ምርምር ብኸመይ ተካይድ፧
ንጉስ ሰሎሞን “ኣስተንተነ: መርመረ: ብዙሕ ምስላታት ከኣ ሰርዔ።” ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ “ቅኑዕን ቃላት ሓቅን” እዩ ኺጽሕፍ ዚደሊ ነይሩ። (መክ. 12:9, 10) ሉቃስ ነቲ ኣብ ህይወት ክርስቶስ ዘጋጠመ ነገር በብተራኡ ምእንቲ ኺጽሕፍ ‘ንዅሉ ኣዳላዲሉ ኻብ ጥንቲ ሰዓቦ።’ (ሉቃ. 1:3) እዞም ኣገልገልቲ ኣምላኽ እዚኣቶም ምርምር እዮም ዚገብሩ ነይሮም።
ምርምር እንታይ እዩ፧ ብዛዕባ ሓደ ጕዳይ ተጠንቂቕካ ሓበሬታ ምንዳይ ማለት እዩ። እዚ ድማ ምንባብ የጠቓልል: ነቲ መጽናዕቲ ንምግባር ዜድሊ መሰረታዊ ስርዓታት እውን ክትዓየሉ ይግባእ። ንሰባት ቃለ-መጠይቕ ምግባር እውን ኬጠቓልል ይኽእል እዩ።
ብዛዕባ እንታይ ኵነታት ኢኻ ምርምር ክትገብር ዜድሊ፧ ሒደት ኣብነታት እንሆ:- ናይ ብሕቲ መጽናዕትኻ ወይ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስካ ኣገዳሲ ዝዀነ ሕቶታት የበግሰልካ ይኸውን። ሓደ ዝመስከርካሉ ሰብ ብዛዕባ ሓደ ጕዳይ ሕቶ ይሓተካ ይኸውን። ወይ መደረ ኸተቕርብ ተመዲብካ ትኸውን።
መደረ ኸተቕርብ ተመዲብካ እስከ ንበል። እቲ ኸተቕርቦ እተዋህበካ ጽሑፍ ሓፈሻዊ ዀይኑ ይስምዓካ ይኸውን። ነቶም ተኣከብቲ ኸም ዚኸውን ጌርካ ብኸመይ ከተቕርቦ ትኽእል፧ ምርምር ብምግባር ኣስፍሓዮ። ኣሃዛዊ ጸብጻብ ወይ ምስቲ እተቕርቦ ትምህርቲ ዚሰማማዕን ንህይወት እቶም ሰማዕትኻ ዚትንክፍን ኣብነት ምስ እትውስኸሉ: እቲ ዅሉ ሰብ ከም ዚፈልጦ ጌርካ ዚውሰድ ዝነበረ ኽፍሊ ሓድሽ ትምህርቲ ዝሓዘን ናብ ተግባር ዜለዓዕልን ይኸውን። እቲ እትዳለወሉ ዘለኻ ጽሑፍ ኣብ መላእ ዓለም ንዚርከቡ ኣንበብቲ እተዳለወ ይኸውን። ነዚ ንሓንቲ ጉባኤ ኸተቕርበላ ወይ ንሓደ ሰብ ክትነግሮ ኸለኻ ግን: ከተጕልሖ: ብምሳሌ ኸተብርሆ: ከምኡውን ኣወዓዕላኡ ኽትገልጽ የድልየካ እዩ። ብኸመይ ኢኻ ኸምኡ ኽትገብር እትኽእል፧
ሓበሬታ ኸተናዲ ቕድሚ ምጅማርካ: ሰማዕትኻ መን ምዃኖም ኣብ ግምት ኣእቱ። ድሮ ዚፈልጥዎ ነገር እንታይ እዩ፧ እንታይከ እዮም ኪፈልጡ ዚደልዩ፧ ድሕሪኡ ዕላማኻ ንጹር ግበር። ንኽትገልጽ ድዩ፧ ንኸተእምን ድዩ፧ ጌጋ ምዃኑ ንኸተረጋግጽ ድዩ፧ ወይስ ንኸተለዓዕል፧ ክትገልጽ እንተ ደኣ ዄንካ: ነቲ ነገር ንጹር ንምግባር ተወሳኺ ሓበሬታ ምቕራብ ይሓትት። እቲ መሰረታዊ ሓቂ ርዱእ እኳ እንተ ዀነ: እቲ ዚጥቀስ ነገራት መዓስ ወይ ብኸመይ ከም እተፈጸመ ብምግላጽ ከተስፍሖ ትኽእል ኢኻ። ከተእምን እንተ ደኣ ዄንካ: ሓደ ነገር ስለምንታይ ከምኡ ኸም ዝዀነ ምኽንያት ምግላጽ ዚሓትት ኰይኑ: መርትዖ ኸተቕርብ እውን የድልየካ ይኸውን። ሓደ ነገር ጌጋ ምዃኑ ኸተረጋግጽ እንተ ደሊኻ ድማ: ብዛዕባ ኽልቲኡ ወገናት ፍልጠት የድልየካ: ንዚቐርብ መርትዖታት እውን ተጠንቂቕካ ኽትምርምሮ ይግባእ። ልክዕ እዩ: ሓያል መርትዖታት ከነቕርብ ጥራይ ዘይኰነስ: ነቲ መርትዖ እቲ ብሕያውነት ከነቕርበሉ እንኽእል መገድታት እውን ንደሊ ኢና። ከተለዓዕል እንተ ደሊኻ: ልቢ ሰብ ክትንክፍ ኣሎካ። ከምዚ ኺበሃል ከሎ ንሰማዕትኻ ነቲ እተማህርዎ ነገር ንኺዓዩሉ ዜነቓቕሕን ዚሃንጽን ነገር ምሃብ ማለት እዩ። ብዛዕባ እቶም ኣብ ኣጸጋሚ ዅነታት እውን ከይተረፈ ኸምዚ ዝኣመሰለ ስጕምቲ ዝወሰዱ ሰባት ዚገልጽ ናይ ሓቂ ታሪኽ ህይወት: ልቢ ንምትንካፍ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።
እሞኸ ሕጂ ምርምር ንኽትጅምር ድሉው ዲኻ፧ ገና ዚተርፈካ ነገር ኣሎ። ክንደይ ዚኣክል ሓበሬታ ኸም ዜድልየካ ኣብ ግምት ኣእቱ። ግዜ ኣገዳሲ ረቛሒ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንኻልኦት ሰባት ሓበሬታ ኸተቕርብ እንተ ደኣ ዄንካ: ነዚ ንኽትገብር ክንደይ ዚኣክል ግዜ እዩ ኺወሃበካ፧ ሓሙሽተ ደቒቕ ድዩ: ወይስ ኣርብዓን ሓሙሽተን ደቒቕ፧ እቲ ግዜ ኸምቲ ኣብ ኣኼባ ጉባኤ ዚግበር ውሱን ድዩ: ወይስ ከምቲ ኣብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ኣብ ናይ ጕስነት ምብጻሕ ዚግበር ተዓጻጻፊ ኪኸውን ይኽእል እዩ፧
ኣብ መወዳእታ: እንታይ ንምርምር ዚሕግዝ ናውቲ ኢኻ ኽትረክብ እትኽእል፧ ኣብ ርእሲ እቲ ኣብ ቤትካ ዘሎካ ነገራት: ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ዚርከብ ቤተ-መጻሕፍቲ ተወሳኺ ናውቲ ኽትረክብ ትኽእልዶ፧ ንየሆዋ ንሓያሎ ዓመት ኬገልግሉ ዝጸንሑ ኣሕዋት ነቲ ንምርምር ዚሕግዝ ናውቶም ክትውከስ ይፈቕዱልካዶ ዀን ይዀኑ፧ ኣድላዪ እንተ ዀይኑ: መወከሲ መጻሕፍቲ ኽትርእየሉ እትኽእል ህዝባዊ ቤተ-መጻሕፍቲ ኣብ ከባቢኻዶ ይርከብ፧
መጽሓፍ ቅዱስ—ካብ ኵሉ ዝበለጸ ንምርምር ዚኸውን ንዋት
እቲ ምርምር እትገብረሉ ጕዳይ: ብዛዕባ ትርጕም ሓደ ጥቕሲ እንተ ዀይኑ: ፈለማ ብባዕሉ ብመጽሓፍ ቅዱስ ጀምር።
ነቲ ኣብቲ ኸባቢ ዚርከብ ሓሳብ መርምር:- ‘እዚ ንመን እዩ ተጻሒፉ፧ እቲ ኣብ ከባቢ ዘሎ ጥቕስታት ብዛዕባ እቲ ሓሳባት እቲ እተጻሕፈሉ ምኽንያት: ወይ ብዛዕባ ኣረኣእያ እቶም ሰባት እንታይ ይሕብር፧’ ኢልካ ንገዛእ ርእስኻ ሕተት። ከምዚ ዝኣመሰለ ዝርዝር ነጥብታት: መብዛሕትኡ ግዜ ንሓደ ጥቕሲ ንኽንርድኦ ይሕግዘና እዩ። ነቲ እተቕርቦ መደረ ድማ ብዝያዳ ህያው ይገብሮ።
ንኣብነት: እብራውያን 4:12 መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ቓል ኣምላኽ ንልብና ንምትንካፍን ኣብ ህይወትና ጽልዋ ንምሕዳርን ዘለዎ ሓይሊ ንምሕባር ትጥቀስ እያ። እቲ ኣብ ከባቢ እታ ጥቕሲ ዘሎ ድማ: እዚ ብኸመይ ኪኸውን ከም ዚኽእል ብዝያዳ የረድኣና። ነቲ እስራኤላውያን ናብታ የሆዋ ንኣብርሃም እተመባጽዓሉ ምድሪ ቕድሚ ምእታዎም ን40 ዓመት ኣብ በረኻ ዘሕለፍዎ ተመክሮታት ይገልጽ እዩ። (እብ. 3:7-4:13) “ቃል ኣምላኽ:” ማለት እቲ ምስቲ ምስ ኣብርሃም ዝኣተዎ ኺዳን ብምስምማዕ ንእስራኤላውያን ዕረፍቲ ኣብ ዚረኽቡሉ ቦታ ኼእትዎም ዝገበሮ መብጽዓ: ምዉት ኣይነበረን፣ የግዳስ: ህያውን ናብ ፍጻሜኡ ዚግስግስን እዩ ነይሩ። እስራኤላውያን ንኺኣምንዎ እኹል ምኽንያት ነበሮም። ይኹን እምበር: የሆዋ ኻብ ግብጺ ናብ ከረን ሲና: ጸኒሑ ኸኣ ናብ ምድሪ ተስፋ ኺመርሖም ከሎ: ብተደጋጋሚ እምነት ኣጕዲሎም እዮም። ስለዚ: በቲ ኣምላኽ ንቓሉ ዝፈጸመሉ መገዲ ዘርኣይዎ ምላሽ: እቲ ኣብ ልቦም ዝነበረ ነገር ተጋህደ። ኣብዚ ግዜናውን ብተመሳሳሊ: ኣምላኽ ብቓሉ ኣቢሉ እተመባጽዖ ነገር ኣብ ልቢ ሰብ እንታይ ምህላዉ ይሕብር።
መነጻጸሪ ተመልከት። ገሊኡ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ሓጋዚ ኪኸውን ዚኽእል መነጻጸሪ ኣለዎ። ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ሓዳስ ዓለም ጽቡቕ ኣብነት እዩ። ብዙሓት ሰባት ብኻልእ ቋንቋ እውን እንተ ዀነ ኺጥቀሙሉ ይኽእሉ እዮም። እቲ ብ1956 ኰነ ብ1990 እተሓትመ ናይ ትግርኛ መጽሓፍ ቅዱስ እውን እንተ ዀነ: ኣብ እግሪ እተወሰነ መነጻጸሪ ኣለዎ። ንኣብነት: 1 ጴጥሮስ 3:6 እንተ ወሲድና: ሳራ ንክርስትያናት ኣንስቲ ኣብነት ከም እትኸውን ይሕብር። እታ ኣብ መነጻጸሪ ተሓቢራ ዘላ ዘፍጥረት 18:12 ከኣ: ሳራ ንኣብርሃም ‘ብልባ ጐይታይ’ ኢላ ኸም ዝጸውዓቶ ብምሕባር ነቲ ሓሳባት ተራጕዶ። እምበኣር: ተገዛእነታ ልባዊ እዩ ነይሩ። መነጻጸሪ ኣብ ርእሲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዓሚቝ ፍልጠት ምውሳኹ: ንፍጻመ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ኣካይዳ ሕጊ ኺዳን ኪሕብረካ ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር: ገሊኡ መነጻጸሪ ኸምዚ ዝኣመሰለ መግለጺ ንኺህብ ኣይኰነን ተዳልዩ። ምስኡ ንዚመሳሰል ሓሳባት: ንታሪኽ ህይወት: ወይ ንጂኦግራፍያዊ ሓበሬታ ዜመልክት ጥራይ ኪኸውን ይኽእል እዩ።
ኣብቲ ብተርታ ቓላት መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕስታት ዚሕብር መወከሲ ኣናዲ። ብተርታ ቓላት ጥቕስታት ዚሕብር መወከሲ: ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ቃላት ብተርታ ፊደላት ብምስራሕ ዜገልግል መሐበሪ እዩ። ምስቲ ምርምር እትገብረሉ ዘለኻ ርእሰ ነገር ዚተሓሐዝ ጥቕስታት ንኽትረክብ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። ኣብዚ ኽትድህስስ ከለኻ: ካልእ ሓጋዚ ዝርዝራት ክትረክብ ኢኻ። “ንምሳሌ” ወይ ንመርኣያ እቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ሓቂ ዚኸውን መርትዖ ኽትርድኦ ኢኻ። (2 ጢሞ. 1:13) ትርጕም ሓዳስ ዓለም መሰረታዊ ዝርዝር “መሐበሪ ቓላት መጽሓፍ ቅዱስ” ኣለዎ። እቲ ኮምፕርሀንሲቭ ኮንኮርዳንስ ዚበሃል መጽሓፍ ከኣ ዝያዳ ዝሰፍሐ እዩ። ብቛንቋኻ ዚርከብ እንተ ደኣ ዀይኑ: ናብ ነፍሲ ወከፍ ኣገዳሲ ቓላት ዝሓዘ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪመርሓካ እዩ።
ካልእ ንምርምር ዚሕግዝ ናውቲ ብኸመይ ከም እትጥቀመሉ
ኣብ ገጽ 33 እትርከብ ሳጹን በቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” እተዳለወ ኻልእ ንምርምር ዚሕግዝ ናውቲ እውን ትዝርዝር። (ማቴ. 24:45-47) መብዛሕትኡ ድማ ትሕዝቶ ዚገልጽ ሰሌዳ ኣለዎ: ኣብ መወዳእታ እውን መሐበሪ ይርከቦ እዩ: እዚ ኸኣ ንሓደ ሓበሬታ ፈሊኻ ንኽትረክብ ኪሕግዘካ ተባሂሉ እዩ ተዳልዩ። ኣብ መወዳእታ ነፍሲ ወከፍ ዓመት: ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ዀነ ኣብ ንቕሑ! ነታ ዓመት ዚኸውን ዓንቀጻት ዜገልግል መሐበሪ ርእሰ ነገር ይወጽእ እዩ።
ኣብዚ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ዜገልግል ጽሑፋት ዚቐርብ ሓበሬታታት ምፍላጡ: ምርምርካ ብፍጥነት ንኽትፍጽም ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። ንኣብነት: ብዛዕባ ትንቢት: ሰረተ-እምነት: ክርስትያናዊ ባህርይ: ወይ ኣወዓዕላ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ክትፈልጥ ደሊኻ ንበል። ከምዚ እንተ ደሊኻ: መብዛሕትኡ እዋን ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ኽትረኽቦ ትኽእል ኢኻ። መጽሔት ንቕሑ! ብዛዕባ ህሉው ኵነታት: ምስኡ ዚተሓሓዝ ጸገማት: ሃይማኖት: ስነ-ፍልጠት: ኣብ እተፈላለዩ ሃገራት ዚርከቡ ሰባት ትገልጽ። ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ ጸብጻብ ወንጌላት ዚገልጽ ሓሳባት: ብመስርዕ ፍጻመታቱ ተሰሪዑ ኣብታ ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ ዘርእስታ መጽሓፍ ይርከብ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንዚርከብ ገሊኡ መጻሕፍቲ በብጥቕሲ ኻብ ዚገልጽ ጽሑፋት: ከም እኒ ራእይ—እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ!: ንትንቢት ዳንኤል ኣቕልበሉ!: እቲ ኽልተ ጥራዛት ኣይዛያስ ፕሮፌሲ—ላይት ፎር ኦል ማንካይንድ (ትንቢት ኢሳይያስ—ንዅሎም ደቅሰብ ዚኸውን ብርሃን) ኪጥቀስ ይከኣል። ኣብታ ሪዝኒን ፍሮም ዘ ስክሪፕቸርስ ዘርእስታ መጽሓፍ: ብኣማእታት ንዚቝጸር ኣብ ኣገልግሎት ንዚለዓል መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሕቶታት ዜዕግብ መልሲ ይርከብ እዩ። ብዛዕባ ኻልኦት ሃይማኖታትን ትምህርትታተንን ታሪኸንን ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ: ነታ ማንካይንድስ ሰርች ፎር ጎድ ዘርእስታ መጽሓፍ ተወከስ። ብዛዕባ ዘመናዊ ታሪኽ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚገልጽ ጸብጻብ ድማ ኣብታ ጂሆቫስ ዊትነስስ—ፕሮክለይመርስ ኦቭ ጎድስ ኪንግደም ዘርእስታ መጽሓፍ ወይ ኣብታ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ብዘላ ዓለም ሓቢሮም ፍቓድ ኣምላኽ ይፍጽሙ ዘርእስታ ብሮሹር ኪርከብ ይከኣል እዩ። ብዛዕባ እቲ ኣብ መላእ ምድሪ ዚግበር ዘሎ ስብከት ብስራት ዚገልጽ እዋናዊ ምዕባለታት: ኣብ ናይ 1 ለካቲት ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ኺርከብ ይከኣል እዩ። ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መዝገበ-ፍልጠትን ኣትላስን እዩ። ብዛዕባ ምስ መጽሓፍ ቅዱስ እተተሓሓዙ ሰባት: ቦታታት: ነገራት: ቋንቋታት: ወይ ታሪኻዊ ፍጻመታት ዝርዝር ሓበሬታ እንተ ደሊኻ: እዚ ብሉጽ ንዋት እዩ።
“ዎች ታወር ፓብሊኬሽን ኢንደክስ።” እዚ ኢንደክስ (መሐበሪ) እዚ ብልዕሊ 20 ቛንቋታት እተሓትመ ዀይኑ: ናብቲ ኣብ እተፈላለየ ጽሑፋትና ዚርከብ ሓበሬታ ኺሕብረካ እዩ። እዚ ጽሑፍ እዚ: መሐበሪ ርእሰ ነገርን መሐበሪ ጥቕስን ተባሂሉ ዚኽፈል እዩ። ነቲ መሐበሪ ርእሰ ነገር ክትጥቀመሉ እንተ ደሊኻ: ነቲ ምርምር ክትገብረሉ ዝደለኻ ርእሰ ነገር እትውክል ቃል ርኸብ። ነቲ መሐበሪ ጥቕሲ ኽትጥቀመሉ እንተ ደሊኻ ኸኣ: ነታ ኽትርድኣ ዝደለኻ ጥቕሲ ኣብቲ ዝርዝር ጥቕስታት ርኸባ። ነቲ ዝደለኻዮ ርእሰ ነገር ወይ ጥቕሲ ዚምልከት ነጥቢ ኣብቲ እቲ ኢንደክስ ዚሽፍነሉ ዓመት እንተ ተሓቲሙ: እቲ ኢንደክስ ከኣ ብእትርድኦ ቛንቋ እንተ ኣልዩ: ኣብኡ ዝርዝር ክትውከሶ እትኽእል ጽሑፋት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ነቲ ምልክታት እንታይ ማለት ምዃኑ ምእንቲ ኽትርድኦ: ኣብቲ ኢንደክስ ኣብ መጀመርታ ዚርከብ መፍትሕ ተጠቐመሉ። (ንኣብነት: ብሓገዝ እቲ መፍትሕ: w99 3/1 15 ኪበሃል ከሎ: ናይ 1999 ግምቢ ዘብዐኛ: ናይ 1 መጋቢት ሕታም: ገጽ 15 ምዃኑ ኽትፈልጥ ትኽእል ኢኻ።) ከም “ተመክሮታት ኣገልግሎት ወፍሪ:” “ታሪኽ ህይወት ናይ የሆዋ መሰኻኽር” ዝኣመሰለ ኣርእስታት: ክፍልኻ ንጉባኤ ዜነቓቕሕ ጌርካ ንኸተቕርቦ ሓጋዚ ኪኸውን ይኽእል እዩ።
ምርምር ምግባር ኣዝዩ መሳጢ ኪኸውን ስለ ዚኽእል: ኣንፈትካ ኸይትስሕት ተጠንቀቕ። ኣብቲ ምርምር ክትገብረሉ ዝደለኻ ዕላማ ኣተኵር። እቲ ኢንደክስ ናብ ሓደ ኻልእ ምንጪ እንተ ሓቢሩካ: ናብቲ እተሓበረ ገጽ ገንጽል: ድሕሪኡ ብንኡስ ኣርእስትታትን ኣብ መጀመርታ ሕጡብ ጽሑፍ ብዚርከብ ምሉእ ሓሳባትን እናተመራሕካ ነቲ ዝደለኻዮ ሓበሬታ ርኸብ። ትርጕም ሓንቲ ጥቕሲ ትደሊ እንተ ደኣ ኣሊኻ: ፈለማ ኣብቲ እተሓበረልካ ገጽ ነታ ጥቕሲ ርኸባ። ድሕሪኡ ነቲ ኣብቲ ኸባቢ ዘሎ ሓሳባት መርምሮ።
“ዎችታወር ላይብረሪ” ኣብ ሲዲ-ሮም። ኮምፕዩተር ክትረክብ ትኽእል እንተ ዄንካ: በቲ ሓያሎ ጽሑፋትና ዚርከቦ ኣብ ሲዲ-ሮም ዝቐረበ ዎችታወር ላይብረሪ ጌርካ ብዙሕ ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ። እቲ ብቐሊሉ ኽትጥቀመሉ እትኽእል መናደዪ ፕሮግራም ኣብቲ ኣብ ዎችታወር ላይብረሪ ዝኣተወ ጽሑፋት ዚርከብ ሓንቲ ቓል: እተጣመራ ቓላት: ወይ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽትረክብ የኽእለካ። እዚ ንምርምር ዚኸውን ንዋት ብቛንቋኻ እኳ ዘይርከብ እንተ ዀነ: በቲ ንስኻ እትፈልጦ ብሰፊሕ ዚዝውተር ቋንቋታት ኣቢልካ ኽትጥቀም ትኽእል ኢኻ።
ካልእ ቲኦክራስያዊ ጽሑፋት
ጳውሎስ ኣብታ ናብ ጢሞቴዎስ ዝለኣኻ ኻልአይቲ መልእኽቱ: ነቲ መንእሰይ ‘እቲ መጻሕፍቲ: ምናዳ እቲ ብራናታት’ ናብ ሮሜ ኺማልኣሉ ሓተቶ። (2 ጢሞ. 4:13) ጳውሎስ ንገሊኡ ጽሑፋት ኣኽቢሩ ይርእዮ ብምንባሩ የቐምጦ ነበረ። ንስኻውን ከምኡ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ። ናይ ብሕቲ ቕዳሓት ግምቢ ዘብዐኛ: ንቕሑ!: ከምኡውን ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ኣብ ጉባኤ ምስ ወሰድናዮ: ተቐምጦ ዲኻ፧ ከምኡ ትገብር እንተ ደኣ ዄንካ: ምስቲ ኻልእ ክርስትያናዊ ጽሑፋት ተደሚሩ: ንምርምር ዚኸውን ናውቲ ዀይኑ ኼገልግለካ ይኽእል እዩ። ሓያሎ ጉባኤታት ኣብቲ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚርከብ ቤተ-መጻሕፍተን ቲኦክራስያዊ ጽሑፋት ይእክባ እየን። እዚ ጽሑፋት እዚ ኸኣ ንጥቕሚ እታ ጉባኤ ብምልእታ ዜገልግል ኰይኑ: ኣብቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኴንካ ኽትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ።
ናይ ብሕትኻ ፋይል ይሃሉኻ
ክትዛረብን ክትምህርን ከለኻ ኽትጥቀመሉ እትኽእል ነገራት ነቒሕካ ተኸታተል። ኣብ ጋዜጣ ወይ መጽሔት ኣብ ኣገልግሎት ክትጥቀመሉ እትኽእል ሓደ ዜና: ኣሃዛዊ ጸብጻብ: ወይ ኣብነት እንተ ረኺብካ: ቈሪጽካ ኣውጽኣዮ ወይ ነቲ ሓበሬታ ቕድሓዮ። እታ ሓሳባት ዝወሰድካላ ዕለት: ኣርእስቲ: ምናልባት እውን ጸሓፊኡ ወይ ሓታሚኡ ምስኡ ሓዞ። ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ: ሓቂ ንኻልኦት ንምግላጽ ኪሕግዘካ ዚኽእል መረድኢታትን ምሳሌታትን መዝግብ። ሓደ ጽቡቕ ምሳሌ ኣብ ኣእምሮኻ መጺኡ ኽነሱ: ኣብቲ ግዜ እቲ ግን ክትጥቀመሉ ዘይከኣልካሉ እዋን ኣሎዶ፧ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ እዋን ጽሒፍካ ኣብ ፋይልካ ኣቐምጦ። ንእተወሰነ ዓመታት ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ድሕሪ ምክፋልካ: ብዙሕ መእተዊታት ከተዳሉ ኢኻ። ነቲ ኣብዚ ኽፍልታት እዚ እተጠቐምካሉ መዘኻኸሪ ኣብ ክንዲ እትድርብዮ: ኣቐምጦ። እቲ ዝገበርካዮ ምርምር ጸኒሑ ኺጠቕመካ ይኽእል እዩ።
ንሰባት ኣዘራርቦም
ሰባት ኣብ ውሽጦም ብዙሕ ሓበሬታ ኣለዎም። ሉቃስ ወንጌሉ ኺጽሕፍ ከሎ: ነቶም ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ዝነበሩ ብምዝርራብ ብዙሕ ሓበሬታ ኣኪቡ ኪኸውን ኣለዎ። (ሉቃ. 1:1-4) ምናልባት ክርስትያናት ብጾትካ ነቲ ምርምር ክትገብረሉ እትጽዕር ዝነበርካ ነገር ኬብርሁልካ ይኽእሉ ይዀኑ። ብመሰረት ኤፌሶን 4:8, 11-16: ክርስቶስ “ናብ ፍልጠት ወዲ ኣምላኽ” ንኽንዓቢ ምእንቲ ኺሕግዙና ኢሉ ‘ውህበት ሰብ’ ሃበና። ነቶም ንኣምላኽ ብምግልጋል ተመክሮ ዘጥረዩ ምስ እተዘራርቦም: ጽቡቕ ርእይቶ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ። ንሰባት ምስ እተዘራርቦም ዚሓስብዎ ዘለዉ እውን ኪገልጹልካ ይኽእሉ እዮም: እዚ ኸኣ ብሓቂ ጠቓሚ ዝዀነ ኽፍሊ ንምድላው ኪሕግዝ ይኽእል እዩ።
ውጽኢታትካ ገምግም
ስርናይ ምስ ተዓጽደ: እቲ እኽሊ ኻብቲ ብቝቡቝ ኪፍለ የድልዮ እዩ። ኣብ ምርምር እውን ከምኡ ኽትገብር ኣለካ። ነቲ ዝገበርካዮ ምርምር ቅድሚ ምጥቃምካ: ነቲ ኣገዳስነት ዘለዎ ኻብቲ ኣገዳስነት ዘይብሉ ነገራት ክትፈልዮ ይግባእ።
ነቲ ሓበሬታ ኣብ መደረ ኽትጥቀመሉ እንተ ደኣ ዄንካ: ‘እዚ ኽጥቀመሉ ዝመደብኩ ነጥቢ ኣብቲ ከቕርቦ ዝመደብኩ ርእሰ ነገር ብሓቂ ኣገዳስነት ኣለዎ ድዩ፧ ወይስ ኣገዳሲ ነጥቢ እኳ እንተ ዀነ: ካብቲ ቐንዲ ርእሰ ነገር ከም ዜስግል ዚገብር እዩ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት። ካብቲ ወትሩ ዚቀያየር ዓውዲ ስነ-ፍልጠት ወይ ሕክምና ብዛዕባ እዋናዊ ዅነታት ዚገልጽ ነጥቢ ኸተቕርብ እንተ ሓሲብካ: እቲ ሓበሬታ ግዜ ዘይሓለፎ ምዃኑ ኣረጋግጽ። ገሊኡ ኣብ ናይ ቀደም ጽሑፋት ዝወጸ ነጥብታት እውን ከም እተመሓየሸ ኣይትረስዕ: ስለዚ ብዛዕባ እቲ ርእሰ ነገር ኣብ ቀረባ ግዜ ዝወጸ ጽሑፍ ተጠቐም።
ካብ ዓለማዊ ምንጭታት ሓበሬታ ኽትእክብ እንተ ደሊኻ: ብዝያዳ ጥንቁቕ ክትከውን ኣሎካ። ቃል ኣምላኽ ሓቂ ምዃኑ ኣይትረስዕ። (ዮሃ. 17:17) የሱስ ኣብ ምፍጻም ዕላማ ኣምላኽ ኣገዳሲ ግደ ኣለዎ። ስለዚ: ቈሎሴ 2:3 “ብዘሎ መዝገብ ጥበብን ፍልጠትን ኣብኡ ተሰዊሩ አሎ” ትብል። ነቲ ዝገበርካዮ ምርምር በዚ ዓይኒ እዚ ርኣዮ። ንዓለማዊ ምርምር ብዚምልከት: ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ንርእስኻ ሕተት:- ‘እዚ ሓሳባት እዚ እተጋነነ: ግምታዊ: ወይ ኣብ ጸቢብ ኣተሓሳስባ እተመርኰሰ ድዩ፧ ብስስዐ ወይ ንግዳዊ መኽሰብ ንምርካብ ተባሂሉ ድዩ ተጻሒፉ፧ ካልእ ዚእመን ምንጭታት ምስዚ ይሰማማዕ ድዩ፧ ልዕሊ ዅሉ ኸኣ: ምስቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ይሰማማዕ ድዩ፧’
ምሳሌ 2:1-5 ፍልጠትን ኣእምሮን ምስትውዓልን ንምርካብ “ከም ንብሩር” ከምኡውን “ከም ንሕቡእ መዝገብ” ጌርና ኽንደሊ የተባብዓና። እዚ ጻዕሪ ዚሓትት ኪኸውን ከሎ: ብዙሕ ዓስቢ ድማ ኣለዎ። ምርምር ጻዕሪ ዜድልዮ እኳ እንተ ዀነ: ኣምላኽ ብዛዕባ ሓደ ጕዳይ እንታይ ሓሳባት ከም ዘለዎ ንኽትፈልጥ: ግጉይ ሓሳባት ንኸተዐሪ: ከምኡውን ንሓቂ ኣጽኒዕካ ንኽትሕዛ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ። ብዘይዚውን ነቲ ኽፍልኻ ንኸተቕርቦ ዀነ ንኽትሰምዖ ባህ ዜብልን ዜሐጕስን ብምግባር: ብዝያዳ ህያውን ትርጕም ዘለዎን ይገብሮ።