መጽናዕቲ 33
ብሜላ ግናኸ ብጽንዓት ምዝራብ
ሜላ ኺበሃል ከሎ ንሰባት ብዘየድሊ ኸየቀየምካ ምሳታቶም ጕዳይካ ናይ ምፍጻም ክእለት የመልክት። ብኸመይን መዓስን ከም እትዛረብ ምፍላጥ የጠቓልል። እዚ ግን ኣብቲ ቕኑዕ ዝዀነ ነገር ምልምላም ወይ ሓቅታት ምጥዋይ ኣየመልክትን እዩ። ሜላ ምስ ፍርሂ ሰብ ኬደናግረና የብሉን።—ምሳ. 29:25
ብሜላ ንኽንዛረብ ብሉጽ መሰረት ዚዀነና ፍረ መንፈስ እዩ። ሓደ ብፍቕሪ እተደረኸ ሰብ ንኻልኦት ኬሕርቕ ኣይደልን እዩ፣ የግዳስ: ኪሕግዞም እዩ ዚደሊ። ለዋህን ህዱእን ዝዀነ ሰብ ንዝዀነ ይኹን ነገር ብልዙብ መገዲ እዩ ዚገብሮ። ሰላማዊ ሰብ ምስ ካልኦት ጽቡቕ ርክባት ኪህልዎ ይጽዕር እዩ። ዓቕሊ ዘለዎ ሰብ ከኣ ዋላ እውን ሰባት ኣሻዃት እንተ ዀንዎ: ርግኣቱ ኣየጥፍእን እዩ።—ገላ. 5:22, 23
ይኹን እምበር: እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ መልእኽቲ ብዝዀነ ይኹን መገዲ ይቕረብ ብዘየገድስ: ገሊኦም በዚ ዚቕየሙ ኣለዉ። እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ መብዛሕትኦም ኣይሁድ እኩይ ልቢ ስለ ዝነበሮም: የሱስ ክርስቶስ ንዓታቶም “እምኒ መዓንቀፍን ኣንደልሂጹ ዜውድቕ ከውሕን” ኰኖም። (1 ጴጥ. 2:7, 8 ትርጕም 1990) የሱስ ምስ ምእዋጅ መንግስቲ ኣምላኽ ብምትሕሓዝ: “ናብ ምድሪ ሓዊ ኽድርቢ እየ ዝመጻእኩ” በለ። (ሉቃ. 12:49) እቲ ደቅሰብ ንልዑላውነት ፈጣሪኦም ኣፍልጦ ኺህቡሉ ኸም ዘለዎም ዜጠቓልል መልእኽቲ መንግስቲ የሆዋ: ሕጂ እውን ንደቅሰብ ተጓኒፍዎም ዘሎ ህጹጽ ጕዳይ እዩ። ብዙሓት ሰባት: መንግስቲ ኣምላኽ ድሕሪ ሓጺር እዋን ነዚ ዘሎ እኩይ ስርዓት ከም እተጥፍኦ ዚገልጽ መልእኽቲ ኣየሐጕሶምን እዩ። ኰይኑ ግን: ንኣምላኽ ስለ እንእዘዝ: ምስባኽ ኣይነቋርጽን ኢና። ከምዚ ኽንገብር ከለና ግን: ነቲ “ዚከአል እንተ ዀይኑስ: ብኣኻትኩም ዝመጸ: ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ” ዚብል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ምኽሪ ኣብ ግምት ነእቱ ኢና።—ሮሜ 12:18
ብሜላ ምምስካር። ብዛዕባ እምነትና ንኻልኦት እንነግረሉ ብዙሕ ኵነታት ኣሎ። ልክዕ እዩ: ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኸምኡ ንገብር ኢና፣ እንተዀነ ግን: ምስ ኣዝማድናን መሳርሕትናን መማህርትናን ክንከውን ከለና ግቡእ ኣጋጣሚ ነናዲ ኢና። ኣብ ኵሉ እዚ ኣጋጣሚታት እዚ: ሜላ ኣድላዪ እዩ።
ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ: ንሰባት መምርሒ ንህቦም ከም ዘለና ጌርና እንተ ነጊርናዮም: ቅር ኪብሎም ይኽእል እዩ። ሓገዝና ኣብ ዘይሓተቱሉ እዋን: ምናልባት እውን ሓገዝና ዜድልዮም ኰይኑ ኣብ ዘይተሰምዖም እዋን: ኪዕረዩ ኸም ዘለዎም ዚእምት ዝዀነ ይኹን መልእኽቲ ምስ እነመሓላልፈሎም ኬቐይሞም ይኽእል እዩ። ግጉይ ጦብላሕታ ንኸይሓድሮም ብኸመይ ጥንቃቐ ኽንገብር ንኽእል፧ ምቕሉል ዝርርብ ናይ ምግባር ክእለት ምጥራይ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።
ነቲ ሰብ ብዜገድሶ ርእሰ ነገር ዝርርብ ከተጀምር ጽዓር። እቲ ሰብ ዘመድካ: መሳርሕትኻ: ወይ መማህርትኻ እንተ ዀይኑ: እንታይ ከም ዜገድሶ ድሮ ትፈልጥ ትኸውን። ምስቲ ሰብ ቅድሚኡ ተራኺብካ ዘይትፈልጥ እኳ እንተ ዀንካ: ኣብ ዜና ዝሰማዕካዮ ወይ ኣብ ጋዜጣ ዘንበብካዮ ጕዳይ ከተልዕል ትኽእል ኢኻ። ከምዚ ዝኣመሰለ ርእሰ ነገር መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ኣብ ኣእምሮ ሓያሎ ሰባት ዘሎ እዩ ዜንጸባርቕ። ካብ ቤት ናብ ቤት ከተገልግል ከለኻ: መስተብሃሊ ኹን። ኣብቲ ቤት ዘሎ ስልማት: ኣብቲ ቐጽሪ ዘሎ መጻወቲታት: ሃይማኖታዊ ኣቝሑ: ከምኡውን ደው ኢላ ኣብ ዘላ ማኪና እተለጠፈ ቓላት ብዛዕባ ነቲ ብዓል ቤት ዜገድሶ ነገር ተወሳኺ መሐበሪ ኺህበካ ይኽእል እዩ። እቲ ብዓል ቤት ማዕጾ ምስ ከፈተልካ: ሓሳባቱ ኺገልጽ ከሎ ስምዓዮ። እቲ ዚዛረቦ ነገር ብዛዕባ እቲ ዜገድሶ ነገራትን ኣረኣእያታቱን በጺሕካዮ ዝነበርካ መደምደምታ ኼረጋግጸልካ ወይ ኪእርመካ ይኽእል እዩ: ምስክርነት ንኽትህብ ከኣ እንታይ ኣብ ግምት ከተእቱ ኸም ዘሎካ ተወሳኺ ሓበሬታ ኺህበካ እዩ።
ዝርርብ ምስ ጀመርኩም: ምስቲ ርእሰ ነገር ዚተሓሓዝ ሓሳባት ዘለዎ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋትን ዚርከብ ነጥብታት ኣካፍሎ። ነቲ ዝርርብ ግን ኣይትዓብልሎ። (መክ. 3:7) እቲ ብዓል ቤት ኣብቲ ምይይጥ ክሳተፍ ፍቓደኛ እንተ ዀይኑ ዕድል ሃቦ። ብኣረኣእያኡ ተገደስ። እዚ ኸኣ ብሜላ ንኽትዛረብ ኣፋፍኖት ኪህበካ ይኽእል እዩ።
ዝዀነ ይኹን ነገር ቅድሚ ምዝራብካ: ነቲ ሰብ እንታይ መልእኽቲ ኼመሓላልፈሉ ኸም ዚኽእል ሕሰብ። ምሳሌ 16:23 ‘ንመስተውዓሊ ኣፍ’ ትንእድ እያ። እታ ኣብዚ ተጠቒሳ ዘላ ናይ እብራይስጢ ቓል ምስ ምስትብሃል ወይ ብልሓት እትተሓሓዝ እያ። ስለዚ: ምስትውዓል ኪበሃል ከሎ: ብጥበብ ምእንቲ ኽትመላለስ ኢልካ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ኣጸቢቕካ ብምሕሳብ እተውስኦ ጥንቃቐ ዝመልኦ ዘረባ የጠቓልል። ምሳሌ 12:18 ‘ከም ዚቘርጽ ሰይፊ ጌርና ኸይንዛረብ’ ተጠንቀቕ። ንሰብ ከየቐየምካ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ምድጋፍ ይከኣል እዩ።
ኣብ ናይ ቃላት ምርጫኻ መስተውዓሊ ምስ እትኸውን: ዘየድሊ ዕንቅፋት ንኸይትፈጥር ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። “መጽሓፍ ቅዱስ” እትብል ቃል ኣብ ኣእምሮ ሰባት ዕንቅፋት እትፈጥር እንተ ዀይና: ከም “ቅዱሳት ጽሑፋት” ወይ “ሕጂ ብልዕሊ 2,000 ቋንቋታት እተተርጐመ መጽሓፍ” ዝኣመሰለ መግለጺ ኽትጥቀም ትኽእል ትኸውን። ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ክትጠቅስ እንተ ዄንካ: ነቲ ሰብ ብዛዕባኡ ዘለዎ ኣረኣእያ ሓቲትካ: ነቲ ዚህበካ መልሲ ኣብቲ ድሕሪኡ እትገብሮ ዝርርብ ኣብ ግምት ከተእትዎ ትኽእል ኢኻ።
መብዛሕትኡ ግዜ ብሜላ ምዝራብ ኪበሃል ከሎ: ኣብቲ ግቡእ ግዜ ምዝራብ እውን ዜጠቓልል እዩ። (ምሳ. 25:11) ነቲ እቲ ሰብ ዚብለካ ዅሉ ኣይትሰማምዓሉን ትኸውን: ንዅሉ እቲ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ኣረኣእያኡ ግን ከም ሓደ ጕዳይ ጌርካ ኽትሕዞ የብልካን። ነቲ ብዓል ቤት ኵሉ ነገር ብሓንሳእ ክትነግሮ ኣይትፈትን። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ “ዝነግረኩም ብዙሕ ካልእ ዘረባ ገና አሎኒ: ግናኸ ሕጂ ኽትጾርዎ ኣይትኽእሉን ኢኹም” በሎም።—ዮሃ. 16:12
ዚከኣል እንተ ዀይኑ: ነቶም እትዛረቦም ዘለኻ ኻብ ልቢ ንኣዶም። እቲ ብዓል ቤት ተኻታዒ እኳ እንተ ዀነ: ብገሊኡ ኣረኣእያኡ ኽትንእዶ ትኽእል ኢኻ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ኣርዮስፋጎስ ናይ ኣቴና ዝረኸቦም ፈላስፋታት ብተመሳሳሊ መገዲ እዩ ተዛሪብዎም። እቶም ፈላስፋታት “ምስኡ ይካትዑ ነበሩ።” (ትርጕም 1990) ከየቐየሞም መልእኽቱ ኼመሓላልፈሎም ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧ ኣቐዲሙ ነቲ ንኣማልኽቶም ዝሰርሕዎ ሓያሎ መሰውኢታት ርእዩ ነበረ። ነቶም ሰብ ኣቴና በቲ ኣምልኾ ጣኦታት ኣብ ክንዲ ዚዅንኖም: ስለቲ ሓያል ሃይማኖታዊ ስምዒቶም ብሜላ ነኣዶም። “ብዅሉ ነገር ምምላኽ ኣማልኽቲ ኸም እተብዝሑ: እርእየኩም አሎኹ” በሎም። እዚ ኣቀራርባ እዚ ብዛዕባ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ መልእኽቱ ንኬቕርብ መገዲ ኸፈተሉ። ከም ውጽኢቱ ድማ: ገሊኦም ኣመንቲ ዀኑ።—ግብ. 17:18, 22, 34
ተቓውሞታት ኪለዓል ከሎ: እምብዛ ኣኽቢድካ ኣይትርኣዮ። ህድእ በል። ነቲ ተቓውሞታት ብዛዕባ ኣተሓሳስባ እቲ ሰብ ዝያዳ ምስትውዓል ንኸተጥሪ ዜኽእለካ ኣጋጣሚ ጌርካ ርኣዮ። ኣረኣእያኡ ብምግላጹ ኸተመስግኖ ትኽእል ኢኻ። ብሃንደበት “ኣነ ሃይማኖተይ ኣሎኒ” እንተ በለካኸ፧ ብሜላ “ኣብ ምሉእ ህይወትካ ሃይማኖታዊ ሰብ ዲኻ ኔርካ፧” ኢልካ ኽትሓቶ ትኽእል ኢኻ። መልሲ ምስ ሃበካ: “ደቅሰብ ብሓድነት ሓንቲ ሃይማኖት ዚስዕቡሉ እዋን ዚመጽእዶ ይመስለካ፧” ኢልካ ኽትሓቶ ትኽእል ኢኻ። እዚ ንተወሳኺ ዝርርብ መገዲ ኪኸፍት ይኽእል እዩ።
ብዛዕባ ርእስና ግቡእ ኣረኣእያ ምሓዝ: ብሜላ ንኽንዛረብ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። መገድታት የሆዋ ቕኑዕ ምዃኑን ቃሉ ሓቂ ምዃኑን ብጽኑዕ ንኣምነሉ ኢና። ብዛዕባ እዚ ነገራት እዚ ብምትእምማን ኢና እንዛረብ። እንተዀነ ግን: ንምምጽዳቕ ዋላ ሓንቲ ምኽንያት የብልናን። (መክ. 7:15, 16) ሓቂ ምፍላጥናን በረኸት የሆዋ ምርካብናን ነማስወሉ ኢና። ኰይኑ ግን: ስምረቱ ኽንረክብ ዝኸኣልና ብጸጋኡን በታ ኣብ ክርስቶስ ዘላትና እምነትን ደኣ እምበር: ብጽድቅና ኸም ዘይኰነ ኣጸቢቕና ንፈልጥ ኢና። (ኤፌ. 2:8, 9) ወትሩ ‘ብእምነት እንተ ኣሊና: ርእስና ኽንፍትንን ርእስና ኽንምርምርን’ ከም ዜድልየና ንፈልጥ ኢና። (2 ቈረ. 13:5) ስለዚ: ንሰባት ብዛዕባ እቲ ምስቲ ኣምላኽ ዚሓቶ ብቕዓታት ተሰማሚዕካ ምንባር ዘለዎ ኣድላይነት ክንዛረቦም ከለና: ንሕና እውን ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ምኽሪ ብትሕትና ንዓየሉ ኢና። ንሰብ ክንፈርድ ቦታና ኣይኰነን። የሆዋ ‘ፍርዲ ዘበለ ንወዲ ሂብዎ እዩ:’ ንሕና ድማ ነቲ ዝገበርናዮ ኣብ ቅድሚ እቲ መንበር ፍርዱ ኢና እንሕተተሉ።—ዮሃ. 5:22፣ 2 ቈረ. 5:10
ምስ ስድራቤትን ክርስትያናት ብጾትን። ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ጥራይ ኣይኰነን ብሜላ ኽንዛረብ ዚግባእ። ብሜላ ምዝራብ መግለጺ ፍረ መንፈስ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ: ኣብ ቤትና ምስ ኣባላት ስድራቤትና ኣብ ዘሎና ርክብ እውን ብሜላ ኽንዛረብ ኣሎና። ፍቕሪ ንስምዒት ካልኦት ንኽንሓስብ ትድርኸና እያ። ሰብኣይ ንግስቲ ኣስቴር ንየሆዋ ዜምልኽ ኣይነበረን: ንሳ ግን ንኣገልገልቲ የሆዋ ዚምልከት ጕዳይ ከተቕርበሉ ኸላ ኣኽብሮታ ኣርእያቶን ብዓብዪ ምስትውዓል ቀሪባቶን እያ። (ኣስቴር ምዕ. 3-8) ኣብ ገሊኡ መዳያት ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ ኣባላት ስድራቤትና ብሜላ ምቕራብ ኪበሃል ከሎ: ብዛዕባ እምነትና ብቓላትና ዘይኰነስ: ብኣካይዳና መገዲ ሓቂ ኸነርእዮም ይሓትት ይኸውን።—1 ጴጥ. 3:1, 2
ብተመሳሳሊ: ንኣባላት ጉባኤና ኣጸቢቕና ስለ እንፈልጦም: ኣብ ኣፍና ዝመጸልና ኽንድርጕሓሎም ወይ ተሪር ቃላት ክንዛረቦም ኣይግባእን። ብሱላት ስለ ዝዀኑ: ኪጾርዎ ኣለዎም ዚብል ምኽንያት ከነቕርብ የብልናን። “ብባህርየይ ከምኡ እየ” ዚብልዎ መመኽነይታ እውን ተቐባልነት የብሉን። እቲ እንዛረቦ ነገር ንሰባት ዜጕህዮም እንተ ዀይኑ: ንኽንቅየር ክንጽዕር ኣሎና። እታ ‘ንሓድሕድና ዘላትና ሃልሃል እትብል ፍቕሪ:’ ‘ነቶም ኣመንቲ ስድራ ቤት ሰናይ ንኽንገብር’ ክትድርኸና ኣለዋ።—1 ጴጥ. 4:8, 15፣ ገላ. 6:10
መደረ ኸተቕርብ ከለኻ። እቶም ካብ መድረኽ ዚዛረቡ እውን ብሜላ ኺዛረቡ ኣለዎም። እቶም ተኣከብቲ ኻብ እተፈላለየ ድሕረ-ባይታን ኵነታትን ዝመጹ እዮም። ብመንፈሳዊ ዕቤቶም ኣብ እተፈላለየ ደረጃ እዮም ዚርከቡ። ገሊኦም ንመጀመርታ ግዜ ኣብቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዝመጹ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ገሊኦም ከኣ እቲ ተዛራባይ ዘይፈልጦ ውጥረት ዝመልኦ እዋን የሕልፉ ይህልዉ። ሓደ ተዛራባይ ንሰማዕቱ ንኸየቐይም ኪሕግዞ ዚኽእል እንታይ እዩ፧
ምስቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ንቲቶስ ዝሃቦ ምኽሪ ብምስምማዕ: ‘ንሓደ እኳ ኸይትጸርፍ: የግዳስ ልኡም: ለውሃት ዘበለ ንዅሉ ሰብ እተርኢ ኽትከውን’ ሸቶኻ ግበሮ። (ቲቶስ 3:2) ነቶም ካብ ካልእ ዓሌት: ቋንቋ: ወይ ህዝቢ ዝዀኑ ሰባት ዜዋርድ ቃላት እዛ ዓለም እዚኣ ኣይትቕዳሕ። (ራእ. 7:9, 10) የሆዋ ኺማላእ ዚደልዮ ብቕዓታት ብጋህዲ ግለጽ: ነዚ ኣብ ግብሪ ምውዓል ጥበብ ምዃኑ ድማ ኣርኢ። ይኹን እምበር: ብዛዕባ እቶም ገና ብመገዲ የሆዋ ዘይመላለሱ ዘለዉ ዜነኣእስ ቃላት ኣይትጠቐም። ኣብ ክንዳኡስ: ኵላቶም ፍቓድ ኣምላኽ ኬስተውዕሉን ንዕኡ ዜሐጕሶ ኺገብሩን ኣተባብዓዮም። ምኽሪ ኽትህብ ከለኻ: ብምዉቕን ብልባውን ናእዳ ኣለምልሞ። በቲ እትዛረበሉ መገድን ብቓና ድምጽኻን ነቲ ዅላትና ንሓድሕድና ኺህልወና ዘለዎ ፍቕሪ ሕውነት ኣመሓላልፍ።—1 ተሰ. 4:1-12፣ 1 ጴጥ. 3:8