ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w25 ሓምለ ገጽ 8-13
  • ብኸመይ ምኽሪ ትህብ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብኸመይ ምኽሪ ትህብ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ምኽሪ ኽንህብ ምስ እንሕተት
  • ከይተሓተትና ምኽሪ ኽንህብ ከለና
  • ኣብ ግቡእ ግዜን ብግቡእ መገድን ምኽሪ ምሃብ
  • ምኽሪ ምሃብን ምኽሪ ምቕባልን ኣይተቋርጽ
  • ምኽሪ እንደሊ ስለምንታይ ኢና፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • ‘ንሽማግለታት ይጸውዕ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • ምኽርኻስ “ንልቢ የሐጕሶ” ድዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
  • ምኽሪ ኣብ እትህበሉ እዋን፡ ካብ መጽሓፍ እዮብ ዚርከብ ሓገዝ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
w25 ሓምለ ገጽ 8-13

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 29

መዝሙር 87 ኣብ ኣኼባና ንተሓደስ

ብኸመይ ምኽሪ ትህብ፧

“ዓይነይ ኣብ ልዕሌኻ ገይረ ኽመኽረካ እየ።”—መዝ. 32:8።

ኣትኵሮ

ብኸመይ ጽቡቕ ምኽሪ ኸም እትህብ።

1. መን እዮም ምኽሪ ኺህቡ ዘለዎም፧ ግለጽ።

ምኽሪ ብዛዕባ ምሃብ ከመይ ይስምዓካ፧ ገሊኦም ተሓጒሶም ምኽሪ ይህቡ እዮም። ገሊኦም ከኣ ምኽሪ ኺህቡ ኣይደልዩን እዮም፣ ምኽሪ ኺህቡ ኸለዉ እውን ከም ገለ እዩ ዚስምዖም። ዝዀነ ዀይኑ፡ ኵላትና በብግዜኡ ምኽሪ ናይ ምሃብ ግዴታ ኣሎና። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ የሱስ ብዛዕባ ናይ ሓቂ ሰዓብቱ፡ በታ ኣብ ንሓድሕዶም ዘላ ፍቕሪ ኸም ዚልለዩ ገሊጹ እዩ። (ዮሃ. 13:35) ሓደ ኻብቲ ፍቕርና እነርእየሉ መገዲ ድማ፡ ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ምኽሪ ብምሃብ እዩ። ቃል ኣምላኽ ካብ “ሓቀኛ ምኽሪ፡” “ጥዑም ምሕዝነት” ከም ዚምንጩ ወይ ከም ዚዓቢ ይገልጽ እዩ።—ምሳ. 27:9።

2. ሽማግለታት እንታይ ክእለት እዩ ኺህልዎም ዚግባእ፧ ስለምንታይከ፧ (“ኣብ ኣኼባ መንጎ ሰሙን ዚውሃብ ምኽሪ” ዘርእስታ ሳጹን እውን ርአ።)

2 ምናዳ ሽማግለታት ጽቡቕ ምኽሪ ናይ ምሃብ ክእለት ኪህልዎም ኣለዎ። የሆዋ ብየሱስ ኣቢሉ ነዞም ሰባት እዚኦም ንጉባኤኡ ኺጓስዩ መዚዝዎም እዩ። (1 ጴጥ. 5:2, 3) ሓደ ኸምቲ ኸምኡ ዚገብሩሉ መገድታት ድማ፡ ኣብቲ ኣብ ጉባኤ ዜቕርብዎ መደረታት፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ምኽሪ ብምሃብ እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ንውልቀ ሰባት፡ እንተላይ ነቶም ካብቲ መጓሰ ዝረሓቑ ሰባት ምኽሪ ይህቡ እዮም። እሞ ደኣ ሽማግለታት ኰኑ ዅላትና ኸመይ ጌርና ኢና ጽቡቕ ምኽሪ ኽንህብ እንኽእል፧

ኣብ ኣኼባ መንጎ ሰሙን ኣቦ መንበር ኰይኑ ዜገልግል ሓው፡ በታ “ኣብ ምንባብን ኣብ ምምሃርን ትጋህ” ዘርእስታ ብሮሹር ገይሩ ንተምሃራይ ይንእድን ይመክርን።

ኣብ ኣኼባ መንጎ ሰሙን ዚውሃብ ምኽሪ

ኣቦ መንበር ኣኼባ መንጎ ሰሙን ነቶም ክፍሊ ተምሃራይ ዜቕርቡ ዘበሉ ሓጋዚ ሓሳባት ይህቦም እዩ። ሓደ ተምሃራይ ክፍሉ ኬቕርብ ከሎ፡ ነቲ ነጥቢ መጽናዕቲ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዝዓየየሉ እቲ ኣቦ መንበር ይዕዘብ እዩ።

እቲ ኽፍሊ ምስ ቀረበ፡ እቲ ኣቦ መንበር ልባዊ ናእዳ ይህብ እዩ። ኣድላዪ እንተ ዀይኑ ኸኣ፡ እቲ ተምሃራይ ነቲ ነጥቢ መጽናዕቲ ኣብ ምትግባር ኬመሓይሸሉ ዚኽእል ንጹር ምኽሪ ብሜላ ይህብ እዩ። እዚ ምኽሪ እዚ፡ ነቲ ተምሃራይ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንብምልእታ እታ ጉባኤ ይጠቅም እዩ።—ምሳ. 27:17።

3. (ሀ) ከመይ ጌርና ኢና ንፉዕ መኻሪ ኽንከውን እንኽእል፧ (ኢሳይያስ 9:6፣ “ምኽሪ ኽትህብ ከለኻ፡ ንየሱስ ምሰሎ” ዘርእስታ ሳጹን እውን ርአ።) (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንመያየጥ፧

3 ብዛዕባ እቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዚርከቡ፡ ምናዳ ድማ ብዛዕባ የሱስ መጽናዕቲ ብምግባር፡ ነፍሲ ወከፍና ብኸመይ ንፉዕ መኻሪ ኸም እንኸውን ክንምሃር ንኽእል ኢና። ሓደ ኻብቲ ንየሱስ እተዋህቦ ናይ መዓርግ ስም፡ “ግሩም መኻሪ” ዚብል እዩ። (ኢሳይያስ 9:6 ኣንብብ።) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ምኽሪ ኽንሕተት ከለና እንታይ ክንገብር ከም እንኽእል፡ ከምኡ ድማ ከይተሓተትና ምኽሪ ኽንህብ ከለና እንታይ ክንገብር ከም እንኽእል ክንርኢ ኢና። ኣብ ግቡእ ግዜን ብግቡእ መገድን ምኽሪ ምሃብ ዘለዎ ኣገዳስነት እውን ክንምርምር ኢና።

ምኽሪ ኽትህብ ከለኻ፡ ንየሱስ ምሰሎ

የሱስ ስለምንታይ “ግሩም መኻሪ” ኸም ዝዀነን ንሕና ብኸመይ ኣብነቱ ኽንስዕብ ከም እንኽእልን ርአ።

  • የሱስ እንታይ ከም ዚብል ይፈልጥ ነይሩ። ምኽሩ ኣብ ጥበብ የሆዋ እተመስረተ ስለ ዝነበረ፡ እንታይ ከም ዚብል ብልክዕ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ንደቀ መዛሙርቱ፡ “እቲ ንዓኻትኩም ዝነግረኩም፡ ካብ ርእሰይ ኣይኰንኩን ዝዛረቦ” ኢልዎም እዩ።—ዮሃ. 14:10።

    ትምህርቲ፦ ኣብ ህይወትና ብዙሕ ተመክሮን ጥበብን እኳ እንተ ደለብና፡ እቲ እንህቦ ምኽሪ ግና ኣብ ሓሳባትና ዘይኰነስ ኣብ ቃል ኣምላኽ እተመስረተ ኪኸውን ኣለዎ።

  • የሱስ መዓስ ምኽሪ ኸም ዚህብ ይፈልጥ ነይሩ። ንደቀ መዛሙርቱ፡ ኪፈልጥዎ ዜድልዮም ዘበለ ብሓንሳእ ኣይኰነን ደርጒሑሎም። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንዓታቶም ንምምካር ግቡእ ግዜ ይጽበ ነይሩ እዩ፣ ኪጾርዎ ዚኽእሉ ጥራይ እውን እዩ ዚነግሮም ነይሩ።—ዮሃ. 16:12።

    ትምህርቲ፦ ንሰብ ክንመክር ከለና፡ ‘ንምዝራብ ግዜኡ’ ኽሳዕ ዚኣክል ክንጽበ ኣሎና። (መክ. 3:7) ንሰብ ብሓበሬታ እንተ ደብዲብናዮ፡ ኪደናገርን ተስፋ ኪቘርጽን ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ነቲ ዘጋጠሞ ጸገም ዚኸውን ሓበሬታ ጥራይ እንተ ነገርናዮ ይሓይሽ።

  • የሱስ ከመይ ገይሩ ብሜላ ኸም ዚዛረብ ይፈልጥ ነይሩ። ንሃዋርያቱ ብዛዕባ ትሕትና ብተደጋጋሚ ኺመኽሮም ኣድልይዎ ነይሩ። ኣብ ኵሉ ኣጋጣሚታት ግና፡ ብልእመትን ብኣኽብሮትን እዩ ተዛሪብዎም።—ማቴ. 18:1-5።

    ትምህርቲ፦ ንሓደ ሰብ ደጋጊምና ሕደ ምኽሪ ኽንህቦ እኳ እንተ ኣድለየ፡ ብልእመትን ብኣኽብሮትን እንተ ተዛሪብናዮ ጥራይ እዩ ኺሰምዓና ዚኽእል።

ምኽሪ ኽንህብ ምስ እንሕተት

4-5. ሓደ ሰብ ምኽሪ ኽንህቦ ምስ ዚሓትተና፡ ፈለማ እንታይ ሕቶ ኢና ገዛእ ርእስና ኽንሓትት ዘሎና፧ ኣብነት ሃብ።

4 ምኽሪ ኽንህብ እንተ ተሓቲትና፡ መጀመርታ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ በቲ ሕቶ ጽቡቕ ስለ ዚስምዓና፡ ብኡብኡ ኽንሕግዝ ንደሊ ንኸውን። እንተዀነ ግና ፈለማ፡ ‘ኣብዚ መዳይ እዚ ምኽሪ ንምሃብ ብቑዕ ድየ፧’ ኢልና ገዛእ ርእስና ኽንሓትት ኣሎና። ሓድሓደ ግዜ፡ ክንሕግዘሉ እንኽእል ብሉጽ መገዲ፡ ምኽሪ ኣብ ኽንዲ ምሃብ፡ ነቲ ሰብ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ብቑዕ ናብ ዝዀነ መኻሪ ምሕባር ኪኸውን ይኽእል እዩ።

5 ሓደ ኣብነት እስከ ንርአ። ሓደ ናይ ቀረባ ፈታዊኻ ኸቢድ ሕማም ሓሚሙ ንበል። ንሱ ኸኣ ብዛዕባ እቲ ንዕኡ ኺጠቕሞ ዚኽእል ሕክምናታት ምርምር ከም ዝገበረ ድሕሪ ምግላጽ፡ ኣየናዩ ኸም ዚሓይሽ ርእይቶኻ ኽትገልጽ ይሓትተካ። ንስኻ ድማ ሓዲኡ ዓይነት ሕክምና ትመርጽ ትኸውን። ኰይኑ ግና፡ ኣብ ሞያ ሕክምና ዋላ ሓንቲ ብቕዓት የብልካን፣ ንሰባት ንምሕካም እውን ስልጠና ኣይወሰድካን። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ንፈታዊኻ ኽትሕግዘሉ እትኽእል ብሉጽ መገዲ፡ ንዕኡ ኺረድኦ ዚኽእል ብቑዕ ሰብ ኪረክብ ብምሕጋዝ እዩ።

6. ምኽሪ ቕድሚ ምሃብና ንእተወሰነ ግዜ ኽንጸንሕ እንውስን ስለምንታይ ኪኸውን ይኽእል፧

6 ብዛዕባ ሓደ ጕዳይ ምኽሪ ንምሃብ ብቕዓት ዘሎና ዀይኑ እኳ እንተ ተሰምዓና፡ ምኽሪ ንዝሓተተና ሰብ ምላሽ ቅድሚ ምሃብና ንእተወሰነ ግዜ ኽንጸንሕ ንመርጽ ንኸውን። ስለምንታይ፧ ምሳሌ 15:28፡ “ጻድቕ ቅድሚ ምምላሱ የስተንትን” ትብል። ነቲ መልሲ እንፈልጦ እንተ መሲሉናኸ፧ ዋላ እውን ኣብቲ እዋን እቲ፡ ግዜ ወሲድና ምርምር ክንገብርን ክንጽልን ከነስተንትንን ንደሊ ንኸውን። ድሕሪኡ፡ መልስና ምስቲ የሆዋ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ዘለዎ ስምዒት ከም ዚሳነ ብዝያዳ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ካብ ነብዪ ናታን እንታይ ከም እንምሃር እስከ ንርአ።

7. ካብ ነብዪ ናታን እንታይ ንምሃር፧

7 ንጉስ ዳዊት ንነብዪ ናታን፡ ንየሆዋ ቤተ መቕደስ ኪሃንጸሉ ኸም ዚደሊ ነገሮ። ናታን ድማ ብኡብኡ ኸምቲ ሓሳቡ ኺገብር መኸሮ። እንተዀነ ግና፡ ፈለማ ንየሆዋ ኺሓትቶ ነይርዎ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ የሆዋ ንዳዊት፡ ነታ ቤተ መቕደስ ኪሃንጻ ኣይደለዮን። (1 ዜና 17:1-4) ስለዚ ኣብዚ ዛንታ እዚ ኸም ዝረኣናዮ፡ ምኽሪ ኽንሕተት ከለና፡ “ንምዝራብ ደንጓዪ” እንተ ዀንና ይሓይሽ።—ያእ. 1:19።

8. ምኽሪ ኽንህብ ከለና፡ ጥንቁቓት ክንኰነሉ ዚግባእ ካልእ ምኽንያት እንታይ እዩ፧

8 ምኽሪ ኽንህብ ከለና፡ ጥንቁቓት ክንኰነሉ ዚግባእ ካልእ ምኽንያት እውን ኣሎ። ንሰብ ኣሉታዊ ሳዕቤን ዜምጽኣሉ ውሳነ ኺገብር እንተ መኺርናዮ፡ በዚ ብእተወሰነ መዳይ ተሓተትቲ ኽንከውን ንኽእል ኢና። እምበኣር፡ ምኽሪ ቕድሚ ምሃብና ተጠንቂቕና ኽንሓስብ ኣሎና።

ከይተሓተትና ምኽሪ ኽንህብ ከለና

9. ሽማግለታት ምኽሪ ቕድሚ ምሃቦም ብዛዕባ እንታይ እዮም ርግጸኛታት ኪዀኑ ዚግባእ፧ (ገላትያ 6:1)

9 ሽማግለታት ንሓደ ‘ዝሰሓተ’ ሓው ወይ ሓብቲ ብተበግሶኦም ምኽሪ ኺህብዎ ኣለዎም። (ገላትያ 6:1 ኣንብብ።) ኣብዛ ፍቕዲ እዚኣ ዘሎ ነጥቢ መጽናዕቲ፡ “[እዚ ሰብ እዚ] ገና እኳ ኸቢድ ሓጢኣት እንተ ዘይገበረ፡ ናብ ግጉይ ኣንፈት ግና የምርሕ ኣሎ” ይብል። ሽማግለታት ዘለዎም ሸቶ ድማ፡ እቲ ሰብ እቲ ኻብታ ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት እትመርሕ መገዲ ኸይወጽእ ምሕጋዝ እዩ። (ያእ. 5:19, 20) ምኽሮም ውጽኢታዊ ምእንቲ ኪኸውን ግና፡ እቲ ሰብ ብሓቂ ኸም ዝሰሓተ ርግጸኛታት ኪዀኑ ኣለዎም። የሆዋ ንዅላትና፡ ኣብ ሕልናና ተመርኲስና ውሳነ ኽንገብር ፈቒዱልና ኣሎ። (ሮሜ 14:1-4) እንተዀነ ግና፡ ሓደ ሓው ብርግጽ እንተ ስሒቱ፡ እቶም ሽማግለታት ድማ ብተበግሶኦም ምኽሪ ኺህብዎ ኸም ዚግባእ እንተ ወሲኖም፡ እንታይ እዩ ኺግበር ዚግባእ፧

10-12. ሽማግለታት ከይተሓትቱ ምኽሪ ኺህቡ ኸለዉ፡ እንታይ እዮም ኪገብሩ ዚግባእ፧ ብምሳሌ ኣረድእ። (ስእልታት እውን ርአ።)

10 ሽማግለታት ከይተሓተቱ ምኽሪ ኺህቡ ዜድልየሉ እዋን ኣሎ። እዚ ግና ቀሊል ኣይኰነን። ስለምንታይ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ሓደ ሰብ ብዘይ ፍላጥ ኪስሕት ከም ዚኽእል ገሊጹ ኣሎ። ስለዚ፡ ሽማግለታት ፈለማ ነቲ ሰብ፡ ምኽሪ ኪቕበል ኬዳልውዎ ኣለዎም።

11 ከይተሓተትካ ምኽሪ ምሃብ፡ ኣብ ዘይለስለሰ ሓመድ ምስ ምዝራእ ኪመሳሰል ይኽእል እዩ። ሓረስታይ ዘርኢ ቕድሚ ምዝራኡ ንመሬቱ ይሓርሶ እዩ። እዚ ድማ ንመሬቱ የለስልሶ፡ ዘርኢ ኪቕበል እውን የዳልዎ እዩ። ድሕሪኡ፡ ዘርኢ ይዘርእ። ኣብ መወዳእታኡ ድማ፡ እቲ ዘርኢ ምእንቲ ኺበቍል ማይ የስትዮ። ብተመሳሳሊ፡ ሓደ ሽማግለ ኸይተሓትተ ምኽሪ ቕድሚ ምሃቡ፡ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ነቲ መሬት ኬዳልዎ ኣለዎ። ንኣብነት፡ ምሹእ ግዜ ተጸብዩ ነቲ ሓው ከም ዚሓልየሉ ኺገልጸሉ ይኽእል እዩ። እቲ መኻሪ ፈቃርን ለዋህን እንተ ዀይኑ ኸኣ፡ ሰባት ንምኽሩ ንምቕባል ኪቐልሎም ይኽእል እዩ።

12 እቲ ሽማግለ ኣብቲ ምይይጦም፡ ኵላትና ኸም እንጋገን ምኽሪ ኸም ዜድልየናን ብምግላጽ ነቲ መሬት ኬለስልሶ ይኽእል እዩ። (ሮሜ 3:23) ነቲ ሓው ድማ ብኸመይ ከም ዝሰሓተ ኻብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብንጹርን ብህድኣትን ብኣኽብሮትን ኬርእዮ ይኽእል እዩ። እቲ ሓው ከም ዝሰሓተ ምስ ተኣመነ ኸኣ፡ ነቲ ዅነታት ንምእራም እንታይ ኪገብር ከም ዘለዎ ብቐሊል ቃላት ብምግላጽ “ዘርኢ ኺዘርእ” ይኽእል እዩ። ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ሽማግለ ነቲ ሓው ካብ ልቡ ብምንኣድን ምስኡ ሓቢሩ ብምጽላይን ነቲ ዘርኢ “ማይ ኬስትዮ” ይኽእል እዩ።—ያእ. 5:15።

ሓደ ሽማግለ ንሓደ ሓው ኪመኽሮ ኸሎ ዜርኢ ስእልታት ኣብ ዘይለስለሰ ሓመድ ዘርኢ ምስ ዚዘርእ ሓረስታይ ይነጻጸር። 1. ነቲ መሬት ኣለስልሶ፦ እቲ ሓረስታይ ንመሬቱ ይሓርሶ፣ እቲ ሽማግለ ነቲ ሓው ብለውሃት ይዛረቦ። 2. ዝራእ፦ እቲ ሓረስታይ ኣብቲ ዝለስለሰ መሬት ዘርኢ ይዘርእ፣ እቲ ሽማግለ ነቲ ሓው ብመጽሓፍ ቅዱስ ገይሩ የረድኦ። 3. ማይ ኣስቲ፦ እቲ ሓረስታይ ነታ እተዘርአት ዘርኢ ማይ የስትያ፣ እቲ ሽማግለ ምስቲ ሓው ብሓባር ይጽሊ።

ከይተሓተትካ ምኽሪ ምሃብ፡ ፍቕርን ክእለትን ይሓትት (ሕጡብ ጽሑፍ 10-12 ርአ)


13. ሽማግለታት፡ እቲ ሰብ ነቲ ምኽሪ ኸም እተረድኦ ብኸመይ ኬረጋግጹ ይኽእሉ፧

13 ሓድሓደ ግዜ፡ እቲ ኣማኻሪ ዚብሎን እቲ ምኽሪ ዚቕበል ሰብ ዚሰምዖን ነገር በበይኑ ይኸውን እዩ። እሞ ደኣ ኸምኡ ምእንቲ ኸይከውን፡ ሽማግለታት እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧ ብኣኽብሮት ጽቡቕ ሕቶታት ብምሕታት፡ እቲ ቐንዲ ነጥብታት ኣብ ልቢ እቲ ሰማዒ ኸም ዚስኳዕ ኪገብሩ ይኽእሉ እዮም። (መክ. 12:11) እቲ ዚውሃቦም መልሲ ድማ፡ ብሓቂ እቲ ሰብ ነቲ ምኽሪ እንተ ተረዲእዎ ኼረጋግጹ ይሕግዞም እዩ።

ኣብ ግቡእ ግዜን ብግቡእ መገድን ምኽሪ ምሃብ

14. ተቘጢዕና ኸለና ምኽሪ ኽንህብሲ ግቡእ ድዩ፧ ግለጽ።

14 ኵላትና ዘይፍጹማት ኢና፣ ስለዚ፡ ንኻልኦት ዜጕሂ ነገር ምግባርና ወይ ምዝራብና ኣይተርፈናን እዩ። (ቈሎ. 3:13) ንሰብ ከነቘጥዕ ከም እንኽእል ቃል ኣምላኽ ይሕብረና እዩ። (ኤፌ. 4:26) ኰይኑ ግና፡ ተቘጢዕና ኸለና ምኽሪ ኽንህብ የብልናን። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ “ቍጥዓ ሰብ፡ ጽድቂ ኣምላኽ ኣይገብርን እዩ።” (ያእ. 1:20) ተቘጢዕና ኸለና ምኽሪ እንተ ሂብና፡ ካብ ጥቕሙ፡ ጕድኣቱ ኺዓዝዝ ይኽእል እዩ። ከምዚ ኺብሃል ከሎ ግና፡ ንዜቘጥዓና ሰብ ሓሳባትናን ስምዒታትናን ክንገልጽ የብልናን ማለት ኣይኰነን። ይኹን እምበር፡ ክሳዕ እንሃድእ እንተ ተዓጊስና፡ ሓሳባትና ብዝሓሸ ኸነመሓላልፍ ንኽእል ኢና። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ካብቲ ንእዮብ ጽቡቕ ምኽሪ ዝሃቦ ኤሊሁ ኽንምሃር ንኽእል ኢና።

15. ካብ ኤሊሁ እንታይ ንምሃር፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

15 እዮብ ንርእሱ ኻብቲ ኻብ ናይ ሓሶት መጸናናዕቲ ዝቐረበሉ ኽስታት ኪጣበቐላ ኸሎ፡ ኤሊሁ ንመዓልትታት ሰምዖ። ስለዚ፡ ኤሊሁ ንእዮብ ራሕርሓሉ። ምስናይዚ ግና፡ እዮብ ንየሆዋ ብጌጋ ስለ ዝገለጾ፡ ኣብ ርእሱ እውን እምብዛ ስለ ዘተኰረ፡ ኤሊሁ ብቝጥዓ ነደደ። ይኹን እምበር፡ ተራኡ ኽሳዕ ዚበጽሕ ተጸበየ፡ ድሕሪኡ እውን ንእዮብ ኪመኽሮ ኸሎ፡ ብልእመትን ብኣኽብሮትን ተዛረበ። (እዮ. 32:2፣ 33:1-7) እምበኣር፡ ካብ ኤሊሁ ሓደ ኣገዳሲ ነገር ንምሃር ኢና፦ ምኽሪ ኣብ ግቡእ ግዜ፡ ብግቡእ መገዲ፡ ማለት ብኣኽብሮትን ብፍቕርን ኪውሃብ ኣለዎ።—መክ. 3:1, 7።

ኤሊሁ ነቲ ሰብነቱ ብምጕልንጭዋ እተወርሰ እዮብ ብድንጋጽ ይሰምዖ።

ኤሊሁ ቝጥዓኡ እኳ እንተ ነደደ፡ ብልእመትን ብኣኽብሮትን ምኽሪ ሃበ (ሕጡብ ጽሑፍ 15 ርአ)


ምኽሪ ምሃብን ምኽሪ ምቕባልን ኣይተቋርጽ

16. ካብ መዝሙር 32:8 እንታይ ተማሂርካ፧

16 ቀንዲ ጥቕሲ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ‘የሆዋ ዓይኑ ኣብ ልዕሌና ገይሩ ኸም ዚመኽረና’ ትገልጽ። (መዝሙር 32:8 ኣንብብ።) እዚ ድማ ቀጻሊ ደገፍ ከም ዚህበና የመልክት። ምኽሪ ጥራይ ኣይኰነን ዚህበና፣ የግዳስ፡ ክንትግብሮ እውን ይሕግዘና እዩ። እዝስ ንዓና ኸመይ ዝበለ ሰናይ ኣብነት ኰን እዩ! ንኻልኦት ክንመክር ከለና፡ ኣብነት የሆዋ ብምስዓብ፡ ዓይንና ኣብ ልዕሊኦም ንግበር፡ ዕዉታት ምእንቲ ኪዀኑ እውን ዜድልዮም ዘበለ ደገፍ ንሃቦም።

17. ሽማግለታት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ንጹር ምኽሪ ኺህቡ ኸለዉ፡ ከም ምንታይ እዮም ዚዀኑልና፧ ግለጽ። (ኢሳይያስ 32:1, 2)

17 ሎሚ ኻብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ጽቡቕ ምኽሪ ኽንህብን ክንቅበልን ኣሎና። (2 ጢሞ. 3:1) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ንጹር ምኽሪ ዚህቡ ሽማግለታት፡ “ኣብ ደረቕ ምድሪ ኸም ወሓይዝ ማይ” እዮም ዚዀኑልና። (ኢሳይያስ 32:1, 2 ኣንብብ።) እንታይ ክንሰምዕ ከም እንደሊ እናፈለጡ ኽነሶም ክንሰምዖ ዘሎና ነገር ዚነግሩና ፈተውቲ፡ “ከም ቱፋሕ ወርቂ ኣብ ኣቕሓ ብሩር” ዝኣመሰለ ኽቡር ውህበት እዮም ዚህቡና። (ምሳ. 25:11) እምበኣር፡ ኵላትና ጽቡቕ ምኽሪ ንምሃብን ንምቕባልን ዜኽእል ጥበብ ካብ ምምዕባል ኣይነቋርጽ።

ኣብዚ ዚስዕብ ኵነታት እንታይ ኢና ኽንዝክር ዘሎና፧

  • ምኽሪ ንምሃብ ክንሕተት ከለና

  • ከይተሓተትና ምኽሪ ኽንህብ ከለና

  • ክንቍጣዕ ከለና

መዝሙር 109 ኣጸቢቕኩም ተፋቐሩ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ