እንታይ እዮም ዚኣምኑ፧
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ ንሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ዅሉ ዚኽእል የሆዋ ኣምላኽ እዮም ዚኣምኑ። ህላወ እቲ ኣብ ዩኒቨርስ ዚርከብ እተሓላለኸ ንድፊ: ሓደ ኣዝዩ መስተውዓልን ሓያልን ፈጣሪ ኸም ዘሎ ዜረድእ እዩ። ልክዕ ከምቲ ሰባት ዚሰርሕዎ ስራሕ ንባህርያቶም ዚምስክር: ፍጥረታት ድማ ንባህርያት የሆዋ እዩ ዚምስክር። መጽሓፍ ቅዱስ “እቲ ኻብ ፍጥረት ዓለም ጀሚሩ ብግብሩ ዚፍለጥ ዘይርኤ ባህርዩ . . . ኣጸቢቑ ይርኤ” ይብለና። ከምኡውን ብዘይ ድምጺ ወይ ቃል “ሰማያት ክብሪ ኣምላኽ የዘንትዉ: ጠፈር ከኣ ግብሪ ኣእዳዉ የውሪ።”—ሮሜ 1:20፣ መዝሙር 19:1-4
ሰባት: ዕትሮ ዀነ ተለቪዥን ኰነ ወይ ኮምፕዩተር ብዘይ ዕላማ ኣይሰርሑን እዮም። ምድርን ኣብኣ ዚርከብ ፍጥረታትን እንስሳታትን ኣታኽልትን ግን ካብዚ ብዝያዳ ዜደንቕ እዩ። እቲ ንምሕሳብ እንጥቀመሉ ኣዝዩ ዜደንቕ ሓንጐልና ሓዊስካ: ቅርጺ ኣካላትና ምስቲ ሒዝዎ ዘሎ ብትርልዮናት ዚቝጸር ዋህዮታት ኣዝዩ ዜስደምም ካብ ምዃኑ እተላዕለ ምሉእ ብምሉእ ኣይንርድኦን ኢና። እቲ ብተዛማዲ ኺርአ ኸሎ ኣብ ግምት ዘይኣቱ ምህዞ ደቅሰብ ዕላማ ኻብ ሃለዎ: ብርግጽ እምበኣር የሆዋ ነቲ ዜደንቕ ፍጥረታቱ ኺፈጥር ከሎ ዕላማ ነይርዎ እዩ። ምሳሌ 16:4 “እግዚኣብሄርሲ ዅሉ ንምዱብ ነገር . . . ፈጠሮ” ትብለና።
የሆዋ ነቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን: “ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ኸኣ ምልእዋን ምለኽዋን: ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ እንስሳን ከኣ ግዝኡ” ኪብሎም ከሎ ንምድሪ ብዕላማ ኸም ዚፈጠራ ዜርኢ እዩ። (ዘፍጥረት 1:28) እዞም ሰብኣይን ሰበይትን ብዘይምእዛዞም ግን: ንምድርን ነቲ ኣብኣ ዚርከብ እንስሳታትን ኣታኽልትን ዚከናኸኑ ብጽድቂ ዚመላለሱ ስድራቤት ኣይመስረቱን። ብሰንኪ እዚ ግን ዕላማ የሆዋ ኣይፈሽልን እዩ። ኣሽሓት ዓመታት ጸኒሑ: “ኣምላኽ እዩ: ንምድሪ ዝደኰና . . . ማሕደር ሰብ ክትከውን ዝደኰና እምበር: ጥራያ ኽትከውን ዘይፈጠራ” ዚብል ተጻሕፈ። ክትጠፍእ ዘይኰነትስ ‘ንዘለኣለም ክትቀውም’ እያ ተፈጢራ። (ኢሳይያስ 45:18፣ መክብብ 1:4) የሆዋ “ምኽረይ ኪቐውም እዩ: ፍቓደይ ኵሉውን ክፍጽም እየ” ስለ ዚብል: እቲ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ ብምሉኡ ኺፍጸም እዩ።—ኢሳይያስ 46:10
ስለዚ ኸኣ እዮም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምድሪ ንዘለኣለም ከም እትነብር: ኵሎም ምስ ዕላማታት የሆዋ ተሰማሚዖም ዝነበሩ ሰባት: እንተላይ እቶም ሞይቶም ዘለዉ: ኣብታ ውቅብቲ ምድሪ ንዘለኣለም ከም ዚነብሩ ዚኣምኑ። ኵሎም ደቅሰብ ካብ ኣዳምን ሄዋንን ዘይፍጽምና ስለ ዝወረሱ ሓጥኣን እዮም። (ሮሜ 5:12) መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብለና:- “ዓስቢ ሓጢኣትሲ ሞት እዩ።” “ህያዋንሲ ኸም ዚሞቱ ይፈልጡ እዮም: ምዉታት ግና ገለ እኳ ኣይፈልጡን።” “እታ ሓጢኣት እትገብር ነፍሲ ንሳ ኽትመውት እያ።” (ሮሜ 6:23፣ መክብብ 9:5፣ ህዝቅኤል 18:4, 20) ከምዚ ኻብ ኰነ: ምዉታት ተኻፈልቲ እቲ ኣብ ምድሪ ዚህሉ በረኸት ኪዀኑ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ የሱስ ባዕሉ “ትንሳኤን ህይወትን ኣነ እየ። እቲ ብኣይ ዝአመነስ እንተ ሞተ እኳ: ብህይወት ኪነብር እዩ” ከምኡውን “ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም ድምጹ ዚሰምዑላ ሰዓት ክትመጽእ እያ” ስለ ዝበለ: በቲ የሱስ ክርስቶስ ዝኸፈሎ በጃ ጥራይ እዩ ትንሳኤ ኺርከብ ዚከኣል።—ዮሃንስ 5:28, 29፣ 11:25፣ ማቴዎስ 20:28
እዚ ግን ብኸመይ እዩ ኺፍጸም፧ እዚ ኣብቲ የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ ኪእውጆ ዝጀመሮ “ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ” ተገሊጹ ኣሎ። (ማቴዎስ 4:17-23) ሎሚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ብስራት ብፍሉይ መገዲ ይሰብክዎ ኣለዉ።
[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ሰሌዳ]
ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ እዮም ዚኣምኑ፧
እምነት ቅዱስ ጽሑፋዊ መሰረት
መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ኣምላኽን ሓቅን እዩ 2 ጢሞ. 3:16, 17፣
መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ስርዓት ሰብ ዝያዳ የተኣማምን ማቴ. 15:3፣ ቈሎ. 2:8
ስም ኣምላኽ የሆዋ እዩ መዝ. 83:18 NW፣
ኢሳ. 26:4 NW፣ ኢሳ 42:8 NW፣ ዘጸ. 6:3 NW
የሱስ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽን ካብኡ ዚትሕትን እዩ ማቴ. 3:17፣ ዮሃ. 8:42፣ 14:28፣ ዮሃ 20:17፣ 1 ቈረ. 11:3፣ 15:28
ክርስቶስ በዅሪ ዅሉ ፍጥረት ኣምላኽ እዩ ቈሎ. 1:15፣ ራእ. 3:14
ክርስቶስ ኣብ መስቀል ዘይኰነስ ኣብ ዕንጸይቲ እዩ ተሰቒሉ ገላ. 3:13፣ ግብ. 5:30
ሰብኣዊ ህይወት ክርስቶስ ንእዙዛት ደቅሰብ እዩ በጃ ተዋሂቡ ማቴ. 20:28፣ 1 ጢሞ. 2:5, 6፣ 1 ጴጥ. 2:24
ሓንሳእ እተገብረ መስዋእቲ ክርስቶስ እኹል እዩ ሮሜ 6:10፣ እብ. 9:25-28
ክርስቶስ ዘይመውት መንፈሳዊ ኣካል ሒዙ እዩ ኻብ ሞት ተንሲኡ 1 ጴጥ. 3:18፣ ሮሜ 6:9፣ ራእ. 1:17, 18
ክርስቶስ ምሳና ምህላዉ ብመንፈስ ስለ ዝዀነ ኣይርአን እዩ ዮሃ. 14:19፣ ማቴ. 24:3 NW፣ 2 ቈረ. 5:16፣ መዝ. 110:1, 2
ኣብ “ዘመን መወዳእታ” ኢና እንነብር ዘሎና ማቴ. 24:3-14፣ 2 ጢሞ. 3:1-5፣
እታ ክርስቶስ ዜመሓድራ መንግስቲ ኣምላኽ ኢሳ. 9:6, 7፣ 11:1-5፣
ኣብ ልዕሊ ምድሪ ብጽድቅን ብሰላምን ክትገዝእ እያ ዳን. 7:13, 14፣ ማቴ. 6:10
መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ምሹእ መዝ. 72:1-4፣ 7:9, 10, 13-17፣ ራእ. 21:3, 4
ኵነታት ከም ዚህሉ ኽትገብር እያ
ምድሪ ፈጺማ ኣይክትጠፍእን ወይ ኣይክትባድምን እያ መክ. 1:4፣ ኢሳ. 45:18፣ መዝ. 78:69
ኣምላኽ ነዚ ኣገባብ እዚ ኣብ ውግእ ኣርማጌዶን ኬጥፍኦ እዩ ራእ. 16:14, 16፣ ጸፎ. 3:8፣ ዳን. 2:44፣ ኢሳ. 34:2፣ 55:10, 11
እኩያት ሰባት ንዘለኣለም ኪጠፍኡ እዮም ማቴ. 25:41-46፣ 2 ተሰ. 1:6-9
ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት ዮሃ. 3:16፣ 10:27, 28፣ 17:3፣
ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረኽቡ እዮም ማር. 10:29, 30
ናብ ህይወት እትመርሕ ሓንቲ መገዲ ጥራይ እያ ዘላ ማቴ. 7:13, 14፣ ኤፌ. 4:4, 5
ሰባት ብሰንኪ ሓጢኣት ኣዳም እዮም ዚሞቱ ሮሜ 5:12፣ 6:23
ሰብ ኪመውት ከሎ: ነፍሲ ኻብ ህላወ ተቋርጽ ህዝ. 18:4፣ መክ. 9:10፣
ሲኦል መቓብር ደቅሰብ እዩ እዮ. 14:13፣ ራእ. 20:13, 14
ተስፋ ምዉታት ትንሳኤ እዩ 1 ቈረ. 15:20-22፣ ዮሃ. 5:28, 29፣ 11:25, 26
እቲ ብሰንኪ ኣዳም ዝመጸ ሞት ኬቋርጽ እዩ 1 ቈረ. 15:26, 54፣ ራእ. 21:4፣ ኢሳ. 25:8
144,000 ዚኣኽሉ ሒደት መጓሰ ጥራይ እዮም ሉቃ. 12:32፣ ራእ. 14:1, 3፣
ናብ ሰማይ ብምኻድ ምስ ክርስቶስ ዚገዝኡ 1 ቈረ. 15:40-53፣ ራእ. 5:9, 10
እቶም 144,000 ከም መንፈሳውያን ደቂ ኣምላኽ
ኰይኖም እንደገና ተወሊዶም እዮም 1 ጴጥ. 1:23፣ ዮሃ. 3:3፣ ራእ. 7:3, 4
ምስቶም ብመንፈስ እስራኤላውያን ሓድሽ ኪዳን ተገይሩ እዩ ኤር. 31:31፣ እብ. 8:10-13
ማሕበር ክርስቶስ ኣብ ገዛእ ርእሱ እያ ተሃኒጻ ኤፌ. 2:20፣ ኢሳ. 28:16፣ ማቴ. 21:42
ጸሎት ብየሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ጥራይ ዮሃ. 14:6, 13, 14፣ 1 ጢሞ. 2:5
እዩ ናብ የሆዋ ኪቐርብ ዘለዎ
ኣብ ኣምልኾ ምስሊ ምጥቃም ግቡእ ኣይኰነን ዘጸ. 20:4, 5፣ ዘሌ. 26:1፣
ሓተታ መናፍስቲ ኺውገድ ኣለዎ ዘዳ. 18:10-12፣ ገላ. 5:19-21፣ ዘሌ. 19:31
ሰይጣን ዘይርአ ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ እዩ 1 ዮሃ. 5:19፣ 2 ቈረ. 4:4፣ ዮሃ. 12:31
ሓደ ክርስትያን ሃይማኖታት ንምትሕንፋጽ 2 ቈረ. 6:14-17፣ 11:13-15፣
ኣብ ዚግበር ምንቅስቓስ ኢዱ ኼእቱ የብሉን ገላ. 5:9፣ ዘዳ. 7:1-5
ሓደ ክርስትያን ካብ ዓለም ኪፍለ ኣለዎ ያእ. 4:4፣ 1 ዮሃ. 2:15፣
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ሕጊ ኣምላኽ ማቴ. 22:20, 21፣ 1 ጴጥ. 2:12፣ 4:15
ዘይጋጮ ሕጊ ሰባት የኽብሩ እዮም
ደም ብኣፍካ ይኹን ብሰራውር ደም
ናብ ኣካላትካምእታው ሕጊ ኣምላኽ ዚጥሕስ እዩ ዘፍ. 9:3, 4፣ ዘሌ. 17:14፣ ግብ. 15:28, 29
ብዛዕባ ስነ-ምግባር ዚምልከት ሕግታት 1 ቈረ. 6:9, 10፣ እብ. 13:4፣
መጽሓፍ ቅዱስ ኪሕሎ ኣለዎ 1 ጢሞ. 3:2፣ ምሳ. 5:1-23
ሰንበት ምኽባር ንእስራኤላውያን ጥራይ ዘዳ. 5:15፣ ዘጸ. 31:13፣ ሮሜ 10:4፣
እተዋህበን ምስ ሕጊ ሙሴ ዘብቅዐን እዩ ገላ. 4:9, 10፣ ቈሎ. 2:16, 17
ካህን: ቀሺ: ወይ ፍሉይ ሃይማኖታዊ
መዓርጋት ምጥቃም ግቡእ ኣይኰነን ማቴ. 23:8-12፣ 20:25-27
ወድሰብ ብፍልቀት ዘይኰነስ ብፍጥረት እዩ መጺኡ ኢሳ. 45:12፣ ዘፍ. 1:27፣ ማቴ. 19:4
ክርስቶስ ንኣምላኽ ንምግልጋል ክንስዕቦ 1 ጴጥ. 2:21፣ እብ. 10:7፣
ዘሎና ኣብነት ሰሪዑ ኣሎ ዮሃ. 4:34፣ 6:38
ምሉእ ብምሉእ ኣብ ማይ ብምጥሓል ዚግበር
ጥምቀት ርእስና ኸም ዝወፈና ዜመልክት እዩ ማር. 1:9, 10፣ ዮሃ. 3:23፣ ግብ. 19:4, 5
ክርስትያናት ንዝረኸብዎ ቕዱስ ጽሑፋዊ ሮሜ 10:10፣ እብ. 13:15፣
ሓቅታት ተሓጒሶም እዮም ንሰባት ዚምስክሩ ኢሳ. 43:10-12
[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]
ምድሪ ሰብ እናተኸናኸና ንዘለኣለም መንበሪት ክትከውን እያ ብየሆዋ ተፈጢራ