ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ችንችን ምባል ወይ ብርጭቆኻ ብምልዓል ሰናይ ትምኒትካ ምግላጽ ዘይጠቅስ ክንሱ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከምዚ ዘይገብሩ ስለምንታይ እዮም፧
ብርጭቆ ወይኒ (ወይ ካልእ ኣልኮላዊ መስተ) ኣልዒልካ ሰናይ ትምኒትካ ምግላጽ: ኣገባቡ ኻብ ቦታ ናብ ቦታ ዚፈላለ እኳ እንተ ዀነ: ነዊሕ እዋን ዝጸንሐን ኣብ ኵሉ እተዘርግሐን ልምዲ እዩ። ሓድሓደ ግዜ እቶም ከምዚ ዚገብሩ ሰባት ብርጭቆኦም ነንሓድሕዱ የጋጭዉ እዮም። እቲ ብርጭቆኡ ዜልዕል ሰብ መብዛሕትኡ እዋን ንኻልእ ሰብ ሓጐስ: ጥዕና: ነዊሕ ዕድመ: ወይ ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ንኺረክብ ሰናይ ትምኒቱ እዩ ዚገልጸሉ። እቶም ኣብዚ ዚካፈሉ ኻልኦት ከኣ ዓው ኢሎም ከም እተሰማምዑ ይገልጹ ወይ ከኣ ብርጭቆኦም ኣልዒሎም ሒደት ወይኒ ይምዕጉ። መብዛሕትኦም ሰባት እዚ ልምዲ እዚ ምንም ጕድኣት ዘይብሉ ወይ ማሕበራዊ ኣገባብ ገይሮም ዚርእይዎ እኳ እንተ ዀኑ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግን ኣብዚ ዘይሳተፉሉ ምኽንያት ኣለዎም።
ክርስትያናት: ሓደ ሰብ ሓጐስን ጥዕናን ኪረክብ ኣይምነዩሉን እዮም ማለት ኣይኰነን። እቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ኣመሓዳሪ ኣካል ነታ ናብ ጉባኤታት ዝለኣኻ መልእኽቲ “ደሓን ኩኑ” ተባሂላ ኽትትርጐም ብእትኽእል ቃል እዩ ዛዚምዋ። (ግብሪ ሃዋርያት 15:29) ገሊኣቶም ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ኸኣ ንሰብኣውያን ነገስታት “ጐይታይ . . . ንዘለኣለም ህያው ይኹን:” ወይ ድማ “ንጉስ ንዘለኣለም ይንበር” ኢሎምዎም እዮም።—1 ነገስት 1:31፣ ነህምያ 2:3
እቲ ብርጭቆኻ ብምልዓል ትምኒትካ ናይ ምግላጽ ልምዲ ግን ምንጩ ኻበይ እዩ፧ ናይ 1 ጥሪ 1968 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ካብ ዘ ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ (1910) መበል 13 ጥራዝ: ገጽ 121 ጠቒሳ ኸምዚ በለት:- “እቲ ንሰባት ‘ጥዕና’ እናተመነኻ ናይ ምስታይ ልምዲ: ካብቲ ንጣኦታትን ንምዉታትን ኢልካ ዚግበር ዝነበረ ናይ ጥንቲ ሃይማኖታዊ ጽምብል ዝመጸ እዩ ኪኸውን ዚኽእል። ግሪኻውያንን ሮማውያንን ኣብ መኣዲ ብስም ኣማልኽቶም ወይኒ የፍስሱን ኣብ ወግዓዊ ድግሳት ድማ ንኣማልኽቶምን ንምዉታትን ኢሎም መስተ ይሰትዩን ነበሩ።” እቲ ኢንሳይክሎፔድያ ቐጺሉ “እቲ ንጥዕና ህያዋን ሰባት እናተመነኻ ምስታይ ወትሩ ምስዚ ሓውሲ መስዋእቲ መስተ ዝዀነ ልምድታት ኣጸቢቑ ዚተኣሳሰር ኪኸውን ኣለዎ” ይብል።
እዚ ምኽንያት እዚ ሕጂ እውን ብቑዕ ድዩ፧ እቲ ብ1995 እተዳለወ ኢንተርናሽናል ሃንድቡክ ኦን ኣልኮል ኤንድ ካልቸር ከምዚ በለ:- “[ችንችን ምባል] ምናልባት ካብቲ ቕዱስ ፈሳሲ ንኣማልኽቲ ዚቐርበሉ ዝነበረ ጥንታዊ መስዋእቲ ጣኦታት ተተሓሒዙ ዝመጸ ዓለማዊ ኣሰር ዘለዎ እዩ ኪኸውን ዚኽእል። ‘ነዊሕ ዕድመ!’ ወይ ‘ንጥዕናኻ’ ዚብል ቃላት ዝሓዘ ጸሎት ወይ ትምኒት ምእንቲ ኺፍጸም: ደም ወይ ወይኒ ይቐርብ ነበረ።”
ልክዕ እዩ: ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ኻብ ኵሉ እቲ ኣብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝመነጨ ወይ ዚዝወተር ዝነበረ ነገር: ኣገባብ: ወይ ልምዲ ይርሕቑ እዮም ማለት ኣይኰነን። ንኣብነት ሮማን ንውሰድ። ሓደ ፍሉጥ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኢንሳይክሎፔድያ “ኣምልኾ ጣኦት ዘዘውትራ ሃይማኖታት እውን ንሮማን ከም ምልክት ቅዱስ ነገር ገይረን ዚጥቀማሉ ዝነበራ እዩ ዚመስል” በለ። ይኹን እምበር: ኣምላኽ ኣብ ዙርያ ታሕታይ ዘፈር እቲ ሊቀ ኻህናት ካብ ሮማን ኪግበረሉ ኣዚዙ ነበረ: እቲ ብኣስራዚ እተሰርሐ ዓንዲ ቤተ መቕደስ ሰሎሞን እውን ብሮማን ተሰሊሙ ነበረ። (ዘጸኣት 28:33፣ 2 ነገስት 25:17) ኣብ ርእሲ እዚ እውን ቀለቤት ሓደ እዋን ሃይማኖታዊ ትርጕም ነይርዎ እዩ። ሎሚ ግን መብዛሕትኦም ሰባት: ቀለቤት ሓደ ሰብ ከም እተመርዓወ ዜመልክት ጥራይ ደኣ እምበር: ሃይማኖታዊ ትርጕም ከም ዝነበሮ ኣይፈልጡን እዮም።
ምስ ሃይማኖታዊ ተግባራት ኣተሓሒዝካ ወይኒ ብዛዕባ ምዝውታርከ እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧ ንኣብነት: ንበዓል ዜምልኹ ዝነበሩ ሰብ ሴኬም: “ናብ ቤት ኣምላኾም አትዮም . . . በልዑን ሰተዩን: ንኣቢሜሌክውን ረገምዎ።” (መሳፍንቲ 9:22-28) ሓደ እሙን ኣገልጋሊ የሆዋ: ምናልባት እውን ኣብ ልዕሊ ኣቢሜሌክ መዓት ኪወርድ ንናይ ሓሶት ኣምላኽ እናለመነ: ካብ ከምዚ ዚኣመሰለ መስተ ምሰተየዶ፧ ኣሞጽ ብዛዕባ እቲ ሓያሎ ሰብ እስራኤል ካብ የሆዋ ዝዓለዉሉ እዋን ኪገልጽ ከሎ “ኣብ ጥቓ ዅሉ መሰውኢታት . . . ይድቅሱ: ናይ ካሕሳ ወይኒ ድማ ኣብ ቤት ኣምላኾም ይሰትዩ” በለ። (ኣሞጽ 2:8) እቲ ወይኒ ኸም መስዋእቲ ዀይኑ ነቶም ጣኦታት ይቕረብ ወይ በቶም ሰባት ይሰተ ብዘየገድስ: ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ኣብ ከምዚ ዝመሰለ ተግባራት ምተኻፈሉዶ፧ (ኤርምያስ 7:18) ወይ ከኣ ሓደ ናይ ሓቂ ኣምላኺ ብርጭቆኡ ኣልዒሉ: ኣምላኽ ንሓደ ሰብ ጽልዋ ኺገብረሉ ወይ ንመጻኢኡ ኺባርኸሉ ምሓተተዶ፧
እቲ ዜገርም ግን: ኣምለኽቲ የሆዋ ሓድሓደ ግዜ ኣእዳዎም ኣልዒሎም ጽቡቕ ፍረ ኺረኽቡ ለሚኖም እዮም። ናብቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣእዳዎም ኣልዒሎም እዮም። ከምዚ ዚብል ከኣ ነንብብ:- “ሰሎሞን ከኣ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ እግዚኣብሄር ቈይሙ: . . . ኣእዳዉ ናብ ሰማይ ዘርግሔ። በለ ድማ: ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል: . . . ኸማኻ ዝበለ ኣምላኽ የልቦን። . . . ንስኻ ኣብታ እትነብረላ ዘሎኻ ቦታ: ኣብ ሰማይ ስምዓዮ: ሰሚዕካውን ይቕረ በል።” (1 ነገስት 8:22, 23, 30) ብተመሳሳሊ: “እዝራ ድማ ንእግዚኣብሄር: . . . ባረኾ። ኵሎም ህዝቢ ኸኣ ኣእዳዎም ኣልዒሎም: ኣሜን: ኣሜን: ኢሎም መለሱ። ተጐንቢሶም ድማ . . . ንእግዚኣብሄር ሰገዱሉ።” (ነህምያ 8:6፣ 1 ጢሞቴዎስ 2:8) እዞም እሙናት ሰባት እዚኣቶም ‘ካብ ኣምላኽ ዕድል’ በረኸት ኪረኽቡ ኢሎም ኣይኰኑን ኣእዳዎም ናብ ሰማይ ገጾም ዜልዕሉ ነይሮም።—ኢሳይያስ 65:11 ትርጕም 1990
ሎሚ እቶም ብርጭቆኦም ኣልዒሎም ትምኒቶም ዚገልጹ መብዛሕትኦም ሰባት ካብ ሓደ ኣምላኽ ጣኦት ምላሽ ወይ በረኸት ይሓቱ ኸም ዘለዉ ኣይሓስቡን ይዀኑ: ኰይኑ ግን ጽዋእ ወይኖም ንሰማይ ገጾም ዜልዕልሉ ምኽንያት እውን ኪገልጽዎ ኣይክእሉን እዮም። ይኹን እምበር: ሰባት ከምኡ ገይሮም ዘይሓስብዎ ምዃኖም: ንናይ ሓቂ ክርስትያናት ኣብነቶም ኪቐድሑ ምኽንያት ኣይኰኖምን እዩ።
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ መብዛሕትኦም ሰባት ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዜዘውትሩሉ ኻልእ ጕዳያት እውን ከም ዘይካፈሉ ብብዙሓት እተፈልጠ እዩ። ንኣብነት: ሓያሎ ሰባት ንሃገራዊ ሰንደቕ ዕላማ ወይ ንባንዴራ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ይገብሩ እዮም፣ ነዚ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ከም ኣምልኾ ገይሮም ኣይወስድዎን እዮም። ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኣብዚ ጕዳይ እዚ ኢዶም ዘየእትዉ እኳ እንተ ዀኑ: ብብሕቶም ግን ኣይካፈሉን እዮም። ሓያሎ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: እዚ ጽምብል እዚ ዚግበረሉ ግዜያት ፈሊጦም ንኻልኦት ምእንቲ ኸየጕህዩ ይጥንቀቑ እዮም። ዝዀነ ዀይኑ ግን: ንሃገራውነት ዜንጸባርቕ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዘይሰማማዕ ነዚ ንኸይገብሩ ቘሪጾም እዮም። (ዘጸኣት 20:4, 5፣ 1 ዮሃንስ 5:21) ብርጭቆኻ ኣልዒልካ ትምኒትካ ምግላጽ: ሓያሎ ሰባት ሃይማኖታዊ ትርጕም ከም ዘለዎ ገይሮም ዘይምልከትዎ እኳ እንተ ዀኑ: ክርስትያናት ግን ከምኡ ዘይገብሩሉ ብቑዕ ምኽንያታት ኣለዎም። እዚ ልምዲ እዚ ሃይማኖታዊ መበቈል ዘለዎ ኣብ ርእሲ ምዃኑ: ሎሚ እውን ከይተረፈ ሓደ ልዕለ-ሰብኣዊ ሓይሊ ኻብ ‘ሰማይ’ በረኸት ኬፍስስ ረድኤት ደሊኻ ትሓትት ከም ዘለኻ ኪቝጸር ይኽእል እዩ።—ዘጸኣት 23:2