ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • be መጽናዕቲ 31 ገጽ 190-ገጽ 193 ሕ.ጽ. 2
  • ንኻልኦት ኣኽብሮት ምርኣይ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንኻልኦት ኣኽብሮት ምርኣይ
  • ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ካብ ፍሉጥ ኵነታት ምሳሌታት ምጥቃም
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ዚርአ ነገራት ብውጽኢታዊ መገዲ ምጥቃም
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ንሰብ ኣኽብሩ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • ንስልጣን ከነኽብር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
    ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ብኸመይ ትጸንዕ፧
ዝያዳ ርአ
ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
be መጽናዕቲ 31 ገጽ 190-ገጽ 193 ሕ.ጽ. 2

መጽናዕቲ 31

ንኻልኦት ኣኽብሮት ምርኣይ

እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧

ንኻልኦት ብምኽባር ተገዳስነትካ ኣርእዮም።

ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ንኻልኦት ምኽባር: ነቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እትነግሮም ነገራት ንኪቕበልዎ ጽቡቕ ሃዋህው ኺፈጥር ዚኽእል ክርስትያናዊ ብቕዓት እዩ።

ቅዱሳት ጽሑፋት “ንዅሉ ሰብ ኣኽብሩ:” ‘ንሓደ እኳ ኣትይጽረፉ’ ብምባል ይነግረና። (1 ጴጥ. 2:17፣ ቲቶ. 3:2) ኵሎም እቶም እንረኽቦም ሰባት “ብምስሊ ኣምላኽ እተፈጥሩ” እዮም። (ያእ. 3:9) ክርስቶስ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ እዩ ሞይቱ። (ዮሃ. 3:16) ኵሎም ሰባት ስጕምቲ ወሲዶም ምእንቲ ኺድሕኑ ኸኣ ነቲ ብስራት ኪሰምዑ ኣለዎም። (2 ጴጥ. 3:9) ገሊኦም ድማ ብዘለዎም መዓርግ ወይ ስልጣን ፍሉይ ክብሪ ይወሃቦም እዩ።

ገሊኦም ሰባት ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንኰኖ ዜተባብዓና ዓይነት ሰባት ኪዀኑ ዘይደልዩ ስለምንታይ እዮም፧ ብመሰረት ባህሊ እቲ ኸባቢ: ንሓደ ሰብ ዚህብዎ ኽብሪ ኣብ ሕብሩ: ጾታኡ: ጥዕናኡ: ዕድሜኡ: ሃብቱ: ወይ ማሕበራዊ ደረጃኡ ይምርኰስ ይኸውን። ኣብ ሰበ-ስልጣን ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ብልሽውና: ንስልጣን ዚወሃብ ዝነበረ ኽብሪ ነክይዎ እዩ። ኣብ ገሊኡ ሃገራት ሰባት በቲ ኣብ ህይወቶም ዜጋጥሞም ነገራት: ምናልባትውን ድራር ዕለቶም ንምርካብ ንነዊሕ ሰዓታት ምስራሖም የማርሩ ይዀኑ፣ ክብሪ ብዘየንጸባርቑ ሰባት ከኣ እዮም ተኸቢቦም ዘለዉ። መንእሰያት ኣንጻር እቶም ዘይፈትውዎም መምህራኖም ኰነ ኣንጻር ካልኦት ስልጣን ዝሓዙ ሰባት ንኺዓልዉ ናይ መዛኑ ጸቕጢ የጋጥሞም እዩ። ብዙሓት ሰባት ከኣ በቲ ቘልዑ ንወለዶም ብኣእምሮ ኺበልጽዎምን ኪዕብልልዎምን ዜርኢ መደባት ተለቪዥን ተጸልዮም እዮም። ከምዚ ዝኣመሰለ ስጋዊ ኣተሓሳስባ ነቲ ብዛዕባ ኻልኦት ዝነበረና ኣመለኻኽታ ንኸይቅይሮ ጻዕሪ ምግባር የድሊ። ንሰባት ክብሮም ክንሕልወሎም ከለና: ሓሳባት ንምልውዋጥ ምሹእ ዝዀነ ሃዋህው እዩ ዚፍጠር።

ብኣኽብሮት ምቕራብ። ኣብ ሃይማኖታዊ ዕዮ እተጸምደ ሰብ: ኣብ ኣከዳድናኡ ዀነ ተግባራቱ ግቡእ ዝዀነ ነገራት ብምግባር ኣኽብሮት ኬርኢ ትጽቢት ይግበረሉ እዩ። ግቡእ ኣካላዊ ትርኢት ዚበሃል ነገር ካብ ቦታ ናብ ቦታ ይፈላለ እዩ። ገሊኦም ሰባት ናብ ሰብ ክትቀርብ ከለኻ: ባርኔጣኻ እንተ ዘየውጺእካ ወይ ሓደ ኢድካ ኣብ ጁባኻ እንተ ኣእቲኻ: ኣኽብሮት ከም ዘይብልካ ገይሮም ይርእይዎ። ኣብ ገሊኡ ቦታታት ከኣ: ገሊኦም ሰባት ነዚ ይቕበልዎ ይዀኑ። ንሰባት ምእንቲ ኸይተጕህዮም ነቲ ባህሊ እቲ ኸባቢ ኣብ ግምት ኣእቱ። ከምዚ ምግባርካ ነቲ ብስራት ብውጽኢታዊ መገዲ ንኸተፍልጥ ዕንቅፋት ኪኸውን ዚኽእል ዝነበረ ነገራት የወግደልካ።

ኣብቲ ንኻልኦት እተዛርበሉ መገዲውን: ብፍላይ ከኣ ንኣረጋውያን ከተዘራርብ ከለኻ: ተመሳሳሊ ጥንቃቐ ኽትገብር ኣሎካ። ብሓፈሻኡ ኺርአ ኸሎ እቶም ዓበይቲ ንመንእሰያት ባዕሎም እንተ ዘይፈቒዶምሎም: ብስሞም ኪጽውዕዎም ስድነት ጌርካ እዩ ዚርአ። ኣብ ገሊኡ ቦታታት ዓበይቲ እውን እንተ ዀኑ ኣጸቢቖም ንዘይፈልጥዎም ሰባት ብስሞም ኪጽውዕዎም ትጽቢት ኣይግበረሎምን እዩ። ሓያሎ ቛንቋታት ድማ ንዓበይቲ ወይ ስልጣን ንዘለዎም ሰባት ኣኽብሮት ንምርኣይ “ኣቱም” ዚብል ቃልን ረባሕታኡን ወይ ካልእ መገዲ ይጥቀም እዩ።

ኣኽብሮት ምግላጽ። ኣብ ንእሽቶ ማሕበረሰብ ትነብር እንተ ዄንካ: ኣብ መገዲ ወይ ኣብ ካልእ ቦታ ምስ ሰብ ክትራኸብ ከለኻ: ኣኽብሮትካ ኽትገልጸሉ ትጽቢት ይግበር እዩ። እዚ ኸኣ ሰላምታ ብምሃብ: ፍሽኽ ብምባል: ርእስኻ ብምድናን: ወይ ሸፋሽፍትኻ ኽብ ብምባል ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንኻልእ ሰብ ምጕሳይ ከም ንዕቀት ጌርካ እዩ ዚርአ።

ገሊኦም ግን ነዚ እውን ጌርካ ኽነስኻ: ከም እተጐስዩ ዀይኑ ኺስምዖም ይኽእል እዩ። ከመይ ኢሉ ኸምኡ ይስምዖም፧ ከም ሰብ ጌርካ ኸም ዘይትርእዮም ኰይኑ ስለ ዚስምዖም ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሰባት ብኣካላዊ ትርኢቶም ምስ ሓደ ጕጅለ ምምዳቦም ዘይተለምደ ነገር ኣይኰነን። ስንክልናን ናይ ጥዕና ጸገማትን ዘለዎም ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ሰብ የርሕቖም እዩ። እንተዀነ ግን: ቃል ኣምላኽ ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ውልቀ-ሰባት ብፍቕርን ብኣኽብሮትን ከመይ ጌርና ኸም እንሕዞም ገሊጹልና ኣሎ። (ማቴ. 8:2, 3) ኵላትና በቲ ኻብ ኣዳም ዝወረስናዮ ሓጢኣት ተጸሊና ኢና። ሰባት ንዓኻ ዅሉ ሳዕ ብጕድለትካ እንተ ዚጽውዑኻ: ዜኽብሩኻ ዘለዉ ዀይኑዶ ምተሰምዓካ፧ ኣብ ክንዳኡስ በቲ ጽቡቕ ባህርያትካ ደይኰንካን ክትፍለጥ እትደሊ፧

ኣኽብሮት ኪበሃል ከሎ: ንርእስነት ኣፍልጦ ምሃብ እውን የጠቓልል እዩ። ኣብ ገሊኡ ቦታታት ንኻልኦት ኣባላት ስድራቤት ቅድሚ ምምስካርካ: ንርእሲ እታ ስድራቤት ምዝርራብ ኣድላዪ እዩ። ንኽንሰብኽን ንኽንምህርን እተዋህበና መዝነት ካብ የሆዋ ዝመጸ እኳ እንተ ዀነ: ወለዲ ንደቆም ንኼሰልጥኑን ንኺግስጹን ንኺመርሑን ብኣምላኽ ሓላፍነት ከም እተዋህቦም ንፈልጥ ኢና። (ኤፌ. 6:1-4) ስለዚ: ካብ ቤት ናብ ቤት ክንከይድ ከለና: ምስ ቈልዑ ነዊሕ ምይይጥ ቅድሚ ምግባርና: ፈለማ ንወለዲ ምዝርራብና ግቡእ እዩ።

ካብ ዕድመ ተመክሮ ስለ ዚርከብ: ብዕድመ ንዚደፍአ ሰብ ኣኽብሮት ኪወሃቦ ይግባእ። (እዮ. 32:6, 7) ሓንቲ ኣብ ስሪ ላንካ እትነብር መንእሰይ ፈላሚት: ንሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ሰብኣይ ከተዘራርቦ ኸላ ነዚ ኣፍልጦ ምሃባ ሓጊዝዋ እዩ። ፈለማ: “ንስኺ ገና ንእሽቶ ኽነስኺ ኸመይ ጌርኪ ኢኺ ንዓይ መጽሓፍ ቅዱስ ክትምህርኒ፧” ብምባል ተቓወማ። ንሳ ግን “ከም ሓቂ እኳ: ክምህር ዘይኰንኩስ: ንዓይ ዘሐጐሰኒ እተመሃርክዎ ነገር ከምቲ ንኻልኦት ዝነግሮም: ንዓኹምውን ክነግረኩም እየ መጺአ” በለቶ። እታ ፈላሚት ዝሃበቶ ኣኽብሮት ዘለዎ መልሲ ንተገዳስነት እቲ ሰብኣይ ስለ ዘለዓዓሎ: “በሊ እስኪ ንገርኒ: እንታይ ኢኺ ተማሂርኪ፧” ኢሉ ሓተታ። ንሳ ድማ “ብኸመይ ንዘለኣለም ከም ዚንበር ተማሂረ” በለቶ። እቲ ብዕድመ ዝደፍአ ሰብኣይ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይኑ መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዕ ጀመረ። ልክዕ እዩ: ኣኽብሮት ከተርእዮም ከም ዚደልዩኻ ዚገልጹ ዅሎም ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ኣይኰኑን፣ እንተዀነ ግን: መብዛሕትኦም ነዚ የማስዉሉ እዮም።

ይኹን እምበር: እዚ ኣኽብሮት እትገልጸሉ መገዲ መጠኑ ኺሓልፍ እውን ይኽእል እዩ። ኣብ ደሴታት ፓሲፊክን ኣብ ካልእ ቦታታትን: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ቅድሚ ሓላቑ ቍሸት ወይ ሓላቑ ቐቢላ ኪቐርቡ ኸለዉ በቲ ልሙድ ኣኽብሮታዊ ኣዘራርባ ብምዝራቦም ሰማዒት እዝኒ ንኺረኽቡን ነቶም ሓላቑ ዀነ ነቶም ኣብ ትሕቲኦም ዘለዉ ሰባትን ንኺዛረቡን መገዲ ኸፊቱሎም እዩ። እንተዀነ ግን: ቃላት ቅብጥሮት ወይ ሻሕራ ኣድላዪ ኣይኰነን: ግቡእ እውን ኣይኰነን። (ምሳ. 29:5) ሓደ ቛንቋ ኣብ ሕጊ ሰዋስው ክብሪ እተርእየሉ ኣገባብ ኪህልዎ ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ: ክርስትያናት ኣኽብሮት ኬንጸባርቑ ኸለዉ ግን ነዚ ኻብ መጠን ንላዕሊ ኺጥቀሙሉ ኣለዎም ማለት ኣይኰነን።

ብኣኽብሮት ምዝራብ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ተስፋና ንዚሓተና ምላሽ ክንህብ ከለና “ብለውሃትን ብኽብርን” ክንገብሮ እዩ ዚምሕጸነና። (1 ጴጥ. 3:15 ትርጕም 1990) ስለዚ: ነቲ ኣብ ኣረኣእያ ኻልእ ሰብ ዘሎ ጕድለት ቀልጢፍና ኸነቃልዖ ንኽእል እኳ እንተ ዀንና: ክብሩ ብዜሕስር መገዲ ኸምኡ ምግባር ግን ጥበባዊ ድዩ፧ ብዓቕሊ ድሕሪ ምስማዕ: ንምንታይ ከምኡ ኸም ዚስምዖ ምሕታት: ድሕሪኡ ስምዒታቱ ኣብ ግምት ብምእታው ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት መረዳእታ ምሃቡ ዝሓሸዶ ኣይምዀነን፧

ንሰማዕቲ ኻብ መድረኽ ኴንካ ኽትዛረቦም ከለኻ እውን: ከምቲ በብሓደ እተርእዮም ኣኽብሮት ክትህቦም ኣሎካ። ሓደ ንሰማዕቱ ዜኽብር ተዛራባይ ኣበርቲዑ ኣይነቕፎምን ወይ “ብሓቂ ትደልዩ እንተ ዄንኩም: ነዚ ኽትገብርዎ ትኽእሉ ኢኹም” ዚብል ኣረኣእያ ዜመሓላልፍ ዘረባ ኣይዛረቦምን እዩ። በዚ ኸምዚ ምዝራብ ተስፋ ኻብ ምቝራጽ ሓሊፉ ዚዓብስ የብሉን። ሰማዕቲ ንየሆዋ ዜፍቅሩን ኬገልግልዎ ዚደልዩን እኩባት ሰባት ከም ዝዀኑ ጌርካ ምርኣይ ክሳዕ ክንደይ ዝሓሸ ዀን እዩ! ምስቶም ብመንፈስ ድኹማት: ብዙሕ ተመክሮ ዘይብሎም: ወይ ቃል ኣምላኽ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝሕቱላት ዝዀኑ ሰባት ኣብ ዘሎና ርክብ: ንየሱስ ብምምሳል ክንርድኣሎም ኣሎና።

እቲ ተዛራባይ ንርእሱ ቓል ኣምላኽ ብዝያዳ ኣብ ግብሪ ኼውዕል ከም ዘየድልዮ ገይሩ ዚርኢ እንተ ዀይኑ: እቶም ሰማዕቲ ንዕኦም ኣኽብሮት ከም ዘለዎ ይርድኦም። ስለዚ: ንቕዱሳት ጽሑፋት ኣወዓዕላኡ ኽትገልጽ ከለኻ: ነቲ “ንስኻትኩም” ዚብል ክንዲ ስም ኣዘውቲርካ ኻብ ምጥቃም ክትቍጠብ ይግባእ። ንኣብነት: ኣብ መንጎ እታ “ዚከኣለኩም ኵሉ ዲኹም እትገብሩ ዘለኹም፧” እትብል ሕቶን “ነፍሲ ወከፍና ንገዛእ ርእስና ‘ዝከኣለኒ ዅሉ ድየ ዝገብር ዘለኹ፧’ ኢልና ኽንሓትት ኣሎና” ዚብል ዘረባን ዘሎ ፍልልይ እሞ ኣስተብህለሉ። ክልቲአን ሕቶታት ዜመሓላልፋኦ ነጥቢ ሕደ እኳ እንተ ዀነ: እታ ቐዳመይቲ እቲ ተዛራባይ ንርእሱ ምስቶም ሰማዕቲ ማዕረ ገይሩ ኸም ዘይርእያ ተመልክት። እታ ኻልአይቲ ግን ነፍሲ ወከፍ ሰብ: እንተላይ እቲ ተዛራባይ: ኵነታቱን ድራኸታቱን ኪምርምር ተተባብዕ።

ንሰማዕትኻ ንኸተስሕቖም ጥራይ ኢልካ: ተረካብ ዘረባ ኻብ ምዝራብ ርእስኻ ግታእ። እዚ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሒዝዎ ዘሎ መልእኽቲ ዜኽብር ኣይኰነን። ሓቂ እዩ: በቲ ንኣምላኽ እንፍጽሞ ኣገልግሎት ባህ ኪብለና ኣለዎ። አረ ገሊኡ መዳያት ክፍልና እውን ዜስሕቕ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግን: ንሓደ ረዚን ጕዳይ ከም መስሓቕ ጌርካ ምቕራብ: ነቶም ሰማዕቲ ዀነ ንኣምላኽ ኣኽብሮት ዚህብ ኣይኰነን።

እምበኣር: ኣቀራርባናን ኣካላዊ ትርኢትናን ዘረባናን ንኻልኦት ሰባት ከምቲ የሆዋ ዝመሃረና ጌርና ኸም እንርእዮም ወትሩ ብንጹር የርኢ።

ብኸመይ ከም እትገብሮ

  • የሆዋ ንሰባት ብኸመይ ከም ዚርእዮም ፍለጥ።

  • ንርእስነትን ዕድመን ስልጣንን ሰባት ኣኽብሮትካ ግለጽ።

  • ንሰባት ኣረኣእያኦም ኪገልጹ ፍቐደሎም።

  • ንሰማዕትኻ ተረድኣዮም።

መላመዲ:- ብዛዕባ ሓደ ብብዙሕ ዕድመ ዚዓብየካ ወይ ዚንእሰካ ሰብ ሕሰብ። ነቲ ሰብ እቲ ብኸመይ ከም እትቐርቦ: ዝርርብ ንምብጋስ እንታይ ከም እትብል: ከምኡውን ነቲ ሰብ ኰነ ንዘረባኡ ናይ ሓቂ ኣኽብሮት ንኸተርእዮ እንታይ ከም እትገብር ሕሰብ። ድሕሪኡ ነቲ ዝሓሰብካዮ ኣብ ግብሪ ኣውዕሎ።

ዝያዳ ኣኽብሮት ዘርእየሉ መገዲ

․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․

․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․

․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․

․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․

․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․

․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․

․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․

․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․

․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ