ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንደቆም ናይ ሓቂ ክርስትያናዊ ስርዓታት ኬስርጹሎም ይፍትኑ እዮም
ኣኽብሮት ዚግብኦ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት
ኣብ ብምሉኡ ታሪኽ፡ ተባዓት ሰብኡትን ኣንስትን ምስቲ ኣብ ግዜኦም ህቡብ ዝዀነ ኣረኣእያ ዚጻረር መትከል ሒዞም እዮም። ፖለቲካውን ሃይማኖታውን ዓሌታውን ጭቈና ተጻዊሮም፡ ምእንቲ ዕላማኦም ከኣ ህይወቶም ከፊሎም እዮም።
ምናዳ ቐዳሞት ክርስትያናት ተባዓት እዮም ነይሮም። ኣብተን ብርቱዕ መስጐጕቲ ዝነበረለን ቀዳሞት ሰለስተ ዘመናት፡ መብዛሕትኦም ንሃጸይ ምምላኽ ብምእባዮም፡ ብኣረማውያን ሮማውያን ተቐቲሎም እዮም። ሓድሓደ ግዜ፡ ኣብቲ ምርኢት ዚቐርበሉ ቦታታት መሰውኢ ይዳሎ ነበረ። እቶም ክርስትያናት ናጽነቶም ንምርካብ፡ ቍንጣሮ ዕጣን ብምዕጣን፡ እቲ ሃጸይ መለኮት ምዃኑ ጥራይ እዮም ኪቕበሉ ነይርዎም። ይኹን እምበር፡ ብዙሓት ኣይተለማለሙን። መብዛሕትኦም እምነቶም ኣብ ክንዲ ዚኽሕዱ፡ ሞት እዮም መሪጾም።
ኣብዚ ግዜና፡ ክርስትያን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንፖለቲካዊ ገለልትነት ኣብ ዚምልከት ተመሳሳሊ መትከል እዩ ዘለዎም። ንኣብነት፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቅድሚ ስርዓት ናዚ ዝነበሮም ጽኑዕ መርገጽ፡ ታሪኽ ኪምስክር ይኽእል እዩ። ካልኣይ ውግእ ዓለም ቅድሚ ምጅማሩን ምስ ተጀመረን፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ገለልተኛታት ብምዃኖምን “ሀይል ሂትለር” ምባል ብምእባዮምን፡ ብገምጋም ርብዒ ኻብቶም ኣብ ጀርመን ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሞይቶም እዮም፣ መብዛሕትኦም ከኣ ኣብ መዳጐኒ ደምበታት እዮም ሞይቶም። ቈልዑ ኻብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ወለዶም ብሓይሊ ተወሲዶም እዮም። እዚ ዅሉ ጸቕጢ እኳ እንተ ኣጋጠሞም፡ እቶም ቈልዑ ጸኒዖምን በቲ ኻልኦት ኪጽዕንዎም ዝፈተኑ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ትምህርትታት ከይብከሉ ኣብዮምን እዮም።
ንሰንደቕ ዕላማ ሰላምታ ምሃብ
ሎሚ ብሓፈሻ ኺርአ ኸሎ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣደዳ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኸቢድ መስጐጕቲ ኣይኰኑን እዮም። ይኹን እምበር፡ መንእሰያት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ከም ንሰንደቕ ዕላማ ሰላምታ ምሃብ ዝኣመሰለ ሓርበኛዊ ጽምብላት ንኸይሳተፉ ብሕልናኦም ተደሪኾም ብምውሳኖም፡ ሓድሓደ ግዜ ዘይምርድዳኣት ይፍጠር እዩ።
“ናይ ቄሳር ንቄሳር፡ ናይ ኣምላኽውን ንኣምላኽ ሀቡ”—ማቴዎስ 22:21, Jerusalem Bible
ደቂ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኻልኦት ሰባት ንሰንደቕ ዕላማ ሰላምታ ኸይህቡ ድፍኢት ከይገብሩ ይመሃሩ እዮም፣ እዚ ነፍሲ ወከፍ ውልቀ-ሰብ ብብሕቱ ዚውስኖ ውሳነ እዩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንባዕሎም ግን ጽኑዕ መትከል እዩ ዘለዎም። ንሰንደቕ ዕላማ ዝዀነት ትኹን ሃገር ሰላምታ ኣይህቡን እዮም። ከምኡ ዚገብሩ ኻብ ንዕቀት ተበጊሶም ኣይኰኑን። ናይ ዚነብሩላ ሃገር ሰንደቕ ዕላማ ኣኽቢሮም እዮም ዚርእዩ፡ ነዚ ኣኽብሮት እዚ ኸኣ ንሕግታት እታ ሃገር ብምሕላው እዮም ዜርእይዎ። ጸረ-መንግስቲ ኣብ ዚግበር ዝዀነ ይኹን ዓይነት ንጥፈታት ፈጺሞም ኣይሳተፉን እዮም። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ እዘን ሕጂ ዘለዋ ሰብኣውያን መንግስትታት፡ ኣምላኽ ኪህልዋ ዝፈቐደለን “ስርዓት ኣምላኽ” ከም ዜቝማ እዮም ዚኣምኑ። ስለዚ ድማ፡ ነቶም ኣብ ልዕሊኦም ዘለዉ “ስልጣናት” ግብሪ ንኪኸፍሉን ኣኽብሮት ንኺህቡን ብኣምላኽ ከም እተኣዘዙ ገይሮም እዮም ዚሓስቡ። (ሮሜ 13:1-7) እዚ ምስቲ ክርስቶስ፡ “ናይ ቄሳር ንቄሳር፡ ናይ ኣምላኽውን ንኣምላኽ ሀቡ” ኢሉ እተዛረቦ ብብዙሓት ዚፍለጥ ዘረባኡ ይሰማማዕ እዩ።—ማቴዎስ 22:21
ገሊኦም ግን፡ ‘ስለምንታይ ደኣ እዮም እሞ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሰንደቕ ዕላማ ሰላምታ ብምሃብ ኣኽብሮት ዘየርእዩ፧’ ኢሎም ይሓቱ ይዀኑ። ከምኡ ዘይገብሩሉ ምኽንያት፡ ንሰንደቕ ዕላማ ሰላምታ ምሃብ ከም ኣምልኾ ገይሮም ስለ ዚርእይዎን ኣምልኾ ኸኣ ንኣምላኽ ጥራይ ስለ ዚግባእን እዩ፣ ብዘይካ ንኣምላኽ፡ ንዝዀነ ይኹን ኣካል ወይ ነገር ኣምልኾ ኺህቡ ሕልናኦም ኣይፈቕደሎምን እዩ። (ማቴዎስ 4:10፣ ግብሪ ሃዋርያት 5:29) ስለዚ፡ መምህራን ንደቂ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እምነቶም ምስ ዜኽብሩሎምን ብእምነቶም ንኺመላለሱ ምስ ዚፈቕዱሎምን የማስዉሉ እዮም።
እዚ ቐጺሉ ዘሎ ሓሳባት ከም ዚሕብሮ፡ ንሰንደቕ ዕላማ ሰላምታ ምሃብ ከም ኣምልኾ ገይሮም ዚርእይዎ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጥራይ ኣይኰኑን፦
“ቀደም ዝነበረ ሰንደቕ ዕላማታት ምሉእ ብምሉእ ሃይማኖታዊ ባህርይ እዩ ነይርዎ። . . . ንሃገራዊ ሰንደቕ ዕላማታት ቅድስና ንምልባሱ ተባሂሉ፡ ወትሩ ኻብ ሃይማኖት ሓገዝ ይድለ ነበረ።” (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።)—ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ
“ሰንደቕ ዕላማ ልክዕ ከም መስቀል ቅዱስ እዩ። . . . ሰባት ንሃገራዊ ኣርማታት ብዛዕባ ኺህልዎም ዘለዎ ኣረኣእያ ዚገልጽ ሕግታትን መምርሒታትን ሓያል እዩ፣ ኣብ ከም ‘ኣገልግሎት ንሰንደቕ ዕላማ፡’ . . . ‘ተወፋይነት ንሰንደቕ ዕላማ’ ዚብል ቃላት ድማ ተገሊጹ ኣሎ። (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።)—ዘ ኢንሳይክሎፔድያ ኣመሪካና
“ክርስትያናት . . . ንመንፈስ ናይቲ [ናይ ሮሜ] ሃጸይ መስዋእቲ ምቕራብ ይኣብዩ ነበሩ፣ እዚ ድማ ኣብዚ ግዜና ንሰንደቕ ዕላማ ሰላምታ ንኸይትህብ ወይ ከኣ ናይ ተኣማንነት ማሕላ ንኸይትምሕል ምስ ምእባይ ከነመሳስሎ ንኽእል ኢና።”—ዞስ ኣባውት ቱ ዳይ (1958)፡ ብዳንኤል ፒ. ማኒክስ፡ ገጽ 135
ሰለስተ እብራውያን ነቲ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ዝገበሮ ምስሊ ምስጋድ ኣበዩ
ኣብዚ እውን፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዝዀነ ይኹን መንግስቲ ወይ ገዛኢ ንዕቀት ንኼርእዩ ኢሎም ኣይኰኑን ንሰንደቕ ዕላማ ሰላምታ ምሃብ ዚኣብዩ። ንመንግስቲ ንዚውክል ምስሊ ብምስጋድ ወይ ሰላምታ ብምሃብ፡ ኣምልኾ ኪህቡ ስለ ዘይደልዩ ጥራይ እዮም። እዚ መትከሎም እዚ ምስቲ ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ ሰለስተ እብራውያን ነቲ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ኣብ ጐልጐል ዱራ ዝገበሮ ምስሊ ምስጋድ ዝኣበዩሉ ኣጋጣሚ ኸም ዚመሳሰል ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። (ዳንኤል ምዕራፍ 3) እምበኣር፡ ካልኦት ንሰንደቕ ዕላማ ሰላምታ ኺህቡን ናይ ተኣማንነቶም ማሕላ ኺምሕሉን ከለዉ፡ ደቂ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግን ነቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ ዝሰልጠነ ሕልናኦም ኪስዕቡ እዮም ዚመሃሩ። በዚ ኸምዚ፡ ብጸጥታን ብኣኽብሮትን ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣይሳተፉን እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀኑ ቘልዑ ሃገራዊ መዝሙር ኪዝመር ወይ ብመሳርሒ ሙዚቃ ኺውቃዕ ከሎ፡ ኣብኡ ኣይሳተፉን እዮም።
መሰል ወለዲ
ሎሚ መብዛሕትአን ሃገራት ነቲ ወለዲ ንደቆም ምስ እምነቶም ዚሰማማዕ ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ኺህብዎም ዘለዎም መሰል ኣኽቢረን ይርእያኦ እየን። ኵለን ሃይማኖታት ነዚ መሰል እዚ ይድግፋኦ እየን፣ እዚ ቐጺሉ ተጠቒሱ ዘሎ ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ጸኒዑ ዚርከብ ሕጊ ቐኖና እውን ይድግፎ እዩ፦ “ወለዲ ንደቆም ህይወት ስለ ዝሃብዎም፡ ንኺምህርዎም ኣዝዩ ጽኑዕ ግዴታ ኣለዎም፡ ከምኡ ንኺገብሩ ድማ መሰል ኣለዎም፣ ስለዚ ኸኣ እዩ ወለዲ ንደቆም ብቐዳምነት ብመሰረት ሰረተ-እምነት ቤተ-ክርስትያን፡ ክርስትያናዊ ትምህርቲ ኺህብዎም ዚግባእ።”—ቀኖና 226
ቈልዑ ንኻልኦት ንኺግደሱሎም ይተባብዑ እዮም
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብዚ መሰል እዚ ወጻኢ ኣይኰነን ዚሓቱ ዘለዉ። ሓለይቲ ወለዲ ኸም ምዃኖም መጠን፡ ንደቆም ናይ ሓቂ ክርስትያናዊ ስርዓታት ኬስርጹሎም፡ ከምኡውን ፍቕሪ ጐረባብቶምን ኣኽብሮት ንብረት ካልኦትን ኬሕድሩሎም ይፍትኑ እዮም። ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ኤፌሶን ዝነበሩ ክርስትያናት ዝሃቦም፡ “ኣቱም ኣቦታትውን፡ ነቶም ውሉድኩም ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን ደኣ ኣዕብይዎም እምበር፡ ኣይተዀርይዎም” ዚብል ምኽሪ ኺስዕቡ ይደልዩ እዮም።—ኤፌሶን 6:4
ብሃይማኖት እተኸፋፈለት ቤት
ኣብ ገሊኡ ስድራ ቤታት፡ ሓደ ወላዲ ጥራይ እዩ ናይ የሆዋ ምስክር። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት፡ እቲ ናይ የሆዋ ምስክር ዝዀነ ወላዲ ነቲ ናይ የሆዋ ምስክር ዘይኰነ ወላዲ ንደቁ ሃይማኖታዊ እምነታቱ ናይ ምምሃር መሰሉ ኬኽብረሉ ይተባባዕ እዩ። ንእተፈላለየ ሃይማኖታዊ ኣረኣእያ ዚቃልዑ ቘልዑ፡ እዚ ዚበሃል ኣሉታዊ ሳዕቤናት ኣየጋጥሞምን እዩ።a ከም ሓቂ፡ ኵሎም ቈልዑ እንታይ ሃይማኖት ከም ዚስዕቡ ባዕሎም ኪውስኑ ኣለዎም። ስለዚ ድማ፡ ወለዶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ይኹኑ ኣይኹኑ፡ ኵሎም መንእሰያት ኣይኰኑን ንሃይማኖታዊ ስርዓታት ወለዶም ዚስዕቡ።
ቈልዑ ዘለዎም መሰል ናጽነት ሕልና
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ክርስትያን ውልቀ-ሰብ ዘለዎ ሕልና ኣኽቢሮም ከም ዚርእይዎ እውን ክትፈልጥ ኣሎካ። (ሮሜ ምዕራፍ 14) እቲ ሓፈሻዊ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብ1989 ዘጽደቖ ውዕል መሰላት ሕጻናት፡ ነቲ ሕጻን ዘለዎ “ናይ ምሕሳብን ሕልናን ሃይማኖትን ናጽነት” ከምኡውን “ርእይቶኡ ብናጻ ናይ ምግላጽን ነቲ ሕጻን ኣብ ዚጸሉ ዝዀነ ይኹን ጕዳይ ወይ ኣገባብ ርእይቶኡ ኣብ ግምት ንኺኣትወሉን” መሰል ከም ዘለዎ ይገልጽ እዩ።
ብልክዕ ሕደ ዝዀኑ ኽልተ ቘልዑ የለዉን። ስለዚ፡ ንኣሽቱ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ወይ ካልኦት ተመሃሮ ኣብቲ ኣብ ገሊኡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዚወሃቦም ንጥፈታት ወይ ዕዮታት እተወሰነ ፍልልይ ኪህልዎም እትጽበዮ ነገር ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንስኻ እውን ነቲ ኣብ ናጽነት ሕልና ዘሎ መሰረታዊ ስርዓት ከም እትስዕብ ንኣምን ኢና።
a ፕሮፌሰር ስቲቨን ካር ሩበን ኣብታ ረይዚንግ ጂውሽ ቺልድረን ኢን ኤ ኮንተምፖራሪ ዎርልድ ዘርእስታ መጽሓፉ፡ ብዛዕባ እተፈላለየ እምነት ዘለዎ ሓዳር ኣመልኪቱ ኸምዚ በለ፦ “ወለዲ ንሃይማኖታዊ ጕዳያት ብዚምልከት መንነቶም ምስ ዚኽሕዱ፡ ምስ ዚደናገሩ፡ ብምስጢር ምስ ዚሕዝዎ፡ ወይ ምስ ዚጐስይዎ፡ ውሉዳት ይደናገሩ እዮም። ወለዲ ብዛዕባ እምነታቶም፡ ስርዓታቶም፡ በዓላቶም ብጋህድን ብቕንዕናን ብንጹርን ምስ ዚገልጹ፡ ውሉዳት ኣብ ሃይማኖታዊ ዓለም ውሕስነትን ዋጋ ዘለዎምን ተሰሚዕዎም ይዓብዩ፣ እዚ ድማ ንሓፈሻዊ ርእሰ-ምትእምማኖምን ነቲ ብዛዕባ ኣብ ዓለም ዘለዎም ቦታ ዚፈልጥዎ ፍልጠትን ኣዝዩ ወሳኒ እዩ።”