መጽናዕቲ 23
ግብራዊ ጥቕሚ ምንጻር
እቲ እትዛረቦ ዘለኻ ሓደ ውልቀ-ሰብ ይኹን ወይ ብዙሓት ሰማዕቲ: ንስኻ በቲ ርእሰ ነገር ስለ እተገደስካ ጥራይ ሰማዕትኻ ኸም ዚግደሱ ጌርካ ኽትወስዶ ዕሽነት እዩ። እቲ እተመሓላልፎ መልእኽቲ ኣገዳሲ እኳ እንተ ዀነ: ግብራዊ ጥቕሙ ንጹር እንተ ዘይጌርካዮ ግን: ተገዳስነት ሰማዕትኻ ሒዝካ ኽትቅጽል ኣይትኽእልን ኢኻ።
ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚእከቡ ሰማዕቲ እውን ከምዚ ዓይነት ባህርይ እዩ ዘለዎም። ቅድሚ ሕጂ ሰሚዖምዎ ዘይፈልጡ ምሳሌ ወይ ተመክሮ ኽትጥቀም ከለኻ ይሰምዑኻ ይዀኑ። ኣቐዲሞም ብዛዕባ ዚፈልጥዎ ነጥብታት ክትዛረብ ከለኻ ግን: ብሕልፊ ኸኣ ነቲ ነጥብታት እንተ ዘየማዕቢልካዮ: ኣይሰምዑኻን ይዀኑ። እቲ እትዛረቦ ዘለኻ ነገር ንዓታቶም ስለምንታይን ብኸመይን ከም ዚጠቕሞም ከተረድኦም ኣሎካ።
መጽሓፍ ቅዱስ ብግብራዊ መገዲ ኽንሓስብ: ወይ ጥበብ ከነርኢ የተባብዓና እዩ። (ምሳ. 3:21) የሆዋ ንዮሃንስ መጥምቕ: ንሰባት “ናብ [“ግብራዊ:” NW] ጥበብ ጻድቃን” ኪመልስ ተጠቒሙሉ እዩ። (ሉቃ. 1:17) እዛ ጥበብ እዚኣ ኣብ ጥዑይ ፍርሃት የሆዋ እተመስረተት እያ። (መዝ. 111:10) እቶም ነዛ ጥበብ እዚኣ ዜድንቕዋ ነዛ ሕጂ ዘላ ህይወት ብዓወት ይዋጽኡላ: ነታ እትመጽእ ናይ ሓቂ ህይወት ወይ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከኣ ኣጽኒዖም ይሕዝዋ እዮም።—1 ጢሞ. 4:8፣ 6:19
መደረኻ ግብራዊ ኸም ዚኸውን ምግባር። መደረኻ ግብራዊ ኪኸውን እንተ ዀይኑ: ብዛዕባ እቲ ትምህርቲ ጥራይ ዘይኰነስ: ብዛዕባ ሰማዕትኻ እውን ተጠንቂቕካ ኽትሓስብ ኣሎካ። ብዛዕባኦም ብደረጃ ጕጅለ ጥራይ ኣይትሕሰብ። እቲ ጕጅለ ብውልቀ-ሰባትን ስድራቤታትን ዝቘመ እዩ። ቈልዑ: መንእሰያት: በጽሕታት: ከምኡውን ገለ ኣረጋውያን ይህልዉ ይዀኑ። ሓደስቲ ተገደስቲ ዀኑ ንስኻ ቕድሚ ምውላድካ ንየሆዋ ኼገልግሉ ዝጀመሩ ኺህልዉ ይኽእሉ እዮም። ገሊኦም ብመንፈሳዊ መዳይ ብሱላት ኪዀኑ ኸለዉ: ገሊኦም ከኣ ብእተወሰነ ኣረኣእያታትን ልምድታትን ዓለም ኣጸቢቖም እተጸልዉ ይዀኑ። እምበኣር: ‘እቲ ዘቕርቦ ትምህርቲ ንሰማዕተይ ብኸመይ እዩ ዚጠቕሞም፧ ነቲ ቝም ነገር ብኸመይ ከረድኦም እኽእል፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት። ካብቶም ኣብዚ እተጠቕሱ ሓደ ወይ ክልተ ኽፋል እቲ ጕጅለ ብቐዳምነት ከተተኵረሎም ትውስን ትኸውን። እንተዀነ ግን: ነቶም ዝተረፉ ምሉእ ብምሉእ ኣይትረስዓዮም።
መሰረታዊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከተቕርብ እንተ ተመዲብካኸ፧ ከምዚ ዝኣመሰለ መደረ ነቶም ድሮ ነዚ ትምህርቲ እዚ ዚፈልጥዎ ሰማዕቲ ኸመይ ጌርካ ጠቓሚ ኽትገብሮ ትኽእል፧ ኣብኡ ዘለዎም እምነት ከተደልድል ጽዓር። ብኸመይ፧ በቲ ንዕኡ እተዋህበ ቕዱስ ጽሑፋዊ መርትዖታት ጌርካ መረዳእታ ብምሃብ ነዚ ኽትገብሮ ትኽእል። ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ትምህርቲ ዘለዎም ምርዳእ እውን ከተዕምቖ ትኽእል ኢኻ። እዚ ድማ እቲ ትምህርቲ ምስ ካልእ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስን ምስ ባህርያት የሆዋን ብኸመይ ከም ዚሰማማዕ ብምግላጽ ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ። ሰባት ነዚ ትምህርቲ እዚ ብምርዳኦም ብኸመይ ከም ዝጠቐሞምን ብዛዕባ መጻኢ ዘለዎም ኣረኣእያ ብኸመይ ከም ዝጸለዎን ዚገልጽ ናይ ሓቂ ተመክሮታት ዝሓዘ ኣብነታት ተጠቐም።
ግብራዊ ኣወዓዕላ ኣብ መደምደምታ እቲ መደረኻ ኣብ ዚርከብ ሒደት ክፋል ጥራይ ኣይትሕጸሮ። ነፍሲ ወከፍ ሰማዒኻ ኻብ ፈለማ ኣትሒዙ “እዚ ይምልከተኒ እዩ” ኺብል ኣለዎ። ነዚ መሰረት እዚ ምስ ኣንበርካ: ንነፍሲ ወከፍ ቀንዲ ነጥብታት ከተማዕብል ከለኻን ኣብ መደምደምታን ግብራዊ ኣወዓዕላ ግለጽ።
ኣወዓዕላ ኽትገልጽ ከለኻ: ምስ መሰረታዊ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብዚሰማማዕ መገዲ ግበሮ። እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ፍቕርን ሓልዮትን ብዜንጸባርቕ መገዲ ኽትገብሮ ኣሎካ ማለት እዩ። (1 ጴጥ. 3:8፣ 1 ዮሃ. 4:8) ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበረ ኣጸጋሚ ዅነታት ብዚምልከት ኪጽሕፍ ከሎ እውን ከይተረፈ: ነቲ ኣወንታዊ መዳይ: ማለት እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ክርስትያን ኣሕዋትን ኣሓትን ዝገበርዎ መንፈሳዊ ዕቤት ገሊጹ እዩ። ኣብቲ ዚገልጸሎም ዝነበረ ጕዳይ እውን: ቅኑዕ ዘበለ ኺገብሩ ኸም ዚደልዩ: ዘለዎ ምትእምማን ገሊጹ እዩ። (1 ተሰ. 4:1-12) እዝስ ክንስዕቦ ዚግባእ ከመይ ዝበለ ሰናይ ኣብነት ኰን እዩ!
መደረኻ ነቲ ብስራት ንሰባት ንምስባኽን ንምምሃርን ኣብ ዚግበር ዕዮ ንኺሳተፉ ዜነቓቕሕ ድዩ፧ ነዚ ፍሉይ ሓላፍነት እዚ ብርቱዕ ተገዳስነትን ሞሳን ከም ዚሓድሮም ግበር። ከምኡ ኽትገብር ከለኻ ግን: እቲ ውልቀ-ሰባት ኣብዚ ኺሳተፉሉ ዚኽእሉ መጠን ከም ዚፈላለ ኣይትረስዕ: መጽሓፍ ቅዱስ እውን ነዚ ኣብ ግምት የእቱ እዩ። (ማቴ. 13:23) ንኣሕዋትካ ብናይ ገበን ስምዒት ጾር ኣይተሰክሞም። እብራውያን 10:24 ‘ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ክንነቓቓሕ’ እያ እትምሕጸነና። ንፍቕሪ እንተ ኣነቓቒሕና: ኣብ ሰናይ ድራኸ እተመስረተ ግብሪ ኺህሉ እዩ። ሓደ ዓይነት ሕጊ ኺስዕቡ ግዲ ኣብ ክንዲ እትብል: የሆዋ ‘ብእምነት ክንእዘዞ’ ኸም ዚደልየና ኣስተውዕል። (ሮሜ 16:25adj.) ነዚ ኣብ ኣእምሮና ብምሓዝ: እምነትና ዀነ እምነት ኣሕዋትና ኸነደልድል ኢና እንደሊ።
ንሰባት እቲ ቝም ነገር ኪርድኡ ምሕጋዞም። ንሰባት ክትምስክር ከለኻ: ግብራዊ ጥቕሚ እቲ ብስራት ኣጕልሓሎም። ከምዚ ንኽትገብር ኣብ ኣእምሮ እቶም ኣብ ክልኻ ዚርከቡ ሰባት ዘሎ ነገር ኣብ ግምት ከተእቱ ኣሎካ። ነዚ ብኸመይ ክትፈልጦ ትኽእል፧ ኣብ ረድዮ ወይ ተለቪዥን ዜና ስማዕ። ኣብ ቀዳማይ ገጽ ጋዜጣ እንታይ ከም ዝወጸ ርአ። ንሰባት ከተዘራርቦም ጽዓር: ኪዛረቡ ኸለዉ ድማ ጽን ኢልካ ስምዓዮም። ምስ ካብ ስራሕ ምውጻእ: ክራይ ምኽፋል: ሕማም: ሞት ኣባል ስድራቤት: ሓደገኛ ገበን: ብዓል ስልጣን ዝገበሮ ዘይፍትሓውነት: ምብትታን ሓዳር: ንንኣሽቱ ውሉዳት ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ምግባር: ከምኡውን ምስ ከምዚ ዝኣመሰለ ኻልእ ዘየላቡ ጸገማት ይቃለሱ ኸም ዘለዉ ኽትፈልጥ ትኽእል ኢኻ። መጽሓፍ ቅዱስ ኪሕግዞም ይኽእል ድዩ፧ እወ: ብርግጽ ኪሕግዞም ይኽእል እዩ።
ከተዘራርቦም ክትጅምር ከለኻ: ኣብ ኣእምሮኻ ሓደ ርእሰ ነገር ይህልወካ ይኸውን። እንተዀነ ግን: እቲ ሰብ ካልእ ዘየላቡ ጸገም ከም ዘለዎ እንተ ሓቢሩካ: ትኽእል እንተ ዄንካ ብዛዕባ እቲ ነጥቢ እቲ ኣመያይጦ: ወይ ሓጋዚ ሓበሬታ ሒዝካ ኽትምለስ ምዃንካ ግለጸሉ። ልክዕ እዩ: ‘ኣብ ዘይስራሕና ኣይንኣቱን’ ኢና፣ እንተዀነ ግን: እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሒዝዎ ዘሎ ግብራዊ ማዕዳ ንኻልኦት ነካፍሎም ኢና። (2 ተሰ. 3:11 ትርጕም 1990) ንሰባት ልዕሊ ዅሉ ዚምስጦም ከኣ ንህይወቶም ዚትንክፍ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ማዕዳ እዩ።
ሰባት እቲ መልእኽትና ብኸመይ ብብሕቲ ኸም ዚጸልዎም ኪርድኦም እንተ ዘይክኢሉ: ነቲ ምሳና ዝጀመርዎ ዝርርብ ቀልጢፎም ኬቋርጽዎ ይኽእሉ እዮም። ዋላ እውን ክንዛረብ እንተ ፈቐዱልና: ነቲ ግብራዊ ጥቕሚ ኸነርእዮም ብዘይምኽኣልና ግን መልእኽትና ኣብ ህይወቶም ዳርጋ ጽልዋ ኣይህልዎን እዩ። ብኣንጻሩ ግን: ነቲ ግብራዊ ጥቕሚ እቲ መልእኽቲ እንተ ኣነጺርናሎም: ምይይጥና ኣብ ህይወት ሰባት መቐይሮ ኪኸውን ይኽእል እዩ።
መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትመርሕ ከለኻ: ወትሩ ነቲ ግብራዊ ኣወዓዕላኡ ኣጕልሕ። (ምሳ. 4:7) ንተመሃሮ ነቲ ብመገድታት የሆዋ ብኸመይ ከም ዚመላለሱ ዚሕብሮም ቅዱስ ጽሑፋዊ ማዕዳን ስርዓታትን ኣብነታትን ኣረድኣዮም። ነቲ ነዚ ብምግባር ዚርከብ ጥቕምታት ኣጕልሓሎም። (ኢሳ. 48:17, 18) እዚ ኸኣ ንተመሃሮ ኣብ ህይወቶም እቲ ዚድለ ለውጥታት ንኺገብሩ ኺድርኾም እዩ። ንየሆዋ ፍቕሪ ኸም ዜማዕብሉን ንኼሐጕስዎ ባህጊ ኸም ዚሓድሮምን ግበር: ድሕሪኡ እቲ ኻብ ቃል ኣምላኽ ዚወሃብ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ንምውዓሉ ዚስምዖም ድራኸ ኻብ ውሽጦም ኪመጽእ ሕደጎ።