ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • be መጽናዕቲ 29 ገጽ 181-ገጽ 185 ሕ.ጽ. 2
  • ዓይነት ድምጺ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ዓይነት ድምጺ
  • ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ቃላት ብንጹር ምዝራብ
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ካብ “ድምጺ ኻልእ” ተጠንቀቑ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
  • ብዓቢ ውሕልነት እተሰርሐ ጭዋዳታት
    ንቕሑ!—2000
ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
be መጽናዕቲ 29 ገጽ 181-ገጽ 185 ሕ.ጽ. 2

መጽናዕቲ 29

ዓይነት ድምጺ

እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧

ናይ ካልእ ሰብ ድምጺ ኣምሲልካ ብምዝራብ ዘይኰነስ: ብዚግባእ ብምስትንፋስን ነቲ እስር ዝበለ ጭዋዳታትካ ብምዝናይን ንድምጽኻ ኣመሓይሾ።

ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ጽቡቕ ዓይነት ድምጺ ንኻልኦት ሰባት ከም ዚዛነዩን ባህ ኢልዎም ከም ዚሰምዑኻን ይገብሮም። ሕማቕ ዓይነት ድምጺ ንእተመሓላልፎ ሓሳብ ዕንቅፋት ይዀኖ: ነቲ ተዛራባይ ኰነ ንሰማዕቱ እውን ኬበሳጭዎም ይኽእል።

ሰባት በቲ ዚዝረቦም ነገራት ጥራይ ዘይኰነስ: በቲ ዚዝረበሉ መገዲ እውን ኣጸቢቖም ይጽለዉ እዮም። ሓደ ሰብ ባህ ዜብል: ምዉቕ: ምቕሉል: ከምኡውን ሕያውነት ዜንጸባርቕ ድምጺ እንተ ኣልይዎ: ካብቲ ባህ ዘየብል ወይ ተሪር ዓይነት ድምጺ ብዝያዳ ደይኰንካን ክትሰምዖ እትህንጠ፧

ባህ ዜብል ዓይነት ድምጺ ንምምዕባል: ብተክኒካዊ ነገራት ጥራይ ዚመሓየሽ ኣይኰነን። ባህርይ ሰብ እውን ዜጠቓልል እዩ። ሓደ ሰብ ኣብቲ ብዛዕባ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ዘለዎ ፍልጠትን ኣወዓዕላኡን እናዓበየ ምስ ዚኸይድ: እዚ ለውጢ እዚ ኣብ ኣዘራርባኡ ይንጸባረቕ። ከም እኒ ፍቕርን ሓጐስን ለውሃትን ዝኣመሰለ ኣምላኽ ዚፈትዎ ባህርያት ኣብ ድምጹ ይንጸባረቕ። (ገላ. 5:22, 23) ንኻልኦት ብሓቂ ኺሓልየሎም ከሎ: እዚ ኣብ ድምጹ ይርአ። ነቲ ወትሩ ናይ ምምራር ባህርዩ ብምስጋና ምስ ተክኦ: ዚዛረቦ ቓላትን ቃና ድምጹን ነዚ የርኢ። (ድጕ. 3:39-42፣ 1 ጢሞ. 1:12፣ ይሁ. 16) ነቲ ዚዝረብ ዘሎ ቛንቋ ዋላ እውን ኣይትረድኣዮ: ሓደ ዕቡይን መንጸርጸርን ነቓፍን ገንጫርን ሰብ ኪዛረብ ከሎ: ካብቲ ትሑትን ዕጉስን ሕያዋይን ፈቃርን ሰብ ዚዛረቦ ንኽትፈልዮ ብዙሕ ኣየጸግመካን እዩ።

ኣብ ገሊኡ መዳይ ብሰንኪ እቲ ንሳጹን ድምጺ ዚጐድእ ሕማም ወይ ዝወረስካዮ ዓይነት ኣሰራርዓ ኣካላት ባህ ዘየብል ዓይነት ድምጺ ኺህልወካ ይኽእል እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ኣዝዩ ኸቢድ ካብ ምዃኑ እተላዕለ: ኣብዚ ስርዓት እዚ ምሉእ ብምሉእ ኣይዕረን ይኸውን። መብዛሕትኡ ግዜ ግን ነቲ ንምዝራብ ዜገልግል ኣካላት ብዚግባእ ብኸመይ ከም እትጥቀመሉ ምፍላጥ: ነዚ ኼመሓይሾ ይኽእል እዩ።

ቅድም ቀዳድም ድምጺ ሰባት እተፈላለየ ምዃኑ ኽንፈልጥ ኣሎና። ዕላማኻ ንድምጺ ኻልእ ሰብ ኣምሲልካ ንምዝራብ ኪኸውን የብሉን። ኣብ ክንዳኡስ: ነቲ ፍሉይ ባህርያት ዝሓዘ ድምጽኻ ዘለዎ ተኽእሎ ኣማዕብሎ። ከምዚ ንኽትገብር ኪሕግዘካ ዚኽእል እንታይ እዩ፧ ክልተ መሰረታዊ ነገራት ኣሎ።

ንኣተነፋፍሳኻ ብዚግባእ ተቘጻጸሮ። ንድምጽኻ ብዚግባእ ክትጥቀመሉ እንተ ዄንካ: እኹል መጠን ኣየር ኪህልወካን ንኣተነፋፍሳኻ ብዚግባእ ክትቈጻጸሮን ኣሎካ። ከምዚ እንተ ዘይጌርካ ግን: ድምጽኻ ድኹም: ኣቀራርባኻ ድማ እተቘራረጸ ይኸውን።

እቲ ዝዓበየ ኽፋል ሳናቡእ ኣብ ላዕለዋይ ክፋል ኣፍ ልብና ኣይኰነን ዘሎ። እዚ ኽፋል ኣካላት እዚ ዝዓበየ ዚመስል ብምኽንያት እቲ ኣብ መንኩብና ዘሎ ኣዕጽምቲ እዩ። ዝሰፍሐ ኽፋል ሳናቡእና ኣብ ልዕሊ እቲ ድያፍራም እዩ ዘሎ። እቲ ድያፍራም ምስቲ ታሕተዋይ መሰንገለ እተላገበ ዀይኑ: ኣብ መንጎ ኣፍ ልብናን ከብድናን ዚርከብ መፈላለዪ እዩ።

ኣየር ክትስሕብ ከለኻ ነቲ ላዕለዋይ ክፋል ሳናቡእካ ጥራይ እንተ መሊእካዮ: ነዊሕ ከይጸናሕካ ትንፋስ ኪሓጽረካ እዩ። ድምጽኻ ሓይሊ ኣይህልዎን: ብቐሊሉ ድማ ትደክም። ብዚግባእ ንምስትንፋስ: ትኽ ኢልካ ኾፍ ክትብል ወይ ደው ክትብል: ከምኡውን ንመንኩባትካ ቕንዕ ከተብሎ ኣሎካ። ከተስተንፍስ ከለኻ: ነቲ ላዕለዋይ ክፋል ኣፍ ልብኻ ጥራይ ንኸይተስፍሕ ጽዓር። ብቐዳምነት ነቲ ታሕተዋይ ክፋል ሳናቡእካ ኣየር ክትመልኦ ጽዓር። እዚ ኽፋል እዚ ኣየር ምስ መልአ: ታሕተዋይ ክፋል ቆፎ መሰንገለኻ ንጐድኒ ኺሰፍሕ እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኸኣ እቲ ድያፍራም ናብ ታሕቲ ኺወርድን: ንኸስዐኻን ንመዓናጡኻን እውን ኪደፍኦ እዩ። ስለዚ ድማ: ቍልፍኻ: ቅናትካ: ወይ ካልእ ኣብ መዓንጣኻ እተዓጠቕካዮ ኽዳን ቍሩብ ኪጠብቀካ ኸሎ ይስምዓካ። እንተዀነ ግን: ሳናቡእካ ኣብኡ ኣይኰነን ዘሎ፣ የግዳስ: ኣብ ውሽጢ ቆፎ መሰንገለኻ እዩ ዚርከብ። ነዚ ንምፍታን ኣእዳውካ ኣብ ክልቲኡ ወገን ታሕተዋይ ክፋል ቆፎ መሰንገለኻ ኣቐምጦ። ድሕሪኡ ኣዕሚቝካ ኣስተንፍስ። ብዚግባእ እንተ ኣስተንፊስካ: ንኸብድኻ ናብ ውሽጢ ኣይትስሕቦን: መንኩባትካውን ክብ ኣይተብሎን ኢኻ። ኣብ ክንዳኡስ: መሰንገለኻ ቝሩብ ናብ ላዕልን ናብ ደገን ገጹ ኺንፋሕ ከሎ እዩ ዚስምዓካ።

ድሕርዚ: ነቲ ዝሰሓብካዮ ኣየር እተውጽኣሉ መገዲ ዕየየሉ። ነቲ ኣየር እቲ ብቕልጡፍ ብምውጻእ ኣይተባኽኖ። ቀስ እናበልካ ኣውጽኣዮ። ኣብ ጐረሮኻ ብምዕጻው ክትቈጻጸሮ ኣይትፈትን። ከምዚ እንተ ጌርካ: ነዊሕ ከይጸናሕካ ጭንቀት ዜንጸባርቕ ወይ ዘይተለምደ ቐጢን ድምጺ ኸም እተውስእ እዩ ዚገብር። ኣብ ከብዲ ዘሎ ጭዋዳታትን ኣብ መንጎ መሰንገለ ዘሎ ጭዋዳታትን ዚገብሮ ጸቕጢ እዩ ንኣየር ዜውጽኦ፣ ድያፍራም ከኣ ንፍጥነት እቲ ዚወጸሉ ግዜ እዩ ዚቈጻጸር።

ኣብ ገጽ 183 ዘሎ ስእሊ

ከምቲ ሓደ ጐያዪ ንጕያ ዚለማመድ: ሓደ ተዛራባይ ከኣ ልምምድ ብምግባር: ንናይ ምስትንፋስ ክእለቱ ኺቈጻጸሮ ይኽእል እዩ። መንኩባትካ ቕንዕ ኣቢልካ ትኽ ኢልካ ደው በል: ነቲ ታሕተዋይ ክፋል ሳናቡእካ ኣየር ከም እትመልኦ ጌርካ ኣስተንፍስ: ኣብ ሓንሳእ ምስትንፋስ ክንደይ ዚኸውን ከም እትጸንሕ እናቘጸርካ ቐስ ኢልካ ነቲ ኣየር ኣውጽኣዮ። ድሕሪኡ በዚ መገዲ እዚ እናኣስተንፈስካ ዓው ኢልካ ምንባብ ተለማመድ።

ንእተኣስረ ጭዋዳታት ፍትሕ ኣብሎ። ጽቡቕ ዓይነት ድምጺ ንኺህልወካ ዜኽእል ካልእ መሰረታዊ ነገር: ንጭዋዳታትካ ፍትሕ ምባል ወይ ምዝናይ እዩ። ክትዛረብ ከለኻ ንጭዋዳታትካ ፍትሕ ብምባል ክትገብሮ እትኽእል ምምሕያሽ ክትገብር ብሓቂ ዜደንቕ እዩ። ኣእምሮኣዊ ወጥሪ ንጭዋዳታትካ እስር ከም ዚብል ስለ ዚገብሮ: ኣእምሮኻን ኣካላትካን ኪዛነ ኣለዎ።

ብዛዕባ ሰማዕትኻ ቕኑዕ ኣረኣእያ ብምሓዝ ነቲ ኣብ ኣእምሮኻ ዘሎ ወጥሪ ኣወግዶ። ናብ ኣገልግሎት ምስ ወፈርካ ምስ ሰባት ኣብ እትራኸበሉ እዋን: ዋላ እውን መጽሓፍ ቅዱስ ንሒደት ኣዋርሕ ጥራይ ዘጽናዕካ እንተ ዀንካ: ብዛዕባ ዕላማ የሆዋ ንዓታቶም ክትነግሮም እትኽእል ጠቓሚ ነገራት ከም እትፈልጥ ኣይትረስዕ። ይፍለጥዎ ኣይፍለጥዎ ብዘየገድስ: ሓገዝ ስለ ዜድልዮም ኢኻ እትኸዶም ዘለኻ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ: ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ትዛረብ እንተ ደኣ ኣሊኻ: መብዛሕትኦም እቶም ሰማዕትኻ ህዝቢ የሆዋ እዮም። ፈተውትኻ ስለ ዝዀኑ: ክትዕወት እዮም ዚደልዩኻ። ከም ህዝቢ የሆዋ ዝኣመሰሉ ምቕሉላትን ፈቃራትን ሰማዕቲ ኣብ ምድሪ ኣይርከቡን እዮም።

ኣእምሮኻ ኣብቲ ኣብ ጐረሮኻ ዚርከብ ጭዋዳታት ብምትኳር ኰነ ኢልካ ፍትሕ ከተብሎ ጽዓር። ኣየር ኪሓልፍ ከሎ ኣውታር ድምጽኻ ኸም ዜንገብግብ ኣይትረስዕ። ከምቲ ኽራር ወይ ጭራ ዋጣ ኣጸቢቕካ ኺውጠርን ኪዘልቕን ከሎ ቓናኡ ዚለዋወጥ: ኣብ ጐረሮና ዚርከብ ጭዋዳታት ኪእሰር ወይ ኪፍታሕ ከሎ ኸኣ ቃና ድምጽና ይቀያየር እዩ። ንኣውታር ድምጽኻ ፍትሕ ከተብሎ ኸለኻ: ቃና ድምጽኻ ይረጕድ። ነቲ ኣብ ጐረሮኻ ዚርከብ ጭዋዳታት ፍትሕ ምባልካ: ሶርኖኻ ንኪኽፈት ይሕግዝ፣ እዚ ድማ ኣብ ዓይነት ድምጽኻ ጽልዋ ኸም ዘለዎ እተረጋገጸ እዩ።

ንብምሉኡ ኣካላትካ: ማለት ንኣብራኽካ: ንኣእዳውካ: ንመናኩባትካ: ንኽሳድካ ፍትሕ ኣብሎ። እዚ ኸኣ ነቲ ንድምጽኻ ኸም ዚጐልሕ ዚገብር መቕላሕነት ኣበርክቶ ይገብር እዩ። መቕላሕነት ኪፍጠር ዚኽእል ብምሉኡ ኣካላትካ ነቲ ድምጺ ዜናውሕ ምስ ዚኸውን እዩ: ኣካላትካ እስር እንተ ኢሉ ግን ነዚ ዕንቅፋት ይኸውን እዩ። ካብ ሳጹን ድምጽና ዚምንጭ ቃና ድምጺ: ኣብ ሶርኖ ጥራይ ዘይኰነስ: ኣብ ኣዕጽምቲ ኣፍ ልብና: ኣስናንና: ትንሓግና: ከምኡውን ኣብ ከባቢ ኣፍንጫና ኣብ ዚርከብ ኣዕጽምቲ እውን ይንግብገብ እዩ። እዚ ዅሉ ንመቕላሕነት ኣበርክቶ ይገብር እዩ። ኣብቲ ድምጺ ዜጕልሕ ሳጹን ክራር: ኢድካ እንተ ኣንቢርካ: እቲ ድምጺ ምዉት እዩ ዚኸውን፣ ብዚግባእ መቕላሒ ኪኸውን እንተ ዀይኑ እቲ ሳጹን ምእንቲ ኺንግብገብ ናጻ ኪኸውን ኣለዎ። እቲ ኣዕጽምትና በቲ ጭዋዳታትና እስር እንተ ኢሉ እውን ከምኡ ዓይነት ድምጺ ኢና እነውስእ። መቕላሕነት እንተ ኣልዩካ: ድምጽኻ ብዚግባእ ክትለዋውጥን ስምዒት ብእተፈላለየ ደረጃ ኽትገልጽን ትኽእል ኢኻ። ንድምጽኻ ኸየጨነቕካ ብዙሓት ሰባት ከም ዚሰምዑኻ ኽትገብር ትኽእል።

ዘረባ ብኸመይ ከም ዚፍጠር

ንዅሉ እቲ ኻብ ጐረሮኻ ዚምንጭ ድምጺ መሰረቱ: እቲ ኻብ ሳናቡእካ ዚወጽእ ኣየር እዩ። ሳናቡእካ ኸም ሓደ ንኣየር በቲ ሻምብቆ ኣቢሉ ናብቲ ኣብ ማእከል ጐረሮኻ ዚርከብ ሳጹን ድምጺ ዚደፍእ መናፍሕ ኰይኑ እዩ ዚዓዪ። ኣብ ውሽጢ ሳጹን ድምጽኻ: ኣውታር ድምጺ ተባሂሉ ዚጽዋዕ ክልተ ንኣሽቱ ጭዋዳታት ብኽልቲኡ ሸነኽ ኣሎ። እዚ ቐንዲ ምንጪ ድምጺ እዩ። እዚ ጭዋዳታት እዚ ኣየር ከም ዚኣቱን ከም ዚወጽእን ንምግባር ኪኽፈትን ኪዕጾን ይኽእል እዩ። ኣብ ርእሲኡ ድማ ዘየድሊ ነገራት ናብ ሳናቡእ ከይኣቱ ይከላኸል። ኣብ ንቡር ምስትንፋስ: ኣየር በዚ ኣውታር ድምጺ ኺሓልፍ ከሎ ድምጺ ኣይፍጠርን እዩ። ሓደ ሰብ ኪዛረብ ኪደሊ ኸሎ ግን: ጭዋዳታት ነቲ ኣውታር ድምጺ ይውጥሮ: ካብ ሳናቡእ ዝመነጨ ኣየር ብእኡ ኺሓልፍ ከሎ ድማ እቲ ኣውታር ድምጺ ይንግብገብ። በዚ ኸምዚ ድምጺ ይፍጠር።

እቲ ኣውታር ድምጺ ዝያዳ ብእተወጠረ መጠን: ዝያዳ የንገብግብ: እቲ ድምጺ ድማ ብዝያዳ ይቐጥን። በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ እቲ ኣውታር ብዝያዳ ፍትሕ ምስ ዚብል: እቲ ቓና ድምጺ ርጕድ ይብል። እቲ ድምጺ ኻብ ሳጹን ድምጽና ምስ ሓለፈ: ናብቲ ላንቃ ተባሂሉ ዚጽዋዕ ላዕለዋይ ክፋል ጐረሮና ይኣቱ። ድሕሪኡ ብኣፍን ብሶርኖን ይሓልፍ። ኣብኡ ኸኣ ነቲ መሰረታዊ ቓና ዜዐርን ዜጕልሕን ዜደልድልን ረቂቕ ቃና ይውሰኸሉ። ትንሓግና: መልሓስና: ኣስናንና: ከናፍርና: ከምኡውን መንከስና ተሓዋዊሱ: ነቲ ማዕበል ድምጺ ይቈራርጾ: በዚ ኸምዚ ድማ ክትርድኦ እትኽእል ዘረባ ይኸውን።

ድምጺ ወድሰብ መስተንክር እዩ፣ ብተዓጻጻፍነቱ ድማ ዝዀነ ይኹን ሰብ ዝሰርሖ መሳርሒ ኣይዳረጎን እዩ። ካብ ለውሃትን ፍቕርን ኣትሒዙ ኽሳዕ ጭካነን ጽልእን ዘሎ ስምዒታት ኬንጸባርቕ ይኽእል እዩ። ብዚግባእ ምስ እነማዕብሎን እነሰልጥኖን: ኣዝዩ እተፈላለየ ዓይነት ቃና ኼውስእ: ጽቡቕ ሙዚቃዊ ድምጽታት ጥራይ ዘይኰነ እውን ንልቢ ዜለዓዕል ዘረባ ኼመንጩ ይኽእል እዩ።

እተወሰነ ጸገማት ምስጋሩ

ድኹም ድምጺ። ልዙብ ድምጺ ናይ ግድን ድኹም እዩ ማለት ኣይኰነን። ባህ ዜብል ቃናታት ዘለዎ እንተ ዀይኑ: ሰባት ተሓጒሶም ኪሰምዕዎ ይኽእሉ እዮም። ውጽኢታዊ ንኪኸውን ግን እቲ ድምጺ እኹል መጠን ኪህልዎ ኣለዎ።

ድምጽኻ ብንጹር ምእንቲ ኺመሓላለፍ: ንመቕላሕነቱ ኸተመሓይሾ ኣሎካ። እዚ ኸኣ ንብምሉኡ ኣካላትካ ኸምቲ ኣብዚ ትምህርቲ እዚ እተጠቕሰ ጌርካ ኸተዛንዮ ወይ ፍትሕ ከተብሎ ዚሓትት እዩ። ንኣካላትካ ፍትሕ ተብሎ እንተ ዄንካ: ከምኡውን ከንፈርካ ኣጥቢቕካ ዘይኰነስ ኣፍኲስካ ብምዕጻው እምምም . . . ብዚብል ድምጺ ልምምድ እንተ ጌርካ ይሕግዘካ እዩ። ሽዑ እቲ ምንግብጋብ ኣብ ርእስኻን ኣብ ኣፍ ልብኻን ኪስምዓካ ኣለዎ።

ሓደ ሰብ ጥዕና እንተ ዘይብሉ ወይ እኹል ድቃስ እንተ ዘይረኺቡ: ድምጹ ድኹም ወይ ላሕታት ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ሽግሩ እንተ ተፈቲሑሉ: ድምጹ ይመሓየሽ እዩ።

ኣመና ቐጢን ድምጺ። ንኣውታር ድምጽኻ ብዝያዳ እንተ ወጢርካዮ: ቀጢን ድምጺ እዩ ዚወጽእ። ውጥረት ዜንጸባርቕ ድምጺ: ንሰማዕቲ ውጥረት ከም ዚስምዖም ይገብር እዩ። ነቲ ኣብ ኣውታር ድምጺ ዘሎ ውጥረት ንምንካይ ኣብ ኣፍካ ዘሎ ጭዋዳታት ፍትሕ ብምባል: ንድምጽኻ ኸተርጕዶ ትኽእል ኢኻ። ኰነ ኢልካ ኸምኡ ግበር: ኣብ መዓልታዊ ዝርርብካ ድማ ተለማመደሉ። ኣዕሚቝካ ምስትንፋስ እውን ይሕግዝ እዩ።

ዓፍናቝ ድምጺ። ሓድሓደ ግዜ እዚ ጸገም እዚ ዚፍጠር ንሶርኖ ዚደፍኖ ነገር ስለ ዘሎ ኪኸውን ከሎ: መብዛሕትኡ ግዜ ግን በዚ ምኽንያት እዚ ኣይኰነን። ገሊኦም ሰባት ንጭዋዳታት ጐረሮን ኣፍን ኣመና ስለ ዚውጥርዎ: ንሶርኖኦም ይዓጽውዎ: ኣየር ድማ ከምቲ ዚድለ ኣይመሓላለፍን። እዚ ዕርንስ ዝበለ ድምጺ ይፈጥር። ነዚ ንምውጋድ: ጭዋዳታትካ ፍትሕ ከተብሎ ኣሎካ።

ሻሕካር ድምጺ። ከምዚ ዝኣመሰለ ድምጺ ሓሳባትካ ብቕልል ዝበለ መገዲ ንኽትለዋወጥ ዚዕድም ኣይኰነን። ንኻልኦት ሰባት ከም ዚሽቝረሩ ኺገብሮም ይኽእል እዩ።

ኣብ ገሊኡ መዳያት ዚሕግዝ መሰረታዊ ረቛሒ: ባህርያትካ ንምቕያር ቀጻሊ ጻዕሪ ምግባር እዩ። (ቈሎ. 3:8, 12) ከምዚ እንተ ተገይሩ: ነቲ ተክኒካዊ ስርዓታት ድምጺ ኣብ ግብሪ ምውዓሉ ሓጋዚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንጐረሮኻን ምንጋጋኻን ፍትሕ ኣብሎ። እዚ ኸኣ ንድምጽኻ ብዝያዳ ባህ ዜብል ይገብሮ: ኣፍካ ብዚግባእ ስለ ዚኽፈት ድማ ድምጽኻ እተዓብሰ ኣይከውንን።

ብኸመይ ከም እተመሓይሾ

  • ክርስትያናዊ ባህርያት ኣማዕብል።

  • ንታሕተዋይ ክፋል ሳናቡእካ ኣየር ብምምላእ: ብዚግባእ ምስትንፋስ ተለማመድ።

  • ክትዛረብ ከለኻ: ነቲ ኣብ ጐረሮኻን ክሳድካን መንኩባትካን ምሉእ ኣካላትካን ዚርከብ ጭዋዳታት ፍትሕ ኣብሎ።

መላመዲ:- (1) ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ንሒደት ደቓይቕ: ታሕተዋይ ክፋል ሳናቡእካ ኣየር ብምምላእ ምስትንፋስ ተለማመድ። (2) ንሓደ ሰሙን ዚኸውን እንተ ወሓደ ሓንሳእ ኣብ መዓልቲ: ክትዛረብ ከለኻ ዀነ ኢልካ ኣብ ጐረሮኻ ዘሎ ጭዋዳታት ፍትሕ ኣብሎ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ