ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 12/06 ገጽ 6
  • ሕቶ ሳጹን (2)

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶ ሳጹን (2)
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2006
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ጾታዊ ርክብ ክገብር ንዚወርደኒ ጸቕጢ መዛኑ ብኸመይ ክጻረሮ እኽእል፧
    መንእሰያት ዚሓትትዎ
  • ንደቅኻ ብዛዕባ ጾታዊ ነገራት ኣዘራርቦም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ብኣፍ ዚግበር ጾታዊ ርክብ፡ ብሓቂዶ ጾታዊ ርክብ እዩ፧
    መንእሰያት ዚሓትትዎ
  • ንጾታዊ ሓሳባት ብኸመይ ከርሕቖ እኽእል፧
    መንእሰያት ዚሓትትዎ
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2006
km 12/06 ገጽ 6

ሕቶ ሳጹን (2)

◼ ኣብ ኣገልግሎት ምስ ኣንጻር ጾታ ኣብ እንህልወሉ ግዜ እንታይ ጥንቃቐታት ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ ብሕታዊ ጠባዮም ምስቲ ዝለዓለ ስነ-ምግባራዊ መለክዒ ኺሰማምዑ ትጽቢት ክንገብር ምኽንያት ኣሎና። እንተዀነ ግን: ኣብዛ ስነ-ምግባራዊ ቐይድታት ዳርጋ ዘይብላ ዘይጽፍፍትን ሸለል በሃሊትን ዓለም ኢና እንነብር ዘለና። ሰናይ ሓሳብ ዘሎና እኳ እንተ ዀንና: ጸርፊ ኻብ ዜምጽእ ወይ ኣብ ዘይግባእ ነገር ካብ ዜእቱ ዅነታት ንምልጋስ ብዘይምቍራጽ ንቑሓት ክንከውን ኣሎና። እዚ ኣብ ኣገልግሎት ተጸሚድካ ኸለኻ እውን ጥንቁቕ ምዃን ዘጣመረ እዩ።

ንሓቂ ተገዳስነት ዘለዎም ዚመስሉ ኣንጻር ጾታ ዝዀኑ ሰባት ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ መብዛሕትኡ ግዜ የጋጥሙና እዮም። መሰነይታ ዘይብልና እሞ ኸኣ ሓደ ኣንጻር ጾታ ዝዀነ ወይ ዝዀነት ሰብ ምስ ዚኸፍተና: ኣብ ክንዲ ንውሽጢ ገዛ ምእታው ኣብ ኣፍደገ ዄንካ ምምስካር ዝበለጸ እዩ። ተገዳስነት እንተ ደኣ ኣርእዩ ወይ ኣርእያ: ካልእ ኣስፋሒ ምሳና ኣብ ዚህልወሉ ግዜ ወይ ድማ ካልኦት ኣባላት ስድራቤቱ ወይ ስድራቤታ እውን ኣብ ዚህልዉሉ ግዜ ንምምላስ መደብ ኪግበር ይከኣል እዩ። ከምኡ ምግባር ዘይከኣል እንተ ዀይኑ: ነቲ ምብጻሕ ምስቲ ብዓል ቤት ወይ ብዓልቲ ቤት ሓደ ዓይነት ጾታ ዝዀነ ሰብ ምሕላፉ ጥበባዊ እዩ። እዚ ንኣንጻር ጾታ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምምራሕ እውን ዚውዕል እዩ።—ማቴ. 10:16

ኣብ ኣገልግሎት ምሳና ዚዓዪ ሰብ ኣብ እንመርጸሉ ግዜ እውን ጥንቁቓት ክንከውን የድልየና እዩ። ሓድሓደ ግዜ ኣንጻር ጾታ ዝዀኑ ኣስፋሕቲ ብሓንሳብ ኪዓዩ ዚከኣል እኳ እንተ ዀነ: እዚ ግን ናይ ጕጅለ ምስክርነት ኣብ ዚዋሃበሉ ግዜ ኪኸውን ዝበለጸ እዩ። ኣብ ኣገልግሎት እውን እንተ ዀነ: ምስ ናይ መርዓ ብጻይና ዘይኰነ ኣንጻር ጾታ ንበይንና ግዜ ኸነሕልፍ ጥበባዊ ኣይኰነን። ስለዚ እምበኣር: እቲ ኣብታ ናይ ኣገልግሎት ጕጅለ እተመዘዘ ሓው ብሓንሳብ ኰይኖም ዚዓዩ ኣስፋሕቲ: ኣብ ናይ ኰተቴ ዕድመ ዘለዉ እውን ሓዊስካ: ኪምድብ ከሎ ጽቡቕ ምምዝዛን ኪጥቀም ይግብኦ።

ኵሉ ሳዕ ጽቡቕ ምምዝዛን ብምዝውታር: ንገዛእ ርእስና ይኹን ንኻልኦት ‘ብገለ ነገር መዐንቀፊ ዚህብ’ ከነርሕቕ ኢና።—2 ቈረ. 6:3

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ