ንህዝቢ ዚኸውን መደረታት ምድላው
ኣብ ሰሰሙን መብዛሕትአን ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ብዛዕባ ሓደ ቕዱስ ጽሑፋዊ ርእሰ ነገር ዚምልከት ህዝባዊ መደረ የዳልዋ እየን። ሽማግለ ወይ ኣገልጋሊ ጉባኤ እንተ ዄንካ: ንፉዕ ተዛራባይ ወይ መምህር ምዃንካ ተርኢ ዲኻ፧ ከምኡ እንተ ዄንካ: ህዝባዊ መደረ ኽትህብ ክትዕደም ኢኻ። ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ብዓሰርተታት ኣሽሓት ንዚቝጸሩ ኣሕዋት ነዚ ፍሉይ ናይ ኣገልግሎት መሰል እዚ ንኺበቕዑ ሓጊዝዎም እዩ። ህዝባዊ መደረ ኽትህብ ምስ ተመደብካ: ካበይ ኢኻ ኽትጅምር ዚግባእ፧
ነቲ ኣስተዋጽኦ ኣጽንዓዮ
ዝዀነ ይኹን ምርምር ቅድሚ ምግባርካ: ነቲ ኣስተዋጽኦ ኣንብቦ: ቀንዲ መልእኽቱ ኽሳዕ ዚርድኣካ ድማ ኣስተንትነሉ። ነቲ ፍረ ነገሩ: ማለት ነቲ ኣርእስቱ: ኣብ ኣእምሮኻ ሓዞ። ንሰማዕትኻ እንታይ ኢኻ ኽትምህሮም፧ እንታይ እዩ ዕላማኻ፧
ነቲ ቐንዲ ኣርእስትታት ኣጽንዓዮ። ነቲ ቐንዲ ነጥብታት ተንትኖ። ነፍሲ ወከፉ ምስቲ ፍረ ነገር ብኸመይ ይተኣሳሰር፧ ኣብ ትሕቲ ነፍሲ ወከፍ ቀንዲ ነጥቢ: እተፈላለየ ንኡሳን ነጥብታት ተዘርዚሩ ይርከብ እዩ። ነቲ ንኡሳን ነጥብታት ዚድግፍ ሓሳባት ከኣ ኣብ ትሕቲኡ ተዘርዚሩ ኣሎ። ነፍሲ ወከፍ ክፋል እቲ ኣስተዋጽኦ ምስቲ ቕድሚኡን ድሕሪኡን ዘሎ ብኸመይ ከም ዚተኣሳሰርን ዕላማ እቲ መደረ ንምውቃዕ ብኸመይ ከም ዚሕግዝን ሕሰብ። እቲ ፍረ ነገር: ዕላማ እቲ መደረ: ከምኡውን እቲ ቐንዲ ነጥብታት ነቲ ዕላማ እቲ ብኸመይ ከም ዚወቅዕ ሓንሳእ ምስ ተረድኣካ: ነቲ መደረ ኸተዳሉ ኽትጅምር ትኽእል ኢኻ።
ፈለማ ነቲ መደረኻ ኣብ ኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ ቐንዲ ነጥብታት እተኸፋፈለ ሓጸርቲ መደረታት ጌርካ እንተ ረኣኻዮ ሓጋዚ እዩ። ነዚ ኸኣ በብተራ ተዳለወሉ።
እቲ ኣስተዋጽኦ ንኽትዳሎ ዚሕግዝ ንዋት እዩ። መደረ ንኽትህበሉ ተባሂሉ እተዳለወ መዘኻኸሪ ኣይኰነን። ከም ኣስከሬን እዩ። ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ስጋ ኸተልብሶን ልቢ ኽትሰዅዓሉን ህያው ክትገብሮን ኣሎካ።
ቅዱሳት ጽሑፋት ምጥቃም
የሱስ ክርስቶስን ደቀ መዛሙርቱን ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተመርኲሶም እዮም ዚምህሩ ነይሮም። (ሉቃ. 4:16-21፣ 24:27፣ ግብ. 17:2, 3) ንስኻውን ከምኡ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ። ቅዱሳት ጽሑፋት ንመደረኻ መሰረት ኪኸውን ኣለዎ። ነቲ ኣብቲ ኣስተዋጽኦ እተጠቕሰ ሓሳባት ብዘይ ገለ ደገፍ ኣብ ክንዲ ምብራህን ኣወዓዕላኡ ምግላጽን: እዚ ሓሳባት እዚ ብቕዱሳት ጽሑፋት ብኸመይ ከም እተደገፈ ኣስተውዕል: ድሕሪኡ ኻብ ቅዱሳት ጽሑፋት ምሃር።
መደረኻ ኽትዳሎ ኸለኻ: ነቲ ኣብቲ ኣስተዋጽኦ ዚርከብ ነፍሲ ወከፍ ጥቕሲ መርምሮ። ነቲ ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ሓሳባት ኣስተብህለሉ። ገሊኡ ጥቕስታት ሓፈሻዊ ዅነታት ጥራይ እዩ ዜብርሃልካ። መደረ ኪቐርብ ከሎ: ኪንበብን ሓሳብ ኪወሃበሉን ዘለዎ ጥቕስታት ኵሉ ኣይኰነን። ንሰማዕትኻ ዝሓሸ ዘበለ ምረጽ። ነቲ ኣብቲ ኣስተዋጽኦ ዚርከብ ጥቕስታት እንተ ኣተኲርካሉ: ተወሳኺ ጥቕስታት ክትውከስ ኣየድልየካን እዩ።
መደረኻ ዕዉት ኪኸውን ዚኽእል: ብብዝሒ እተንብቦ ጥቕስታት ዘይኰነስ: ብኽእለት ኣመሃህራኻ እዩ። ጥቕሲ ኽትሕብሮም ከለኻ: ንምንታይ ከም እተጠቕሰ ግለጽ። ግዜ ወሲድካ ኣወዓዕላኡ ግለጸሎም። ሓንቲ ጥቕሲ ምስ ኣንበብካ: ክሳዕ እትገልጻ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስካ ኣይትዕጸፎ። ሰማዕትኻውን ከምኡ ኺገብሩ ይድረኹ ይዀኑ። ተገዳስነት ሰማዕትኻ ኣለዓዒልካ ኻብ ቃል ኣምላኽ ብዝያዳ ኸም ዚጥቀሙ ኽትገብር እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ (ነህ. 8:8, 12) ከምዚ ኽትገብር እትኽእል መግለጺ: ምሳሌ: ከምኡውን ኣወዓዕላ ብምጥቃም እዩ።
መግለጺ። ንሓንቲ ጥቕሲ ኽትገልጻ ኽትዳሎ ኸለኻ: ‘እዚኣ እንታይ ማለት እያ፧ ኣብ መደረይ ስለምንታይ እየ ዝጥቀመላ ዘለኹ፧ እቶም ሰማዕተይ ብዛዕባ እዛ ጥቕሲ እዚኣ እንታይ ይሓስቡ ይዀኑ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት። ነቲ ኣብ ከባቢ ዘሎ ሓሳባት: ንኣመዓባብላኡ: ነቲ እተጠቕሰትሉ ዅነታት: ንሓይሊ እቲ ቓላት: ከምኡውን ንዕላማ እቲ ብመንፈስ ተደሪኹ ዝጸሓፈ ጸሓፊ ተንቲንካ ኽትፈልጥ የድልየካ ይኸውን። እዚ ምርምር ይሓትት። ኣብቲ እቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ዜዳልዎ ጽሑፋት ኣኺሉ ዚተርፍ ጠቓሚ ሓበሬታ ትረክብ ኢኻ። (ማቴ. 24:45-47) ብዛዕባ እታ ጥቕሲ ዚምልከት ኵሉ ነገራት ክትገልጾ ኣይትፈትን: የግዳስ ምስቲ ኣብቲ መደረ ዘሎ ነጥቢ ብኸመይ ከም ዚተሓሓዝ ሓብር።
ምሳሌ። ዕላማ ምሳሌታት ንሰማዕትኻ ዝዓመቘ ምርዳእ ንኺህልዎም ወይ ሓደ ነጥቢ ዀነ መሰረታዊ ስርዓት ንኺዝክሩ ዚሕግዝ እዩ። ምሳሌታት ንሰባት ነቲ ዝነገርካዮም ነገር: ኣቐዲሞም ምስቲ ዚፈልጥዎ ነገር ንኼተኣሳስርዎ ይሕግዞም። የሱስ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ውሩይ ስብከት ከምኡ እዩ ገይሩ። ‘ኣዕዋፍ ሰማይ:’ “ዕምባባታት መሮር:” ‘ኣብ ከውሒ እተሰርሐት ቤት’: ከምኡውን ሓያሎ ነዚ ዚመስል ምሳሌታት ንትምህርቱ ሓያልን ንጹርን ዘይርሳዕን ገበሮ።—ማቴ. ምዕ. 5-7
ኣወዓዕላ። ንቕዱሳት ጽሑፋት ምግላጹን ብምሳሌ ምብራሁን ፍልጠት ይህብ: ኣወዓዕላኡ ምሕባር ግን ነቲ ፍልጠት ናብ ፍረ የብጽሖ። ልክዕ እዩ: ነቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እተዋህበ መልእኽቲ ኣብ ግብሪ ምውዓል ናይቶም ሰማዕቲ ሓላፍነት እዩ: እንታይ ኪገብሩ ኸም ዜድልዮም ንኼስተውዕሉ ግን ክትሕግዞም ትኽእል ኢኻ። ሰማዕትኻ ነቲ እትገልጾ ዘለኻ ጥቕሲ ኸም እተረድእዎን ምስቲ ነጥቢ ኸም ዘተሓሓዝዎን ምስ ተኣማመንካ: ኣብ እምነቶምን ኣካይዳኦምን እንታይ ጽልዋ ኼሕድር ከም ዚግብኦ ሓብሮም። ምስቲ እተገልጸ ሓቂ ዘይሰማማዕ ግጉይ ሓሳባት ወይ ሕማቕ ኣካይዳ ምውጋድ እንታይ ጥቕሚ ኸም ዘለዎ ኣጕልሕ።
ንጥቕስታት ብኸመይ ኣወዓዕላኡ ኸም እትገልጾ ኽትሓስብ ከለኻ: ሰማዕትኻ እተፈላለየ ኣተዓባብያን በበይኑ ዝዓይነቱ ዅነታትን ከም ዘለዎም ኣይትረስዕ። ሓደስቲ ተገደስቲ: መንእሰያት: ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት: እተፈላለየ ብሕታዊ ጸገማት ዘለዎም ኪህልዉ ይኽእሉ እዮም። መደረኻ ግብራውን ኣብ ክውንነት እተመስረተን ግበሮ። ንሒደት ውልቀ-ሰባት ሓሲብካ ትምዕድ ከም ዘለኻ ዜምስል ማዕዳ ኣይትሃብ።
እቲ ተዛራባይ ዚገብሮ ውሳነታት
ንመደረኻ ዚምልከት ገለ ውሳነታት ድሮ ተገይሩ እዩ። እቲ ቐንዲ ነጥብታት ብንጹር ተሓቢሩ: ንነፍሲ ወከፍ ቀንዲ ነጥቢ ንምግላጽ ዚወስዶ ግዜ እውን ብንጹር ተገሊጹልካ ኣሎ። ዝተረፈ ውሳነታት ንስኻ ኽትገብሮ ኣሎካ። ኣብ ገሊኡ ንኡስ ነጥብታት ዝያዳ ግዜ ወሲድካ: ኣብ ካልእ ዝወሓደ ግዜ ኽትወስድ ትኽእል ኢኻ። ንነፍሲ ወከፍ ንኡስ ነጥቢ ብማዕረ ደረጃ ኽትሽፍኖ ኸም ዚግባእ ጌርካ ኣይትሕሰብ። እዚ ነቲ መደረኻ ብጕያ ኸም እትሽፍኖን ንሰማዕትኻ ዚጭብጥዎ ኸም ዚስእኑን ኪገብር እዩ። ነየናይ ነጥቢ ኣስፊሕካ: ነየናዩ ኸኣ ኣሕጺርካ ወይ ንእግረ-መገድኻ ኸም እትገልጾ ብኸመይ ክትውስን ትኽእል፧ ንገዛእ ርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት:- ‘ኣየናይ ነጥብታት እዩ ነቲ ሕመረት እቲ መደረ ንኸመሓላልፍ ዚሕግዘኒ፧ ንሰማዕተይ ብዝያዳ ኺጠቕሞም ዚኽእል ኣየናይ እዩ፧ ገሊኡ ጥቕስታትን ምስኡ ዚተሓሓዝ ሓሳባትን ምግዳፈይ ነቲ ተኣሳሲሩ ዚቐርብ ዘሎ መርትዖ ይበትኮ ድዩ፧’
ግምታዊ ወይ ብሕታዊ ሓሳባት ከይተእቱ ተጠንቀቕ። እቲ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ እውን ከይተረፈ: ‘ካብ ርእሱ’ ኣይኰነን ተዛሪቡ። (ዮሃ. 14:10) ሰባት ናብ ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝመጹ: ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ኪግለጽ ከሎ ኺሰምዑ ምዃኑ ኣስተውዕል። ንፉዕ ተዛራባይ ገይሮም ዚርእዩኻ: መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ቃል ኣምላኽ እምበር ናብ ርእስኻ ኸም ዚትኰር ስለ ዘይትገብር እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ እዩ እተቕርቦ መደረታት ዚኽበር።—ፊል. 1:10, 11
ንሓደ ኣስተዋጽኦ ናብ ሓደ ብዙሕ መግለጺ ቕዱሳት ጽሑፋት ዝሓዘ መደረ ድሕሪ ምቕያርካ: ንመደረኻ ኽትለማመደሉ ኣሎካ። ነዚ ዓው ኢልካ እንተ ገበርካዮ ዝሓሸ እዩ። እቲ ኣገዳሲ ነገር: ኵሉ ነጥብታት ኣብ ኣእምሮኻ ብንጹር ምስፋሩ እዩ። ኣብቲ እተቕርቦ ብምሉእ ልብኻ ኽትሳተፍ: ንኣቀራርባኻ ህያው ክትገብሮ: ብዛዕባ ሓቂ ብውዕዉዕ ስምዒት ክትገልጽ ኣሎካ። መደረ ቕድሚ ምቕራብካ: ንገዛእ ርእስኻ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ሕተት:- ‘እንታይ ክፍጽም እየ ዝጽዕር ዘለኹ፧ ነቲ ቐንዲ ነጥብታት ኣጕሊሐዮ ድየ፧ ብሓቂዶ ንቕዱሳት ጽሑፋት መሰረት መደረይ ገይረዮ እየ፧ ነፍሲ ወከፍ ቀንዲ ነጥቢ ብባህርያዊ መገዲ ናብቲ ዚቕጽል ዚመርሕ ድዩ፧ እቲ መደረ ንየሆዋን ንምድላዋቱን ዘሎና ሞሳ ዜዕቢ ድዩ፧ እቲ መደምደምታ ምስቲ ፍረ ነገር ብቐጥታ ዚተሓሓዝን ሰማዕቲ እንታይ ኪገብሩ ኸም ዘለዎም ዚሕብሮምን ንኺገብርዎ ዜለዓዕሎምን ድዩ፧’ ነዘን ሕቶታት እዚኣተን ኣወንታዊ መልሲ ኽትህበለን ትኽእል እንተ ዄንካ: ንጥቕሚ እታ ጉባኤን ንውዳሰ የሆዋን ዚኸውን ‘ፍልጠት ንኸተንጠብጥብ’ ተዳሊኻ ኣለኻ ማለት እዩ።—ምሳ. 15:2