ክፍሊ 7
ምስ ኣንጻር ጾታ ንምልላይ ኢልካ ዝግበር ምቍጻር: ፍቕሪ: ከምኡውን ኣንጻር ጾታ
ኣብ ኣንጻር ጾታ: ምናልባት እውን ኣብ ሓንቲ ሰብ ጥራይ (ጓል እውን ከምኡ ኣብ ሓደ ወዲ) ከተስተብህል ትጅምር። ድሕርዚ ኣብ ብምልኡ ኣካላትካ ሓድሽ ስምዒታት ይፍጠር። እንተዀነ ግን: እዚ ስምዒታት እዚ እንታይ ኢዩ፧ ነባሪ ዓይነት ፍቕሪ ድዩ ወይስ ካልእ፧ እዚ ስምዒታት እዚ ክስመዓካ ኸሎ እንታይ ኢኻ ክትገብር እትኽእል፧ ነቲ ብዛዕባ ፍቕሪ ኣንጻር ጾታ ኣብ ኣእምሮኻ ዝለዓል ሕቶታት ዝኸውን ገለ ተቐባልነት ዘለዎ መልስታት እስከ ንርአ።