ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • be መጽናዕቲ 37 ገጽ 212-ገጽ 214 ሕ.ጽ. 5
  • ቀንዲ ነጥብታት ምጕላሕ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ቀንዲ ነጥብታት ምጕላሕ
  • ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ቀንዲ ነጥብታት ጐሊሑ
    ኣብ ምንባብን ኣብ ምምሃርን ትጋህ
  • ኣስተዋጽኦ እተዳልወሉ መገዲ
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ቀንዲ ነጥብታት ከልስ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2024
  • እተመደበልካ ጽሑፍ ምጥቃም
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
ዝያዳ ርአ
ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
be መጽናዕቲ 37 ገጽ 212-ገጽ 214 ሕ.ጽ. 5

መጽናዕቲ 37

ቀንዲ ነጥብታት ምጕላሕ

እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧

ነቲ ቐንዲ ነጥብታት ፍሉይ ኣቓልቦ ኸም ዚግበረሉ ጌርካ ነቲ እተቕርቦ ትምህርቲ ወድቦን ኣቕርቦን።

ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

እዚ ንዝኽረት ስለ ዚሕግዝ: ነቶም ዚሰምዕዎ ንኼስተንትኑሉን ኣብ ግብሪ ንኼውዕልዎን ኣበርክቶ ይገብር።

ኣብ ሓደ መደረ: ቀንዲ ነጥብታት ዚበሃል እንታይ እዩ፧ እዚ ንእግረ መገድኻ ኣሕጽር ኣቢልካ ዚጥቀስ ኣገዳሲ መዳያት ኣይኰነን። የግዳስ: እቲ ብነዊሕ እተዘርበሉ ኣገዳሲ ሓሳባት እዩ። ዕላማኻ ንምውቃዕ ዚሕግዝ ወሳኒ ሓሳባት እዩ።

ቀንዲ ነጥብታት ከም ዚጐልሕ እትገብረሉ ቐንዲ መገዲ: ኣመራርጻን ኣወዳድባን እቲ እተቕርቦ ትምህርቲ ብጥበብ ምስ እትገብሮ እዩ። ንሓደ መደረ ምርምር ክትገብር ከለኻ: መብዛሕትኡ ግዜ ኻብቲ ኽትጥቀመሉ እትኽእል ንላዕሊ ሓበሬታ ኢኻ እትረክብ። ኣየናይ ከም እትጥቀም ብኸመይ ክትውስን ትኽእል፧

ቀዳማይ: ንሰማዕትኻ ኣብ ግምት ኣእቱ። ነቲ እተቕርቦ ርእሰ ነገር ኣጸቢቖም ይፈልጥዎ ድዮም ኣይፈልጥዎን፧ መብዛሕትኦም ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባኡ ዚብሎ ነገር ይሰማምዑ ድዮም ወይስ ካብ መንጎኦም ዚጠራጠሩ ኣለዉ፧ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ርእሰ ነገር ዚብሎ ኺዓዩሉ ኺጽዕሩ ኸለዉ: ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም እንታይ ዓይነት ጸገማት እዩ ዜጋጥሞም፧ ካልኣይ: ነቲ ርእሰ ነገር ንሰማዕትኻ እትዛረበሉ ዕላማ ብንጹር ኣብ ኣእምሮኻ ሓዞ። ነዚ ኽልተ መምርሒ ብምጥቃም: ነቲ እተቕርቦ ትምህርቲ ገምግሞ: ብሓቂ ዜድሊ ጥራይ ከኣ ምረጽ።

ፍረ ነገርን ቀንዲ ነጥብታትን ዝሓዘ መሰረታዊ ኣስተዋጽኦ እንተ ተዋሂቡካ: ንዕኡ ኽትስዕብ ኣሎካ። ይኹን እምበር: ንነፍሲ ወከፍ ቀንዲ ነጥቢ ኸተስፍሖ ኸለኻ: ነዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ረቛሒታት ኣብ ኣእምሮኻ ምሓዝካ: ነቲ እተቕርቦ ትምህርቲ ብዝያዳ የመሓይሾ እዩ። ኣስተዋጽኦ እንተ ዘይተዋሂቡካ: ባዕልኻ ኢኻ ቐንዲ ነጥብታት ክትመርጽ ዘሎካ።

ቀንዲ ነጥብታት ብንጹር ኣብ ኣእምሮኻ ምስ ሓዝካን ነቲ ኣብ ትሕቲኡ እትጠቕሶ ዝርዝራት ምስ ወደብካን: መደረ ንኽትህብ ዝቐለለ እዩ ዚዀነልካ። ሰማዕትኻ እውን ካብዚ ብዝያዳ ኺጥቀሙ ይኽእሉ።

ነቲ እተቕርቦ ትምህርቲ እትውድበሉ እተፈላለየ መገድታት። ንቐንዲ ኣካል መደረኻ ኽትውድበሉ እትኽእል እተፈላለየ ኣገባባት ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ። ነዚ ኣገባባት ብዝያዳ እናፈለጥካዮ ብዝኸድካ መጠን: ከከም ዕላማኻ እተፈላለየ መገዲ ምጥቃም ውጽኢታዊ ኪኸውን ከም ዚኽእል ክትፈልጥ ኢኻ።

ብኣርእስቲ ምክፍፋል ተዓጻጻፊ ዝዀነ ኣገባብ እዩ። (ነፍሲ ወከፍ ቀንዲ ነጥቢ ነቲ ሰማዕትኻ ብዛዕባ እቲ ርእሰ ነገር ዘለዎም ምርዳእ ዚውስኸሎም ብምዃኑ ወይ ንዕላማ መደረኻ ንኽትወቅዕ ዚሕግዝ ብምዃኑ ኣድላዪ እዩ።) ካልእ ኣገባብ ከኣ ብመስርዕ ግዜ ምውዳብ እዩ። (ንኣብነት: ፈለማ ቕድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበረ ፍጻመታት ኪጥቀስ: ድሕሪኡ የሩሳሌም ብ70 ድ.ክ. ቅድሚ ምጥፋኣ ዝነበረ ፍጻመታት ኪስዕቦ: ካብኡ ቐጺሉ እውን ኣብዚ ግዜና ዘሎ ፍጻመታት ኪስዕቦ ይኽእል እዩ።) ሳልሳይ ኣገባብ ምኽንያትን ሳዕቤንን እዩ። (እዚ ኸከም ኣድላይነቱ ኺገላበጥ ይከኣል እዩ። ንኣብነት: በዚ ህሉው ኵነታት: ማለት ብሳዕቤን ብምጅማር: ድሕሪኡ ነቲ ምኽንያት ዝዀኖ ኺግለጽ ይከኣል።) ራብዓይ ሜላ ተጻረርቲ ነገራት የጠቓልል። (ጽቡቕን ሕማቕን ወይ ኣወንታውን ኣሉታውን ዘለዎ ፍልልይ ከተነጻጽር ትኽእል ኢኻ።) ሓድሓደ ግዜ: ሓደ መደረ ኻብ ሓደ ሜላ ንላዕሊ የጠቓልል እዩ።

እስጢፋኖስ ኣብ ቅድሚ እቲ ዋዕላ ኣይሁድ ብሓሶት ምስ ተኸሰሰ: መስርዕ ግዜ ዝሰዓበ ሓያል ዘረባ ተዛረበ። ነዚ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 7:2-53 ከተንብቦ ኸለኻ: ነቲ ነጥብታት ብዕላማ ኸም ዝመረጾ ኣስትብህል። ፈለማ እስጢፋኖስ: እቶም ሰማዕቲ ኪኽሕድዎ ዘይክእሉ ታሪኽ የዘንቱ ኸም ዘሎ ንጹር ገበረ። ድሕሪኡ: ዮሴፍ ብኣሕዋቱ እኳ ተቐባልነት እንተ ዘይረኸበ: ኣምላኽ ንምድሓን ከም እተጠቕመሉ ሓበረ። ቀጺሉ: ኣይሁድ ነቲ ኣምላኽ ዚጥቀመሉ ዝነበረ ሙሴ ዘይእዘዙ ምንባሮም ገለጸ። እቶም ንየሱስ ክርስቶስ ከም ዚቕተል ዝገበርዎ ሰባት: ነቲ እቶም ኣቐዲሞም ዝነበሩ ወለዶታት ኣይሁድ ዘንጸባረቕዎ መንፈስ የርእዩ ኸም ዝነበሩ ብምጕላሕ ዘረባኡ ዛዘመ።

ቀንዲ ነጥብታት እምብዛ ኣይተብዝሕ። ዝዀነ ይኹን ፍረ ነገር ንምድጋፍ ሒደት መሰረታዊ ነገራት ጥራይ እዩ ዜድሊ። ኣብ መብዛሕትኡ ጕዳያት እዚ ኻብ ሓሙሽተ ቐንዲ ነጥብታት ዚበዝሕ ኣይኰነን። ን5 ደቒቕ: ን10 ደቒቕ: ን30 ደቒቕ: ወይ ንዝነውሐ ግዜ ተዛረብ ብዘየገድስ: ካብዚ ዚበዝሕ ቀንዲ ነጥብታት ኣየድልየካን እዩ። ኣመና ብዙሕ ቀንዲ ነጥብታት ከተጕልሕ ኣይትፈትን። ሰማዕትኻ ኻብ ሓደ መደረ ሒደት ሓሳባት ጥራይ እዮም ኪሕዙ ዚኽእሉ። እቲ መደረ ብዝነውሐ መጠን ከኣ: እቲ ቐንዲ ነጥብታት ዝያዳ ኺጐልሕን ኪንጽርን ኣለዎ።

እትጥቀሞ ብዝሒ ቐንዲ ነጥብታት ብዘየገድስ: ነፍሲ ወከፉ ብዚግባእ ኪበርህ ኣለዎ። እቶም ሰማዕቲ ነቲ ቐንዲ ነጥብታት ኣብ ኣእምሮኦም ምእንቲ ኪቐርጽዎ: ንነፍሲ ወከፍ ቀንዲ ነጥቢ ንኺምርምሩ ዜኽእሎም እኹል ግዜ ሃቦም።

መደረኻ ቐሊል ከም ዝዀነ ኺስምዖም ኣለዎ። እዚ ወትሩ ኣብቲ ዚቐርብ መጠን እቲ ትምህርቲ ኣይኰነን ዚምርኰስ። እቲ ሓሳባትካ ኣብ ትሕቲ ሒደት ቀንዲ ኣርእስትታት እንተ ተጠርኒፉ: ነዚ ኸኣ በብሓደ እንተ ኣብሪህካዮ: እቲ መደረ ንምክትታሉ ቐሊል ከምኡውን ብቐሊሉ ዘይርሳዕ ይኸውን።

ቀንዲ ነጥብታትካ ኣጕልሕ። እተቕርቦ ትምህርቲ ብግቡእ እንተ ተወዲቡ: ንኣገዳስነት እቲ ቐንዲ ነጥብታትካ በቲ ኣቀራርባኻ ጌርካ ንምጕላሕ ኣጸጋሚ ኣይከውንን እዩ።

ንሓደ ቐንዲ ነጥቢ እተጕልሓሉ ቐንዲ መገዲ: እቲ መርትዖ ዚኸውን ነጥብታት: ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚቐርብ ጥቕስታት: ከምኡውን ካልእ ሓሳባት ኣብቲ ቐንዲ ነጥቢ ኸም ዜተኵርን ንዕኡ ኸም ዜብርሆን ጌርካ ምቕራብ እዩ። ኵሉ ብኻልኣይ ደረጃ ዚስራዕ ነጥብታት ነቲ ቐንዲ ነጥብታት ዜነጽሮ: ዜረጋግጾ: ወይ ዜጕልሖ ኪኸውን ኣለዎ። ነቲ ጕዳይ ዘይምልከት ሓሳባት መሳጢ ስለ ዝዀነ ኢልካ ጥራይ ኣይትጠቐመሉ። ብኻልኣይ ደረጃ ዚስራዕ ነጥብታት ክትገልጽ ከለኻ: ምስቲ ዚድግፎ ቐንዲ ነጥቢ ዘለዎ ምትእስሳር ብንጹር ኣርኢ። እቶም ሰማዕትኻ ባዕሎም ኪፈልጥዎ ኣይትሕደጎ። እቲ ኣብ መንጎኡ ዘሎ ምትእስሳር ንምሕባር: ነቲ ቐንዲ ሓሳባት ዚገልጽ ቀንዲ ቓላት ምድጋም ወይ ነቲ ቐንዲ ነጥቢ ኣሕጽር ኣቢልካ ጸጸኒሕካ ምድግጋም ይከኣል እዩ።

ገሊኦም ተዛረብቲ ነቲ ቐንዲ ነጥብታት ብቝጽሪ ብምዝርዛር የጕልሕዎ። እዚ ሓደ ኻብቲ ቐንዲ ነጥብታት እተጕልሓሉ መገዲ ኪኸውን ከሎ: ቀንዲ ነጥብታት ብጥንቃቐ ምምራጽን ብስነ-መጐታዊ መገዲ ምብራሁን ግን መተካእታ የብሉን።

ነቲ ቐንዲ ነጥቢ ዚድግፍ መርትዖ ቕድሚ ምቕራብካ: ኣቐዲምካ ኽትጠቕሶ ትመርጽ ትኸውን። እዚ ኸኣ ንሰማዕቲ ነቲ ስዒቡ ዚመጽእ ሓሳባት ዘለዎ ኣገዳስነት ንኺርድእዎ ይሕግዞም: ነቲ ቐንዲ ነጥቢ እውን የጕልሖ እዩ። ነቲ ነጥቢ እቲ ኸኣ ምሉእ ብምሉእ ምስ ኣብራህካዮ ደጊምካ ብምጥቃስ ከተጕልሖ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ። እቲ ኣብ ላዕሊ ተገሊጹ ዘሎ መሰረታዊ ስርዓታት ንወግዓዊ መደረታት ጥራይ ዘይኰነስ: ነቲ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ እትገብሮ ዝርርባት እውን ዚዓዪ እዩ። ክትዳሎ ኸለኻ: ነቲ ኣብ ኣእምሮ እቶም ኣብ ከባቢኻ ዚነብሩ ሰባት ዘሎ ዝዀነ ይኹን ዓበይቲ ዅነታት ኣብ ግምት ኣእቱ። መጽሓፍ ቅዱስ ዚህቦ ተስፋ ነቲ ዅነታት ብኸመይ ከም ዚፈትሖ ንኽትገልጽ ኣጋጣሚ ዚህበካ ፍረ ነገር ምረጽ። ነቲ ፍረ ነገር ንምብራህ ምናልባት ክልተ ቐንዲ ነጥብታት ሕረ። ነዚ ነጥብታት እዚ ንምድጋፍ ኣየኖት ጥቕስታት ከም እትጥቀም ወስን። ድሕሪኡ ብኸመይ ምይይጥ ከም እትጅምር መደብ ግበር። ከምዚ ዝኣመሰለ ምድላው: ነቲ ኣብ ዝርርብ ዜድሊ ምትዕጽጻፍ ዜፍቅድ እዩ። እቲ ብዓል ቤት ዚዝክሮ ሓደ ነገር ንኽትዛረብ እውን ይሕግዘካ እዩ።

ብኸመይ ከም እትገብሮ

  • ቀንዲ ነጥብታት ቅድሚ ምምራጽካ: ሰማዕትኻ ብዛዕባ እቲ ርእሰ ነገር እንታይ ከም ዚፈልጡ ኣብ ግምት ኣእቱ: ዕላማኻ እንታይ ከም ዚኸውን ድማ ወስን። ነዚ ረቛሒታት እዚ ኣብ ኣእምሮኻ ብምሓዝ: ነቲ እተቕርቦ ትምህርቲ ወድቦ።

  • እቲ ንኺድግፍ ተባሂሉ ዚወሃብ መርትዖ ዚኸውን ነጥብታትን ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚቐርብ ጥቕስታትን ካልእ ሓሳባትን ምስቲ ቐንዲ ነጥብታት ዘለዎ ምትእስሳር ብንጹር ኣርኢ።

  • ናብ ነፍሲ ወከፍ ቀንዲ ነጥቢ ኸም ዚትኰር ግበር። ነዚ ኸኣ ብቝጽሪ ብምዝርዛር: ነቲ ቐንዲ ነጥቢ ዚድግፎ ሓሳባት ቅድሚ ምቕራብካ ንነፍሲ ወከፉ ኣቐዲምካ ብምጥቃስ: ወይ ነቲ ነጥቢ ድሕሪ ምብራህካ ደጊምካ ብምጥቃስ ኪግበር ይከኣል።

መላመዲ:- ኣብዛ ሰሙን እዚኣ ኻብ ግምቢ ዘብዐኛ እትጽናዕ ዓንቀጽ እንደገና ርኣያ። በቲ ብድሙቕ ዚጸሓፍ ንኡስ ኣርእስትታትን በቲ ኣብ መምሃሪ ሳጹን ዚርከብ ሕቶታትን ጌርካ: ነቲ ቐንዲ ነጥብታት ከተለለዮ ጽዓር። ነዚ ኣብ ሰሰሙን ምግባሩ ጠቓሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ