ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • be መጽናዕቲ 46 ገጽ 244-ገጽ 246 ሕ.ጽ. 4
  • ካብ ፍሉጥ ኵነታት ምሳሌታት ምጥቃም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ካብ ፍሉጥ ኵነታት ምሳሌታት ምጥቃም
  • ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ዚርአ ነገራት ብውጽኢታዊ መገዲ ምጥቃም
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ንኻልኦት ኣኽብሮት ምርኣይ
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • “ብዘይ ምሳሌስ ኣይዛረቦምን ነበረ”
    “ንዓ እውን ሰዓብየይ ኩን”
  • “ብዘይ ምስላስ ኣይተዛረቦምን”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
ዝያዳ ርአ
ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
be መጽናዕቲ 46 ገጽ 244-ገጽ 246 ሕ.ጽ. 4

መጽናዕቲ 46

ካብ ፍሉጥ ኵነታት ምሳሌታት ምጥቃም

እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧

ካብቲ ሰማዕትኻ ዚጽመዱሉ ንጥፈታት ወይ ካብቲ ኣጸቢቖም ዚፈልጥዎ ነገራት: ምሳሌታት ተጠቐም።

ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ካብ ፍሉጥ ኵነታት እተወስደ ምሳሌታት: ልቢ ሰማዕቲ ይትንክፍ።

ዝዀነ ይኹን እትጥቀመሉ ምሳሌ: ምስቲ እትገልጾ ዘለኻ ትምህርቲ ዚሰማማዕ ኪኸውን ከም ዘለዎ ፍሉጥ እዩ። ውጽኢታዊ ንኪኸውን ግን: ንሰማዕትኻ እውን ዚሰማምዖም ኪኸውን ኣለዎ።

ዓይነት ሰማዕቲ ኣብ ምርጫ ምሳሌታትካ ብኸመይ ጽልዋ ኺህልዎ ይኽእል፧ የሱስ ክርስቶስ እንታይ ገይሩ፧ ንብዙሓት ህዝቢ ዀነ ንደቀ መዛሙርቱ ኺዛረቦም ከሎ: ኣብ ምድሪ እስራኤል ዘይተለምደ ዓይነት ኣብነታት ኣይጥቀምን እዩ ነይሩ። ካብ ካልእ ዓድታት እተወስደ ኣብነታት እንተ ዚጥቀም: ሰማዕቱ ኣይምተረድእዎን። ንኣብነት: ብዛዕባ ናብራ ነገስታት ግብጺ ወይ ብዛዕባ ሃይማኖታዊ ልምድታት ህንዲ ዋላ ሓንቲ ኣይጠቐሰን። እንተዀነ ግን: ምሳሌታቱ ኣብ ኵሉ ሃገራት ዚርከቡ ሰባት ምስ ዚገብርዎ ንጥፈታት እተኣሳሰረ እዩ። ክዳን ብዛዕባ ምልጋብ: ንግዲ ብዛዕባ ምንጋድ: ክቡር ነገር ብዛዕባ ምጥፋእ: ከምኡውን ናብ መርዓ ተዓዲምካ ብዛዕባ ምኻድ ተዛሪቡ እዩ። ኣብ ትሕቲ እተፈላለየ ዅነታት ሰባት እንታይ ከም ዚገብሩ ተረዲኡ ነበረ: ነዚ ድማ ተጠቐመሉ። (ማር. 2:21፣ ሉቃ. 14:7-11፣ 15:8, 9፣ 19:15-23) ስብከቱ ብፍላይ ናብ ህዝቢ እስራኤል ዘተኰረ ስለ ዝነበረ: ምሳሌታቱ ምስቲ ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ዚጥቀሙሉ ኣቝሑ ወይ ዚገብርዎ ንጥፈታት እተተሓሓዘ እዩ ነይሩ። ስለዚ: ንኸም ማሕረስ: ኣባጊዕ ንጓሳአን ዜርእያኦ ምላሽ: ከምኡውን ወይኒ ኣብ ኣሕርብቲ ምዕራቕ ዝኣመሰለ ነገራት ጠቒሱ ኣሎ። (ማር. 2:22፣ 4:2-9፣ ዮሃ. 10:1-5) ፍሉጥ ታሪኻዊ ኣብነታት እውን ጠቒሱ እዩ፣ ገለ ኻብኡ ፍጥረት ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን: ብግዜ ኖህ ዘጋጠመ ማይ ኣይሂ: ጥፍኣት ሶዶምን ጎሞራን: ከምኡውን ሞት ሰበይቲ ሎጥ ኪጥቀስ ይከኣል። (ማቴ. 10:15፣ 19:4-6፣ 24:37-39፣ ሉቃ. 17:32) ምሳሌታት ክትመርጽ ከለኻ: ሰማዕትኻ ዜዘውትርዎ ንጥፈታትን ባህሎምን ኣብ ግምት ተእቱ ዲኻ፧

ንብዙሓት ሰባት ዘይኰነስ: ንሓደ ሰብ ወይ ምናልባት ንሒደት ሰባት ትዛረብ እንተ ኣለኻኸ፧ ብፍላይ ነቶም ሒደት ሰባት ዚዀኖም ምሳሌ ኽትመርጽ ጽዓር። የሱስ ኣብታ ጥቓ ሲካር ዝነበረት ዔላ ንሓንቲ ሳምራዊት ሰበይቲ ኺምስክረላ ኸሎ: ብዛዕባ “ማይ ህይወት:” ብዛዕባ “ንዘለኣለም ህይወት ዚፍልፍል ዓይኒ ማይ:” ከምኡውን ብዛዕባ ‘ንዘለኣለም ዘይምጽማእ’ ተዛረባ፣ እዚ ዅሉ ድማ ምስቲ እታ ሰበይቲ እትዓዮ ዝነበረት ዕዮ ብቐጥታ ዚተሓሓዝ ስእላዊ ዘረባ እዩ ነይሩ። (ዮሃ. 4:7-15) ነቶም መርበቦም ዚሓጽቡ ዝነበሩ ገፈፍቲ ዓሳ ኺዛረቦም ከሎ ኸኣ: እቲ እተጠቕመሉ ስእላዊ ዘረባ ምስ ምግፋፍ ዓሳ እተተሓሓዘ እዩ ነይሩ። (ሉቃ. 5:2-11) ኣብ ክልቲኡ መዳያት: እቶም ሰባት ኣብ ሕርሻ ዚካየደሉ ቦታታት ይነብሩ ስለ ዝነበሩ ምስ ማሕረስ እተተሓሓዘ ነገር ኪዛረቦም ይኽእል ነይሩ። ኰይኑ ግን: ምስቲ ብሕታዊ ንጥፈታቶም ዚተሓሓዝ ነገር ኣብ ኣእምሮኦም ብምስኣሉስ ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ብዝያዳ ውጽኢታዊ ዀን እዩ ነይሩ! ንስኻኸ ኸምዚ ኽትገብር ትጽዕር ዲኻ፧

የሱስ “ናብተን ጥፉኣት ኣባጊዕ ቤት እስራኤል” ኬተኵር ከሎ: ሃዋርያ ጳውሎስ ግን ናብ እስራኤል ጥራይ ዘይኰነስ ናብ ኣህዛብ እውን ተላኢኹ እዩ። (ማቴ. 15:24፣ ግብ. 9:15) እዚ ኣብቲ ጳውሎስ እተዛረበሉ መገዲ ለውጢ ኣምጺኡዶ፧ እወ። ነቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ክርስትያናት ኪጽሕፈሎም ከሎ: ንቕድድም እግሪ: ኣብ ቤተ መቕደስ ጣኦታት ናይ ምብላዕ ልማድ: ከምኡውን ንዓጀባ ዓወት ዚእምት ነገር ጠቒሱ እዩ፣ እዚ ነገራት እዚ ኸኣ እቶም ኣህዛብ ኣጸቢቖም ዚፈልጥዎ ነገር እዩ ነይሩ።—1 ቈረ. 8:1-10፣ 9:24, 25፣ 2 ቈረ. 2:14-16

ንኽትምህረሉ ኢልካ ምሳሌታትን ኣብነታትን ክትመርጽ ከለኻ: ከም የሱስን ጳውሎስን ጥንቁቕ ዲኻ፧ ድሕረ-ባይታን መዓልታዊ ንጥፈታትን ሰማዕትኻ ኣብ ግምት ተእቱ ዲኻ፧ ልክዕ እዩ: ካብ ቀዳማይ ዘመን ኣትሒዙ ኣብ ዓለም ለውጥታት ኣጋጢሙ እዩ። ብዙሓት ሰባት ብተለቪዥን ኣቢሎም ዜና ዓለም ኪሰምዑን ኪርእዩን ይኽእሉ እዮም። ብዙሕ ግዜ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዘሎ ዅነታት ኪፈልጥዎ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ከባቢኻ ኸምዚ ዓይነት ኵነታት እንተሎ: ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዜና: ምሳሌታት ዚኸውን ምውሳድ ጌጋ የብሉን። ይኹን እምበር: መብዛሕትኡ ግዜ ንሰባት ውሽጦም ዚትንክዮም ነገር: ምስ ብሕታዊ ህይወቶም እተተሓሓዘ ነገራት: ማለት ቤቶም: ስድራቤቶም: ዕዮኦም: ዚበልዕዎ ምግቢ: ኣብ ከባቢኦም ዘሎ ዅነታት ኣየር እዩ።

እትጥቀመሉ ምሳሌ ብዙሕ መግለጺ ዜድልዮ እንተ ዀይኑ: ምናልባት ሰማዕትኻ ብዛዕባ ዘይፈልጥዎ ነገር ኢኻ እትዛረብ ዘለኻ። ከምዚ ዝኣመሰለ ምሳሌ ነቲ ኽትምህሮ ዝደለኻ ነጥቢ ብቐሊሉ ኺዕብልሎ ይኽእል እዩ። ውጽኢቱ ድማ እቶም ሰማዕቲ ነቲ ምሳሌኻ እኳ እንተ ዘከርዎ: ነቲ ኸተመሓላልፎ ዝደለኻ ቕዱስ ጽሑፋዊ ሓቂ ግን ኣይዝክርዎን።

የሱስ እተሓላለኸ ምንጽጻራት ዘይኰነስ: ቀሊልን ኣብ መዓልታዊ ጕዳያቶም ዜዘውትርዎ ነገራትን እዩ ተጠቒሙ። ብንኣሽቱ ነገራት ገይሩ ንዓበይቲ ነገራት ገለጸ: ብቐለልቲ ነገራት ገይሩ ኸኣ ከበድቲ ነገራት ኣብርሀ። ንመዓልታዊ ፍጻመታትን መንፈሳዊ ሓቅታትን ብምትእስሳር: ነቲ ዚምህሮ ዝነበረ መንፈሳዊ ሓቅታት ብቐሊሉ ኸም ዚርድእዎን ከም ዚዝክርዎን ገበረ። ከመይ ዝበለ ኽንስዕቦ ዚግባእ ሰናይ ኣብነት ኰን እዩ!

ነዚ ኽእለት እዚ ብኸመይ ከም እተማዕብሎ

  • ብዛዕባ እቲ ኽትብሎ እትደሊ ነገር ጥራይ ዘይኰነስ: ብዛዕባ ሰማዕትኻ ምሕሳብ እውን ተምሃር።

  • ኣብ ህይወትካ ንዘሎ ዝርዝር ነገራት ተዓዘብ።

  • ኣብ ሰሰሙን እንተ ወሓደ ሓደ ቕድሚ ሕጂ ዘይተጠቐምካሉ ጽቡቕ ምሳሌ ኽትጥቀም ሸቶ ግበር።

መላመዲ:- ነቲ ኣብ ማቴዎስ 12:10-12 ተጠቒሱ ዘሎ ምሳሌ መርምሮ። ውጽኢታዊ ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧

ንዀተቴ ወይ ንጐርዞ ብዛዕባ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ንምርዳእ ክጥቀመሉ ዝኽእል ምሳሌታት

․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․

ንዓብዪ ሰብ ብዛዕባ ሓደ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መሰረታዊ ሓቂ ንምርዳእ ክጥቀመሉ ዝኽእል ምሳሌታት

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ