ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w25 ሓምለ ገጽ 2-7
  • ምኽሪ እንደሊ ስለምንታይ ኢና፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምኽሪ እንደሊ ስለምንታይ ኢና፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እንታይ ባህርይ እዩ ኺህልወኒ ዘለዎ፧
  • መን እዩ ጽቡቕ ምኽሪ ኺህበኒ ዚኽእል፧
  • ንኣእምሮይን ንልበይን ክፉት ክገብሮ ዝኽእል ብኸመይ እየ፧
  • ካልኦት ኪውስኑለይ ምሕታትሲ ግቡእ ድዩ፧
  • ወትሩ ምኽሪ ድለ
  • ብኸመይ ምኽሪ ትህብ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • ኣብ የሆዋ ኸም እንውከል ዜርኢ ውሳነታት
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2023
  • ካብ ናይ ስንብታ ቓላት እሙናት ተምሃር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2024
  • ዘይንፈልጦ ነገራት ከም ዘሎ ብትሕትና ኣሚንና ንቀበል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
w25 ሓምለ ገጽ 2-7

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 28

መዝሙር 88 ጐደናታትካ ኣፍልጠኒ

ምኽሪ እንደሊ ስለምንታይ ኢና፧

“ጥበብ ግና ናይቶም ምኽሪ ዚደልዩ እያ።”—ምሳ. 13:10።

ኣትኵሮ

ካብቲ ዚውሃበና ምኽሪ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኽንጥቀም እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና።

1. ጽቡቕ ውሳነታት ክንገብር፡ ኣብ መደባትና እውን ኣሳልጦ ኽንረክብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ምሳሌ 13:10፣ 15:22)

ኵላትና ጽቡቕ ውሳነታት ክንገብር ንደሊ ኢና። ኵላትና እውን መደባትና ኺሰልጠና ንደሊ ኢና። ቃል ኣምላኽ ነዚ ኽልቲኡ ሸቶታት ብኸመይ ክንወቕዖ ኸም እንኽእል ይነግረና እዩ።—ምሳሌ 13:10፣ 15:22 ኣንብብ።

2. የሆዋ እንታይ ከም ዚገብረልና እዩ ቓል ኣትዩልና፧

2 ልክዕ እዩ፡ ካብ ዝዀነ ንላዕሊ ብሉጽ ጥበብን ምኽርን ዚህበና፡ ኣቦና የሆዋ እዩ። ንሱ ድማ፡ “ዓይነይ ኣብ ልዕሌኻ ገይረ ኽመኽረካ እየ” ኢሉና ኣሎ። (መዝ. 32:8) በዚ ቓላቱ እዚ ኣቢሉ ድማ፡ ምኽሪ ኸም ዚህበና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብብሕቲ ኸም ዚግደሰልና፡ ነቲ ምኽሩ ኽንትግብሮ እውን ከም ዚሕግዘና ሓቢሩና ኣሎ።

3. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

3 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ብቓል ኣምላኽ ጌርና ነዚ ዚስዕብ ኣርባዕተ ሕቶታት እዚ መልሲ ኽንረኽበሉ ኢና፦ (1) ካብ ጽቡቕ ምኽሪ ምእንቲ ኽጥቀም፡ እንታይ ባህርይ እዩ ኺህልወኒ ዘለዎ፧ (2) መን እዩ ጽቡቕ ምኽሪ ኺህበኒ ዚኽእል፧ (3) ንኣእምሮይን ንልበይን ክፉት ክገብሮ ዝኽእል ብኸመይ እየ፧ (4) ካልኦት ኪውስኑለይ ክሓትት ዘይብለይ ስለምንታይ እየ፧

እንታይ ባህርይ እዩ ኺህልወኒ ዘለዎ፧

4. ካብ ጽቡቕ ምኽሪ ምእንቲ ኽንጥቀም፡ እንታይ ባህርይ እዩ ኺህልወና ዘለዎ፧

4 ካብ ጽቡቕ ምኽሪ ምእንቲ ኽንጥቀም፡ ትሑታት ክንከውን ኣሎና። ባዕልና ጽቡቕ ውሳነ ንምግባር ዜኽእል ተመክሮ ወይ ፍልጠት ከም ዚጐድለና ኽንኣምን ኣሎና። ትሕትና እንተ ዘይብልና፡ የሆዋ ኺሕግዘና ኣይክእልን እዩ። ስለዚ፡ እቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ እነንብቦ ምኽሪ፡ ከምቲ ኣብ ከውሒ ዚፈስስ ማይ እዩ ዚኸውን። (ሚክ. 6:8፣ 1 ጴጥ. 5:5) ትሑታት እንተ ዄንና ግና፡ ነቲ እንሰምዖ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ምኽሪ ኣብ ልብና ኸነሕድሮን ካብኡ ኽንጥቀምን ንኽእል ኢና።

5. ንጉስ ዳዊት እንታይ ትዕቢት ኬሕድረሉ ዚኽእል ዜደንቕ ነገራት እዩ ገይሩ፧

5 ካብ ንጉስ ዳዊት እንታይ ከም እንምሃር እስከ ንርአ። በቲ ዝገበሮ ነገራት ትዕቢት ኬሕድር ምኸኣለ ነይሩ። ገና ናብ ዝፋን ከይደየበ ኸሎ ስሙይ ሙዚቀኛ እዩ ነይሩ። ዋላ እውን ኣብ ቅድሚ ንጉስ ሙዚቃ ኺጻወት ተሓቲቱ ነይሩ እዩ። (1 ሳሙ. 16:18, 19) ዚቕጽል ንጉስ ኪኸውን ምስ ተቐብአ ኸኣ፡ የሆዋ መንፈስ ቅዱሱ ሂብዎ እዩ። (1 ሳሙ. 16:11-13) ንብዙሓት ጸላእቲ ስለ ዝቐተለ፡ እንተላይ ነቲ ዓርሞሸሽ ፍልስጥኤማዊ ዝዀነ ጐልያድ ስለ ዝቐተሎ፡ ኣብ መንጎ ህዝቡ ህቡብ እዩ ነይሩ። (1 ሳሙ. 17:37, 50፣ 18:7) ዳዊት በቲ ዝገበሮ ነገራት ትዕቢት እንተ ዜሕድር ነይሩ፡ ካብ ካልኦት ምኽሪ ኺሰምዕ ከም ዘየድልዮ ገይሩ ምደምደመ። ንሱ ግና ከምኡ ዓይነት ሰብ ኣይነበረን።

6. ዳዊት ምኽሪ ይቕበል ከም ዝነበረ ብኸመይ ንፈልጥ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

6 ዳዊት ንጉስ ምስ ኰነ፡ ጽቡቕ ምኽሪ ብዚህብዎ ኣማኸርቲ ተኸቢቡ ነበረ። (1 ዜና 27:32-34) ጽቡቕ ምኽሪ ናይ ምስማዕ ልምዲ ስለ ዝነበሮ፡ እዚ ዜገርም ኣይኰነን። ካብ ሰብኡት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካብ ኣቢጋይል እትብሃል ሰበይቲ እውን ምኽሪ ተቐቢሉ እዩ። ኣቢጋይል ሰበይቲ እቲ ንሰብ ዘየኽብርን ዘየመስግንን ትዕቢተኛን ዝነበረ ናባል ዚብሃል ሰብኣይ እያ ነይራ። ዳዊት ነቲ ንሳ ዝሃበቶ ጽቡቕ ምኽሪ ብትሕትና ተግበሮ፣ በዚ ኸምዚ ድማ፡ ካብ ከቢድ ስሕተት ተሰትረ።—1 ሳሙ. 25:2, 3, 21-25, 32-34።

ንጉስ ዳዊት ነታ ኣብ ባይታ ተምበርኪኻ እትልምኖ ዘላ ኣቢጋይል ብኣቓልቦ ይሰምዓ።

ንጉስ ዳዊት ነቲ ኣቢጋይል ዝሃበቶ ምኽሪ ብትሕትና ተቐቢሉ ይትግብሮ (ሕጡብ ጽሑፍ 6 ርአ)


7. ካብ ዳዊት እንታይ ንምሃር፧ (መክብብ 4:13) (ስእልታት እውን ርአ።)

7 ካብ ዳዊት እተወሰነ ትምህርቲ ኽንረክብ ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ክእለት ወይ ስልጣን ይህልወና ይኸውን። ይኹን እምበር፡ ኵሉ ኸም እንፈልጥን ምኽሪ ኸም ዘየድልየናን ጌርና ኽንሓስብ የብልናን። ከም ዳዊት ድማ ጽቡቕ ምኽሪ ኺውሃበና ኸሎ፡ ካብ መን ይምጻእ ብዘየገድስ፡ ንምስማዕ ፍቓደኛታት ክንከውን ኣሎና። (መክብብ 4:13 ኣንብብ።) ከምኡ እንተ ጌርና፡ ንዓና ዀነ ንኻልኦት ካብ ዜጕሂ ዓበይቲ ጌጋታት ክንስተር ንኽእል ኢና።

ስእልታት፦ 1. ኣርባዕተ ሽማግለታት ኣኼባ ይገብሩ ኣለዉ። ሓደ ኻብቶም ሽማግለታት ተሪር ዘረባ ይዛረብ።። 2. ኣብ ካልእ ግዜ፡ ኣብ ሓንቲ ማኪና፡ ኣብቲ ኣኼባ እቲ ዝነበረ ብዕድመ ዝነኣሰ ሽማግለ ነቲ ተሪር ዘረባ እተዛረበ ሓው ብውልቂ ይዛረቦ።

ጽቡቕ ምኽሪ ኺውሃበና ኸሎ፡ ካብ መን ይምጻእ ብዘየገድስ፡ ንምስማዕ ፍቓደኛታት ክንከውን ኣሎና (ሕጡብ ጽሑፍ 7 ርአ)c


መን እዩ ጽቡቕ ምኽሪ ኺህበኒ ዚኽእል፧

8. ዮናታን ንዳዊት ምኽሪ ንምሃብ ብቕዓት ዝነበሮ ስለምንታይ እዩ፧

8 ካብ ዳዊት ክንምሃሮ እንኽእል ተወሳኺ ትምህርቲ እስከ ንርአ። ዳዊት ምስ የሆዋ ጽቡቕ ርክብ ካብ ዘለዎም፡ ብዛዕባ እቲ ጸገሙ እውን ጽቡቕ ግንዛበ ኻብ ዘለዎም ሰባት ምኽሪ ይሰምዕ ነይሩ እዩ። ንኣብነት፡ ምስ ንጉስ ሳኦል ዝነበሮ ርክብ ኬዐሪ ዚኽእል እንተ ዀይኑ ንምፍላጥ፡ ካብ ዮናታን ወዲ ሳኦል ምኽሪ ሰሚዑ እዩ። እሞ ደኣ ስለምንታይ እዩ ዮናታን ኣብዚ መዳይ እዚ ጽቡቕ ምኽሪ ኺህቦ ዝኸኣለ፧ ምኽንያቱ፡ ዮናታን ኣብ ርእሲ እቲ ምስ የሆዋ ዝነበሮ ጽቡቕ ርክብ ንሳኦል እውን ኣጸቢቑ ይፈልጦ ነይሩ እዩ። (1 ሳሙ. 20:9-13) እሞ ደኣ ኻብዚ ትምህርቲ እዚ ብኸመይ ክንጥቀም ንኽእል፧

9. ምኽሪ ኼድልየና ኸሎ፡ ንመን ኢና ኸነማኽር ዘሎና፧ ግለጽ። (ምሳሌ 13:20)

9 ምኽሪ ኼድልየና ኸሎ፡ ምስ የሆዋ ጽቡቕ ርክብ ንዘለዎ፡ ብዛዕባ እቲ ዅነታትና እውን ተመክሮ ንዘለዎ ሰብ ምኽሪ ኽንሓትቶ ኣሎና።a (ምሳሌ 13:20 ኣንብብ።) ንኣብነት፡ ሓደ መንእሰይ ሓው እትዀኖ መጻምድቲ ኺረክብ ደልዩ ንበል። መን እዩ ጽቡቕ ምኽሪ ኺህቦ ዚኽእል፧ ንሓደ ዘይተመርዓወ ዓርኩ እንተ ሓቲትዎ፡ ኣብ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ምኽሪ ይህቦ ይኸውን። ኰይኑ ግና፡ ብልክዕ ንዕኡ ዚዀኖ ግብራዊ ምኽሪ ምእንቲ ኺረክብ፡ ንዕኡ ኣጸቢቖም ንዚፈልጥዎ፡ ሓጐስ ዝሰፈኖ ሓዳር እውን ንዘለዎም ብመንፈሳዊ መዳይ ብሱላት ዝዀኑ ሰብ ሓዳር እንተ ኣማኸረ ይሓይሽ።

10. ሕጂ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

10 ክሳዕ ኣብዚ፡ እንታይ ባህርይ ከም ዜድልየናን መን ጽቡቕ ምኽሪ ኺህበና ኸም ዚኽእልን ርኢና ኢና። ካብዚ ንደሓር ከኣ፡ ንኣእምሮናን ንልብናን ስለምንታይ ክፉት ክንገብሮ ኸም ዘሎና፡ ካልኦት ኪውስኑልና ምሕታት እውን ግቡእ እንተ ዀይኑ ኽንርኢ ኢና።

ንኣእምሮይን ንልበይን ክፉት ክገብሮ ዝኽእል ብኸመይ እየ፧

11-12. (ሀ) ሓድሓደ ግዜ እንታይ ኢና እንገብር፧ (ለ) ንጉስ ሮብዓም ኣገዳሲ ውሳነ ኺገብር ምስ ኣድለዮ እንታይ እዩ ገይሩ፧

11 ሓድሓደ ግዜ፡ ሓደ ሰብ ምኽሪ ዚደሊ ዘሎ ይመስል ይኸውን። ከም ሓቂ ግና፡ ነቲ ድሮ ዝገበሮ ውሳነ ኻብ ካልኦት መረጋገጺ ኺረክብ ጥራይ እዩ ዚደሊ። ከምዚ ዓይነት ሰብ ንኣእምሮኡ ዀነ ንልቡ ኽፉት ኣይገብሮን እዩ። ካብቲ ንንጉስ ሮብዓም ዘጋጠሞ ነገር ድማ መለበሚ ኺረክብ ይግባእ።

12 ንጉስ ሰሎሞን ምስ ሞተ፡ ሮብዓም ኣብ እስራኤል ነገሰ። ሮብዓም ሃብቲሞም ዝነበሩ ህዝቢ እዩ ወሪሱ። ኰይኑ ግና፡ እቶም ህዝቢ ሰሎሞን እምብዛ ኸም ዘዕየዮም ኰይኑ ተሰሚዕዎም ነበረ። ስለዚ፡ ናብ ሮብዓም ከይዶም ጾሮም ኬፍኵሰሎም ለመንዎ። ሮብዓም ከኣ ብዛዕባ እቲ ዚገብሮ ውሳነ ምእንቲ ኺሓስብ ግዜ ኺህብዎ ሓተቶም። ኣብ ፈለማ፡ ካብቶም ንሰሎሞን ዜገልግልዎ ዝነበሩ ዓበይቲ ሰባት ምኽሪ ሓተተ። (1 ነገ. 12:2-7) ኰይኑ ግና፡ ነቲ እቶም ዓበይቲ ዝሃብዎ ምኽሪ ኣይተቐበሎን። ስለምንታይ እዩ ኸምኡ ገይሩ፧ እንታይ ከም ዚገብር ኣቐዲሙ ወሲኑ ስለ ዝነበረ፡ ምስኡ ዚሰማማዕ ሰብ ጥራይ እውን ይደሊ ስለ ዝነበረ ደዀን ይኸውን፧ ከምዚ ዓይነት መረጋገጺ ይደሊ እንተ ነይሩ፡ ካብቶም ብዕድመ ዝነኣሱ ኣዕሩኹ ረኸቦ። (1 ነገ. 12:8-14) ነቶም ተገዛእቱ ድማ ከምቲ እቶም ኣዕሩኹ ዝሃብዎ ምኽሪ ገይሩ መለሰሎም። በዚ ኸምዚ፡ እቶም ህዝቢ ተመቕሉ፡ ካብ ሽዑ ንደሓር ድማ ንሮብዓም ዘየቋርጽ ሽግር ኣጋጠሞ።—1 ነገ. 12:16-19።

13. ንኣእምሮናን ንልብናን ክፉት ጌርና ምህላውና ብኸመይ ንፈልጥ፧

13 ካብ ሮብዓም እንታይ ንምሃር፧ ምኽሪ ኽንሓትት ከለና፡ ንኣእምሮናን ንልብናን ክፉት ክንገብሮ ኣሎና። ከምኡ ጌርና ምህላውና ብኸመይ ንፈልጥ፧ ‘ምኽሪ ምስ ሓተትኩ፡ ክሰምዖ ዘይደሊ ምኽሪ ስለ እተዋህበኒ ብኡብኡ እነጽጎ ድየ፧’ ኢልና ገዛእ ርእስና ኽንሓትት ንኽእል ኢና። ሓደ ኣብነት እስከ ንርአ።

14. ምኽሪ ኺውሃበና ኸሎ፡ እንታይ ኢና ኽንዝክር ዘሎና፧ ኣብነት ሃብ። (ስእሊ እውን ርአ።)

14 ሓደ ሓው ጽቡቕ ስራሕ ቀሪቡሉ ንበል። ነቲ ስራሕ ቅድሚ ምቕባሉ፡ ካብ ሓደ ሽማግለ ምኽሪ ሓቲቱ። እቲ ስራሕ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ኻብ ስድራ ቤቱ ኸም ዜርሕቖ እውን ገሊጹ። ሽዑ እቲ ሽማግለ ነቲ ሓው፡ ቀንዲ ሓላፍነቱ ንስድራ ቤቱ ብመንፈሳዊ መዳይ ዜድልዮም ዘበለ ምምላእ ከም ዝዀነ ዚሕብር ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ ጠቒሱሉ። (ኤፌ. 6:4፣ 1 ጢሞ. 5:8) እንተዀነ ግና፡ እቲ ሓው ነቲ ኻብቲ ሽማግለ እተዋህቦ ምኽሪ ሓዲጉ፡ ዝደለዮ ነገር ክሳዕ ዚሰምዕ ንኻልኦት ኣሕዋት ኬማኽር ጀሚሩ። እሞ ደኣ እዚ ሓው እዚ ምኽሪ ድዩ ዚደሊ ዘሎ፡ ወይስ ምስቲ ድሮ ዝገበሮ ውሳነ ዚሰማማዕ ሰብ፧ ልብና ጠላም ምዃኑ ኽንርስዕ የብልናን። (ኤር. 17:9) ሓድሓደ ግዜ፡ እቲ ኽንሰምዖ ዘይንደሊ ምኽሪ እዩ ብልክዕ ዜድልየና።

ሓንቲ ሓብቲ ኻብ እተፈላለዩ ኣሕዋትን ኣሓትን ምኽሪ ትሓትት። በቲ ዚብልዋ ስለ ዘይተሓጐሰት፡ ካብቲ ሓደ ናብቲ ሓደ ትኸይድ።

ጽቡቕ ምኽሪ ዲና እንደሊ ዘለና፡ ወይስ ምሳና ዚሰማማዕ ሰብ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 14 ርአ)


ካልኦት ኪውስኑለይ ምሕታትሲ ግቡእ ድዩ፧

15. እንታይ ከይንገብር ኢና ኽንጥንቀቕ ዘሎና፧ ስለምንታይከ፧

15 ነፍሲ ወከፍና ነናይ ርእስና ውሳነ ናይ ምግባር ሓላፍነት ኣሎና። (ገላ. 6:4, 5) ኣቐዲምና ኸም ዝረኣናዮ፡ ለባም ሰብ ስጕምቲ ቕድሚ ምውሳዱ፡ ካብ ቃል ኣምላኽን ካብ ብሱላት ክርስትያናትን ምኽሪ ይደሊ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ካልኦት ኪውስኑልና ኸይንሓትት ክንጥቀቕ ኣሎና። ገሊኦም ንዜኽብርዎ ሰብ፡ “ኣብ ቦታይ እንተ ትኸውን እንታይ ምገበርካ፧” ኢሎም ብቐጥታ ብምሕታት ከምኡ ይገብሩ እዮም። ገሊኦም ከኣ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ብዕምቈት ከይሓሰቡ ነቲ ኻልእ ሰብ ዝገበሮ ውሳነ ብምቕዳሕ ከምኡ ይገብሩ እዮም።

16. ንጣኦት ብዛዕባ እተሰውአ ስጋ፡ ኣብ ቈረንቶስ እንታይ ኵነታት እዩ ተፈጢሩ፧ ከምዚ ዓይነት ስጋ ንምብላዕ ወይ ንዘይምብላዕ ኪውስን ሓላፍነት ዘለዎኸ መን እዩ፧ (1 ቈረንቶስ 8:7፣ 10:25, 26)

16 ኣብቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ ጉባኤ ቈረንቶስ ዝነበሩ ክርስትያናት፡ ንጣኦት ብዛዕባ እተሰውአ ስጋ እንታይ ከም እተፈጥረ እሞ ንርአ። ጳውሎስ ነቶም ክርስትያናት እቲኦም፡ “ጣኦት ኣብ ዓለም ሓንቲ እኳ ኸም ዘይኰነ፡ ብዘይካ ሓደ ኸኣ ካልእ ኣምላኽ ከም ዘየልቦ ንፈልጥ ኢና” ኢሉ ጸሓፈሎም። (1 ቈረ. 8:4) ገሊኦም ኣብ ጉባኤ ዝነበሩ ክርስትያናት ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንጣኦት እተሰውአ እሞ ደሓር ኣብ ዕዳጋ ዚሽየጥ ስጋ ኺበልዑ ወሲኖም እዮም። ገሊኦም ከኣ እዚ ንሕልናኦም ስለ ዚርብሾ፡ ከምዚ ዓይነት ስጋ ኸይበልዑ እዮም ወሲኖም። (1 ቈረንቶስ 8:7፣ 10:25, 26 ኣንብብ።) እዚ ጕዳይ እዚ፡ ብሕታዊ ውሳነ እዩ ነይሩ። ጳውሎስ ንሰብ ቈረንቶስ፡ ንኻልኦት ኪውስኑሎም ወይ ናይ ካልኦት ውሳነ ኪቐድሑ ኣይመዓዶምን። ነፍሲ ወከፍ “ብዛዕባ ርእሱ ንኣምላኽ ጸብጻብ ኪህብ እዩ።”—ሮሜ 14:10-12።

17. ካልኦት ዝገበርዎ ውሳነ እንተ ቐዲሕና፡ እንታይ እዩ ኪኸውን ዚኽእል፧ ኣብነት ሃብ። (ስእልታት እውን ርአ።)

17 ሎሚኸ ተመሳሳሊ ዅነታት ብኸመይ ኪፍጠር ይኽእል፧ ብዛዕባ ኽፋላት ደም እስከ ንርአ። ክፋላት ደም ብዛዕባ ምቕባል ወይ ዘይምቕባል፡ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ነናይ ርእሱ ውሳነ ኺገብር ኣለዎ።b ነዚ ነገር እዚ ምሉእ ብምሉእ ክንርድኦ ይኸብደና ይኸውን፣ እንተዀነ ግና፡ እዚ ውሳነታት እዚ ኽፍሊ እቲ ነፍሲ ወከፍና ኽንጾሮ ዘሎና ነናይ ርእስና ጾር እዩ። (ሮሜ 14:4) ሰብ ዝገበሮ ውሳነ እንተ ቐዲሕና፡ ንሕልናና ኸነድክሞ ንኽእል ኢና። ንሕልናና ብተመክሮ ጥራይ ኢና ኸነሰልጥኖን ከነመሓይሾን እንኽእል። (እብ. 5:14) እሞ ደኣ መዓስ ኢና ንሓደ ብሱል ክርስትያን ምኽሪ ኽንሓትቶ ዘሎና፧ ምርምር ድሕሪ ምግባርና፡ ገሊኡ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምስቲ ዅነታት ብኸመይ ከም ዚተኣሳሰር ንምርዳእ ሓገዝ እንተ ኣድልዩና፡ ሽዑ ኽንሓትት ንኽእል ኢና።

ስእልታት፦ 1. ሓደ ሓው ኣብቲ ንመምርሒታት ክንክን ጥዕና ንምምላእ ዚገብሮ ውሳነ ምእንቲ ኺሕግዞ ኢሉ፡ መጽሓፍ ቅዱስን ትምህርቲ 39 እታ “ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!” ዘርእስታ መጽሓፍን “ምስ ደም እተተሓሓዘ ሕክምናዊ ውሳነታት ብኸመይ ንገብር፧” ዘርእስታ ቪድዮን ይጥቀም። 2. ድሕርዚ፡ ነቲ ብቕዱሳት ጽሑፋት ገይሩ ዜዛርቦ ዘሎ ብሱል ሓው ይሰምዖ።

ባዕልና ምርምር ድሕሪ ምግባርና ኢና ምኽሪ ኽንደሊ ዘሎና (ሕጡብ ጽሑፍ 17 ርአ)


ወትሩ ምኽሪ ድለ

18. የሆዋ እንታይ እዩ ገይሩልና ዘሎ፧

18 የሆዋ ናይ ርእስና ውሳነ ኽንገብር ብምፍቃድ፡ ኣጸቢቑ ኸም ዚኣምነና ኣርእዩ እዩ። ቃሉ መጽሓፍ ቅዱስ ሂቡና ኣሎ። ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ክንሓስብ ዚሕግዙና ለባማት ፈተውቲ እውን ሂቡና ኣሎ። ከም ኣቦና መጠን ሓላፍነቱ ፈጺሙ እዩ። (ምሳ. 3:21-23) እሞ ደኣ ምስጋናና ምእንቲ ኽንገልጸሉ እንታይ ኢና ኽንገብር እንኽእል፧

19. ብኸመይ ኢና ወትሩ ንየሆዋ ኸነሐጕሶ እንኽእል፧

19 ሕስብ እሞ ኣብሎ፦ ወለዲ ንደቆም፡ ብሱላትን ሓለይትን ለባማትን ኣገልገልቲ የሆዋ ዀይኖም ኪርእይዎም እዮም ዚደልዩ። ብተመሳሳሊ ድማ የሆዋ፡ ወትሩ ብመንፈሳዊ መዳይ ብሱላት፡ ምኽሪ እንደሊ፡ ንዕኡ ዜኽብር ውሳነታት እውን እንገብር ኴንና ኺርእየና ኸሎ ይሕጐስ እዩ።

ካብ ጽቡቕ ምኽሪ ምእንቲ ኽጥቀም፡ ስለምንታይ እየ . . .

  • ትሑት ክኸውን ዘሎኒ፧

  • ንኣእምሮይን ንልበይን ክፉት ክገብሮ ዘሎኒ፧

  • ናይ ርእሰይ ውሳነታት ክገብር ዘሎኒ፧

መዝሙር 127 ከመይ ዝበልኩ እየ ክኸውን ዚግብኣኒ!

a ሓድሓደ ግዜ ክርስትያናት ብዛዕባ ገንዘብ፡ ሕክምና፡ ወይ ካልእ ጕዳያት፡ ንየሆዋ ኻብ ዘየምልኹ ሰባት ጽቡቕ ምኽሪ ኺረኽቡ ይኽእሉ እዮም።

b ብዛዕባ እዚ ርእሰ ነገር እዚ ዝርዝር ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ትምህርቲ 39 ነጥቢ 5ን ኣብቲ “ዳህስስ” ዚብል ክፋልን ርአ።

c መግለጺ ስእሊ፦ ሓደ ሽማግለ ንኸምኡ ሽማግለ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ኣኼባ እተዛረበሉ መገዲ ይመኽሮ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ