መጽናዕቲ 25
ኣስተዋጽኦ እትጥቀመሉ መገዲ
ካብ ኣስተዋጽኦ ምዝራብ ዚብልዎ ሓሳብ: ንብዙሓት የፍርሆም እዩ። ንዅሉ እቲ ዚብልዎ እንተ ጽሒፎምዎ ወይ እንተ ሸምዲዶምዎ እዩ ዚፈዅሶም።
ከም ሓቂ ግን: ኵሉ እቲ ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታት እንዛረቦ ነገራት ቃል ብቓሉ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ኣይኰነን። ንስድራቤትና ወይ ንፈተውትና ኸነዘራርቦም ከለና: ካብ ጽሑፍ ኣይኰንናን እንዛረቦም። ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ እውን ከምኡ እዩ። ንብሕትና ዀነ ንጕጅለ ሰባት ልባዊ ጸሎት ከነቕርብ ከለና እውን: ሸምዲድና ኣይኰንናን እንዛረብ።
መደረ ኸተቕርብ ከለኻ: ንዅሉ እንተ ጽሒፍካዮ ወይ ኣስተዋጽኦ ጥራይ እንተ ሒዝካ ለውጢ የምጽእ ድዩ፧ ካብ እተዳለወ ጽሑፍ ምንባብ ንልክዕነት እቲ ዚበሃል ሓሳባትን ነቲ ዚምረጽ ቃላትን ውሕስነት ዚኸውን እኳ እንተ ዀነ: ልቢ ንምትንካፍ ግን ዚምረጽ ኣይኰነን። ብዝሕ ዝበለ ምሉእ ሓሳባት ከተንብብ ከለኻ: ካብቲ ምስ ካልእ ሰብ ክትዘራረብ ከለኻ እትጥቀመሉ ፍጥነትን ኣቀያይራ ቓናን እተፈልየ ኢኻ እትጥቀም። ኣብ ክንዲ ናብ ሰማዕትኻ ብዝያዳ ናብ ወረቓቕትኻ ተተኵር እንተ ደኣ ዄንካ: ብዙሓት ሰማዕቲ ብሓቂ ብዛዕባኦም ከም እትሓስብን ነቲ ትምህርቲ ምስ ኵነታቶም ዚሰማማዕ ጌርካ ኸም እተቕርቦን ገይሮም ኣይሰምዑኻን እዮም። ዜነቓቕሕ መደረ ንምቕራብ: ብናትካ ቓላት ጌርካ ምዝራብ እቲ ዝበለጸ እዩ።
ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ኣብ መዓልታዊ ናብራና ንኺሕግዘና ተባሂሉ እዩ ተዳልዩ። ምስ ፈተውትና ኽንራኸብ ከለና: ብሉጽ ቃላት ንኽንጥቀም ኢልና ኻብ ጁባና ወረቐት ብምውጻእ ሓሳባትና ኣይነንብበሎምን ኢና። ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ንሰባት ክንነግሮም ዝሓሰብናዮ ገለ ነጥብታት ከይንርስዕ ኢልና: ንዅሉ እንብሎ ጽሒፍና ብምኻድ ኣይነንብቦን ኢና። ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ብኸመይ ከም እንምስክር መርኣያ ኸነቕርብ ከለና: ብእተኻእለ መጠን ብባህርያዊ መገዲ ኸነቕርቦ ኢና እንጽዕር። ጽቡቕ ጌርካ እንተ ተዳሊኻ: እቲ ኣብ ኣእምሮኻ ወይ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ኣስተዋጽኦ: ነቲ ኽትመያየጠሉ ዝደለኻ ቐንዲ ሓሳባት ንምዝካር እኹል እዩ። ካብዚ ተበጊስካ ሓሳባትካ ንምግላጽ ዜኽእል ምትእምማን ከተማዕብል እትኽእል ግን ብኸመይ ኢኻ፧
ሓሳባትካ ወድብ። ክትዛረብ ከለኻ ኣብ ኣእምሮኻ ዝሓዝካዮ ኣስተዋጽኦ ኽትጥቀም እንተ ዄንካ: ሓሳባትካ ኽትውድቦ ኣሎካ። ከምዚ ኺበሃል ከሎ ግን ነቲ ኽትጥቀመሉ ዝመደብካዮ ቓላት ምምራጽ ማለት ኣይኰነን። ብሓጺሩ ቕድሚ ምዝራብካ ምሕሳብ ማለት እዩ።
ህዉኽ ሰብ ኣብ መዓልታዊ ህይወቱ ደሓር ዜጣዕሶ ዘረባ ኸይሓሰበ ይዛረብ እዩ። ገሊኡ ሰብ ከኣ ካብ ሓደ ሓሳብ ናብ ካልእ እናዘለለ ኣንፈቱ ዘይፍለጥ ዘረባ ይዛረብ። ዘረባ ቕድሚ ምጅማርካ ሓንሳእ ደው ኢልካ ቐሊል ኣስተዋጽኦ ኣብ ኣእምሮ ብምድላው ነዚ ኽልቲኡ ጸገማት እዚ ኸተወግዶ ትኽእል ኢኻ። ፈለማ: ንሸቶኻ ብንጹር ሓዞ: ቀጺልካ ነዚ ሸቶ እዚ ንምውቃዕ ዜድሊ ስጕምትታት ምረጽ: ድሕሪኡ ኽትዛረብ ጀምር።
ንኣገልግሎት ወፍሪ ዲኻ እትዳሎ ዘለኻ፧ ናይ ምስክርነት ቦርሳኻ ጥራይ ዘይኰነስ: ሓሳባትካ እውን ንምውዳብ እተወሰነ ግዜ ውሰድ። ንገለ ኻብቲ ኣብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ዝወጸ ኣቀራርባታት ክትጥቀመሉ እንተ ወሲንካ: ነቲ ቐንዲ ነጥብታት ኣብ ኣእምሮኻ ብንጹር ንምሓዝ ደጋጊምካ ዓው ኢልካ ኣንብቦ። ነቲ ፍረ ነገር ብሓደ ወይ ክልተ ሓጸርቲ ምሉእ ሓሳባት ጥቐሶ። ነቲ ቓላቱ ኸምቲ ንዓኻን ነቲ ኣብ ክልኻ ዘሎ ዅነታትን ዚምሽእ ግበሮ። ኣብ ኣእምሮኻ ኣስተዋጽኦ ምሓዝካ ጠቓሚ ዀይኑ ኽትረኽቦ ኢኻ። እዚኸ እንታይ ዜጠቓልል ኪኸውን ይኽእል፧ (1) ንብዙሓት ኣብ ማሕበረሰብካ ዘለዉ ሰባት ዜገድሶም ነገር ከም መእተዊ ትጠቕሶ ትኸውን። ድሕሪኡ ነቲ ሰብ ሓሳቡ ኺህብ ዓድሞ። (2) ብዛዕባ እቲ ርእሰ ነገር እቲ ኸተካፍሎ እትደሊ ሓደ ንጹር ነገር ኣብ ኣእምሮኻ ሓዝ፣ ኣምላኽ እፎይታ ንኼምጽእ እንታይ ከም እተመባጽዐ እትገልጽ ሓንቲ ወይ ክልተ ጥቕሲ ጥቐስ። ኣጋጣሚ እንተ ተኸፊቱልካ: የሆዋ ብሰማያዊት መንግስቱ ኣቢሉ ነዚ ኺገብሮ ኸም ዝመደበ ኣጕልሕ። (3) ነቲ ሰብ ብመሰረት እቲ እተዘራረብኩምሉ ነገር እተወሰነ ስጕምቲ ኺወስድ ኣተባብዓዮ። ጽሑፍ ከተበርክተሉ ወይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪገብር ዚደሊ እንተ ዀይኑ ኽትሓቶ ትኽእል ኢኻ። ነቲ ምይይጥ ንምቕጻል ድማ ንጹር ቈጸራ ግበር።
ንኸምዚ ዝኣመሰለ ኣቀራርባ ዜድልየካ ኣስተዋጽኦ: ኣብ ኣእምሮ እተስፍሮ ጥራይ እዩ ኪኸውን ዚኽእል። ናይ መጀመርታ ሰብ ቅድሚ ምዝርራብካ ኣብ ጽሑፍ ዚሰፈረ ኣስተዋጽኦ ኽትውከስ ትደሊ እንተ ደኣ ዄንካ: እቲ ኣስተዋጽኦ ንመእተዊ ዚኸውን ሒደት ቃላት: ሓደ ወይ ክልተ ጥቕሲ: ከምኡውን ኣብ መደምደምታኻ ኽትብሎ ዝሓሰብካ ሓጺር መዘኻኸሪ ጥራይ ዝሓዘ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣስተዋጽኦ ምድላውናን ምጥቃምናን ዓጀውጀው ንኸይንብል የኽእለና: ንምዝካሩ ቐሊል ዝዀነ ንጹር መልእኽቲ ንኸነመሓላልፍ ድማ ይሕግዘና።
ኣብ ክልኻ ብተደጋጋሚ ሓደ ዓይነት ሕቶ ወይ ተቓውሞ ዚለዓል እንተ ዀይኑ: ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ምርምር ምግባር ሓጋዚ ዀይኑ ኽትረኽቦ ትኽእል ኢኻ። መብዛሕትኡ ግዜ: ነቲ ጕዳይ መሰረት ዚኸውን ክልተ ወይ ሰለስተ መሰረታዊ ነጥብታትን ነዚ ዚኸውን ጥቕስታትን ምሓዝ ጥራይ ኣኻሊ እዩ። “ንምይይጥ ዚኸውን ኣርእስትታት መጽሓፍ ቅዱስ” ወይ ኣብታ ሪዝኒን ፍሮም ዘ ስክሪፕቸርስ ዚርከብ ብድሙቕ እተጻሕፈ ንኡስ ኣርእስታት: ነቲ እትደልዮ ኣስተዋጽኦ መሰረት ኪዀነካ ይኽእል እዩ። ኣብዚ ኸተጠቓልሎ እትደሊ ጽቡቕ ጥቕሲ ኻብ ካልእ ምንጪ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ። ሕጽር ዝበለ ኣብ ወረቐት ዝሰፈረ ኣስተዋጽኦ ኣዳሉ: ነቲ ኻብ ካልእ ምንጪ ዝረኸብካዮ ጥቕሲ ፎቶኮፒ ጌርካ ምስኡ ኣተሓሕዞ: ነዚ ኸኣ ምስቲ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ እትጥቀመሉ ናውቲ ኣቐምጦ። ሓደ ብዓል ቤት ከምዚ ዓይነት ሕቶ ወይ ተቓውሞ ምስ ዜልዕል: ነቲ እትኣምነሉ ነገር ምኽንያቱ ንኽትገልጽ ኣጋጣሚ ስለ ዝኸፈተልካ ኸም ዜሐጐሰካ ሓብሮ። (1 ጴጥ. 3:15) ነቲ ኣስተዋጽኦ ንመልስኻ መሰረት ከም ዚኸውን ግበሮ።
ንስድራቤትካ: ንናይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ጕጅለኻ: ወይ ንጉባኤኻ ወኪልካ ኽትጽሊ ኸለኻ: ሓሳባትካ ምውዳብካ ይጠቕመካ እዩ። ብመሰረት ሉቃስ 11:2-4: የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ትርጕም ዘለዎ ጸሎት ንኬቕርቡ ዚሕግዞም ቀሊል ኣስተዋጽኦ ሂብዎም እዩ። እታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤተ መቕደስ ኣብ እትውፈየሉ እዋን: ሰሎሞን ነዊሕ ጸሎት ኣቕረበ። ብዛዕባ እቲ ርእሰ ነገር ኣቐዲሙ ኸም ዝሓሰበሉ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ፈለማ ኣብ የሆዋን ኣብቲ ንዳዊት ዝኣተዎ መብጽዓን፣ ድሕሪኡ ኣብታ ቤተ መቕደስ፣ ኣብ መወዳእታ ኸኣ በብተራ ኣብ እተፈላለየ ዅነታትን ጕጅለታት ሰባትን ኣተኰረ። (1 ነገ. 8:22-53) ካብዚ ኣብነታት እዚ ኽንጥቀም ንኽእል ኢና።
እቲ ንመደረኻ እተዳልዎ ኣስተዋጽኦ ቐሊል ግበሮ። ኣስተዋጽኦኻ መደረ ኽትህብ ከለኻ ንኽትጥቀመሉ ኢልካ እተዳልዎ ድዩ፧ ክንደይ ዚኣክል ነጥብታት እዩ ኺሕዝ ዘለዎ፧
ኣስተዋጽኦ ሓሳባት ንኼዘክረካ ተባሂሉ ኸም ዚዳሎ ኣይትረስዕ። ኣብ መእተዊ ኽትጥቀመሉ እትደሊ እተወሰነ ምሉእ ሓሳባት ምጽሓፍ ጠቓሚ ዀይኑ ይስምዓካ ይኸውን። ድሕሪኡ ግን: ኣብ ቃላት ዘይኰነስ: ኣብ ሓሳባት ኣተኵር። ነቲ ሓሳባት ከም ምሉእ ሓሳባት ጌርካ ኸተስፍሮ እንተ ደሊኻ: ሓጺር ግበሮ። እቲ ኸተማዕብሎ ዝደለኻ ሒደት ቀንዲ ነጥብታት ኣብቲ ኣስተዋጽኦኻ ብንጹር ጐሊሑ ኺርአ ኣለዎ። ነዚ ኸኣ ብድሙቕ ፊደላት ብምጽሓፍ: ነቲ ነጥብታት ብምስማር: ወይ ብኻልእ ሕብሪ ብምጽሓፍ ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ትሕቲ ነፍሲ ወከፍ ቀንዲ ነጥቢ: ነቲ ኸተማዕብሎ ዝደለኻ ሓሳባት ዚገልጽ ዝርዝር ኣስፍር። ነቲ ኸተንብቦ ዝመደብካ ጥቕስታት ጽሓፍ። መብዛሕትኡ ግዜ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ይምረጽ። ነቲ ኽትጥቀመሉ ዝመደብካ ምሳሌታት መዝግቦ። ብተወሳኺውን ኣገዳሲ ዓለማዊ ጥቕስታት ክትምዝግብ ትኽእል ኢኻ። እቲ መዘኻኸሪኻ ነቲ ዝርዝር ሓቅታት እውን ዜጠቓልል ኪኸውን ኣለዎ። እቲ ኣስተዋጽኦ ጽፉፍ እንተ ዀይኑ: ንኽትጥቀመሉ ዝቐለለ እዩ ዚኸውን።
ገሊኦም ኣዝዩ መሰረታዊ ዝዀነ ኣስተዋጽኦ እዮም ዚጥቀሙ። ሓደ ኣስተዋጽኦ: ሒደት ቀንዲ ቓላት: እቲ ተዛራባይ ካብ ኣእምሮኡ ዚጠቕሶ ጥቕስታት: ከምኡውን ሓሳባት ንኺዝክር ዚሕግዞ ስእልታት ኪህልዎ ይኽእል እዩ። ሓደ ተዛራባይ በዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ቐሊል መዘኻኸሪታት ገይሩ ንመደረኡ ብስነ-መጐታዊ መስርዕን ምስ ካልእ ይዘራረብ ከም ዘሎ ገይሩን ኬቕርቦ ይኽእል እዩ። ናይዚ ትምህርቲ እዚ ዕላማ እውን እዚ እዩ።
ካብ ገጽ 39 ክሳዕ 42 እዛ መጽሓፍ እዚኣ: “ኣስተዋጽኦ እተዳልወሉ መገዲ” ዘርእስቱ ትምህርቲ ትረክብ ኢኻ። ነዚ “ኣስተዋጽኦ እትጥቀመሉ መገዲ” ዘርእስቱ መጽናዕቲ ኽትዓየሉ ኸለኻ: ነቲ ኣቐዲሙ ዘሎ ጽሑፍ ምንባብካ ኣዝዩ ሓጋዚ እዩ።
ኣስተዋጽኦ ብኸመይ ከም እትጥቀም። ኣብዚ ነጥቢ እዚ ዘሎካ ሸቶ ግን: ንመደረኻ ብኣስተዋጽኦ መልክዕ ጌርካ ምድላው ዘይኰነስ: ነቲ ኣስተዋጽኦ ብዚግባእ ምጥቃም እዩ።
ንኣስተዋጽኦኻ ንኽትጥቀመሉ ኽትገብሮ ዘሎካ ቐዳማይ ስጕምቲ ንኸተቕርቦ ምድላው እዩ። ነቲ ፍረ ነገር ተመልከቶ: ንነፍሲ ወከፍ ቀንዲ ነጥቢ ኣንብቦ: ነዚ ድማ ምስቲ ፍረ ነገር ኣተሓሕዞ። ንነፍሲ ወከፍ ቀንዲ ነጥቢ ኽንደይ ዚኣክል ግዜ ኺምደበሉ ኸም ዚግባእ ኣስተብህለሉ። ድሕርዚ ንድሕሪት ተመሊስካ ነቲ ናይ መጀመርታ ቐንዲ ነጥቢ ኣጽንዓዮ። ነቲ ኽትጥቀመሉ ዝሓሰብካ መርትዖታት: ጥቕስታት: ምሳሌታት: ኣብነታት እንደገና ድገሞ። እቲ ኽፋል መደረኻ ኣብ ኣእምሮኻ ብንጹር ክሳዕ ዚሰርጽ ደጋጊምካ ሕለፎ። ንነፍሲ ወከፍ ቀንዲ ነጥቢ ኸምኡ ግበር። ኣድላዪ እንተ ዀይኑ: ኣብ ሰዓትካ ምእንቲ ኽትውድእ እንታይ ከተትርፍ ከም እትኽእል ሕሰበሉ። ድሕሪኡ ኸም ብሓድሽ ንብምሉኡ እቲ መደረ ድገሞ። ኣብ ሓሳባት ደኣ እምበር: ኣብ ቃላት ኣይተተኵር። ነቲ መደረ ኣይትሸምድዶ።
ነቲ መደረ ኸተቕርብ ከለኻ: ንሰማዕትኻ ብዚግባእ ክትጥምቶም ኣሎካ። ጥቕሲ ድሕሪ ምንባብካ: መብዛሕትኡ ግዜ ናብ መዘኻኸሪኻ ኸይተመለስካ በቲ መጽሓፍ ቅዱስካ ተጠቒምካ ነታ ጥቕሲ ኸተረድኦም ክትክእል ኣሎካ። ብተመሳሳሊ ምሳሌ ኽትጥቀም እንተ ዄንካ: ካብ መዘኻኸሪ ኣብ ክንዲ እተንብብ: ንፈታዊ ኸም እትነግሮ ጌርካ ንገሮም። ክትዛረብ ከለኻ: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ምሉእ ሓሳብ መዘኻኸሪኻ ኣይትወከስ። ካብ ልብኻ ተዛረብ: ልቢ እቶም ዚሰምዑኻ ድማ ክትትንክፍ ኢኻ።
ካብ ኣስተዋጽኦ ምዝራብ ምስ መለኽካዮ: ንፉዕ ህዝባዊ ተዛራባይ ንምዃን ኣዝዩ ኣገዳሲ ስጕምቲ ኽትስጕም ኢኻ።