ኣስተዋጽኦ እተዳልወሉ መገዲ
ብዙሓት ሰባት መደረ ኬቕርቡ ምስ ተመደቡ: ካብ መእተዊ ጀሚሮም ክሳዕ መደምደምታ ንዅሉ ይጽሕፍዎ። ነቲ መደረ ቕድሚ ምዝዛሞም: ብዙሕ ሳዕ ጽሑፍ የዳልዉ። እዚ ኣሰራርሓ እዚ ሓያሎ ሰዓታት ኪወስድ ይኽእል እዩ።
ንስኻኸ በዚ ኸምዚ ዲኻ መደረኻ እትዳሎ፧ ካብዚ ዝቐለለ መገዲ ኽትመሃር ትደሊዶ፧ ኣስተዋጽኦ ኸመይ ጌርካ ኸም እተዳሉ እንተ ፈሊጥካ: ንዅሉ ነገራት በብሓደ ኽትጽሕፍ ኣየድልየካን እዩ። እዚ ኸኣ ነቲ መደረኻ ንኽትለማመዶ ዝያዳ ግዜ ንኽትረክብ የኽእለካ። እቲ መደረኻ ንኸተቕርቦ ቐሊል ጥራይ ዘይኰነስ: ሰማዕትኻ ንኺሰምዕዎ ባህ ዜብልን ንተግባር ዜለዓዕልን እውን ይኸውን።
ልክዕ እዩ: ነቲ ኣብ ጉባኤ ዚቐርብ ህዝባዊ መደረታት: መሰረታዊ ኣስተዋጽኦ ይለኣኽ እዩ። ንመብዛሕትኡ ኻልእ መደረታት ግን ከምዚ ኣይግበርን እዩ። ምናልባት ንመደረ ዚኸውን ሓደ ርእሰ ነገር ወይ ፍረ ነገር ጥራይ ይወሃበካ ይኸውን። ወይ እተወሰነ ተሓቲሙ ዝወጸ ጽሑፍ ክትሽፍን ትሕተት ትኸውን። ሓድሓደ ግዜ ሒደት መምርሒታት ጥራይ ይወሃበካ ይኸውን። ኣብ ኵሉ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኽፍልታት: ባዕልኻ ኣስተዋጽኦ ኸተዳሉ ኣሎካ።
ኣብ ገጽ 41 ዚርከብ መርኣዪ: ብኸመይ ሓጺር ኣስተዋጽኦ ኸም እተዳሉ ሓሳብ ኪህበካ ይኽእል እዩ። እቲ ቐንዲ ነጥብታት ብጸጋማይ ሕዳግ ተጸጊዑ ኸም ዚጅምርን ብድሙቕ ፊደላት ከም እተጻሕፈን ኣስተብህል። ኣብ ትሕቲ ነፍሲ ወከፍ ቀንዲ ነጥቢ: ንዕኡ ዚድግፍ ሓሳባት ተዘርዚሩ ኣሎ። ነዚ ነጥብታት እዚ ኼማዕብል ዚኽእል ተወሳኺ ነጥብታት ኣብ ትሕቲኡ ዀይኑ: ካብቲ ጸጋማይ ሕዳግ ንውሽጢ እትው ኢሉ ተዘርዚሩ ኣሎ። ነዚ ኣስተዋጽኦ ተጠንቂቕካ መርምሮ። እቲ ኽልተ ቐንዲ ነጥብታት ብቐጥታ ምስቲ ፍረ ነገር ከም ዚተሓሓዝ ኣስተብህል። እቲ ንኡስ ነጥብታት እውን ዚምስጥ ሓሳባት ጥራይ ዘይምዃኑ ተመልከት። ኣብ ክንዳኡስ: ነፍሲ ወከፉ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዚርከብ ቀንዲ ነጥቢ እዩ ዚድግፍ።
ኣስተዋጽኦ ኸተዳሉ ኸለኻ: ልክዕ ከምዚ መርኣዪ ኸይመስል ይኽእል እዩ። እቲ መሰረታዊ ስርዓቱ እንተ ተረዲኡካ ግን: ኣብ ውሽጢ እተወሰነ ግዜ ዜድልየካ ነጥብታት ክትውድብን ጽቡቕ መደረ ኽትዳሎን ትኽእል ኢኻ። ነዚ ኸመይ ጌርካ ኢኻ ኽትገብሮ እትኽእል፧
ተንትን: ምረጽ: ወድብ
እቲ እትዛረቦ መደረ ፍረ ነገር ኪህልዎ ኣለዎ። ፍረ ነገር ኪበሃል ከሎ: ብሓንቲ ቓል ኪግለጽ ዚኽእል ሰፊሕ ርእሰ ነገር ጥራይ ኣይኰነን። የግዳስ: ከተመሓላልፎ እትደሊ ቐንዲ ሓሳብ ኰይኑ: ነቲ ርእሰ ነገር ካብ ኣየናይ ኣንፈት ክትገልጾ ኸም እትደሊ ዚሕብር እዩ። ፍረ ነገር እንተ ተዋሂቡካ: ንነፍሲ ወከፍ ሒዝዎ ዘሎ ቐንዲ ቓላት ተጠንቂቕካ ተንትኖ። ካብ እተሓትመ ጽሑፍ ተበጊስካ ነቲ እተመደበልካ ፍረ ነገር ከተማዕብሎ እንተ ዄንካ: ነቲ ፍረ ነገር ኣብ ኣእምሮኻ ብምሓዝ: ነቲ ጽሑፍ ኣጽንዓዮ። ሓደ ሰፊሕ መዘራረቢ ርእሰ ነገር ጥራይ እንተ ተዋሂቡካ: ፍረ ነገር ምምራጽ ናትካ ሓላፍነት እዩ። ከምዚ ቕድሚ ምግባርካ ግን: እተወሰነ ምርምር ምግባር ሓጋዚ ዀይኑ ኽትረኽቦ ትኽእል ኢኻ። ኣእምሮኻ ኽፉት ብምግባር: መብዛሕትኡ ግዜ ሓድሽ ሓሳባት ትረክብ ኢኻ።
ነዚ ስጕምትታት እዚ ኽትወስድ ከለኻ: ‘እዚ መደረ እዚ ንሰማዕተይ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ዕላማይ እንታይ እዩ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት። ዕላማኻ ሓደ ጽሑፍ ንምሽፋን ወይ ዚምስጥ መደረ ንምሃብ ጥራይ ዘይኰነስ: ንሰማዕትኻ ሓደ ጠቓሚ ነገር ንኸተመሓላልፍ ኪኸውን ኣለዎ። ዕላማኻ ምስ ነጸረልካ: ጽሓፎ። ክትዳሎ ኸለኻ ብተደጋጋሚ ዘክሮ።
ዕላማኻ ምስ ኣነጸርካ: ምስኡ ዚሰማማዕ ፍረ ነገር ድማ ምስ መረጽካ (ወይ እቲ እተመደበልካ ፍረ ነገር ምስ ዕላማኻ ብኸመይ ከም ዚተኣሳሰር ምስ ገምገምካ): ብዝያዳ ኣተኲርካ ምርምር ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ንሰማዕትኻ ብሓቂ ዚጠቕሞም ሓሳባት ኣናዲ። ሓፈሻዊ ነጥብታት ጥራይ ዘይኰነስ: ብሓቂ መሃርን ሓጋዝን ዝዀነ ዝርዝር ነጥብታት ድለ። ኣብቲ ንምርምር እተሕልፎ ግዜ ሚዛንካ ሓሉ። ኣብ መብዛሕትኡ ኣጋጣሚታት: ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ኻብቲ እትጥቀመሉ ንላዕሊ ነጥብታት ክትረክብ ስለ እትኽእል: መራጺ ኽትከውን ኣሎካ።
ነቲ ፍረ ነገር ንምምዕባልን ዕላማኻ ንምውቃዕን: ነቲ ኽትገልጾ እትደሊ ቐንዲ ነጥብታት ፍለ። እዚ ኸም ኣስከሬን ኰይኑ ዜገልግል መሰረታዊ ኣስተዋጽኦ እዩ። ክንደይ ዚኣክል ቀንዲ ነጥብታት እዩ ኺህልወካ ዘለዎ፧ ምናልባት ንሓደ ሓጺር መደረ ኽልተ ቐንዲ ነጥብታት እኹል ይኸውን: ሓደ ሰዓት ዚወስድ መደረ እውን እንተ ዀነ መብዛሕትኡ ግዜ ሓሙሽተ ቐንዲ ነጥብታት ይኣኽሎ እዩ። እቲ ቐንዲ ነጥብታት ብዝወሓደ መጠን: እቶም ሰማዕትኻ ንኺዝክርዎ ይቐሎም።
ፍረ ነገርን ቀንዲ ነጥብታትን ኣብ ኣእምሮኻ ምስ ሓዝካ: ነቲ ብምርምር ዝረኸብካዮ ሓሳባት ወድቦ። ምስቲ ቐንዲ ነጥብታት ዚተሓሓዝ ኣየናይ ምዃኑ ወስን። ነቲ ኣቀራርባኻ ኸም ሓድሽ ዚገብሮ ዝርዝር ነጥብታት ምረጽ። ነቲ ቐንዲ ነጥብታት ዚድግፍ ጥቕስታት ክትመርጽ ከለኻ: ነቲ ብዚግባእ ከተረድኣሉ እትኽእል ጥቕስታት ኣስተብህለሉ። ነፍሲ ወከፍ ሓሳባት ኣብ ትሕቲ እቲ ንዕኡ ዚምልከት ቀንዲ ነጥቢ ኣእትዎ። ገለ ኻብቲ ሓበሬታ ምስ ገለ ኻብቲ ቐንዲ ነጥብታትካ ዘይቃዶ እንተ ዀይኑ: ዋላ እውን መሳጢ እንተ ዀነ ኣወግዶ: ወይ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ንኽትጥቀመሉ ኣብ ፋይልካ ኣቐምጦ። ነቲ ብሉጽ ሓሳባት ጥራይ ሓዝ። ብዙሕ ክትሽፍን እንተ ፈቲንካ: ኣመና እናቐልጠፍካ ስለ እትዛረብ መደረኻ ዕምቈት ዘይብሉ እዩ ዚኸውን። ስለዚ: ብሓቂ ንሰማዕቲ ጥቕሚ ዘለዎ ሒደት ነጥብታት ሒዝካ ብዚግባእ ከተመሓላልፎ ይምረጽ። ካብቲ እተመደበልካ ግዜ ኣይተሕልፍ።
ክሳዕ ሕጂ ነቲ ጽሑፍካ ብርትዓዊ መስርዑ እንተ ዘይሰሪዕካዮ: ሕጂ እትሰርዓሉ እዋን እዩ። ሉቃስ እቲ ጸሓፍ ወንጌል ከምኡ እዩ ገይሩ። ምስቲ ርእሰ ነገር ዚተሓሓዝ ብዙሕ ሓቅታት ድሕሪ ምእካቡ: “በብተራኡ” ሰርዖ። (ሉቃ. 1:3) ነቲ መደረኻ ብግዜ ወይ ብኣርእስቲ ኽትሰርዖ ትኽእል ኢኻ። ነዚ ንምግባር ድማ ምናልባት ከከም እቲ ዕላማኻ ንኽትወቅዕ ውጽኢታዊ ዚገብረልካ ኣቀራርባ: ምኽንያትን ሳዕቤንን ወይ ጸገምን መፍትሒኡን ጌርካ ኽትሰርዖ ትኽእል ኢኻ። ብሃንደበት ካብ ሓደ ሓሳባት ናብ ካልእ ክትዘልል የብልካን። ሰማዕትኻ ብዘይ ሃጓፍ ካብ ሓደ ሓሳባት ናብ ካልእ ብቐሊሉ ኽትመርሖም ኣሎካ። እቲ እተቕርቦ መርትዖ ብቐሊሉ ናብ መደምደምታ ዚመርሕ ኪኸውን ኣለዎ። ነቲ ነጥብታትካ ኽትሰርዖ ኸለኻ: እቲ ኣቀራርባኻ ንሰማዕቲ ኸመይ ከም ዚመስሎም ሕሰበሉ። ነቲ ሓሳባትካ ብቐሊሉ ኺስዕብዎ ይኽእሉዶ፧ ምስቲ ዕላማኻ ብምስምማዕ ነቲ ዝሰምዕዎ ኣብ ግብሪ ንኼውዕልዎ ይድረኹዶ ይዀኑ፧
ቀጺልካ: ብዛዕባ እቲ እትዛረቦ ርእሰ ነገርተገዳስነት ዜለዓዕልን እቲ እተቕርቦ መደረ ብሓቂ ኣገዳሲ ምዃኑ ዜርእን መእተዊ ኣዳሉ። ነተን እተወሰና ሒደት ምሉእ ሓሳባት ምጽሓፍ ሓጋዚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ መወዳእታ: ምስቲ ዕላማኻ ዚሰማማዕ ንተግባር ዜለዓዕል መደምደምታ ግበር።
ነቲ ኣስተዋጽኦኻ ኣቐዲምካ እንተ ኣዳሊኻዮ: ነቲ መደረ ቕድሚ ምቕራብካ ኸተጽርዮ ትኽእል ኢኻ። ገሊኡ ሓሳባት ብኣሃዛዊ ጸብጻብ: ብምሳሌ: ወይ ብተመክሮ ጌርካ ኽትድግፎ ትደሊ ትኸውን። ብእዋናዊ ዅነታት ወይ ኣብቲ ኸባቢ ኣገዳሲ ብዝዀነ ነጥብታት ጌርካ: እቲ ሓሳባት ምስ ህይወቶም ብኸመይ ከም ዚተኣሳሰር ከተርእዮም ትኽእል ኢኻ። መደረኻ ኽትደግሞ ኸለኻ: ነቲ ሓበሬታ ንሰማዕትኻ ኸም ዚጥዕም ጌርካ እተቕርበሉ ዝያዳ ኣጋጣሚታት ክትርኢ ትኽእል። ናይ ምትንታንን ምጽራይን መስርሕ: ጽቡቕ መደረ ንምድላው ኣገዳሲ እዩ።
ገሊኦም ተዛረብቲ ኻብ ካልኦት ዝሰፍሐ መዘኻኸሪታት ይደልዩ እዮም። እንተዀነ ግን: መደረኻ ብሒደት ቀንዲ ነጥብታት እንተ ወዲብካዮ: ነቲ ብሓቂ ነዚ ነጥብታት ዘይድግፍ ዘበለ እንተ ኣወጊድካዮ: ከምኡውን ሓሳባትካ ብርትዓዊ መገዲ እንተ ሰሪዕካዮ: ቍሩብ ተመክሮ ምስ ደለብካ: ኵሉ ነገራት ክትጽሕፍ ኣይኬድልየካን እዩ። እዝስ ክሳዕ ክንደይ ግዜ ዚቝጥብ ኰን እዩ! እቲ መደረኻ እውን ይመሓየሽ እዩ። ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ትጥቀም ከም ዘለኻ ንጹር ኪኸውን እዩ።