‘ምድሓን ናይ የሆዋ ኢዩ’
ሓድሓደ ግዜ ሃገራዊ ቕልውላው ወይ ኣህጉራዊ ውጥረት ይፍጠር ኢዩ: ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ግዜ ሰባት ካብ መንግስታቶም ኢዮም ደሓንን ሰላምን ዝጽበዩ። መንግስታት እውን ብግደአን ሓድነት ናይቲ ሓፋሽ ንምድልዳል መደባት ይሕንጽጻ ኢየን። ፍቕሪ ሃገር ንምልዕዓል ዝወጽእ መደባት ዝያዳ ብእተዓየየሉ መጠን: ሓርበኛዊ ስምዒት ይጐሃሃርን የስፋሕፍሕን ኢዩ።
ሃገራዊ ህጹጽ ኣዋጅ ኣብ ዝእወጀሉ ግዜ: ሓርበኛዊ ውዕዉዕ ስምዒት ንሰባት ሓድነትን ብርታዐን ንኽስምዖም ይሕግዝ: ምትሕብባርን ንሕብረተሰብ ናይ ምርዳእን መንፈስ ከኣ የሕድር። ይኹን እምበር: ከምቲ ኣብ ዘ ኒው ዮርክ ታይምስ መጋዚን እተሓትመት ዓንቀጽ ዝገለጸቶ “ሓርበኛዊ ስምዒት ከም ኵሉ ኻልእ ስምዒታት ሓደገኛ ኢዩ: ሓንሳእ ምስ ገንፈለ ሕማቕ መልክዕ ክሕዝ ይኽእል ኢዩ።” ንቡር መግለጺ ፍቕሪ ሃገር መልክዑ ብምቕያር ናይ እተወሰኑ ዜጋታት ሲቪላዊ ሓርነትን ናይ ሃይማኖታት ናጽነትን ዝግህስ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ብፍላይ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኣብ እምነቶም ንኽለማመጡ ጸቕጥታት ይወርዶም ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ኣብ ከባቢኦም ክፍጠር ከሎ ብኸመይ ኢዮም ክመላለሱ ዘለዎም፧ ብምስትውዓል ንኽመላለሱን ንኣምላኽ ዘለዎም ተኣማንነት ንኽሕልዉን ዝሕግዞም እንታይ ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ኢዩ፧
“ኣይትስገደሎም”
ሓድሓደ ግዜ ንናይታ ሃገር ሰንደቕ ዕላማ ሰላምታ ምሃብ ሓደ ኻብቲ ፍቕሪ ሃገር እተርእየሉ ልሙድ መግለጺ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እንተዀነ ግን: ሰንደቕ ዕላማ መብዛሕትኡ ግዜ ከም ከዋኽብቲ ዝኣመሰለ ኣብ ሰማይ ኰነ ኣብ ምድሪ ዝርከብ ምልክታት ዝሓዘ ኢዩ። ኣምላኽ ንህዝቡ ኸምዚ ዝስዕብ ኢሉ ኽእዝዞም ከሎ ነዚ ነገራት እዚ ምስጋድ ብኸመይ ከም ዝርእዮ ገሊጹ ኢዩ:- “ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ካብ ዘለዉ: ኣብ ታሕቲ ኣብ ምድሪ ኻብ ዘለዉ: ኣብ ማይ ከኣ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኻብ ዘለዉ: ምስልን ስእሊ ዘበለን ንኣኻ ኣይትግበር። ኣይትስገደሎምን ኣይተገልግሎምን ድማ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ: ቀናእ ኣምላኽ እየ።”—ዘጸኣት 20:4, 5
ንሰንደቕ ዕላማ ሰላምታ ምሃብ ወይ ኣብ ቅድሚኡ ምንብርካኽ ንየሆዋ ኣምላኽ ምሉእ ኣምልኾ ምስ ምሃብ ዝጻረር ድዩ፧ ጥንቲ ዝነበሩ እስራኤላውያን ኣብ በረኻ ኸለዉ በብሰለስተ ነገድ ተመቒሎም ኣብ ትሕቲ “ሰንደቕ ዕላማ” ይሰፍሩ ነበሩ። (ዘሁልቍ 2:1, 2) ብማክሊንቶክን ስትሮንግን እተዳወለ ሳይክሎፔድያ ብዛዕባ እተን ነዚ ሰንደቕ ዕላማ ዘመልክታ ናይ እብራይስጢ ቓላት ‘ዋላ ሓንቲ ኻባታተን ከምቲ ሕጂ “ንሰንደቕ ዕላማ” ጌርና እንርድኦ ዓይነት ሓሳብ ኣይተመሓላልፍን ኢያ’ በለ። ኣብ ርእሲ እዚውን: እስራኤላውያን ንሰንደቕ ዕላማኦም ከም ቅዱስ ነገር ኣይርእይዎን ኢዮም ነይሮም: ምስኡ ዝተሓሓዝ ጽምብል እውን ኣይገብሩሉን ነበሩ። እቶም ህዝቢ ኣበይ ከም ዝሰፍሩ ንምሕባር ዘገልግል ምልክታት ጥራይ ኢዩ ነይሩ።
ኣብቲ ማሕደር ከምኡውን ኣብቲ ሰሎሞን ዝሃነጾ ቤተ መቕደስ ዝነበረ ምስልታት ኪሩቤል: ናይቶም ኣብ ሰማይ ዝነብሩ ኪሩቤል መርኣያ ጥራይ ኢዩ ነይሩ። (ዘጸኣት 25:18፣ 26:1, 31, 33፣ 1 ነገስት 6:23, 28, 29፣ እብራውያን 9:23, 24) እቲ ምስልታት ኪሩቤል እተወሰኑ ሰባት እንተ ዘይኰይኖም እቲ ህዝቢ ይርእዮ ስለ ዘይነበረ: ኣምልኾ ይወሃቦ ዘይምንባሩ ንጹር ኢዩ፣ መላእኽቲ ብኣካሎም እውን ኣምልኾ ኽወሃቦም ኣይግባእን ኢዩ።—ቈሎሴ 2:18፣ ራእይ 19:10፣ 22:8, 9
ብዛዕባ እቲ እስራኤላውያን ኣብ በረኻ ኸለዉ ነብዪ ሙሴ ኻብ ኣስራዚ ዝሰርሖ ምስሊ ተመን እውን እሞ ንርአ። እዚ ምስሊ እዚ ኸም ምልክት ኰይኑ ኢዩ ኣገልጊሉ: ትንቢታዊ ኣገዳስነት እውን ነበሮ። (ዘሁልቍ 21:4-9፣ ዮሃንስ 3:14, 15) ፍሉይ ክብሪ ወይ ኣምልኾ ድማ ኣይተዋህቦን። ሙሴ ኻብ ዝመውት ብዙሕ ዘመናት ጸኒሑ ግን እስራኤላውያን ነቲ ምስሊ እቲ ኸምልኽዎ: ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ዕጣን ክዓጥኑሉ ጀመሩ። ስለዚ: እቲ ንጉስ ይሁዳ ዝነበረ ህዝቅያስ ድርቅምቅም ኣበሎ።—2 ነገስት 18:1-4
ናይ ሃገራት ሰንደቕ ዕላማ ግን ከም ምልክት ጥራይ ድዩ ዘገልግል፧ ንምንታይከ ኢዩ ዘመልክት፧ ጀይ. ፖል ዊልያምስ ዝበሃል ደራሲ “ኣብ ሃገራውነት ቀንዲ ምልክት እምነትን ኣምልኾ ዝወሃቦ ነገርን ሰንደቕ ዕላማ ኢዩ” በለ። ዘ ኢንሳይክሎፔድያ ኣመሪካና ኸኣ “ሰንደቕ ዕላማ ልክዕ ከም መስቀል ቅዱስ ኢዩ” በለ። ሰንደቕ ዕላማ ምልክት ናይ ሃገር ኢዩ። ስለዚ: ንዕኡ ምስጋድ ወይ ሰላምታ ምሃብ: ንሃገር ኣምልኾ ምሃብ ማለት ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባር: ድሕነት ካብ ሃገር ከም ዝመጽእ ኢዩ ዘመልክት: ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣምልኾ ጣኦት ዝገልጾ ነገር ድማ ኣይሰማማዕን ኢዩ።
ቅዱሳት ጽሑፋት “ምድሓን ናይ እግዚኣብሄር እዩ” ብምባል ብንጹር ይገልጸልና ኢዩ። (መዝሙር 3:8) ምድሓን ካብ ሰብኣዊ ውድባት ወይ ምልክታት ምጽባይ ግቡእ ኣይኰነን። ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያናት ብጾቱ “ፍቁራተየ: ስለዚ ኻብ ምምላኽ ጣኦት ህደሙ” ብምባል ምዒድዎም ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 10:14) ቀዳሞት ክርስትያናት ንሃገር ኣምልኾ ኣብ ዝህብ ተግባራት ኣይሳተፉን ኢዮም ነይሮም። እታ ዳንኤል ፒ. ማኒክስ ዝጸሓፋ ዞስ ኣባውት ቱ ዳይ ዘርእስታ መጽሓፍ “ክርስትያናት ንመንፈስ ናይቲ [ናይ ሮሜ] ሃጸይ መስዋእቲ ምቕራብ ይኣብዩ ነበሩ፣ እዚ ድማ ኣብዚ ግዜና ንሰንደቕ ዕላማ ሰላምታ ምስ ዘይምሃብ ከነመሳስሎ ንኽእል ኢና” በለት። ሎሚ ዘለዉ ናይ ሓቂ ክርስትያናት እውን ከምዚ ዓይነት ኣቕዋም ኢዩ ዘለዎም። ንየሆዋ ምሉእ ተወፋይነት ምእንቲ ኽህቡ: ንናይ ዝዀነት ትኹን ሃገር ሰንደቕ ዕላማ ሰላምታ ኣይህቡን ኢዮም። ከምዚ ብምግባሮም ንመንግስታት ኰነ ንመራሕቲ ሃገራት ክብሪ እናሃቡ ንኣምላኽ ቀዳማይ ቦታ ይህብዎ። እወ: ንናይ መንግስቲ “ስልጣናት” ክግዝእዎም ከም ዘለዎም ይፈልጡ ኢዮም። (ሮሜ 13:1-7) ከም ሃገራዊ መዝሙር ዝኣመሰለ ሓርበኛዊ መዝሙራት ብዛዕባ ምዝማርከ ቅዱሳት ጽሑፋት እንታይ ኢዩ ዝብለና፧
ሃገራዊ መዝሙራት እንታይ ኢዩ፧
ዘ ኢንሳይክሎፔድያ ኣመሪካና “ሃገራዊ መዝሙራት መግለጺ ፍቕሪ ሃገር ኰይኑ መብዛሕትኡ ግዜ ኣምላኽ ነቲ ህዝቢ ወይ ነቶም መራሕቲ ሃገር መሪሕነትን ዑቝባን ኽህቦም ዝገልጽ ምሕጽንታ ይርከቦ ኢዩ” በለ። ብኻልእ ኣዘራርባ ሃገራዊ መዝሙር ምእንቲ ሓንቲ ሃገር ዝግበር መዝሙር ውዳሰ ወይ ጸሎት ኢዩ። መብዛሕትኡ እዋን እታ ሃገር ብልጽግና ኽትረክብን ንሓዋሩ ንኽትነብርን ዝገልጽ ትምኒት ኣለዎ። ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ምስ ጸሎት ዝመሳሰል ተግባር ክካፈሉ ይኽእሉዶ፧
ነብዪ ኤርምያስ ኣብ መንጎ እቶም ንኣምላኽ ነገልግል ኢና ዝብሉ ህዝቢ ኢዩ ዝነብር ነይሩ። ይኹን እምበር: የሆዋ “ኣይክሰምዓካን እየ እሞ: ምእንቲ እዚ ህዝቢ እዚ ኣይትለምን: ኣይትማህለል: ኣይትጸሊ: ላሕውን ኣይተብለኒ” በሎ። (ኤርምያስ 7:16፣ 11:14፣ 14:11) ኤርምያስ እዚ ትእዛዝ እዚ እተዋህቦ ስለምንታይ ኢዩ፧ ምኽንያቱ ኣብቲ ሕብረተሰብ ስርቂ: ቕትለት: ዝሙት: ብሓሶት ምምሓል: ከምኡውን ኣምልኾ ጣኦት ኣስፋሕፊሑ ነይሩ ኢዩ።—ኤርምያስ 7:9
ኣብዚ መዳይ እዚ የሱስ ክርስቶስ “ምእንቲ እዞም ዝሀብካኒ እምበር: ምእንቲ ዓለምሲ ኣይልምንን እየ” ብምባል ኣብነት ገዲፉ ኢዩ። (ዮሃንስ 17:9) ቅዱሳት ጽሑፋት ‘ብዘላ ዓለም በቲ እኩይ ተታሒዛ ኣላ’ ከምኡውን “ዓለም ትሐልፍ እያ” ኢዩ ዝብለና። (1 ዮሃንስ 2:17፣ 5:19) ናይ ሓቂ ክርስትያናት እዚ እናፈለጡ ኸመይ ገይሮም ኢዮም ነዚ ኣገባብ እዚ ኽብልጽግን ንሓዋሩ ኽነብርን ክጽልዩ፧
ርግጽ ኢዩ: ኵሉ ሃገራዊ መዝሙራት ናብ ኣምላኽ ዝቐርብ ልመና ዝሓዘ ኢዩ ማለት ኣይኰነን። ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ “ሃገራዊ መዝሙራት ብእተፈላለየ መልክዕ ኢዩ ዝቐርብ: ገሊኡ ንነገስታት ዝቐርብ ጸሎት: ገሊኡ ንኣገዳሲ ውግእ ወይ ህዝባዊ ምልዕዓል ዝጠቅስ: . . . ገሊኡ ድማ ሓርበኛዊ ስምዒታት ዝገልጽ ኢዩ” በለ። እንተዀነ ግን እቶም ንኣምላኽ ከሐጕሱ ዝደልዩ ሰባት ብውግእ ወይ ሰውራ ናይ ዝዀነት ትኹን ሃገር ክሕጐሱ ይኽእሉዶ ኢዮም፧ ኢሳይያስ ብዛዕባ ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ “ኣስያፎም ንማሕረሻታት: ኲናውቶምውን ንገዘሞታት ኪሰርሕዎ እዮም” ኢሉ ተነብዩ ኢዩ። (ኢሳይያስ 2:4) ሃዋርያ ጳውሎስ ድማ “ብስጋ እንመላለስ ክነስና እኳ: ከም ስጋስ ኣይንዋጋእን ኢና። ኣጽዋር ውግእና . . . ስጋዊ ኣይኰነን” በለ።—2 ቈረንቶስ 10:3, 4
ሃገራዊ መዝሙራት መብዛሕትኡ ግዜ ብዛዕባ ሃገራዊ ሓበን ወይ ጸብለልታ ዝገልጽ ስምዒት ኣለዎ። እዚ ኣረኣእያ እዚ ቕዱስ ጽሑፋዊ መሰረት የብሉን። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ኣርዮስፋጎስ ኣብ ዝሃቦ ዝርርብ “[የሆዋ ኣምላኽ] ኻብ ሓደ ሰብ ኣብ ርእሲ ዅላ ምድሪ ኺነብሩ ዅሉ ዓሌት ሰብ ፈጠረ” በለ። (ግብሪ ሃዋርያት 17:26) ሃዋርያ ጴጥሮስ እውን “ኣብ ኵሉ ህዝቢ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅንዕና ዚገብርን እንተሎ: ኣብኡ ቕቡል እዩ እምበር: ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ [የልቦን]” በለ።—ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35
ብዙሓት ሰባት ካብቲ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎም ምርዳእ ተበጊሶም ንሰንደቕ ዕላማ ሰላምታ ኣብ ምሃብ ኰነ ፍቕሪ ሃገር ዘንጸባርቕ መዝሙራት ኣብ ምዝማር ንኸይሳተፉ ብሕታዊ ውሳነ ገይሮም ኢዮም። ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ገጽ ንገጽ ከጋጥሞም ከሎ እንታይ ኢዮም ክገብሩ ዝኽእሉ፧
ከም ዘይትሳተፍ ብኣኽብሮት ኣርኢ
ናይ ጥንታዊት ባቢሎን ንጉስ ዝነበረ ነቡካድነጻር ሓድነት ሃጸያዊ ግዝኣቱ ንምድልዳል ኣብ ጐልጐል ዱራ ዓብዪ ወርቂ ምስሊ ገበረ። ድሕሪኡ ነቲ ምስሊ ምእንቲ ኽጽምብልዎ ንመሳፍንትን ሹመኛታትን ራእስታትን ኣማኸርትን ካልኦት ላዕለዎት ሰበ-ስልጣንን ጸውዐ። ድምጺ ሙዚቃ ምስ ሰምዑ: ኵላቶም ነቲ ምስሊ ፍግም ኢሎም ክሰግዱ ነበሮም። ካብቶም ኣብኡ እተኣከቡ እቶም ሰለስተ እብራውያን ማለት ሲድራቕን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ይርከብዎም ነበሩ። ኣብዚ ሃይማኖታዊ ጽምብል እዚ ኸም ዘይካፈሉ ብኸመይ ኣርኣዩ፧ እቲ ሙዚቃ ምስ ተጀመረ: ኵሎም እቶም ኣብኡ እተኣከቡ ፍግም ኢሎም ክሰግዱ ኸለዉ: እዞም ሰለስተ እብራውያን ግን ኣይሰገዱን።—ዳንኤል 3:1-12
ኣብዚ ግዜና ንሰንደቕ ዕላማ ሰላምታ ዝወሃብ ኢድካ ንቕድሚት ብምዝርጋሕ: ኣብ ግንባርካ ብምግባር: ወይ ኣብ ኣፍ ልብኻ ብምግባር ኢዩ። ሓድሓደ ግዜ ካልእ ዓይነት ምልክት ይግበር ኢዩ። ኣብ ገሊኡ ሃገራት ተማሃሮ ኣብ ቅድሚ ሰንደቕ ዕላማ ተንበርኪኾም ክስዕምዋ ትጽቢት ይግበረሎም ኢዩ። ካልኦት ሰባት ንሰንደቕ ዕላማ ሰላምታ ኽህቡ ኸለዉ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ሰላምታ ኸይሃቡ ደው ብምባል: ብኣኽብሮት ዝዕዘቡ ጥራይ ምዃኖም ንጹር ይኸውን።
ደው ምባል ጥራይ ነቲ ሰንደቕ ዕላማ ፍሉይ ክብሪ ኸም ዝሃብካ ዘርኢ እንተ ዀይኑኸ፧ ንኣብነት: ሓደ ተማሃራይ ንምልእቲ ኽፍሉ ወኪሉ ኣብ ደገ ብምውጻእ ነታ ሰንደቕ ዕላማ ሰላምታ ኽህብ ከሎ: ካልኦት ተማሃሮ ኣብ ክፍሎም ደው ክብሉ ይሕተቱ ይዀኑ። ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ ደው ምባል ጥራይ ምስቲ እቲ ኣብ ደገ ኸይዱ ሰላምታ ዝህብ ዘሎ ተማሃራይ ዝገብሮ ተግባር ከም እተሰማማዕካ ዝሕብር ኢዩ። ብዝዀነ ይኹን መገዲ ደው ምባል ኣብቲ ጽምብል ከም ዝሓበርካ ኢዩ ዘርኢ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጕዳይ: እቶም ብኣኽብሮት ተዓዘብቲ ጥራይ ምዃኖም ከርእዩ ዝደልዩ ኻብ ኮፍ ዝበሉሉ ኣይትንስኡን ኢዮም። እቲ ጽምብል ክጅምር ከሎ ብምሉኦም ተማሃሮ ደው ኢሎም እንተ ነይሮምከ፧ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጕዳይ: ደው ኢልና ምጽናሕና ኣብቲ ጽምብል ከም እተሳተፍና ዝሕብር ኣይኰነን።
ምናልባት ሓደ ሰብ ካልኦት ሰባት ነታ ሰንደቕ ዕላማ ሰላምታ ምእንቲ ኽህቡ ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ወይ ኣብ ካልእ ቦታታት ነታ ሰንደቕ ዕላማ ክሕዝ ይሕተት ይኸውን። ከምዚ ምስ ዝገብር ከምቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ዝብሎ ‘ካብ ምምላኽ ጣኦት ምህዳም’ ዘይኰነስ: ኣብቲ ቐንዲ ኽፍሊ ናይቲ ጽምብል ኢዩ ዝሳተፍ ዘሎ። ደገፍካ ንምግላጽ ኣብ ዝግበር ናይ ፖለቲካ ሰላማዊ ሰልፍታት ምስታፍ እውን ካብዚ እተፈልየ ኣይኰነን። ከምዚ ምግባር ነቲ ኣብቲ ሰልፊ ኽብሪ ዝወሃቦ ነገር ደገፍካ ከም ዝሃብካ ስለ ዘመልክት: ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኣይሳተፉን ኢዮም።
ናይ ሃገራዊ መዝሙር ሙዚቃ ኽውቃዕ ከሎ: መብዛሕትኡ ግዜ ደው ብምባል ኣብቲ መዝሙር ከም እትሳተፍ እተርእየሉ ግዜ ኣሎ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ክርስትያናት ካብ ኮፍ ዝበልዎ ክትንስኡ ኣይግባእን። ይኹን እምበር: ሃገራዊ መዝሙር ክዝመር ከሎ ደው ኢሎም እንተ ጸኒሖም: ኮፍ ክብሉ ኣየድልን ኢዩ። ከመይሲ: ነቲ ሃገራዊ መዝሙር ኢሎም ኣይኰኑን ደው ዝበሉ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ ካብ ኮፍ ዝበልካሉ ተንሲእካ ክትዝምር ትጽቢት ዝግበረልካ እንተደኣ ዀይኑ: ኣኽብሮት ንምርኣይ ካብ ኮፍ መበሊኻ ሓፍ ምባል ግን ከኣ ነቲ መዝሙር ዘይምዝማር ኣብቲ ጽምብል ከም ዘይተኻፈልካ የርኢ።
“ሰናይ ሕሊና ይሀሉኹም”
እቲ ጸሓፍ መዝሙር: ሰብ ዝሰርሖ እሞ ኣምልኾ ዝወሃቦ ነገራት ከንቱ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ “እቶም ዚገብርዎምን ኣብኦም ዚውከሉን: ኵሎም ከምኣቶም ኪዀኑ እዮም” በለ። (መዝሙር 115:4-8) ስለዚ: ምስ ከም ሰንደቕ ዕላማ ዝኣመሰለ ኣምልኾ ዝወሃቦ ነገራት ብቐጥታ ዝተሓሓዝ ስራሕ ብኣምለኽቲ የሆዋ ተቐባልነት የብሉን። (1 ዮሃንስ 5:21) ሓድሓደ እዋን ክርስትያናት ኣብ ስርሖም ንሰንደቕ ዕላማ ዀነ ነቲ እታ ሰንደቕ ዕላማ እትውክሎ ነገር ዘይኰነስ ንየሆዋ ጥራይ ከም ዘምልኹ ብኣኽብሮት ክገልጹ የድልዮም ኢዩ።
ንኣብነት: ሓደ ወሃብ ስራሕ ንሰራሕተኛኡ ሰንደቕ ዕላማ ክሰቅል ወይ ከውርድ ይሓቶ ንበል። እቲ ውልቀ-ሰብ ኸምዚ ኽገብር ድዩ ኣይገብርን ኣብቲ ብዛዕባ እቲ ዅነታት ዘለዎ ናይ ብሕቲ ኣረኣእያ ኢዩ ዝውሰን። እታ ሰንደቕ ዕላማ ክትስቀል ወይ ክትወርድ ከላ ፍሉይ ኣኽብሮት ዝወሃባ እንተደኣ ዀይኑ: ማለት ሰባት ብኣኽብሮት ደው ዝብሉ ወይ ነታ ሰንደቕ ዕላማ ሰላምታ ዝህብዋ ምስ ዝዀኑ: ንሱውን ዘይግባእ ኣኽብሮት ይህባ ኣሎ ማለት ኢዩ።
በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን እታ ሰንደቕ ዕላማ ኽትስቀል ወይ ክትወርድ ከላ ዋላ ሓንቲ ፍሉይ ኣኽብሮት ዝወሃባ እንተ ዘይኰይኑ: እዚ ተግባር እዚ ንሓደ ህንጻ ኻብ ምጽርራይ: ማዕጾ ኻብ ምርሓውን ምዕጻውን: ከምኡውን መሳዅቲ ኻብ ምኽፋትን ምዕጻውን ተፈልዩ ኣይርአን ኢዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣጋጣሚታት እታ ሰንደቕ ዕላማ ከም ምልክት ናይ ሃገር ጥራይ ጌርካ ኢያ እትርአ: ምስቃላ ወይ ምውራዳ ኸኣ ናብ ሕልና እቲ ሰብ ኢዩ ዝግደፍ። (ገላትያ 6:5) ምናልባት እቲ ክርስትያን ነቲ ሓለቓኡ ኻልእ ሰራሕተኛ ነታ ሰንደቕ ዕላማ ኽሰቕላ ወይ ከውርዳ ኽሓቶ ይኽእል ኢዩ። ካልእ ክርስትያን ከኣ እታ ሰንደቕ ዕላማ ኽትስቀል ወይ ክትወርድ ከላ ፍሉይ ክብሪ ዝወሃባ እንተ ዘይኰይኑ: ነዚ ኽገብር ሕልናኡ የፍቅደሉ ይኸውን። በዚ ይኹን በቲ: ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ‘ሰናይ ሕሊና ኽህልዎም’ ኣለዎ።—1 ጴጥሮስ 3:16
ሰንደቕ ዕላማ ኣብ እትስቀለሉ ከም መደበር መጥፋእቲ ሓዊ: ምምሕዳር ከተማ: ቤት ትምህርቲ: ከምኡውን ኣብ ካልእ ከምዚ ዝኣመሰለ ህንጻታት ንኸይትሰርሕ ወይ ንኸይትኣቱ ዝኽልክል ቅዱስ ጽሑፋዊ መሰረት የለን። ኣብ ቴምብር: ታርጋ: ወይ ኣብ ካልእ መንግስቲ ዘፍርዮ ኣቝሑ ሰንደቕ ዕላማ ኽልጠፍ ይከኣል ኢዩ። በዚ ነገራት እዚ ምጥቃምካ ነታ ሰንደቕ ዕላማ ተምልኻ ምህላውካ ኣየርእን ኢዩ። እቲ ኣገዳሲ ጕዳይ እታ ሰንደቕ ዕላማ ወይ ቅዳሕ ናታ ምህላዉ ዘይኰነስ: እቲ ተግባርካ ዝህልዎ ትርጕም ኢዩ።
ሰንደቕ ዕላማ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ መሳዅቲ: ማዓጹ: ማካይን: ሰደቓታት: ወይ ኣብ ካልእ ቦታታት ይቕመጥ ኢዩ። ሰንደቕ ዕላማ እተሳእሎ ክዳውንቲ እውን ኣሎ። ኣብ ገሊኡ ሃገራት ከምዚ ዝኣመሰለ ኽዳን ክትክደን ኣይፍቀድን ኢዩ። እዚ ብሕጊ ኣብ ዘይተኸልከለሉ ሃገራት እውን እንተዀነ: ሓደ ሰብ ነዚ ምስ ዝኽደን ብዛዕባ ዓለም እንታይ ዓይነት ኣረኣእያ ኸም ዘለዎ ኢዩ ዝሕብር፧ የሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ ሰዓብቱ “ከምቲ ኣነ ኻብ ዓለም ዘይኰንኩ: ንሳቶምውን ካብ ዓለም ኣይኰኑን” በለ። (ዮሃንስ 17:16) እዚ ተግባራት እዚ ኣብ ኣመንቲ ብጾት ክህልዎ ዝኽእል ጽልዋ እውን ዕሽሽ ዝበሃል ኣይኰነን። ንሕልና ገሊኣቶም ክጐድእ ይኽእልዶ፧ ኣብ እምነቶም ጽኑዓት ንምዃን ዝነበሮም ቈራጽነት ይዳኸምዶ ዀን ይኸውን፧ ጳውሎስ ንክርስትያናት ‘መዓንቀፊ ዜብሎምን ንጹሃትን ምእንቲ ኽትኰኑ: እቲ ዚሐይሽ መርምሩ’ ኢሉ ምዒድዎም ኢዩ።—ፊልጲ 1:10
“ንዅሉ ለዋህ”
ኣብዚ ኵነታት ዓለም እናተበላሸወ ዝኸደሉ ዘሎ “ክፉእ ዘመን:” ሓርበኛዊ ስምዒት እናተጓሃሃረ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1) እቶም ንኣምላኽ ዘፍቅሩ ምድሓን ናይ የሆዋ ምዃኑ ወትሩ ክርስዑ የብሎምን። የሆዋ ምሉእ ተወፋይነት ይግብኦ ኢዩ። ሃዋርያት የሱስ ምስ ፍቓድ የሆዋ ዝጋጮ ነገር ክገብሩ ምስ ተሓተቱ “ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዚግባእ” ኢሎም ኢዮም መሊሶም።—ግብሪ ሃዋርያት 5:29
ሃዋርያ ጳውሎስ “ባርያ እግዚኣብሄር ንዅሉ ለዋህ . . . እምበር: ኪብአስ ኣይግብኦን እዩ” በለ። (2 ጢሞቴዎስ 2:24) ስለዚ: ክርስትያናት ብዛዕባ ንሰንደቕ ዕላማ ሰላምታ ምሃብ ኰነ ሃገራዊ መዝሙር ምዝማር ኣብቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ ዝሰልጠነ ሕልናኦም ተመርኲሶም ክውስኑ ኸለዉ ሰላማውያን: ኣኽብሮት ዘርእዩ: ከምኡውን ለዋሃት ክዀኑ ኢዮም ዝጽዕሩ።
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]
እቶም ካብ ኣቕዋሞም ፈልከት ዘይበሉ ግን ከኣ ኣኽበርቲ ዝነበሩ ሰለስተ እብራውያን ንኣምላኽ ከሐጕሱ ኢዮም ወሲኖም
[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]
ሓደ ክርስትያን ኣብ ሓርበኛዊ ጽምብል እንታይ ክገብር ይግባእ፧