ከምኡ ክስምዓካስ ባህርያዊ ድዩ፧
ሓዘን ኣጋጢሞዎ ዝነበረ ሓደ ሰብ ከምዚ ኢሉ ይጽሕፍ:- “ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ብቘልዓይ ከሎኹ: ስምዒተይ ኣብ ቅድሚ ሰባት ከይገልጽ ኢየ ተማሂረ። ቀደም ወተሃደር ዝነበረ ኣቦይ ገለ ነገር ምስ ዘቐንዝወኒ: ኣስናኑ ነኺሱ ‘ከይትበኪ!’ ክብለኒ ከሎ እዝክሮ ኢየ። በዚ ድማ እሳቐ ነበርኩ። ኣደይ ንዓይ ይኹን ንኻልኦት ደቃ (ኣርባዕተ ኢና ነይርና) ዝሰዓመትሉ ወይ ዝሓቘፈትሉ ግዜ ኣይዝከረንን ኢዩ። ኣቦይ ክመውት ከሎ ወዲ 56 ዓመት ነበርኩ። ብርቱዕ ሓዘን ኢዩ ተሰሚዑኒ። እንተዀነ ግን: ኣብ መጀመርታ ክበኪ ኣይከኣልኩን።”
ኣብ ገሊኡ ባህልታት: ሰባት ስምዒታቶም ብጋህዲ ኢዮም ዝገልጹ። ተሓጒሶም ይሃልዉ ወይ ሓዚኖም: ካልኦት ከመይ ከም ዝስምዖም ይፈልጥዎም። በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ: ኣብ ገሊኡ ክፍልታት ዓለም: ዝያዳ ኸኣ ኣብ ሰሜን ኣውሮጳን ብሪጣንያን: ብፍላይ ሰብኡት ስምዒታቶም ክሓብኡ: ኣስናኖም ክነኽሱ: ኵሉ ኣብ ከብዶም ገይሮም ክኸዱ ተለማሚዶም ኢዮም። ሞት ናይ ሓደ እተፍቅሮ ሰብ እንተድኣ ኣጋጢሙ ግን: ሓዘንካ ምግላጽ ጌጋ ድዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስከ እንታይ ይብል፧
መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝበኸዩ ዝዛረበሎም ሰባት
መጽሓፍ ቅዱስ በቶም ኣብ ከባቢ ምብራቓዊ ሜዲተራንያን ዝነበሩ ስምዒቶም ዝገልጹ እብራውያን ኢዩ ተጻሒፉ። ብዙሕ ኣብነት ናይቶም ሓዘኖም ብጋህዲ ዝገለጹ ውልቀ-ሰባት ሒዙ ኣሎ። ንጉስ ዳዊት ብሞት ናይቲ እተቕትለ ወዱ ኣምኖን ሓዚኑ ኢዩ። አረ: ‘ኣዝዩ ብርቱዕ ብኽያት በኽዩ’ ኢዩ። (2 ሳሙኤል 13:28-39) ብሞት ናይቲ ንግስነት ክምንዝዕ ዝፍትን ዝነበረ ከዳዕ ወዱ ኣቤሴሎም እውን ከይተረፈ ሓዚኑ ኢዩ። እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸብጻብ ከምዚ ብምባል ይነግረና:- “ሽዑ ንጉስ [ዳዊት] ኣዝዩ ሕንቕንቕ በለ: ኣብ ልዕሊ ደገ ናብ ዘሎ ደርቢ ደዪቡ በኸየ። እናኸደ ኸኣ ከምዚ በለ፤ ወደይ ኣቤሴሎም: ወደይ: ወደይ ኣቤሴሎም: ኣብ ክንዳኻ ሞይተ እንተ ዝኸውን መን ምሀበኒ: ወደይ ኣቤሴሎም: ወደይ።” (2 ሳሙኤል 18:33) ዳዊት ከምቲ ማንም ኣቦ ዝስምዖ ሓዚኑ ኢዩ። ክንደይ ሳዕ ኢዮም እሞ ወለዲ ኣብ ክንዲ ውሉዳቶም ንሳቶም ክሞቱ ዘይተመነዩ! ውሉድ ቅድሚ ወላዲ ክመውትስ ፈጺሙ ባህርያዊ ኣይኰነን።
የሱስ ኣልኣዛር ዓርኩ ምስ ሞተ ከመይ ተሰምዖ፧ ናብቲ መቓብር ምስ ቀረበ በኽዩ ኢዩ። (ዮሃንስ 11:30-38) ድሓርውን: ማርያም መግደላዊት ናብቲ ናይ የሱስ መቓብር ምስ ቀረበት በኽያ ኢያ። (ዮሃንስ 20:11-16) ሓቂ ኢዩ: ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ተስፋ ትንሳኤ ምርዳእ ዘለዎ ክርስትያን ከምቶም ብዛዕባ ኵነታት ምዉታት ንእምነቶም ዝኸውን ንጹር ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መሰረት ዘይብሎም ገለ ሰባት ፈጺሙ ምድባስ ክሳዕ ዝኣቢ ኣይሓዝንን ኢዩ። ባህርያዊ ስምዒት ዘለዎ ሰብ ከም ምዃኑ መጠን ግን: እቲ ናይ ሓቂ ክርስትያን: ተስፋ ትንሳኤ እውን ይሃልዎ ብዘየገድስ: ብሞት ናይ ዝዀነ ይኹን ዘፍቅሮ ሰብ ይሓዝንን ይበክን ኢዩ።—1 ተሰሎንቄ 4:13, 14
ምብካይዶ ወይስ ዘይምብካይ
ብዛዕባ እቲ ኣብዚ ግዜና እንገልጾ ስምዒታትከ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ ስምዒትካ ምግላጽ የሸግረካ ወይ የሕፍረካ ድዩ፧ ገሊኦም ኣማኽርቲ እንታይ ኢሎም ኢዮም ዝላበዉ፧ እቲ ዘመናዊ ኣረኣእያኦም መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ መንፈስ ዝነፈሶ ናይ ጥንቲ ጥበብ ኢዩ ዘቃልሕ። ሓዘንና ክንዓብጦ ዘይኰነስ ክንገልጾ ከም ዘሎና ኢዮም ዝዛረቡ። እዚ ድማ ነቶም ናይ ሓዘን ስምዒታቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጻሒፉ ዝርከብ ከም በዓል እዮብ: ዳዊት: ከምኡውን ኤርምያስ ዝኣመሰሉ ናይ ጥንቲ እሙናት ሰብኡት ኢዩ ዘዘኻኽረና። ስምዒታቶም ከም ዘይዓበጥዎ እተረጋገጸ ኢዩ። ስለዚ እምበኣር: ንርእስኻ ካብ ሰባት ክትንጽላ ጥበባዊ ኣይኰነን። (ምሳሌ 18:1) ርግጽ ኢዩ: ሓዘን ኣብ እተፈላለየ ባህልታት ብእተፈላለየ መገድታት ኢዩ ዝግለጽ: ኣብቲ ልሙድ ዝዀነ ሃይማኖታዊ እምነታት እውን እተመስረተ ኢዩ።a
ብኽያት እንተድኣ መጺኡካኸ፧ ምብካይ ክፍሊ ሰብኣዊ ባህርይ ኢዩ። ነቲ የሱስ ኣልኣዛር ምስ ሞተ ‘ብመንፈሱ ተኪዙ . . . ዝነብዓሉ’ ኣጋጣሚ እንደገና ዘክሮ። (ዮሃንስ 11:33, 35) ስለዚ ምብካይ ንሞት ናይ ሓደ እተፍቅሮ ሰብ እተርእዮ ባህርያዊ መግለጺ ስምዒታት ምዃኑ ኢዩ ገሊጹ።
እተፍቅሮ ሰብ ምስ ዝሞተካ ምሕዛንን ምብካይን ባህርያዊ ኢዩ
እታ ኣን ኢሎም ዝሰመይዋ ኣደ ረይቸል እትበሃል ህጻን ጓላ ብሰንኪ ሲድስ (ሳደን ኢንፋንት ዴዝ ሲንድሮም [ሃንደበታዊ ሞት ዕሸል]) ምስ ሞተታ ነዚ ኣረጋጊጻቶ ኢያ። በዓል ቤታ ከምዚ ዝስዕብ ሓሳብ ሃበ:- “እቲ ዘገርም ነገር ኣብቲ ቐብሪ ኣን ይኹን ኣነ ኣይበኸናን። ኵሉ ሰብ ግን ይበኪ ኢዩ ነይሩ።” ኣን ነዚ መልሲ ክትህበሉ ከላ “እወ: ኣነ ግን ናይ ክልቴና ገይረ ብዙሕ በኽየ ኢየ። ድሕሪ እቲ ዘሕዝን ፍጻመ ሒደት ሰሙናት ጸኒሑ: ሓደ መዓልቲ ኣብ ገዛ ንበይነይ ከሎኹ ብሓቂ ስምዒተይ ተተንከፈ። ምሉእ መዓልቲ ድማ ክበኪ ወዓልኩ። ምብካየይ ግን ሓጊዙኒ ኢዩ ኢለ ኢየ ዝኣምን። ብምብካየይ ፈዂሱኒ ኢዩ። ጓለይ ብምስኣነይ ክበኪ ነይሩኒ። ኣብ ሓዘን ዘለዉ ሰባት ክበኽዩ ከተፍቅደሎም ከም ዘሎካ ብሓቂ ኢየ ዝኣምነሉ። ካልኦት ሰባት ‘ኣይትብከ:’ ክብሉ ልሙድ እኳ እንተዀነ: እዚ ግን ፈጺሙ ኣይሕግዝን ኢዩ” ትብል።
ገሊኦም ስምዒቶም ብኸመይ ከም ዝገልጹ
ገሊኦም ሰባት ዘፍቅርዎ ሰብ ብሞት ምስ ተመንጠሎም ስምዒቶም ብኸመይ ገለጹ፧ ንኣብነት: ናይ ጃኒታ ኵነታት ርአ። ቈልዓ ምስ ዝመውት እንታይ ከም ዝስምዓካ ኣጸቢቓ ትፈልጥ ኢያ። ቅድሚ ሕጂ ሓሙሽተ ሳዕ ጥንሲ ከይድዋ ኢዩ። እንደገና ድማ ጠነሰት። ሓደጋ ማኪና ኣጋጢምዋ ሆስፒታል ክትኣቱ ምስ ተገደደት: ከም እተጨነቐት ርዱእ ኢዩ። ክልተ ሰሙናት ጸኒሑ ቅድሚ መዓልታ ቅልውላው ሓዛ። ሽዑ ንሽዑ ድማ 0.9 ኪሎ ግራም እትምዘን ቫኔሳ እተባህለት ንእሽቶ ጓል ተወልደት። ጃኒታ “ኣብ መወዳእታኡ ኣደ ክኸውን ብምኽኣለይ ኣዝየ ተሓጒሰ ነበርኩ!” ብምባል ትዝክር።
ሓጐሳ ግን ንሓጺር እዋን ኢዩ ነይሩ። ኣርባዕተ መዓልቲ ጸኒሓ ቫኔሳ ሞተት። ጃኒታ ከምዚ ብምባል ትዝክር:- “ናይ ባዶነት ስምዒት ኣዝዩ ተሰማዓኒ። ኣደ ምዃን ካባይ ተመንጠለ። ጐደሎ ዝዀንኩ ኰይኑ ተሰማዓኒ። ናብቲ ንቫኔሳ ክኸውን ኢልና ዘዳለናዮ ክፍሊ ኣትየ ነቲ ዝዓደግኩላ ንኣሽቱ ካናቴራታት ምርኣይ ዘሳቒ ኢዩ ነይሩ። ኣብተን ቀጺለን ዝነበራ ሒደት ኣዋርሕ: እታ እተወለደትላ መዓልቲ ትርኣየኒ ነበረት። ምስ ዝዀነ ይኹን ሰብ ክሕወስ ኣይደልን ኢየ ነይረ።”
እዝስ ሕሉፍ ዝዀነ ናይ ሓዘን ስምዒት ድዩ፧ እዚ ካልኦት ክርድእዎ ኣሸጋሪ ክኸውን ይኽእል ኢዩ: እቶም ከም ናይ ጃኒታ ዝኣመሰለ ተመክሮ ዘሕለፉ ሰባት ግን ንንእሽቶ ህጻን ልክዕ ከምቲ ንገለ እዋን ብህይወት ዝነበረ ሰብ ገይሮም ዝሓዝንሉ ምዃኖም ኢዮም ዝገልጹ። እቲ ቈልዓ ገና ከይተወልደ ኸሎ ኣትሒዞም ወለዱ የፍቅርዎ ከም ዝዀኑ ኢዮም ዝዛረቡ። ምስ ኣዲኡ ፍሉይ ዝዀነ ምትእስሳር ኣለዎ። እቲ ህጻን ምስ ዝመውት እታ ኣደ ሓደ ምሉእ ሰብ ከም ዝጠፍአ ኰይኑ ኢዩ ዝስምዓ። ነዚ ድማ ኢዮም ካልኦት ክርድእዎ ዘድልዮም።
ሕርቃንን ናይ ገበን ስምዒትን ብኸመይ ክትንክፈካ ከም ዝኽእል
ካልእ ኣደ ድማ ሽዱሽተ ዓመት ዝዕድሚኡ ወዳ ብምኽንያት ተወራራሲ ዝዀነ ሕማም ልቢ ሃንደበት ከም ዝሞተ ምስ ተነግራ ዝነበራ ስምዒት ትገልጽ። “ከም እኒ ናይ ምድንዛዝ: ዘይምእማን: ናይ ገበን ስምዒት ዝኣመሰለ ተለዋዋጢ ስምዒታት ኢዩ ነይሩኒ: ከምኡውን እቲ ኵነታት ክሳዕ ክንደይ ከቢድ ምንባሩ ብዘይ ምፍላጦም ምስ በዓል ቤተይን እቲ ሓኪምን እሓርቕ ነበርኩ።”
ሕርቃን ናይ ሓዘን ስምዒት ዝርኣየሉ ካልእ ምልክት ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ነቲ ዝሞተ ሰብ ኣብ ምክንኻን ካብቲ ዝገበርዎ ንላዕሊ ክገብሩ ነይርዎም ዝብል ስምዒት ብምሕዳር: ምስ ሓካይምን ኣለይቲ ሕሙማትን ምሕራቕ ክኸውን ይኽእል። ወይውን ምስቶም ግቡእ ዘይኰነ ነገር ከም ዝበሉ ወይ ዝገበሩ ኰይኖም እተሰምዑኻ ኣዑሩኽን ኣዝማድን ምሕራቕ ክኸውን ይኽእል። ገሊኦም ንጥዕንኡ ሸለል ብምባሉ ምስቲ ዝሞተ ሰብ ይሓርቁ። ስቴላ ከምዚ ብምባል ትዝክር:- “ክሓዊ ይኽእል ምንባሩ ብምፍላጠይ ምስ በዓል ቤተይ ሓሪቐ ነበርኩ። ኣዝዩ ኢዩ ሓሚሙ ነይሩ: ነቲ ናይ ሓካይም መጠንቀቕታታት ግን ሸለል በሎ።” ሓድሓደ ግዜ ድማ ሞት ናይቲ ሰብ ወይ ናይታ ሰብ ኣብ ልዕሊ እቲ ብህይወት ዘሎ ብዘስዕቦ ጾር ምስቲ ምዉት ምሕራቕ ኣሎ።
ሞት ናይ ቈልዓ መሪር ስምዒታዊ በሰላ ኢዩ—ናይ ሓቂ ድንጋጽን ሓልዮትን ምርኣይ ነቶም ወለዲ ክሕግዞም ይኽእል ኢዩ
ገሊኦም ብምሕራቖም ናይ ገበን ስምዒት ይስምዖም: ማለት ስለ ዝሓረቑ ንገዛእ ርእሶም ይዅንንዋ ይዀኑ። ካልኦት ብሰንኪ ሞት ናይ ዘፍቅርዎ ሰብ ንገዛእ ርእሶም ይወቕሱ። “ቀልጢፈ ናብ ሓኪም ወሲደዮ ነይረ እንተ ዝኸውን” ወይ “ኣብ ካልእ ሓኪም ኣርእየዮ እንተ ዝኸውን” ወይ “ጥዕንኡ ብዝበለጸ ከም ዝከናኸን ገይረዮ እንተ ዝኸውን ኣይምሞተን ነይሩ” ብምባል ንገዛእ ርእሶም የእምንዋ።
ካልኦት ድማ ብፍላይ እቲ ዘፍቅርዎ ሰብ ሃንደበት: ትጽቢት ከይተገብሮ እንተድኣ ሞይቱ እቲ ናይ ገበን ስምዒቶም ክንዮ እዚ ዝሓልፍ ኢዩ። ምስቲ ዝሞተ ሰብ ዝሓረቕሉ ወይ እተቛየቝሉ ግዜ ምዝካር ይጅምሩ። ወይ ድማ ምስቲ ዝሞተ ሰብ ከምቲ ብሓቂ ክዀንዎ ዝግባእ ከም ዘይተመላለሱ ይስምዖም ይኸውን።
ናይ ብዙሓት ኣዴታት ሓዘን ንነዊሕ ግዜ ምጽንሑ: ነቲ ብዙሓት ክኢላታት ሞት ናይ ሓደ ቈልዓ ኣብ ህይወት ናይቶም ወለዲ: ብፍላይ ድማ ኣብታ ኣደ ሃጓፍ ስምዒት ይገድፍ ከም ዝዀነ ዝዛረብዎ ዝድግፍ ኢዩ።
ናይ መርዓ ብጻይካ ምስ ዝመውት
ሞት ናይ መርዓ ብጻይ: ብፍላይ ድማ ክልቲኦም ኣዝዩ ጽቡቕ ህይወት ዘሕለፉ ምስ ዝዀኑ: ካልእ ዓይነት ቍስሊ ኢዩ። ኵሉ እቲ ሓቢሮም ዘሕለፍዎ ናብራ ህይወት: ጕዕዞ: ስራሕ: ምዝንጋዕ: ከምኡውን እቲ ኣብ ንሓድሕዶም ዝነበረ ምትሕግጋዝ ድሕሪ ደጊም የሎን ማለት ክኸውን ይኽእል ኢዩ።
ዩኒስ በዓል ቤታ ብሕማም ልቢ ሃንደበት ምስ ሞተ እንታይ ከም እተሰምዓ ትገልጽ። “ኣብታ ናይ መጀመርታ ሰሙን ልክዕ ምዕያይ ከም ዘቋረጽኩ ኣብ ናይ ስምዒታዊ ምድንዛዝ ኵነት ኢየ ነይረ። መቐረት ክፈሊ ወይ ከሸትት እውን ኣይከኣልኩን። እንተዀነ ግን: እቲ ንኽውንነት ናይ ምቕባል ስምዒተይ ካብቲ ካልእ ክፍሊ ኣካላተይ ተነጺሉ ንበይኑ ምዕያይ ይቕጽል ነበረ። ሲፒኣር [ካርዲዮ ፐልሙናሪ ረሲሱተሽን] ከምኡውን ኣፋውስ ገይሮም ህይወቱ ንምድሓን ክጽዕሩ ከለዉ ምስ በዓል ቤተይ ስለ ዝነበርኩ: እቲ ልሙድ ዝዀነ ናይ ዘይምእማን ጸገም ኣይነበረንን። እንተዀነ ግን: ልክዕ ከም ንሓንቲ ናብ ጸድፊ እትኸይድ ዘላ ማኪና ርኢኻ ክትገብሮ ዝከኣል ነገር ከም ዘየለ ኰይኑ ዝስማዓካ: ዓሚቝ ናይ ጭንቀት ስምዒት ነበረኒ።”
በኽያዶኸ፧ “ግድን ኢዩ እምበር: ብፍላይ ነቲ እተቐበልኩዎ ብኣምኣታት ዝቝጸር ናይ ሓዘን ካርድታት ከንብብ ከሎኹ እበኪ ነበርኩ። ንነፍሲ ወከፍ ካርድ ከንብባ ከሎኹ በኽየ ኢየ። ኣብቲ ዝተረፈ እዋን ናይታ መዓልቲ ደሓን ንኽውዕል ሓጊዙኒ ኢዩ። ከመይ ከም ዝስምዓኒ ብተደጋጋሚ ክሕተት ከሎኹ ግን ኣይሕገዝን ኢየ ነይረ። ኣብ ሕማቕ ናይ ሓዘን ኵነታት ምንባረይ ግሁድ ኢዩ።”
ንዩኒስ ሓዘና ክትጾሮ ዝሓገዛ እንታይ ኢዩ ነይሩ፧ “ኰነ ኢለ ዘይኰንኩስ: ከይተረድኣኒ ናብራይ ክቕጽል ወሰንኩ። ይኹን እምበር: ገና ዘሕዝነኒ እቲ ኣዝዩ ህይወት ዘፍቅር ዝነበረ በዓል ቤተይ: ናይ ምንባር መቐረት ከስተማቕር ብህይወት ምሳይ ዘይምህላዉ ኢዩ” ትብል።
“ካልኦት . . . ክውስኑልካ ኣይተፍቅድ”
ናይታ ሊቭቴኪንግ—ዌን ኤንድ ሃው ቱ ሰይ ጉድባይ እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ደረስቲ ከምዚ ብምባል ይመኽሩ:- “ካልኦት ከመይ ክትገብር ወይ ከመይ ክስምዓካ ከም ዘለዎ ክውስኑልካ ኣይተፍቅድ። ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣገባብ ኣተሓዛዝና እተፈላለየ ኢዩ። ካልኦት ምናልባት ካብ መጠን ንላዕሊ ከም ዝሓዘንካ ወይ እኹል ከም ዘይሓዘንካ ይስምዖም ይኸውን: ስምዒቶም ድማ ይገልጹልካ ይዀኑ። ይቕረ በለሎም: ነቲ ነገር ድማ ረስዓዮ። ገዛእ ርእስኻ ምስቲ ኻልኦት ሰባት ወይ ብሓፈሽኡ እቲ ሕብረተሰብ ዝፈጠርዎ ሓዘንካ እትገልጸሉ ኣገባብ ከተሰማምዓ ምፍታን: ናብቲ ንቡር ስምዒታዊ ጥዕናኻ ከይትምለስ ዝዓግት ኢዩ።”
ልክዕ ኢዩ: እተፈላለዩ ሰባት ብእተፈላለየ መገድታት ኢዮም ሓዘኖም ዝገልጹ። ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ሓደ ዓይነት መገዲ ግድን ካብቲ ኻልእ መገዲ ዝሓሸ ኢዩ ዝብል ርእይቶ ንምሃብ ኣይኰናን እንፍትን ዘሎና። ይኹን እምበር: እቲ ሓዘን ንነዊሕ ግዜ ምስ ዝቕጽል: እቲ ሓዘንተኛ ሰብ ድማ ንኽውንነት ናይቲ ኵነታት ክቕበሎ ምስ ዘይክእል ጕድኣት ክስዕብ ይኽእል ኢዩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኵነታት ናይ ደንገጽቲ ኣዕሩኽ ሓገዝ ኣድላዪ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል:- “[“ናይ ሓቂ:” NW] ፈታዊ ንዅሉ ጊዜ የፍቅር: ሓው ድማ ንጸገማ ይውለድ።” ስለዚ ሓገዝ ንምድላይ: ንምዝራብ: ከምኡውን ንምብካይ ኣይትፍራህ።—ምሳሌ 17:17
ሓዘን: ሰብ ምስ ሞተካ ዝርአ ልሙድ መግለጺ ስምዒት ኢዩ: ሓዚንካ ምህላውካ ካልኦት ክፈልጡ ድማ ጌጋ የብሉን። መልሲ ዘድልዮም ተወሳኺ ሕቶታት ግን ኣለዉ:- ‘ሓዘነይ ክኢለ ክነብር ዝኽእል ብኸመይ ኢየ፧ ናይ ገበን ስምዒትን ሕርቃንን ክስምዓኒኸ ባህርያዊ ድዩ፧ ንኸምዚ ዝበለ ስምዒታትከ ብኸመይ ኢየ ክዋጽኣሉ ዘሎኒ፧ ንሞት ናይ ዘፍቅሮ ሰብን ዘስዕቦ ሓዘንን ንምጽማሙ ክሕግዘኒ ዝኽእል እንታይ ኢዩ፧’ እዚ ዝስዕብ ክፍሊ ነዝን ንኻልእ ሕቶታትን ክምልስ ኢዩ።
a ንኣብነት: ኣብ ናይጀርያ ዝርከቡ ዮሩባ ዝበሃሉ ዓሌት ነፍሲ ብሪኢንካርኔሽን ትመጽእ ኢያ ዝብል ልምዳዊ እምነት ኣለዎም። ስለዚ ሓንቲ ኣደ ውሉዳ ምስ ዝሞታ ብርቱዕ ሓዘን ኢያ እትሓዝን: እዚ ግን ንሓጺር እዋን ጥራይ ኢዩ: ከመይሲ ዓሌት ዮሩባ “እቲ ማይ ድኣ ኢዩ ፈሲሱ እምበር: እቲ ሓምሓምስ ኣይተሰብረን” ዝብል ምስላ ኣለዎም። ብመሰረት ዓሌት ዮሩባ: እቲ ማይ ዘውጽእ ሓምሓም: ማለት እታ ኣደ: ካልእ ቈልዓ ምናልባት ነቲ ዝሞተ ቈልዓ ብኻልእ መልክዕ ክትወልዶ ትኽእል ኢያ: ማለት ኢዩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ ነፍሲ ኣይትመውትን ኢያ ዝብል ካብ ናይ ሓሶት ትምህርቲ ዝመነጨ ማሪት ከምኡውን ኣብቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ደገፍ ዘይብሉ ሪኢንካርኔሽን እተመስረተ ዝዀነ ይኹን ልምድታት ኣይስዕቡን ኢዮም።—መክብብ 9:5, 10፣ ህዝቅኤል 18:4, 20