ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • be መጽናዕቲ 12 ገጽ 121-ገጽ 123 ሕ.ጽ. 3
  • ኣካላዊ ምንቅስቓስን ኣብ ገጽ ዚንበብ መግለጺታትን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣካላዊ ምንቅስቓስን ኣብ ገጽ ዚንበብ መግለጺታትን
  • ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ውዕዉዕ ኣዘራርባ
    ኣብ ምንባብን ኣብ ምምሃርን ትጋህ
  • ዝርርባዊ ኣቀራርባ
    ኣብ ምንባብን ኣብ ምምሃርን ትጋህ
  • ለውሃትን ድንጋጽን
    ኣብ ምንባብን ኣብ ምምሃርን ትጋህ
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
ዝያዳ ርአ
ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
be መጽናዕቲ 12 ገጽ 121-ገጽ 123 ሕ.ጽ. 3

መጽናዕቲ 12

ኣካላዊ ምንቅስቓስን ኣብ ገጽ ዚንበብ መግለጺታትን

እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧

ሓሳባት: ስምዒት: ወይ ኣመለኻኽታ ንምግላጽ ኣእዳውካ: መንኵብካ: ወይ ምሉእ ኣካላትካ ኣንቀሳቕስ።

ነቲ እተዛረብካዮ ቓላት ንምትራርን ስምዒት ንምንጽብራቕን ኣዒንትኻን ኣፍካን ርእስኻን ተጠቐም።

ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ኣካላዊ ምንቅስቓስን ኣብ ገጽ ዚንበብ መግለጺታትን ብዚርአ መገዲ ንዘረባኻ ዜጕልሕ እዩ። ብስምዒት ንኽትዛረብ ስለ እትድረኽ: ኣብ ድምጽኻውን ኪንጸባረቕ እዩ።

ኣብ ገሊኡ ኸባቢታት ዚነብሩ ሰባት ካብ ካልኦት ብዝያዳ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ይጥቀሙ እዮም። ምስናይዚ ግን ዳርጋ ዅሉ ሰብ ኪዛረብ ከሎ ኣብ ገጹ ብዚንበብ መግለጺታትን ኣካላዊ ምንቅስቓስን ይጥቀም እዩ። እዚ ኸኣ ኣብ መዓልታዊ ዘረባና ይኹን ንህዝቢ ኽንዛረብ ከለና ዚውዕል እዩ።

የሱስን እቶም ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቱን ኪዛረቡ ኸለዉ ብባህርያዊ መገዲ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ይጥቀሙ ነይሮም እዮም። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ሓደ ሰብ ናብ የሱስ ቀሪቡ ኣዲኡን ኣሕዋቱን ኪዛረብዎ ኸም ዚደለዩ ነገሮ። የሱስ ከኣ “ኣደይ መን እያ፧ ኣሕዋተይሲ እንመን እዮም፧” ኢሉ መለሰሉ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣስዒቡ ኸምዚ ይብል:- “ኢዱ ናብ ደቀ መዛሙርቱ ዘርጊሑ: ኣደይን ኣሕዋተይንሲ እነዉ: በለ።” (ማቴ. 12:48-50) ግብሪ ሃዋርያት 12:17 ኸምኡውን 13:16 ሃዋርያ ጴጥሮስን ሃዋርያ ጳውሎስን እውን ኪዛረቡ ኸለዉ ብባህርያዊ መገዲ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ይጥቀሙ ኸም ዝነበሩ ይነግረና።

ሓሳባትን ስምዒትን ብድምጺ ጥራይ ዘይኰነስ: ብኣካላዊ ምንቅስቓስን ኣብ ገጽ ብዚንበብ መግለጺታትን ይመሓላለፍ እዩ። ሓደ ተዛራባይ ነዚ ብግቡእ እንተ ደኣ ዘይተጠቒሙሉ: ነቲ ዚዛረበሉ ዘሎ ኽፍሊ ብዙሕ ከም ዘይተገደሰሉ ኺመስል ይኽእል እዩ። ምስ ዘረባኻ ኣወሃሂድካ ብግቡእ እንተ ደኣ ተጠቒምካሉ ግን: እቲ ዘረባኻ ዝያዳ ውጽኢታዊ እዩ ዚኸውን። ብተሌፎን ክትዛረብ ከለኻ እውን ከይተረፈ: ኣካላዊ ምንቅስቓስን ኣብ ገጽካ ዚንበብ መግለጺታትን ብግቡእ እንተ ደኣ ተጠቒምካሉ: ኣገዳስነት ናይ መልእኽትኻን ብዛዕባ እቲ እትዛረበሉ ዘለኻ ሓሳብ ዘሎካ ስምዒትን ኣብ ድምጽኻ ኺንጸባረቕ እዩ። ስለዚ እምበኣር: ብቓልካ ኽትዛረብ ከለኻ ይኹን ወይ ጽሑፍ ከተንብብ ከለኻ: ሰማዕትኻ ኺጥምቱኻ ኸለዉ ይኹን ወይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱሶም ኪርእዩ ኸለዉ: ኣካላዊ ምንቅስቓስን ኣብ ገጽ ዚንበብ መግለጺታትን ምዝውታር ጠቓሚ እዩ።

ኣካላዊ ምንቅስቓስን ኣብ ገጽ ዚንበብ መግለጺታትን ካብ መጽሓፍ እተጸንዐ ኪኸውን የብሉን። ከመይ ጌርካ ኸም እትስሕቕን ከመይ ጌርካ ኸም እትቝጣዕን ፈጺምካ ኸተጽንዖ ኣየድልየካን እዩ። ኣካላዊ ምንቅስቓስ ነቲ ኣብ ልብኻ ዘሎ ስምዒት እውን ዜንጸባርቕ ኪኸውን ኣለዎ። ብባህርያዊ መገዲ እንተ ደኣ ተጠቒምካሉ ኸኣ ዝሓሸ ውጽኢት ኣለዎ።

ኣካላዊ ምንቅስቓስ ብሓፈሻ ኣብ ክልተ እዩ ዚኽፈል። ንሱ ኸኣ ገላጽን መራጐድን እዩ። ገላጺ ኣካላዊ ምንቅስቓስ: ተግባር ይገልጽ ወይ ከኣ ዓቐንን ቦታን ይሕብር። ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ትዓየሉ ዘለኻ ባህርይ ዘረባ ኣካላዊ ምንቅስቓስ እንተ ደኣ ዀይኑ: ብሓደ ወይ ክልተ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ጥራይ ኣይትዕገብ። ኣብ ዘረባኻ ኻብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ ብባህርያዊ መገዲ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ክትጥቀም ፈትን። እዚ ንምግባር ዜጸግመካ እንተ ደኣ ዀይኑ: ነቲ ኣንፈት: ርሕቐት: መጠን: ወይ ቦታ ኼመልክት ዚኽእል ቃላት ምስ እተስተብህለሉ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር: መብዛሕትኡ ግዜ ሰማዕትኻ ብዛዕባኻ ይሓስቡ ኸም ዘለዉ ጌርካ ብምውሳድ ኣብ ክንዲ እትጭነቕ: በቲ ትምህርቲ ተመሲጥካ ኸምቲ ኣብ መዓልታዊ ተግባርካ እትብሎን እትገብሮን ጌርካ ምስ እተቕርቦ ዝሓሸ እዩ። ሓደ ሰብ እንተ ደኣ ዘይተጨኒቑ: እቲ ዚገብሮ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ባህርያዊ እዩ ዚኸውን።

መራጐዲ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ነቲ ውሽጣዊ ስምዒትካን ነቲ እትዛረበሉ ዘለኻ ኸም እትኣምነሉን ዚገልጽ እዩ። ንሓደ ሓሳብ ንምትራርን ህያው ንምግባርን ንምጕላሕን ዜገልግል እዩ። መራጐዲ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ኣገዳሲ እዩ። እንተ ዘይተጠንቂቕካሉ ግን ኣመል ኪዀነካ ይኽእል እዩ። ብተደጋጋሚ ሓደ ዓይነት ኣካላዊ ምንቅስቓስ ትጥቀም እንተ ደኣ ዄንካ: ንመደረኻ ኣብ ክንዲ ዜጸብቖ ሰማዕትኻ ናብቲ ምንቅስቓስካ ኬቕልቡ እዮም። እቲ ሓላው ቤት ትምህርቲ: እዚ ጸገም እዚ ኸም ዘሎካ እንተ ደኣ ሓቢሩካ: ንግዜኡ ገላጺ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ጥራይ ክትጥቀም ፈትን። ድሕሪ ገለ ግዜ ኸኣ መራጐዲ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ከም ብሓድሽ ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ።

መራጐዲ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ክሳዕ ክንደይ ክትጥቀመሉ ኸም ዘሎካን እንታይ ዓይነት ኣካላዊ ምንቅስቓስ ክትጥቀም ከም ዘሎካን ንምውሳን: ነቲ ሰማዕትኻ ዘለዎም ስምዒት ኣብ ግምት ኣእትዎ። ኢድካ ናብ ሰማዕትኻ ምስ እተወጣውጥ ከም ዚሽቝረሩ ኺገብሮም ይኽእል እዩ። ኣብ ገሊኡ ባህልታት ሓደ ወዲ ተባዕታይ: ዘይተጸበዮ ነገር ምስ ዚሰምዕ ከም እተገረመ ንምግላጽ ኣፉ እንተ ደኣ ሒዙ: ከም ሰበይታይ ኪቝጸር ይኽእል እዩ። ኣብ ገሊኡ ኽፍልታት ዓለም ከኣ ሓንቲ ሰበይቲ ኣእዳዋ ብብዝሒ እናንቀሳቐሰት ክትዛረብ ነውሪ እዩ። ስለዚ: ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኸባቢታት ዝነብራ ኣሓት ኣብ ገጽ ዚንበብ መግለጺታት እንተ ተጠቕማ ዝሓሸ እዩ። ዳርጋ ኣብ ኵሉ ኽፍልታት ዓለም ከኣ ሓደ ሰብ ንሒደት ሰባት ጥራይ እናተዛረበ ኻብ መጠን ንላዕሊ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዚጥቀም እንተ ደኣ ዀይኑ: ከም መስሓቕ እዩ ዚቝጸር።

ተመክሮ እናረኸብካ ምስ ከድካ እሞ ኸይተሰከፍካ ኽትዛረብ ምስ ጀመርካ: ንመራጐዲ እትጥቀመሉ ዝዀነ ይኹን ኣካላዊ ምንቅስቓስ ብባህርያዊ መገዲ ንውሽጣዊ ስምዒትካ ኺገልጽ እዩ። ነቲ ትምህርቲ ኸም ዝኣመንካሉን ብቕንዕና ትዛረብ ከም ዘለኻን ኣብ ርእሲ ምግላጹ ድማ: ንዘረባኻ ትርጕም ዘለዎ ይገብሮ።

ኣብ ገጽካ ዚንበብ መግለጺ። መብዛሕትኡ ግዜ ኻብ ዝዀነ ይኹን ኣካላዊ መግለጺ ንላዕሊ ነቲ ናይ ሓቂ ስምዒትካ ኺገልጽ ዚኽእል ገጽካ እዩ። ኣዒንትኻ: ቅርጺ ኣፍካ: ምንቅስቓስ ርእስኻ ነናቱ መልእኽቲ ኣለዎ። ሓንቲ ቓል ከየውሳእካ: ብገጽካ ጥራይ ከም ዘይተገደስካ: ከም ዝፈንፈንካ: ከም እተደናገርካ: ከም ዝደንጸወካ: ወይ ከም እተሓጐስካ ኽትገልጽ ትኽእል ኢኻ። እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኣብ ገጽ ዚንበብ መግለጺታት ብቓላት ተሰንዩ ምስ ዚግለጽ ድማ ነቲ መልእኽቲ ሓይሊ ይውስኸሉ። ፈጣሪ ኣብ ገጽካ ልዕሊ 30 ዚኸውን ጭዋዳታት ፈጢሩ ኣሎ። ካብዚ ዳርጋ ፍርቁ ዚኸውን ከኣ ክትስሕቕ ከለኻ እዩ ዚዓዪ።

ኣብ መድረኽ ደው ኢልካ ኽትዛረብ ከለኻ ይኹን ኣብ ኣገልግሎት ክትሳተፍ ከለኻ: ንሰባት ባህ ዜብል: ንልቦም እውን ዜሐጕስ መልእኽቲ ኸተመሓላልፈሎም ኢኻ እትጽዕር። ፍሽኽታኻ ነዚ ኼረጋግጽ ይኽእል። ገጽካ ምንም መግለጺ እንተ ደኣ ዘይብሉ ግን: ብቕንዕና ትዛረብ ምህላውካ ኺጠራጠሩ እዮም።

ካብዚ ንላዕሊ ድማ ፍሽኽ ምባልካ ንሰማዕትኻ ብሕያውነት ትዛረቦም ከም ዘለኻ ኺሕብሮም ይኽእል እዩ። ብፍላይ ኣብዚ ሎሚ ሰባት ምስ ዘይፈልጥዎ ሰብ ኪዘራረቡ ዚፈርሁሉ ዘለዉ እዋን ፍሽኽ ኢልካ ምዝራብ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ፍሽኽታኻ ንሰማዕትኻ ፍዅስ ከም ዚብሎምን ንመልእኽትኻ ኸም ዚቕበልዎን ኪገብር ይኽእል እዩ።

ኪዝከር ዚግባእ ነጥብታት

  • እቲ ዝያዳ ውጽኢታዊ ዝዀነ ኣካላዊ ምንቅስቓስን ኣብ ገጽ ዚንበብ መግለጺታትን ካብ ልቢ እዩ ዚምንጭ። ሰባት ኪዛረቡ ኸለዉ እንታይ ዓይነት ምንቅስቓስ ከም ዚገብሩ ተዓዘቦም: ንዅሉ በብሓንቲ ኽትቀድሖ ግን ኣይትፈትን።

  • ነቲ ንኽፍልኻ እተዳለወ ጽሑፍ ኣጸቢቕካ ኽሳዕ እትፈልጦ ኣጽንዓዮ። ስምዒትካ ይተንከፍ: ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ: ድሕሪኡ ብድምጽኻን ብኣእዳውካን ብገጽካን ግለጾ።

መላመዲ:- (1) ንዘፍጥረት 6:13-22 ኣንብብ። ኣሰራርሓ እታ መርከብን ንምእካብ እቶም እንስሳታትን ብቓላትካ ጌርካ ግለጾ። ብዛዕባ እቲ ዝርዝር ነጥብታት ኣይትጨነቕ: እትዝክሮ ዘበለ ጥራይ ተዛረብ። እዚ ኽትገብር ከለኻ ገላጺ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ተጠቐም። ሓደ ሰብ ኪዕዘበካን ርእይቶኡ ኺህበካን ሕተቶ። (2) ንሓደ ሰብ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽን እተምጽኦ በረኸትን ትምስክረሉ ኸም ዘለኻ ዄንካ ተዛረብ። ብዛዕባ እቲ እትገልጾ ዘለኻ ናይ ሓቂ ስምዒት ኣብ ገጽካ ኸም ዚንበብ ግበር።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ