መጽናዕቲ 29
ዓይነት ድምጺ
ሰባት በቲ ዚዝረቦም ነገራት ጥራይ ዘይኰነስ: በቲ ዚዝረበሉ መገዲ እውን ኣጸቢቖም ይጽለዉ እዮም። ሓደ ሰብ ባህ ዜብል: ምዉቕ: ምቕሉል: ከምኡውን ሕያውነት ዜንጸባርቕ ድምጺ እንተ ኣልይዎ: ካብቲ ባህ ዘየብል ወይ ተሪር ዓይነት ድምጺ ብዝያዳ ደይኰንካን ክትሰምዖ እትህንጠ፧
ባህ ዜብል ዓይነት ድምጺ ንምምዕባል: ብተክኒካዊ ነገራት ጥራይ ዚመሓየሽ ኣይኰነን። ባህርይ ሰብ እውን ዜጠቓልል እዩ። ሓደ ሰብ ኣብቲ ብዛዕባ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ዘለዎ ፍልጠትን ኣወዓዕላኡን እናዓበየ ምስ ዚኸይድ: እዚ ለውጢ እዚ ኣብ ኣዘራርባኡ ይንጸባረቕ። ከም እኒ ፍቕርን ሓጐስን ለውሃትን ዝኣመሰለ ኣምላኽ ዚፈትዎ ባህርያት ኣብ ድምጹ ይንጸባረቕ። (ገላ. 5:22, 23) ንኻልኦት ብሓቂ ኺሓልየሎም ከሎ: እዚ ኣብ ድምጹ ይርአ። ነቲ ወትሩ ናይ ምምራር ባህርዩ ብምስጋና ምስ ተክኦ: ዚዛረቦ ቓላትን ቃና ድምጹን ነዚ የርኢ። (ድጕ. 3:39-42፣ 1 ጢሞ. 1:12፣ ይሁ. 16) ነቲ ዚዝረብ ዘሎ ቛንቋ ዋላ እውን ኣይትረድኣዮ: ሓደ ዕቡይን መንጸርጸርን ነቓፍን ገንጫርን ሰብ ኪዛረብ ከሎ: ካብቲ ትሑትን ዕጉስን ሕያዋይን ፈቃርን ሰብ ዚዛረቦ ንኽትፈልዮ ብዙሕ ኣየጸግመካን እዩ።
ኣብ ገሊኡ መዳይ ብሰንኪ እቲ ንሳጹን ድምጺ ዚጐድእ ሕማም ወይ ዝወረስካዮ ዓይነት ኣሰራርዓ ኣካላት ባህ ዘየብል ዓይነት ድምጺ ኺህልወካ ይኽእል እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ኣዝዩ ኸቢድ ካብ ምዃኑ እተላዕለ: ኣብዚ ስርዓት እዚ ምሉእ ብምሉእ ኣይዕረን ይኸውን። መብዛሕትኡ ግዜ ግን ነቲ ንምዝራብ ዜገልግል ኣካላት ብዚግባእ ብኸመይ ከም እትጥቀመሉ ምፍላጥ: ነዚ ኼመሓይሾ ይኽእል እዩ።
ቅድም ቀዳድም ድምጺ ሰባት እተፈላለየ ምዃኑ ኽንፈልጥ ኣሎና። ዕላማኻ ንድምጺ ኻልእ ሰብ ኣምሲልካ ንምዝራብ ኪኸውን የብሉን። ኣብ ክንዳኡስ: ነቲ ፍሉይ ባህርያት ዝሓዘ ድምጽኻ ዘለዎ ተኽእሎ ኣማዕብሎ። ከምዚ ንኽትገብር ኪሕግዘካ ዚኽእል እንታይ እዩ፧ ክልተ መሰረታዊ ነገራት ኣሎ።
ንኣተነፋፍሳኻ ብዚግባእ ተቘጻጸሮ። ንድምጽኻ ብዚግባእ ክትጥቀመሉ እንተ ዄንካ: እኹል መጠን ኣየር ኪህልወካን ንኣተነፋፍሳኻ ብዚግባእ ክትቈጻጸሮን ኣሎካ። ከምዚ እንተ ዘይጌርካ ግን: ድምጽኻ ድኹም: ኣቀራርባኻ ድማ እተቘራረጸ ይኸውን።
እቲ ዝዓበየ ኽፋል ሳናቡእ ኣብ ላዕለዋይ ክፋል ኣፍ ልብና ኣይኰነን ዘሎ። እዚ ኽፋል ኣካላት እዚ ዝዓበየ ዚመስል ብምኽንያት እቲ ኣብ መንኩብና ዘሎ ኣዕጽምቲ እዩ። ዝሰፍሐ ኽፋል ሳናቡእና ኣብ ልዕሊ እቲ ድያፍራም እዩ ዘሎ። እቲ ድያፍራም ምስቲ ታሕተዋይ መሰንገለ እተላገበ ዀይኑ: ኣብ መንጎ ኣፍ ልብናን ከብድናን ዚርከብ መፈላለዪ እዩ።
ኣየር ክትስሕብ ከለኻ ነቲ ላዕለዋይ ክፋል ሳናቡእካ ጥራይ እንተ መሊእካዮ: ነዊሕ ከይጸናሕካ ትንፋስ ኪሓጽረካ እዩ። ድምጽኻ ሓይሊ ኣይህልዎን: ብቐሊሉ ድማ ትደክም። ብዚግባእ ንምስትንፋስ: ትኽ ኢልካ ኾፍ ክትብል ወይ ደው ክትብል: ከምኡውን ንመንኩባትካ ቕንዕ ከተብሎ ኣሎካ። ከተስተንፍስ ከለኻ: ነቲ ላዕለዋይ ክፋል ኣፍ ልብኻ ጥራይ ንኸይተስፍሕ ጽዓር። ብቐዳምነት ነቲ ታሕተዋይ ክፋል ሳናቡእካ ኣየር ክትመልኦ ጽዓር። እዚ ኽፋል እዚ ኣየር ምስ መልአ: ታሕተዋይ ክፋል ቆፎ መሰንገለኻ ንጐድኒ ኺሰፍሕ እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኸኣ እቲ ድያፍራም ናብ ታሕቲ ኺወርድን: ንኸስዐኻን ንመዓናጡኻን እውን ኪደፍኦ እዩ። ስለዚ ድማ: ቍልፍኻ: ቅናትካ: ወይ ካልእ ኣብ መዓንጣኻ እተዓጠቕካዮ ኽዳን ቍሩብ ኪጠብቀካ ኸሎ ይስምዓካ። እንተዀነ ግን: ሳናቡእካ ኣብኡ ኣይኰነን ዘሎ፣ የግዳስ: ኣብ ውሽጢ ቆፎ መሰንገለኻ እዩ ዚርከብ። ነዚ ንምፍታን ኣእዳውካ ኣብ ክልቲኡ ወገን ታሕተዋይ ክፋል ቆፎ መሰንገለኻ ኣቐምጦ። ድሕሪኡ ኣዕሚቝካ ኣስተንፍስ። ብዚግባእ እንተ ኣስተንፊስካ: ንኸብድኻ ናብ ውሽጢ ኣይትስሕቦን: መንኩባትካውን ክብ ኣይተብሎን ኢኻ። ኣብ ክንዳኡስ: መሰንገለኻ ቝሩብ ናብ ላዕልን ናብ ደገን ገጹ ኺንፋሕ ከሎ እዩ ዚስምዓካ።
ድሕርዚ: ነቲ ዝሰሓብካዮ ኣየር እተውጽኣሉ መገዲ ዕየየሉ። ነቲ ኣየር እቲ ብቕልጡፍ ብምውጻእ ኣይተባኽኖ። ቀስ እናበልካ ኣውጽኣዮ። ኣብ ጐረሮኻ ብምዕጻው ክትቈጻጸሮ ኣይትፈትን። ከምዚ እንተ ጌርካ: ነዊሕ ከይጸናሕካ ጭንቀት ዜንጸባርቕ ወይ ዘይተለምደ ቐጢን ድምጺ ኸም እተውስእ እዩ ዚገብር። ኣብ ከብዲ ዘሎ ጭዋዳታትን ኣብ መንጎ መሰንገለ ዘሎ ጭዋዳታትን ዚገብሮ ጸቕጢ እዩ ንኣየር ዜውጽኦ፣ ድያፍራም ከኣ ንፍጥነት እቲ ዚወጸሉ ግዜ እዩ ዚቈጻጸር።
ከምቲ ሓደ ጐያዪ ንጕያ ዚለማመድ: ሓደ ተዛራባይ ከኣ ልምምድ ብምግባር: ንናይ ምስትንፋስ ክእለቱ ኺቈጻጸሮ ይኽእል እዩ። መንኩባትካ ቕንዕ ኣቢልካ ትኽ ኢልካ ደው በል: ነቲ ታሕተዋይ ክፋል ሳናቡእካ ኣየር ከም እትመልኦ ጌርካ ኣስተንፍስ: ኣብ ሓንሳእ ምስትንፋስ ክንደይ ዚኸውን ከም እትጸንሕ እናቘጸርካ ቐስ ኢልካ ነቲ ኣየር ኣውጽኣዮ። ድሕሪኡ በዚ መገዲ እዚ እናኣስተንፈስካ ዓው ኢልካ ምንባብ ተለማመድ።
ንእተኣስረ ጭዋዳታት ፍትሕ ኣብሎ። ጽቡቕ ዓይነት ድምጺ ንኺህልወካ ዜኽእል ካልእ መሰረታዊ ነገር: ንጭዋዳታትካ ፍትሕ ምባል ወይ ምዝናይ እዩ። ክትዛረብ ከለኻ ንጭዋዳታትካ ፍትሕ ብምባል ክትገብሮ እትኽእል ምምሕያሽ ክትገብር ብሓቂ ዜደንቕ እዩ። ኣእምሮኣዊ ወጥሪ ንጭዋዳታትካ እስር ከም ዚብል ስለ ዚገብሮ: ኣእምሮኻን ኣካላትካን ኪዛነ ኣለዎ።
ብዛዕባ ሰማዕትኻ ቕኑዕ ኣረኣእያ ብምሓዝ ነቲ ኣብ ኣእምሮኻ ዘሎ ወጥሪ ኣወግዶ። ናብ ኣገልግሎት ምስ ወፈርካ ምስ ሰባት ኣብ እትራኸበሉ እዋን: ዋላ እውን መጽሓፍ ቅዱስ ንሒደት ኣዋርሕ ጥራይ ዘጽናዕካ እንተ ዀንካ: ብዛዕባ ዕላማ የሆዋ ንዓታቶም ክትነግሮም እትኽእል ጠቓሚ ነገራት ከም እትፈልጥ ኣይትረስዕ። ይፍለጥዎ ኣይፍለጥዎ ብዘየገድስ: ሓገዝ ስለ ዜድልዮም ኢኻ እትኸዶም ዘለኻ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ: ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ትዛረብ እንተ ደኣ ኣሊኻ: መብዛሕትኦም እቶም ሰማዕትኻ ህዝቢ የሆዋ እዮም። ፈተውትኻ ስለ ዝዀኑ: ክትዕወት እዮም ዚደልዩኻ። ከም ህዝቢ የሆዋ ዝኣመሰሉ ምቕሉላትን ፈቃራትን ሰማዕቲ ኣብ ምድሪ ኣይርከቡን እዮም።
ኣእምሮኻ ኣብቲ ኣብ ጐረሮኻ ዚርከብ ጭዋዳታት ብምትኳር ኰነ ኢልካ ፍትሕ ከተብሎ ጽዓር። ኣየር ኪሓልፍ ከሎ ኣውታር ድምጽኻ ኸም ዜንገብግብ ኣይትረስዕ። ከምቲ ኽራር ወይ ጭራ ዋጣ ኣጸቢቕካ ኺውጠርን ኪዘልቕን ከሎ ቓናኡ ዚለዋወጥ: ኣብ ጐረሮና ዚርከብ ጭዋዳታት ኪእሰር ወይ ኪፍታሕ ከሎ ኸኣ ቃና ድምጽና ይቀያየር እዩ። ንኣውታር ድምጽኻ ፍትሕ ከተብሎ ኸለኻ: ቃና ድምጽኻ ይረጕድ። ነቲ ኣብ ጐረሮኻ ዚርከብ ጭዋዳታት ፍትሕ ምባልካ: ሶርኖኻ ንኪኽፈት ይሕግዝ፣ እዚ ድማ ኣብ ዓይነት ድምጽኻ ጽልዋ ኸም ዘለዎ እተረጋገጸ እዩ።
ንብምሉኡ ኣካላትካ: ማለት ንኣብራኽካ: ንኣእዳውካ: ንመናኩባትካ: ንኽሳድካ ፍትሕ ኣብሎ። እዚ ኸኣ ነቲ ንድምጽኻ ኸም ዚጐልሕ ዚገብር መቕላሕነት ኣበርክቶ ይገብር እዩ። መቕላሕነት ኪፍጠር ዚኽእል ብምሉኡ ኣካላትካ ነቲ ድምጺ ዜናውሕ ምስ ዚኸውን እዩ: ኣካላትካ እስር እንተ ኢሉ ግን ነዚ ዕንቅፋት ይኸውን እዩ። ካብ ሳጹን ድምጽና ዚምንጭ ቃና ድምጺ: ኣብ ሶርኖ ጥራይ ዘይኰነስ: ኣብ ኣዕጽምቲ ኣፍ ልብና: ኣስናንና: ትንሓግና: ከምኡውን ኣብ ከባቢ ኣፍንጫና ኣብ ዚርከብ ኣዕጽምቲ እውን ይንግብገብ እዩ። እዚ ዅሉ ንመቕላሕነት ኣበርክቶ ይገብር እዩ። ኣብቲ ድምጺ ዜጕልሕ ሳጹን ክራር: ኢድካ እንተ ኣንቢርካ: እቲ ድምጺ ምዉት እዩ ዚኸውን፣ ብዚግባእ መቕላሒ ኪኸውን እንተ ዀይኑ እቲ ሳጹን ምእንቲ ኺንግብገብ ናጻ ኪኸውን ኣለዎ። እቲ ኣዕጽምትና በቲ ጭዋዳታትና እስር እንተ ኢሉ እውን ከምኡ ዓይነት ድምጺ ኢና እነውስእ። መቕላሕነት እንተ ኣልዩካ: ድምጽኻ ብዚግባእ ክትለዋውጥን ስምዒት ብእተፈላለየ ደረጃ ኽትገልጽን ትኽእል ኢኻ። ንድምጽኻ ኸየጨነቕካ ብዙሓት ሰባት ከም ዚሰምዑኻ ኽትገብር ትኽእል።