ብኸመይ ኢኻ ምኽሪ እትህብ፧
ገሊኦም ሰባት ምኽሪ ኽትህቦም ሓቲቶምኻዶ ይፈልጡ፧ ንኣብነት፡ ‘እንታይ ክገብር ኣሎኒ፧ ናብዚ ማሕበራዊ ምትእኽኻብ ዚግበረሉ ቦታ ክኸይድዶ፧ ነዚ ዓይነት ትምህርቲ እዚዶ ኽመርጽ፧ ምስ እከለ ወረዘ ኽጅምርዶ፧’ ዚብል ሕቶ ኣቕሪቦምልካዶ ይፈልጡ፧
ሰባት ውሳነ ቕድሚ ምግባሮም፡ ምኽሪ ኽትህቦም ብቕንዕና ይሓቱኻ ይዀኑ። እዚ ኸኣ፡ ምስ ፈተውቶም፡ ምስ ስድራ ቤቶም፡ ወይ እውን ምስ የሆዋ ንዘለዎም ርክብ ዚጸሉ ወሳነ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እሞኸ፡ ኣብ ምንታይ ተመርኲስካ ኢኻ ምኽሪ እትህቦም፧ ንኻልኦት ምኽሪ ኽትህብ ከለኻ እንታይ ልማድ እዩ ዘሎካ፧ እቲ ጕዳይ ቀሊል ይኹን ከቢድ ብዘየገድስ፡ ብመሰረት ምሳሌ 15:28፡ “ልቢ ጻድቕ ዚመልሶ ይሐስብ፡ ኣፍ ረሲኣን ግና ሕሰም ይፍልፍል።” እዚ ዚስዕብ ሓሙሽተ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ምኽሪ ኽትህብ ከለኻ ብኸመይ ኪሕግዘካ ኸም ዚኽእል ርአ።
1 ህሉው ኵነታት ኣብ ግምት ኣእቱ።
“ከይሰምዔ ምላሽ ዚህብ ሰብ ዕሽነትን ነውርን ይቝጸሮ።”—ምሳ. 18:13።
ጽቡቕ ምኽሪ ምእንቲ ኽንህብ፡ ንዅነታትን ኣመለኻኽታን እቲ ምኽሪ ዚሓትት ሰብ ኣብ ግምት ከነእቱ ኣሎና። ንመረዳእታ፡ ሓደ ሰብ ናብ ቤትካ ኺመጽእ ምስ ዚደሊ እሞ፡ ዝሓሸ መገዲ ንኽትሕብሮ ስልኪ ደዊሉ ምስ ዚሓተካ፡ ምእንቲ ኽትሕግዞ እንታይ እዩ ኽትፈልጥ ዜድልየካ፧ መጀመርታ ኣበይ ከም ዘሎ ኸይፈለጥካ፡ ዝሓሸ መገዲ ኽትሕብሮ ምኸኣልካዶ፧ ኣይምኸኣልካን። ብተመሳሳሊ መገዲ፡ ንሓደ መምርሒ ዚደሊ ሰብ፡ ግቡእ ሓበሬታ ንኽትህቦ ኣቐዲምካ፡ ህሉው ኵነታቱን ኣመለኻኽታኡን ክትፈልጥ የድልየካ። ኵነታቱ ምፍላጥካ፡ ዝሓሸ ምኽሪ ንኽትህቦ ኺሕግዘካ ይኽእል ይኸውን። ብዛዕባ ሓደ ዅነታት፡ እኹል ፍልጠት እንተ ዘይሒዝካ ግና፡ ነቲ ሰብ እቲ ዚጠቕሞ ዘይኰነስ፡ ዝያዳ ዜደናግሮ ምኽሪ ኽትህቦ ትኽእል ኢኻ።—ሉቃ. 6:39።
ክንደይ ዚኣክል ምርምር ከም ዝገበረ ሕተቶ። ነቲ ምኽሪ ዚሓትት ሰብ፡ ከምዚ ዚስዕብ ኢልካ ምሕታቱ እውን ጥበባዊ ኪኸውን ይኽእል እዩ፦ “ኣብ ግብሪ ኸተውዕሎ እትኽእል እንታይ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ይመስለካ፧” “ኣማራጺታትካ ዘለዎ ጥቕምን ጕድኣትን እንታይ እዩ፧” “ዛጊት እንታይ ምርምር ጌርካ፧” “ሽማግለታት ጉባኤ፡ ወለድኻ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚመርሓልካ ሰብ፡ ወይ ካልኦት ዛጊት እንታይ ምኽሪ ሂቦምኻ፧”
እቲ ሰብ ነዚ ሕቶታት እዚ ዚህቦ መልሲ፡ ክሳዕ ክንደይ ከም ዝጸዓረ ንኽንፈልጥ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ብተወሳኺ፡ ነቲ ኻልኦት ዝሃብዎ ሓሳባት ኣብ ግምት ዘእተወ ምኽሪ ንኽንህብ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ እውን፡ እቲ ሰብ ነቲ ኺሰምዖ ዚደልዮ፡ ‘ንኣእዛኑ ዜሳሒ’ ምኽሪ ዚህቦ ኣማኻሪ ጥራይ ዘናዲ እንተ ኣልዩ ንኽንፈልጥ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።—2 ጢሞ. 4:3።
2 ተሃዊኽካ መልሲ ኣይትሃብ።
“ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንምስማዕ ቅልጡፍ፡ ንምዝራብ ደንጓዪ፡ . . . ይኹን።”—ያእ. 1:19።
ካብ ጽቡቕ ሓሳብ ተበጊስና፡ ቅልጡፍ ምላሽ ንህብ ንኸውን። ኰይኑ ግና፡ ብፍላይ እቲ ጕዳይ እቲ፡ ኣጸቢቕና ምርምር ዘይገበርናሉ ምስ ዚኸውን፡ ከምዚ ዓይነት ምላሽ ምሃብ ጥበባዊ ድዩ፧ ምሳሌ 29:20፡ “ተሀዊኹ ዚዛረብ ሰብዶ ርኢኻ፧ ካብ ብእኡስ ብዓሻ ተስፋ አሎ” ትብል።
ኣቀራርባኻ ምስ ጥበብ ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኺሰማማዕ፡ ግዜ ወሲድካ ሕሰበሉ። ንርእስኻ፡ ‘ኣተሓሳስባን መንፈስን ዓለም ኣብ ኣተሓሳስባይ ጽልዋ ገይሩለይ ድዩ፧’ ኢልካ ሕተታ። (1 ቈረ. 2:12, 13) ጽቡቕ ሓሳብ ንበይኑ እኹል ኣይኰነን። ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ ነቲ ንየሱስ እተዋህቦ ኣጸጋሚ መዝነት ኣብ ግምት ድሕሪ ምእታዉ፡ “ይባልህካ እባ ደኣ፡ ጐይታይ፡ እዝስ ኣይብጻሕካ” ኢሉ መኸሮ። ካብቲ ጴጥሮስ ዝሃቦ ሓሳባት እንታይ ኢና ኽንመሃር እንኽእል፧ ሓደ ቕኑዕ ሰብ እውን ከይተረፈ፡ እንተ ዘይተጠንቂቑ፡ ‘ናይ ሰብ እምበር፡ ናይ ኣምላኽ ኣይሓስብን እዩ።’ (ማቴ. 16:21-23) ቅድሚ ምዝራብና፡ ክንሓስብሲ ኣየ ኽንደይ ኣገዳሲ ዀን እዩ! ከመይሲ፡ ተመክሮና ምስ ጥበብ ኣምላኽ ክነጻጸር ከሎ ኣዝዩ ድሩት እዩ።—እዮ. 38:1-4፣ ምሳ. 11:2።
3 ብትሕትና፡ ቃል ኣምላኽ ተጠቐም።
“ከምቲ ኣቦይ ዝመሀረኒ ኸምኡ ኸም ዝነግር እምበር፡ . . . ካብ ርእሰይ ሓንቲ ኸም ዘይገብር . . . ኽትፈልጡ ኢኹም።”—ዮሃ. 8:28።
“ኣብ ቦታኻ ነይረ እንተ ዝኸውን፡ ከምዚ ምገበርኩ፡” ትብል ዲኻ፧ መልሲ እቲ ዝቐረበልካ ሕቶ ንጹር መሲሉ ዚርኣየካ እኳ እንተ ዀነ፡ ካብቲ የሱስ ዘርኣዮ ትሕትና ኽትምሃር ዝሓሸ እዩ። የሱስ፡ ካብ ዝዀነ ይኹን ሰብ ንላዕሊ ጥበብን ተመክሮን እኳ እንተ ነበሮ፡ “ኣነስ፡ እቲ ዝለአኸኒ ኣቦ ደኣ እንታይ ከም ዝብልን ዝዛረብን ትእዛዝ ሂቡኒ እምበር፡ ካብ ርእሰይ ኣይዛረብን እየ” በለ። (ዮሃ. 12:49, 50) እቲ የሱስ ዚምህሮ ዝነበረ ትምህርትን ዚህቦ ዝነበረ ምኽርን ወትሩ ኣብ ፍቓድ ኣቦኡ እተመስረተ እዩ ነይሩ።
ንኣብነት፡ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ፡ ጐይታኦም ኣብ ዝተሓዘሉ እዋን ኪበኣሱ ዚግብኦም እንተ ዀይኑ ንኺፈልጡ፡ መምርሒ ኺወሃቦም ከም ዝሓተቱ ኣብ ሉቃስ 22:49 ተመዝጊቡ ኣሎ። ሓደ ኻብኣቶም፡ ሰይፊ ተጠቒሙ እዩ። እቲ ኣብ ማቴዎስ 26:52-54 ተመዝጊቡ ዘሎ ተመሳሳሊ ሓሳባት ከም ዚሕብሮ፡ የሱስ ኣብቲ ኣጸጋሚ ዅነታት እውን ከይተረፈ፡ ነቲ ወደ መዝሙር ብዛዕባ ፍቓድ ኣምላኽ ኣረዲእዎ እዩ። ነቲ ኣብ ዘፍጥረት 9:6 ዘሎ መሰረታዊ ሓሳባትን ነቲ ኣብ መዝሙር 22 ኰነ ኣብ ኢሳይያስ 53 ዚርከብ ትንቢታትን ይፈልጦ ስለ ዝነበረ፡ ንህይወት ብዙሓት ሰባት ዜድሕንን ንየሆዋ ዜሐጕስን መምርሒ ኺህብ ክኢሉ እዩ።
4 ንቲኦክራስያዊ ጽሑፋትካ ተጠቐመሉ።
“እቲ ጐይታኡ ምግቦም በብጊዜኡ ኺህቦም ኢሉ ኣብ ስድራ ቤቱ ዚሸሞ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ መን ኰን እዩ፧”—ማቴ. 24:45።
የሱስ ንህይወት ዚጠቅም መንፈሳዊ ምግቢ ዚህብ እሙን ባርያ ሸይሙ እዩ። ብዛዕባ ኣገዳሲ ጕዳይ ምኽሪ ወይ መምርሒ ቕድሚ ምሃብካ፡ ኣብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ምርምር ትገብር ዲኻ፧
ዎች ታወር ፓብሊኬሽንስ ኢንደክስ ዚብሃል መሐበሪ ጽሑፋት ግምቢ ዘብዐኛ፡ ከምኡውን ዎች ታወር ላይብረሪa ዚብሃል ጽሑፋት ግምቢ ዘብዐኛ ዝሓዘ ሲዲ፡ ብቐሊሉ ኽንረኽቦ እንኽእል ኣኺሉ ዝተረፍ ንጹር ሓበሬታ ሒዙ ኣሎ። ነዚ ሓበሬታ እዚ ዕሽሽ ምባልሲ፡ ከመይ ዝበለ ዕሽነት ኰን እዩ! ኣብዚ መወከሲታት እዚ፡ ንሓደ ምኽሪ ዚደሊ ሰብ ንምሕጋዝ ዚጠቅም ሓያሎ ጽሑፋት ዝሓዘ፡ ብኣሽሓት ዚቝጸር ኣርእስትታት ተጠቒሱ ኣሎ። ንኻልኦት ሰባት፡ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብምምርማር ንቓል ኣምላኽ ንኺርድእዎ ኽትሕግዞም ትኽእል ዲኻ፧ ልክዕ ከምቲ ሓደ ካርታ ንሓደ ሰብ ኣበይ ከም ዘሎ ንኺፈልጥን ናብቲ ኺበጽሖ ዚደልዮ ቦታ ንኺሕብሮን ዚሕግዞ፡ ንምርምር ዚሕግዙ ጽሑፋት እውን ንሓደ ምኽሪ ዚደሊ ሰብ ኣበይ ከም ዘሎ ንኺፈልጥን ኣብ መገዲ ህይወት ብኸመይ ከም ዚጸንዕ ንኼስተውዕልን ኪሕግዞ ይኽእል እዩ።
ሓያሎ ሽማግለታት ንኣስፋሕቲ ብኢንደክስ ወይ ዎች ታወር ላይብረሪ ተጠቒሞም ብኸመይ ጽሑፋት ኪርእዩ ኸም ዚኽእሉ ኣሰልጢኖምዎም እዮም። በዚ ኸምዚ ንኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ቅዱሳት ጽሑፋት ንኺርድኡ ይሕግዝዎም። ከምዚ ዝኣመሰለ ሓገዝ፡ ንኣስፋሕቲ ነቲ ዜተሓሳስቦም ነገራት ብኡንብኡ ንኺረኽብዎ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ምርምር ናይ ምግባርን ኣብ መንፈሳዊ መሰናድዎታት የሆዋ ናይ ምውካልን ልምዲ ንኼማዕብሉ የተባብዖም እዩ። በዚ ኸምዚ፡ ከምቶም “ጽቡቕን ክፉእን ንምፍላይ ብምልማድ ንልቦናኦም ዜላምዱ ብጹሓት” ይዀኑ።—እብ. 5:14።
5 ንኻልኦት ኣይትወስነሎም።
“ነፍሲ ወከፍ ጸጾሩ ኺጸውር እዩ።”—ገላ. 6:5።
ኣብ መወዳእታ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ነየናይ ምኽሪ ኺስዕብ ከም ዘለዎ ባዕሉ ኺመርጽ የድልዮ። የሆዋ ነፍሲ ወከፍና ብስርዓታቱ ንኽንምራሕ ወይ ንኸይንምራሕ ባዕልና ኽንውስን ናጽነት ሂቡና እዩ። (ዘዳ. 30:19, 20) ሓደ ምኽሪ ዚሓትት ሰብ፡ ኣብ ገሊኡ ዅነታት፡ ሓያሎ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግምት ኬእቱ ዜድልዮ እኳ እንተ ዀነ፡ መወዳእታኡ ግና ባዕሉ እዩ ኺውስን ዘለዎ። ንጕዳይ ወይ ንዕድመ እቲ ምኽሪ ኽንህቦ ዚሓተና ሰብ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንገዛእ ርእስና፡ ‘ሕቶኡ ንኽምልሰሉ ብሓቂ ስልጣን ኣሎኒ ድዩ፧’ ኢልና ኽንሓታ ይግባእ። ገሊኡ ጕዳይ ንሽማግለታት ጉባኤ እዩ ዚምልከት፣ እቲ ሓታቲ ንእሽቶ እንተ ዀይኑ ኸኣ ንወለዱ እዩ ዚምልከት።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ኣብዚ እዋን እዚ፡ ዎች ታወር ላይብረሪ ኣብ ሲዲ-ሮም ብ39 ቋንቋታት ተዳልዩ ኣሎ። ዎች ታወር ፓብሊኬሽንስ ኢንደክስ ድማ ብልዕሊ 45 ቋንቋታት ተዳልዩ ኣሎ።
[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]
ፕሮጀክት ኣምልኾ ስድራ ቤት
ከም ሓደ ናይ መጽናዕቲ ፕሮጀክት፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ንዝቐረበልካ ሕቶታት መልሲ ንምርካብ ምርምር ዘይትገብር፧ ከምዚ ዝኣመሰለ ሕቶታት ንዚሓትት ሰብ ኪሕግዞ ዚኽእል እንታይ ጽሑፋት ወይ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ክትረክብ ትኽእል፧ ንኣብነት፡ ሓደ ኣስፋሒ፡ ወረዘ ኺጅምር ይሓተካ ይኸውን። ኢንደክስ ወይ ዎች ታወር ላይብረሪ ኽትጥቀም ከለኻ፡ መጀመርታ ነቲ ብዝያዳ ምስቲ ነጥቢ ዚተሓሓዝ ርእሰ ነገር ርአ። ንኣብነት፡ ኣብ ኢንደክስ “ወረዘ” (“Dating”) ወይ “መውስቦ” (“Marriage”) ዚብል ርእሰ ነገር ክትርኢ ትኽእል ኢኻ። ቀጺልካ፡ ነቲ ኣብ ትሕቲኡ ዘሎ ንኡስ ኣርእስትታት ርእይ ርእይ ኣብሎ። ቀንዲ ኣርእስቲ ኽትርኢ ኸለኻ፡ “ብተወሳኺ ነዚ ዚስዕብ ርአ” (See also) ዚብል እንተ ኣልዩ ኣስተብህል። ከመይሲ፡ ምስቲ ምርምር እትገብረሉ ዘሎኻ ጕዳይ ብዝያዳ ዚተኣሳሰር ኣርእስቲ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ።
[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ሳጹን]
ሳላ እቲ የሆዋ ብውድቡ ኣቢሉ ዚህበና መሰናድዎታት፡ ጽቡቕ ምኽሪ ኽንቅበልን ክንህብን ንኽእል ኢና። መክብብ 12:11፡ “ቃላት ጠቢባን ከም ሽኻል እዩ፡ ንሱ ኸኣ ብእኩባት መምህራን [“እኩብ ምስላታት ከኣ፡” ትርጕም 1990] ኣጸቢቑ እተሸንከረ ሽንካራት እዩ፡ ብሓደ ጓሳ እተዋህበ ኸኣ እዩ” ትብል። ልክዕ ከምቲ “ሽኻል፡” ወይ ብልሒ ዘለዎ ስላዕ ንዚሓርሱ እንስሳታት ንምቕላስ ዚጠቅም፡ ብፍቕሪ ዚወሃብ ጽቡቕ ምኽሪ እውን ንቕኑዓት ሰባት ናብ ጽቡቕ ኣንፈት እዩ ዚቕልሶም። ልክዕ ከምቲ “እተሸንከረ ሽንካራት” ጽቡቕን ጽኑዕን መዋቕር ከም ዚህሉ ዚገብር፡ ጽቡቕ ምኽሪ እውን ንሓደ ሰብ ጽቡቕን ጽኑዕን ውሳነ ንኺገብር ይሕግዞ እዩ። እቶም ጥበበኛታት ዝዀኑ ሰባት ድማ፡ ካብቲ “ሓደ ጓሳ” ዝዀነ የሆዋ፡ “እኩብ ምስላታት” ወይ ጥበባዊ ምኽሪ ይቕበሉ እዮም።
ምኽሪ ኽንህብ ከለና ነቲ ጓሳና ዝዀነ የሆዋ ንምሰሎ። ነቶም ምኽሪ ኽንህቦም ዚሓቱና ሰባት ጽን ኢልና ሰሚዕና፡ ብእተኻእለና መጠን ክንሕግዞም ሕጉሳት ኢና። ኣብ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ተመርኲስና ምኽሪ ምስ እንህብ፡ ነቶም ምኽሪ እንህቦም ሰባት ኪጠቕሞም፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ንኺረኽቡ ኸኣ ኪሕግዞም ይኽእል እዩ።