነይርዎ ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 9:27) ንስኻ እውን ብተመሳሳሊ ብፍላይ ከም ቲቪን ካልእ ዝርብሽ ነገራትን ኣብ ግዜ መጽናዕቲ ብቐሊሉ ኣቓልቦኻ ዝወስድ እንተድኣ ዀይኑ ትርር ዝበለ መምርሒ ከተውጽእ ከድልየካ ኢዩ። ምናልባት ኣብ ልዕሊ እታ ቲቪ “ናይ ቤት ትምህርቲ ዕዮ ገዛ ከይተወድአ ቲቪ ኣይትውላዕን ኢያ!” ዝብል ምልክት ምግባር የድልየካ ይኸውን ኢዩ።
እተጽንዓሉ ቦታ
መብዛሕትና ንመጽናዕቲ ዝኸውን ብሕት ዝበለ ቦታ ክህልወና ኸሎ ብዙሕ ረብሓ ንረክብ ኢና። ምስ ካልኣይካ ኣብ ሓደ ኽፍሊ ትድቅስ እንተድኣ ዄንካ ወይ ጽበት ገዛ እንተድኣ ኣለኩም ኰይኑ ሓደ ነገር ተጣበብ! ምናልባት ክሽነ ወይ ናይ ካልእ ሰብ መደቀሲ ምሸት ምሸት ንሓደ ሰዓት ወይ ካብኡ ንላዕሊ ዝኸውን ናይ መጽናዕቲ ቦታኻ ገይርካ ክትወስዶ ትኽእል ኢኻ። ዘይከውን እንተ ዀይኑ ድማ ኣብ ህዝባዊ ኣብያተ-ንባብ ወይ ናይ ዓርክኻ መንበሪ ገዛ ኴንካ ከተጽንዕ ትኽእል ኢኻ።
ዝከኣል እንተድኣ ዀይኑ መጻሕፍትኻ ክትዝርጋሓሉ እትኽእል ዕብይ ዝበለ ሰደቓ ወይ ጣውላ ተጠቐም። ብተደጋጋሚ ምእንቲ ኸይትትስእ ከም ርሳስን ወረቐትን ዝኣመሰለ ዘድልየካ ነገራት ኣብ ጥቓኻ ግበር። ብሓፈሻ ክርአ ኸሎ ቲቪ ወይ ሬድዮ ወሊዕካ ምጽናዕ ልክዕ ከምቲ እተደወለ ስልኪ ወይ ኣጋይሽ ዝርብሹኻ ንኸይተቕልብ ዕንቅፋት ክኸውን ይኽእል ኢዩ።
እኹል መብራህቲ ይሃልኻ። እኹል ብርሃን እንተድኣ ኣሎ ብመጽናዕቲ ቐልጢፍካ ከይትደክም ክሕግዝ ይኽእል ኢዩ: ዓይንኻ እውን ኣይክህሰን ኢዩ። ዝከኣል እንተድኣ ዀይኑ ድማ እቲ ቦታ እኹል ኣየር ይረክብ ምዃኑን ዘይምዃኑን ከምኡውን ሙቐቱ ኣረጋግጽ። ካብ ሙቐት ዘለዎ ክፍሊ ዝሑል ክፍሊ ንመጽናዕቲ ዝያዳ ሓጋዚ ኢዩ።
መጽናዕቲ ቀጨውጨው ዝብለካ እንተድኣ ዀይኑኸ፧ ኣብ ህይወት ከምቲ እንደልዮ ኴንና ክንሕጐስ ብዙሕ ግዜ ናብራና ኣየፍቅደልናን ኢዩ። ኣብ ዓለማዊ ስራሕ እንተድኣ ዀይኑ ይበራሃካ ኣይበራሃካ ብዘየገድስ ኵሉ ግዜ ክትሰርሕ ኣሎካ። ስለዚ ናይ ቤት ትምህርቲ ዕዮ ገዛ ምዕያይ ኮፍ ኢልካ ናይ ምስራሕ ልምዲ ንኸተማዕብል ዝሕግዝ ገይርካ ውሰዶ: ነቲ ዳሕራይ እትሕዞ ስራሕ ተመክሮ ክዀነካ ኢዩ። ልክዕ ከም ሰራሕተኛ ኹን። ሓደ ምሁር ከምዚ ኢሉ ሓሳብ ይህብ:- “ዝከኣል እንተድኣ ዀይኑ መጽናዕቲ ዅሉ ግዜ ኣብ ሓደ ቦታን ኣብ ሓደ እዋንን ክግበር ኣለዎ። በዚ ኸምዚ እቲ ስርዓታዊ መጽናዕቲ ልምዲ ይኸውን: . . . እቲ ንኸይተጽንዕ እትገብሮ ምዕጥይጣይ ከኣ ክቕንስ ኢዩ።”
ናይ መጽናዕቲ ልምድኻ
ኣብ ፊልጲ 3:16 ጳውሎስ ንክርስትያናት ‘በቲ ዝበጻሕኩምዎ መጠን ብሓደ መገዲ ተመላለሱ’ ኢሉ ኣተባብዖም። ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ክርስትያናት ዘለዎም ልምዲ ኢዩ ዝዛረብ ነይሩ። እንተዀነ ግን: እዚ ልምዲ እዚ ኣብቲ ናይ መጽናዕትኻ ኣገባብ እውን ጠቓሚ ኢዩ። ንኣብነት: እንታይ ከም እተጽንዕ መድብ። ተመሳሳሊ ዝዀነ ኣርእስትታት (ንኣብነት ክልተ ባዕዳዊ ቋንቋታት) ብተኸታታሊ ኣይተጽንዕ። ብፍላይ እቲ እተዋህበካ ዕዮ ገዛ ክብድ ዝበለ ምስ ዝኸውን ሓንቲ ትምህርቲ ኣጽኒዕካ ምስ ወዳእካ ኣብ መንጎ ዕረፍቲ ግበር።
እቲ ተዋሂቡካ ዘሎ ዕዮ ገዛ ንባብ ዝበዝሖ እንተድኣ ዀይኑ ነዚ ዝስዕብ ክትፍትን ትኽእል ኢኻ። መጀመርታ ነቲ ዝጽናዕ ኣርእስቲ ዳህስሶ። ሓፈሻዊ ሓሳብ ምእንቲ ኽህልወካ ነቲ ሒዝዎ ዘሎ ንኡስ ኣርእስትታት: ቻርትታትን ካልእን ሕልፍ ሕልፍ ኢልካ ርኣዮ። ድሕርዚ ኣብ ኣርእስትታት ወይ ቀንዲ ምሉእ ሓሳብ ናይቲ ምዕራፋት ተመርኲስካ ሕቶታት ኣዳሉ። (ከምዚ ምግባር ንኣእምሮኻ ኣብቲ እተንብቦ ዘሎኻ ከም ዘተኵር ዝገብሮ ኢዩ።) ድሕርዚ ንመልሲ ናይቲ ሕቶታት ንምርካብ ብምዕላም ኣንብብ። ሓደ ሕጡብ-ጽሑፍ ወይ ክፍሊ ምስ ወዳእካ ብሓሳብካ ዘርዝሮ ወይ ኣብቲ ጽሑፍ ከይረኣኻ ክትዝክሮ ፈትን። ንብምልኡ እቲ ዝጽናዕ ምስ ወዳእካ ኸኣ ነቲ ኣርእስትታት ጥራይ እናረኣኻ ድገሞ። ገሊኣቶም እዚ ኣገባብ እዚ ንተማሃሮ ካብቲ ዘንበብዎ 80 ሚእታዊት ንኽዝክሩ ዝሕግዞም ምዃኑ ይዛረቡ ኢዮም!
ኣብ ርእሲ እዚ ሓደ ምሁር ከምዚ በለ:- “ሓደ ጭብጥታት ዝሓዘ ትምህርቲ ንበይኑ ደው ክብል ከም ዘይክእል ኣብ ክንድኡስ ምስ ካልእ ዓይነት ፍልጠት እተተሓሓዘ ምዃኑ እቲ ተማሃራይ ክግንዘብ ኣለዎ።” ስለዚ እምበኣር: ነቲ ዘጽናዕካዮ ምስቲ ድሮ እትፈልጦን እተመከርካዮን ነገር ከተተሓሕዞ ፈትን። ነቲ እትማሃሮ ዘሎኻ ብኸመይ ኣብ ግብሪ ከም እተውዕሎ መርምር።
እቶም ንኣምላኽ ዝፈርሁ መንእሰያት ናይ ሓቂ ረብሓ ከም ዘለዎም ምግንዛብ ሰናይ ኢዩ። ከመይሲ መጽሓፍ ቅዱስ “ፍርሃት እግዚኣብሄር ንጥበብ [“ንፍልጠት:” NW ] መጀመርያኣ እዩ” ይብል። (ምሳሌ 1:7) ንኣብነት: ብዛዕባ ሕግታት ፊዚክስ ክትማሃር ስቕ ኢሉ መሰልከዪ መሲሉ ይርአ ይኸውን። እንተዀነ ግን: እቲ ‘ዘይርአ ባህርይ’ ኣምላኽ ካብ ፍጥረት ‘ክንርእዮ’ ከም እንኽእል ምርዳእ ነቲ እትማሃሮ ዘሎኻ ዝያዳ ትርጕም ዘለዎ ዝገብሮ ኢዩ። (ሮሜ 1:20) ታሪኽ እውን ምስ ፍጻሜ ዕላማታት ኣምላኽ እተተሓሓዘ ነገራት ኣለዎ። ሸውዓተ ሓይልታት ዓለም (ነዛ ሕጂ ዘላ ኣንግሎ ኣመሪካ እውን ሓዊስካ) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሓሳብ ተዋሂቡሎም ኣሎ!—ራእይ 17:10፣ ዳንኤል ምዕራፍ 7
ነቲ እተማሃርካዮ ምስቲ ድሮ እትፈልጦ ነገራት ወይ ምስ ክርስትያናዊ እምነትካ ምስ እተተሓሕዞ እቲ እትማሃሮ ትርጕም ዘለዎ ክኸውን ኢዩ: እቲ ፍልጠት ድማ ናብ ምርዳእ ክዓቢ ኢዩ። ከምቲ ሰሎሞን ዝገለጾ ድማ “ነእምሮኛ . . . ፍልጠት ኣይሽግሮን [ኢዩ]።”—ምሳሌ 14:6
‘ዝመጽእ ዘሎ ሰሙን ፈተና ኣለኩም’
ከምዚ ዝኣመሰለ ቃላት ከሰንብደካ የብሉን። ቀዳማይ ነገር ካብቲ መምህርካ ዝህቦ ሓሳብ እንታይ ዓይነት ፈተና ከም ዝዀነ ማለት ግለጽ ድዩ ወይስ ምረጽ ንምስትውዓል ፈትን። ቀቅድሚ እቲ ፈተና ኣብ ዘለዋ መዓልትታት ድማ ብዛዕባ እቲ ፈተና ገለ ሓበሬታ ክዋሃብ ስለ ዝኽእል ጽን ኢልካ ስማዕ። (“እዛ ቀጺላ ዘላ ነጥቢ ኣድላይት ኢያ” ወይ “እዚኣ ከይትርስዕዋ” ዝብል መግለጺታት ልሙድ ዝዀነ ሓበሬታ ናይቲ ኣብ ፈተና ዝመጽእ ምዃኑ ሓንቲ ሲንየር ስኮላስቲክ ዘርእስታ ናይ እንግሊዝኛ መጽሔት ትገልጽ።) ድሕርዚ ነቲ ዝጸሓፍካዮ መዘኻኸሪ ነጥብታት: እትጥቀመሉ መምሃሪ መጻሕፍቲ: ከምኡውን ዕዮ ገዛ ኣጽንዓዮ።
ሰሎሞን “ሓጺን ንሓጺን ይስሕሎ: ከምኡ ኸኣ ሰብ ንገጽ ብጻዩ ይስሕሎ” ብምባል የዘኻኽረና። (ምሳሌ 27:17) ምናልባት ዓርክኻ ወይ ድማ ወለድኻ ከተጽንዕ ከሎኻ ሕቶታት ከም ዝሓቱኻ ወይ ከኣ ኣብ ክፍሊ እተማሃርኩምዎ ክትደግሞ ከሎኻ ጽን ኢሎም ከም ዝከታተሉኻ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ድሕርዚ ቀቅድሚ እታ ናይ ፈተና መዓልቲ ዘላ ምሸት ህድእ በል: እኹል ድቃስ እውን ደቅስ። የሱስ “ካባኻትኩምከ ተጨኒቑ ኣብ ልዕሊ ቝመቱ ሓንቲ እመት ኪውስኽ ዚኽእል መን አሎ፧” ኢሉ ሓተተ።—ማቴዎስ 6:27
ምትራፍ
ፈተና ምትራፍ: ብፍላይ ድማ ንኽትሓልፍ ዝከኣለካ ኵሉ ምስ እትጽዕር: ንርእስኻ ከም ዘይትረብሕ ገይርካ ከም እትርእያ ክገብረካ ይኽእል ኢዩ። ማክስ ራፈርቲ እተባህለ ምሁር ግን ከምዚ ኢሉ የዘኻኽረና:- “ብህይወት ክሳዕ ዘሎና በቲ እንፈልጦ: በቲ እንረኽቦ ውጽኢት ኢና እንዕቀን። . . . ንተማሃሮ ኣወንታዊ መዳይ ህይወት ጥራይ ከም ዝርእዩ ገይሩ ዘተዓሻሽዎም ቤት ትምህርቲ: ትምህርቲ ዘይኰነስ ሕልሚ ዘፍሪ ፋብሪካ ጥራይ ኢዩ።” እቲ ብሰንኪ ምትራፍካ ዝፍጠር ውርደት ጌጋኻ ኣሪምካ ከተመሓይሽ ከም እትጽዕር ዝገብረካ እንተድኣ ዀይኑ ጽቡቕ ኢዩ።
እንተዀነ ግን: ነቶም ዝጐሃዩ ወለድኻ ከመይ ኢልካ ኢኻ ነቲ ሕማቕ ነጥብታት ዝሓዘ እተቐበልካዮ ወረቐት ምስክር ከተርእዮም፧ ሓድሓደ ግዜ ከምዚ ዝኣመሰለ ፍርሂ ናይ ሓሶት ሜላታት ከም እትምህዝ ይገብረካ ኢዩ። ሓደ መንእሰይ “ነቲ እተዋሃበኒ ወረቐት ምስክር ኣብ ናይ ክሽነ ጣውላ ኣቐሚጠ: ናብቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ክፍሊ ብምኻድ ክሳዕ ንጽባሒቱ እድቅስ ነበርኩ” ብምባል ይዝክር። ሓደ ኻልእ ኸኣ “ነደይ ከየርኣኽዋ ስቕ ኢለ ሒዘዮ እጸንሕ። ደሓር ስራሕ ንምኻድ ክትብገስ ከላ የርእያ እሞ ‘ፈርምለይ’ እብላ። ሽዑ ምሳይ ክትዛረብ ግዜ ኣይትረክብን ኢያ”—እንተወሓደ ንግዜኡ ኣይትቋየቖን። ገለ መንእሰያት ድማ ናይ ሓሶት ነጥቢ ኣብቲ እተዋሃቦም ወረቐት ምስክር ይመልኡ ኢዮም!
ይኹን እምበር: ኣብ ቤት ትምህርቲ ኸመይ ትኸይድ ከም ዘሎኻ ወለዲ ክፈልጡ መሰል ኣለዎም። ነጥብኻ መንፋዓትካ ከንጸባርቕ ክጽበዩ ባህርያዊ ኢዩ: ካብቲ ግቡእ ንታሕቲ ምስ ዝኸውን ድማ መቕጻዕቲ ይወሃበካ ይኸውን። ስለዚ ንወለድኻ ሓሲኻ ኣይትንገሮም። “ንተግሳጽ ኣቦኻ ስምዓዮ: ንትምህርቲ ወላዲትካ ድማ ኣይትሕደጎ።” (ምሳሌ 1:8) ካብ ዓቕምኻ ንላዕሊ ኸም ዝጽበዩኻ ዀይኑ ምስ ዝስመዓካ ብዛዕባኡ ምስኦም ተዛረብ።—ነቲ ኣብ ምዕራፍ 2 ዘሎ “ንወለደይ ከመይ ገይረ ኢየ ኽነግሮም፧” ዝብል እታው ርአ።
ነጥቢ ኣገዳሲ እኳ እንተዀነ: ነቲ ኸም ሰብ መጠን ዘሎካ ነባሪ ውጽኢት ናይ መወዳእታ መዐቀኒ ግን ኣይኰነን። ይኹን እምበር: ነቲ ኣብ ትምህርቲ እተሕልፎ ግዜ ብግቡእ ተጠቐመሉ: ክሳዕ ዝከኣለካ ድማ ትምህርቲ ቅሰም። ከምዚ ዝኣመሰለ ጻዕሪ ኸኣ ዝበዝሕ ግዜ ንዓኻን ንወለድኻን ዘሐጕስን ዘዕግብን ነጥቢ ኸም እትረክብ ዝገብር ኢዩ።
ንመመያየጢ ዝኸውን ሕቶታት ምዕራፍ 18
◻ ነጥቢ ንምንታይ ይጠቅም: ብዛዕባኡ ርትዓዊ ኣረኣእያ ክህልወካ ኣገዳሲ ዝዀነኸ ስለምንታይ ኢዩ፧
◻ ንኽትማሃር ብሕታዊ ሓላፍነት ክስመዓካ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧
◻ ብዛዕባ እቲ ኻብ ትምህርቲ ምስ ተፈደስካ እትገብሮ ንጥፈታት ክትሓስበሉ ዘሎካ ገለ ነጥብታት እንታይ ኢዩ፧
◻ ገለ ካብቲ ንነጥብኻ ከተማሓይሸሉ እትኽእል ገለ መገድታት እንታይ ኢዩ፧
◻ ንፈተና ብኸመይ ኢኻ ክትዳሎ እትኽእል፧
◻ ፈተና ምትራፍ ብኸመይ ኢኻ ክትርእዮ ዘሎካ: እዚኸ ካብ ወለድኻ ክሕባእ ዘለዎ ነገር ድዩ፧
[Blurb on page 141]
ሓደ ብግምት: ብሽምደዳ: ወይ እውን ብምቕዳሕ ናይ መሕለፊ ነጥቢ ዝረክብ መንእሰይ ብኸመይ ከም ዝሓስብ ፈጺሙ ኣይማሃርን ኢዩ
[Box/Picture on page 144, 145]
ካብ ናይ ትምህርቲ ሰዓታት ወጻኢ ዝግበር ንጥፈታትከ፧
ብዙሓት መንእሰያት ካብ ቤት ትምህርቲ ምስ ተፈደሱ ዝገብርዎ ነገራት ብዙሕ ከም ዘዕግቦም ኢዮም ዝዛረቡ። ሓደ ኣብ ባልቲሞር: ሜሪላንድ (ሕ.መ.ኣ.) ዘሎ ወዲ “ዳርጋ ኣብ ኵሉ ክለባት ኣባል ኢየ ነይረ” ይብል። ወሲኹ ድማ “ነቲ ዝፈትዎ ነገራት ክገብር ባህ ኢዩ ዝብለኒ። ማካይን እፈቱ ስለ ዝነበርኩ ኣብ ሓደ ናይ ማካይን ክለብ ኣባል ነበርኩ። ኮምፕዩተራት ስለ ዝፈቱ ኣብኡ እውን ኣተኹ። ዝስማዕ ነገራት እውን እፈቱ ኢየ ስለዚ ድማ ምስኦም እውን ተጸንበርኩ” ይብል። ብፍላይ ናይ ኮሌጅ ተማሃሮ ኣብቲ ኻብ ትምህርቲ ምስ ተፈደሱ ዝግበር ንጥፈታት ንኽካፈሉ ይደፋፍኡ ኢዮም።
ይኹን እምበር: ቅድም መምህር ዝነበረ ናይ ሕ.መ.ኣ. ፈደራላዊ መንግስቲ በዓል ስልጣን ንወኪል ንቕሑ! ከምዚ በለ:- “ተማሃሮ ጽቡቕ ነጥቢ ንኸየምጽኡ ምኽንያት ዝኸውን ዘሎ ምናልባት ካብቲ ዕዮ ገዛ ንምስራሕ ዘሕልፍዎ ግዜ ኣብቲ ምስ ተፈደሱ ዝገብርዎ ንጥፈታት ዘጥፍእዎ ግዜ ስለ ዝበዝሕ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።” እወ: ኣብቲ ምስ ተፈደስካ ዝግበር ንጥፈታት ሚዛናዊ ምዃን ቀሊል ኣይኰነን። ሓንቲ ቕድም ምስቲ ናይ ቤት ትምህርታ ናይ “በይዝቦል” ጋንታ ትጻወት ዝነበረት ካቲ እትበሃል ጓል ከምዚ ትብል:- “ልምምድ ገይረ ምስ መጻእኩ ኣዝየ ስለ ዝደክም ዋላ ሓንቲ ኽገብር ኣይክእልን ኢየ። ትምህርተይ ድማ ተተንከፈ። ስለዚ ኸኣ ኣብዚ ዓመት እዚ ምስታ ጋንታ ኣይኣተኹን።”
መንፈሳዊ ሓደጋታት እውን ኣሎ። ሓደ ክርስትያን ሰብኣይ ነቲ ኣብ ዕድመ ኰተቴ ዘሕለፎ ነገራት ብምዝካር ከምዚ ይብል:- “ንሰለስቲኡ ንጥፈታት ማለት ትምህርቲ: ምስ ባንድ ምልምማድ: ከምኡውን መንፈሳዊ ንጥፈታት ኣወሃሂደ ክሕዞ ዝኽእል ኢዩ ዝመስለኒ ነይሩ። እንተዀነ ግን: እዚ ሰለስቲኡ ንሓድሕዱ ክጋጮ ኸሎ ነቲ መንፈሳዊ መዳይ ኢየ መስዋእቲ ዝገብሮ ነይረ።”
ኣብ ክልተ ናይ ቤት ትምህርቱ ናይ ስፖርት ጋንታታት ኣትዩ ዝነበረ ቴሞን እተባህለ መንእሰይ እውን ምስ እዚ ይሰማማዕ ኢዩ:- “ነፍሲ ወከፍ ሰሉስ: ሓሙስ: ከምኡውን ቀዳም ካብ ከተማ ወጺእና ሰዓት ክልተ ናይ ለይቲ ስለ እንምለስ ኣብቲ ኣብ ኣደራሽ [መንግስቲ] ዝግበር ዝነበረ ኣኼባታት [መንፈሳዊ ትምህርቲ ንምርካብ ] ክእከብ ኣይከኣልኩን።” ‘ስጋዊ ምልማድ ንቕሩብ ነገር ዝጠቅም’ እኳ እንተዀነ “ኣምልኾ ግና ንዅሉ ይጠቅም” ምዃኑ ምዝካር ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ።—1 ጢሞቴዎስ 4:8
ብዛዕባ እቲ ኸጋጥመካ ዝኽእል ስነ-ምግባራዊ ሓደጋ እውን ሕሰብ። ምስቶም ብስነ-ምግባር ዝመጸ ጽቡቕ ጽልዋ ክገብሩልካ ዝኽእሉ ጥዑያት ኣዕሩኽ ዲኻ እትሓብር፧ ብዛዕባ እንታይ ኢኹም እተዕልሉ፧ እቶም ደቂ ጋንታኻ ወይ ኣባላት እታ ክለብ ሕማቕ ጽልዋ ክገብሩልካ ይኽእሉዶ ኢዮም፧ 1 ቈረንቶስ 15:33 “ኣይትታለሉ: ሕማቕ ዕርክነት ንጽቡቕ ልማድ የጥፍኦ እዩ” ትብል።
ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር መንእሰያት ነቲ ኻብ ትምህርቲ ምስ ተፈደሱ ዘለዎም ግዜ ኣብቲ ኻብ ስፖርት ንላዕሊ ጠቓሚ ዝዀነ ማለት ካልኦት ንፈጣሪ ንኽፈልጥዎ ኣብ ምሕጋዝ ዘሕልፍዎ ምዃኖም ዘሐጕስ ኢዩ። ቈሎሴ 4:5 “ጊዜ እናዐደግኩም: ምስቶም ኣብ ወጻኢ ዘሎዉ ብጥበብ ተመላለሱ” ብምባል ትመክር።
[Picture on page 143]
መብዛሕትኡ ግዜ ጽቡቕ ናይ መጽናዕቲ ልምዲ ዘይብሎም ተማሃሮ . . . ኣብ ፈተና ይተርፉ ኢዮም
[Picture on page 146]
ካብ ትምህርቲ ምስ ተፈደስካ እትገብሮ ንጥፈታት ምስ ዕዮ ገዛ ሚዛናዊ ገይርካ ክትሕዞ ቀሊል ኣይኰነን
[Picture on page 148]
ወለዲ በቲ ሕማቕ ነጥቢ ዝሓዘ ወረቐት ምስክር ከም ዝሓርቁ ርግጽ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ካብ ዓቕምኻ ንላዕሊ ከም ዝጽበዩኻ ዀይኑ ምስ ዝስመዓካ ብዛዕባኡ ምስኦም ተዛረብ