ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • yp2 ምዕ. 13 ገጽ 114-120
  • ኣብ ትምህርቲ ብኸመይ ክነፍዕ እኽእል፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣብ ትምህርቲ ብኸመይ ክነፍዕ እኽእል፧
  • መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን፡ 2ይ ጥራዝ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንዕዮ ገዛ ዚኸውን ሓገዝ
  • ነቲ ዕንቅፋታት ምስጋሩ
  • ዕዮ ገዛይ ክውድእ ዝኽእል ብኸመይ እየ፧
    መንእሰያት ዚሓትትዎ
  • ነጥበይ ሕማቕ እንተ ዀይኑ እንታይ ክገብር ኣሎኒ፧
    መንእሰያት ዚሓትትዎ
  • ውሉድካ ነጥቡ ኸመሓይሽ ብኸመይ ከም እትሕግዞ
    ንስድራ ቤት
  • 18 ነጥበይ ብኸመይ ኢየ ከመሓይሾ ዝኽእል፧
    መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን
ዝያዳ ርአ
መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን፡ 2ይ ጥራዝ
yp2 ምዕ. 13 ገጽ 114-120

ምዕራፍ 13

ኣብ ትምህርቲ ብኸመይ ክነፍዕ እኽእል፧

ኣብ ጽዑቕን ጸልማትን ጣሻ ኸም ዘለኻ ጌርካ እሞ ሕሰብ። ጨናፍር እቲ ኣእዋም ነቲ ብርሃን ጸሓይ ዳርጋ ጋሪድዎ ኣሎ። ብብርቱዕ ጣሻ ተኸቢብካ ስለ ዘለኻ ኸኣ፡ ምንቅስቓስ እውን የሸግረካ እዩ። ካብቲ ቦታ ንምውጻእ፡ ብጎዞሞ ነቲ ኣትክልቲ እናቘረጽካ ኽትጐዓዝ ኣሎካ።

ገሊኦም ነቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዜሕልፍዎ ተመክሮ፡ ምስዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ዚመሳሰል ምዃኑ ይገልጹ። ምሉእ መዓልቲ ኣብ ሓንቲ ኽፍሊ ተዓጺኻ ትውዕል፡ ንምሸቱ ኸኣ መዓት ዕዮ ገዛ ይወሃበካ። ከምኡ ድዩ ዚስምዓካ፧ ኣብዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ባዶ ቦታ፡ እቲ ልዕሊ ዅሉ ዜጸግመካ ዓይነት ትምህርቲ ጽሓፍ።

․․․․․

ምናልባት ወለድኻን መምህራንካን ነዚ ዓይነት ትምህርቲ ብዝያዳ ንኸተጽንዕ ተማሕጺኖምኻ ይዀኑ። ከምኡ እንተ ገይሮም፡ ህይወትካ ብመከራ ንኺመልእዋ ኢሎም ኣይኰኑን። ዚከኣለካ ዘበለ ኽትገብር ጥራይ እዮም ዚደልዩኻ። ስለዚ፡ ኣብቲ ዝበልዎ ደረጃ ንኽትበጽሕ ዚወርደካ ጸቕጢ፡ ዜሐልለካ እንተ ዀይኑ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ግቡእ ናውቲ እንተ ተጠቒምካ፡ ነቲ ኸም ጣሻ ዝዀነ ጸገም እናቘራረጽካ ኽትሰግሮ ትኽእል ኢኻ። እዚ ናውቲ እዚ እንታይ እዩ፧

● ንዋት 1፦ ብዛዕባ ትምህርቲ ጥዑይ ኣረኣእያ ምሓዝ። ብዛዕባ ትምህርቲ ኣሉታዊ ኣረኣእያ እንተ ኣልዩካ፡ ክትነፍዕ ኣይትኽእልን ኢኻ። ስለዚ፡ ነቲ ትምህርቲ ዜምጽኣልካ ሓፈሻዊ ጥቕሚ ርአ። እቲ ክርስትያን ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “እቲ ዚሐርስ ብተስፋ ኺሐርስ፡ እቲ ዜኽይድ ከኣ ግዲኡ ኺረክብ ብተስፋ ኬኽይድ [ከም] ዚግብኦ” ጽሒፉ ኣሎ።—1 ቈረንቶስ 9:10

ጻዕራም ሓረስታይ፡ ጻዕሩ ጽቡቕ ፍረ ኸም ዜፍሪ ተስፋ ገይሩ እዩ ዚዓዪ። ንስኻ ግን ምስ ገሊኡ ዓይነት ትምህርቲ ምቅላስ ዘለዎ ጥቕሚ ብቐሊሉ ኣይረኣየካን ይኸውን። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ኣብ ስርዓተ ትምህርትኹም እተጠቓለለ ነፍሲ ወከፍ ዓይነት ትምህርቲ፡ ብፍላይ ሕጂ ኣገዳሲ ኸይመስለካ ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግን፡ እተፈላለየ ዓይነት ትምህርቲ ኽትመሃር ምኽኣልካ፡ ነታ ኣብ ከባቢኻ ዘላ ዓለም ብዝያዳ ንኽትርድኣ ኺሕግዘካ እዩ። እተፈላለየ ድሕረ-ባይታ ንዘለዎም ሰባት ከተዘራርብ ስለ እትኽእል፡ ‘ንዅላቶም ኵሉ ንኽትከውን’ ኪሕግዘካ እዩ። (1 ቈረንቶስ 9:22) እንተ ወሓደ፡ ንኣተሓሳስባኻ ስለ ዜስፍሖ፡ ውዒሉ ሓዲሩ ኺጠቕመካ እዩ።

● ንዋት 2፦ ብዛዕባ ኽእለታትካ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ምሓዝ። ቤት ትምህርቲ ንሕቡእ ተውህቦኻ ኼውጽኦ ይኽእል እዩ። ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ፡ “ኣባኻ ዘሎ ውህበት ኣምላኽ ክትሕድሶ ኤዘክረካ አሎኹ” ኢሉ ጸሓፈሉ። (2 ጢሞቴዎስ 1:6) ጢሞቴዎስ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ፍሉይ ኣገልግሎት ኪፍጽም ተሸይሙ ነይሩ። ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ኽእለት ወይ “ውህበት” ግን፡ ደስኪሉ ወይ ባኺኑ ምእንቲ ኸይተርፍ ኬማዕብሎ ነበሮ። ልክዕ እዩ፡ እቲ ኣብ ትምህርቲ ዘሎካ መንፍዓት፡ ኣምላኽ ብቐጥታ ዝሃበካ ኣይኰነን። ይኹን እምበር፡ ካብ ናይ ካልኦት እተፈልየ ተውህቦ ኣሎካ። ትምህርቲ ነቲ ኸም ዘሎካ ዘይትፈልጦ ዝነበርካ ኽእለታትካ ንኽትፈልጦን ንኸተማዕብሎን ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።

ክትመሓየሽ ከም ዘይትኽእል ጌርካ ኣይትሕሰብ። ብዛዕባ ኽእለታትካ ኣሉታዊ ሓሳባት እንተ መጺኡካ፡ ብኣወንታዊ ሕሳባት ተክኣዮ። ንኣብነት፡ ገሊኦም ሰባት ንጳውሎስ ብዛዕባ ኽእለት ዘረባኡ ምስ ነቐፍዎ፡ “ክእለት ኣዘራርባ እኳ እንተ ዘይብለይ ፍልጠትሲ ኣይጐደለንን” ኢሉ መለሰሎም። (2 ቈረንቶስ 10:10፣ 11:6 ትርጕም 1990) ጳውሎስ ንድኽመቱ እኳ ይፈልጦ እንተ ነበረ፡ ንብርታዐኡ እውን ኣይሰሓቶን።

ንስኻኸ እንታይ ብርታዐ ኣሎካ፧ ዘይትፈልጦ እንተ ዄንካ፡ ንምንታይ ንሓደ ዜተባብዓካ ዓብዪ ሰብ ዘይትሓትት፧ ከምዚ ዝኣመሰለ ፈታዊ፡ ንብርታዐኻ ንኽትፈልጦን ንኽትጥቀመሉን ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።

● ንዋት 3፦ ጽቡቕ ልማድ መጽናዕቲ። ኣብ ትምህርቲ ንኽትነፍዕ ኣቋራጭ መገዲ የብሉን። እንተ በዚ እንተ በቲ፡ ከተጽንዕ ኣሎካ። ልክዕ እዩ፡ እታ “መጽናዕቲ” እትብል ቃል ገና ኽትሰምዓ ኸለኻ ኣይትፈትዋን ትኸውን። ይኹን እምበር፡ መጽናዕቲ ጠቓሚ እዩ። ቍሩብ ጻዕሪ እንተ ወሲኽካሉ እሞ ኸኣ ክትፈትዎ ትኽእል ኢኻ።

ጽቡቕ ልማድ መጽናዕቲ ንኺህልወካ ግን፡ ግዜኻ ብኸመይ ከም እትጥቀመሉ መደብ ክትገብር ኣሎካ። ኣብ ትምህርቲ ኣብ ዘለኻሉ ዓመታት፡ መጽናዕቲ ቐዳምነት ክትህቦ ኸም ዚግባእ ኣይትረስዕ። ሓቂ እዩ፡ መጽሓፍ ቅዱስ “ንሰሓቕ . . . ጊዜ አለዎ፡” “ንጓይላ ድማ ጊዜ አለዎ” ይብል እዩ። (መክብብ 3:1, 4፣ 11:9) ስለዚ፡ ከም መብዛሕትኦም መንእሰያት ንምዝንጋዕ ዚኸውን እተወሰነ ግዜ ኺህልወካ ትደሊ ኢኻ።a መክብብ 11:4 ግን፡ “ንንፋስ ዚምልከት ኣይዘርእን፡ ንደበና ዚጥምት ድማ ኣይዐጽድን እዩ” ኢላ ተጠንቅቕ እያ። እዛ ጥቕሲ እዚኣ እንታይ ትምህርቲ እያ እትህበካ ዘላ፧ ፈለማ መጽናዕቲ፡ ድሕሪኡ ጸወታ እያ እትብለካ ዘላ። ኣጆኻ ኣይትጨነቕ፡ ንኽልቲኡ ዚኸውን ግዜ ኣይክትስእንን ኢኻ!

ንዕዮ ገዛ ዚኸውን ሓገዝ

ዕዮ ገዛ እንተ በዚሑካ ግን እንታይ ኢኻ ኽትገብር እትኽእል፧ ምናልባት ከምታ ጓል 17 ዓመት ሳንድሪን ይስምዓካ ይኸውን፣ ንሳ፡ “ብዘይካ እቲ ኣብ ቀዳመ-ሰናብቲ ዝዓዮ፡ ምሸት ምሸት ካብ ክልተ ኽሳዕ ሰለስተ ሰዓት ዕዮ ገዛ ኣብ ምዕያይ አሕልፎ” በለት። ነቲ ተጸፍጺፉካ ዘሎ ዕዮ ገዛ ብኸመይ ክትዓዮ ትኽእል፧ ነቲ ኣብ ገጽ 119 ዚርከብ ሓሳባት ፈትኖ።

ነቲ ዕንቅፋታት ምስጋሩ

ጳውሎስ ብዛዕባ መንፈሳዊ ነገራት ኣመልኪቱ ንጢሞቴዎስ፡ “እናወሰኽካ ትኸይድ ከም ዘሎኻ፡ ኣብ ኵሉ ምእንቲ ኺግለጽሲ፡ ነዚ ነገርዚ ብምሉእ ርእስኻ ወፊ” ኢሉ ጸሓፈሉ። (1 ጢሞቴዎስ 4:15) ብተመሳሳሊ፡ ብትግሃት እንተ ጽዒርካ፡ ኣብ ትምህርትኻ እትገብሮ ምምሕያሽ ንጹር ኪኸውን እዩ።

ብዛዕባ እቲ ኣብ መእተዊ እዛ ምዕራፍ እዚኣ ዝጠቐስናዮ ምሳሌ እሞ ሕሰብ። ኣብ ማእከል ጣሻ ኽትንቀሳቐስ እንተ ዘይክኢልካ፡ ነቲ ዘጋጠመካ ዕንቅፋታት ንምስጋር ግቡእ ንዋት፡ ማለት ጎዞሞ የድልየካ። ኣብ ትምህርቲ እውን ከምኡ እዩ። በቲ ወለድኻን መምህራንካን ዚጠልብዎ ነገራት ኣብ ክንዲ ዓቕልኻ ዚጸበካ፡ ነቲ ኣብዛ ምዕራፍ እዚኣ ተዘርዚሩ ዘሎ ኣብ ትምህርትኻ ንኽትነፍዕ ዚሕግዘካ ሰለስተ ንዋት ተጠቐመሉ። እናነፋዕካ ምስ ከድካ፡ ነቲ ንዋት እቲ ምጥቃምካ ኼሐጕሰካ እዩ!

ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ኣብ 1ይ ጥራዝ፡ ኣብ ምዕራፍ 18 እውን ኣንብብ

ኣብ እትቕጽል ምዕራፍ፦

ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘሎ ጸገማት ከይኣኽለካ፡ ገሊኦም የሸግሩኻ ኣለዉ። እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብዛዕባ መዘናግዒ ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ 8ይ ክፋል እዛ መጽሓፍ እዚኣ ርአ።

ቀንዲ ጥቕሲ

“ንንፋስ ዚምልከት ኣይዘርእን፡ ንደበና ዚጥምት ድማ ኣይዐጽድን እዩ።”—መክብብ 11:4

ምኽሪ

ከተጽንዕ ከለኻ፡ ፈለማ ነቲ እተጽንዖ ብሓፈሻ ገምግሞ። ድሕሪኡ፡ ኣብቲ ቐንዲ ኣርእስትታት ተመርኲስካ ሕቶታት ኣዳሉ። ቀጺልካ፡ መልሲ እቲ ሕቶታት እናኣናደኻ ነቲ ጽሑፍ ኣንብቦ። ኣብ መወዳእታ፡ ነቲ ዘንበብካዮ ኽትዝክሮ ትኽእል እንተ ዄንካ ፈትን።

ትፈልጥዶ፧

ኣብ ትምህርቲ እንተ ቐዲሕካ፡ ሰብ ኣይኪኣምነካን እዩ፡ መንፍዓትካ እውን ኪዕገት እዩ። ልዕሊ ዅሉ ድማ ምስ ኣምላኽ ዘሎካ ርክብ ኪበላሾ እዩ።—ምሳሌ 11:1 ትርጕም 1990

መደባተይ

ኣብ ዚቕጽል እዋን ኣብዚ ኣብ ታሕቲ ጠቒሰዮ ዘለኹ ዓይነት ትምህርቲ፡ ․․․․․ ነጥቢ ኽረክብ እደሊ፦ ․․․․․

ከምዚ ዚስዕብ ብምግባር፡ ኣብዚ ዓይነት ትምህርቲ እዚ ንኽነፍዕ ክጽዕር እየ፦ ․․․․․

ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ንወለደይ ክሓቶም ዝደልዮ ነገራት፦ ․․․․․

እንታይ ይመስለካ፧

● ኣብ ትምህርቲ ብትግሃት ከተጽንዕ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧

● እንታይ ዓይነት መደብ መጽናዕቲ ወይ መደብ ዕዮ ገዛ እዩ ዚሰማማዓካ፧

● ኣብ ገዛኻ ዕዮ ገዛ ንምዕያይን ንምጽናዕን ምሹእ ዝዀነ ቦታ ኣበይ እዩ፧

● ንመሕለፍ ግዜ እትገብሮ ንጥፈታትን ምዝንጋዕን ኣብ ትምህርትኻ ንኸየሕምቐካ ብኸመይ ክትቈጻጸሮ ትኽእል፧

[ኣብ ገጽ 117 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“ኣብቶም መሳቶይ መንእሰያት እርእዮ እየ። ኣብ ትምህርቲ ዝነበሮም ልማድ መጽናዕቲ፡ ናብቲ ንመንፈሳዊ ነገራት ዘለዎም ብሕታዊ ልማድ መጽናዕቲ እውን ይሰግር እዩ። እቶም ኣብ ትምህርቲ መጽናዕቲ ዘይፈትዉ፡ ብሕታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ኣይፈትዉን እዮም።’’—ሲልቪ

[ኣብ ገጽ 119 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ንመጽናዕቲ ምሹእ ቦታ ርኸብ። ዘይትርበሸሉ ቦታ ኪኸውን ኣለዎ። እንተ ተኻኢሉ ሰደቓ ተጠቐም። ቲቪ ኣይትወልዕ።

ንኣገዳሲ ነገራት ቀዳምነት ሃብ። ትምህርትኻ ኣገዳሲ ስለ ዝዀነ፡ ዕዮ ገዛ ኽሳዕ እትውድእ ቲቪ ኸይትውልዕ ቈራጽነት ግበር።

ደሓር ክገብሮ ኣይትበል። ንዕዮ ገዛ ንጹር መደብ ይሃሉኻ፡ ነቲ መደብካ ድማ ሓልዎ።

መደብ ይሃሉኻ። ፕሮጀክትታትካ ኣየናይ ቀዳማይ፡ ኣየናይ ካልኣይ ከም እትሰርሕ ተርታ ኣውጽኣሉ። ነዚ ኣብ ወረቐት ጽሓፎ፡ ንነፍሲ ወከፉ እውን ድሩት ግዜ መድበሉ። ነፍሲ ወከፉ ምስ ወዳእካዮ ሰርዞ።

ዕረፍቲ ግበር። ከተተኵር እንተ ዘይክኢልካ፡ ኣብ መንጎ ሓጺር ዕረፍቲ ግበር። ብእተኻእለካ መጠን ግን ቀልጢፍካ ናብ ዕዮ ገዛኻ ተመለስ።

ብርእስኻ ተኣማመን። ኣብ መንጎ ንፉዕ ተመሃራይን ሕማቕ ተመሃራይን ዘሎ ፍልልይ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ትግሃት ደኣ እምበር፡ ምስ ብልሒ ኣይተሓሓዝን እዩ። ኣብ ትምህርትኻ ንፉዕ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ጻዕሪ ግበር፡ ዓስቡ ድማ ኽትዓጽድ ኢኻ።

[ኣብ ገጽ 116 ዘሎ ስእሊ]

ብትምህርቲ ምሕላፍ ከም ብጽዑቕ ጣሻ መገዲ እናኣውጻእካ ምሕላፍ እዩ፣ ግቡእ ናውቲ እንተ ሒዝካ ኽልቲኡ ይከኣል እዩ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ