መጽናዕቲ 48
ርትዓዊ ኣገባብ
ቃል ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ዘምጸኦ ለውጥታት ነመስግነሉ ኢና: ካልኦት እውን ኪጥቀሙ ንደሊ ኢና። ብተወሳኺ: እቲ ሰባት ነቲ ብስራት ዘለዎም ኣቀባብላ: ንመጻኢኦም ዚጸልዎ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። (ማቴ. 7:13, 14፣ ዮሃ. 12:48) ነቲ ሓቂ ኪቕበሉ ልባዊ ባህጊ ኣሎና። ይኹን እምበር: ብዙሕ ጽቡቕ ክንዓምም እንተ ደሊና: ምትእምማንናን ቅንኣትናን ብምስትውዓል ኪስነ ኣለዎ።
ንሓደ ሰብ ነቲ ዚፈትዎ እምነቱ ሓሶት ምዃኑ ዜቃልዕ ሓቂ እንተ ደርጒሕካሉ: ዋላ እውን ብብዙሕ ጥቕስታት ተደጊፉ እንተ ቐረበሉ: ብሓፈሻኡ ኣይቅበሎን እዩ። ንኣብነት: ህቡብ በዓላት ኣረማዊ ምንጪ ኸም ዘለዎ ብምግላጽ እንተ ዀኒንካዮ: ነቲ ሰባት ብዛዕባ እቲ በዓላት ዚስምዖም ነገራት ኣይቅይሮን ይኸውን። ብርትዓዊ መገዲ ኸተረድኦም ምስ እትጽዕር ግን መብዛሕትኡ ግዜ ዝያዳ ይሰልጠካ። እሞ ደኣ ርትዓዊ ምዃን ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧
ቅዱሳት ጽሑፋት “እታ ናይ ላዕሊ ጥበብ . . . ሰላማዊት: ርትዓዊት” ምዃና ይነግረና እዩ። (ያእ. 3:17 NW) እታ ኣብዚ “ርትዓዊት” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽኛ ቓል: ቃል ብቓሉ “ተዓጻፊት” ማለት እያ። ገሊኡ ትርጕማት “ሓሳቢት:” “ልእምቲ:” ወይ “ጸዋር” ዚብል ትርጕም ሂብዋ ኣሎ። ኣብዚ ርትዓዊ ምዃን ምስ ሰላማዊ ምዃን ከም እተኣሳሰረ ኣስተብህል። ኣብ ቲቶስ 3:2 ምስ ለውሃት ተጠቒሳ: ኣንጻር ባእሲ ምዃና ኸኣ ተገሊጻ ኣላ። ፊልጲ 4:5 “ርትዓውነትና” (NW) ብዅሉ ሰብ ኪፍለጥ ትምሕጸነና እያ። ርትዓዊ ሰብ: ንድሕረ-ባይታን ኵነታትን ስምዒታትን እቲ ዚዛረቦ ሰብ ኣብ ግምት የእቱ እዩ። ግቡእ ኣብ ዚዀነሉ እዋን ከኣ ኪዕጸፍ ድሉው እዩ። ንኻልኦት ሰባት በዚ ኸምዚ ምሓዝና: ኣእምሮኦምን ልቦምን ንኪኸፍቱ ይሕግዞም: ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ርትዓዊ መረድኢ ኸነቕርበሎም ከለና ኸኣ ይቕበሉና።
ካበይ ከም እትጅምር። ሉቃስ እቲ ጸሓፍ ታሪኽ: ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ተሰሎንቄ ንዝነበሩ ሰባት: “መሲሕ መከራ ኪቕበልን ካብ ምዉታት ኪትንሥእን ከም ዚግብኦ [ብቕዱሳት መጻሕፍቲ] ይገልጸሎምን የረድኦምን ነበረ” ኢሉ ጸብጺቡ ኣሎ። (ግብ. 17:2, 3 ትርጕም 1990) ጳውሎስ ነዚ ኣብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ምግባሩ ኸነስተብህለሉ ዚግባእ እዩ። እቶም ዚዛረቦም ዝነበረ ሰባት: ንቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ይቕበልዎ ነበሩ። በቲ እተቐበልዎ ነገር ምጅማሩ ግቡእ እዩ ነይሩ።
ጳውሎስ ኣብቲ ኣብ ኣቴና ዚርከብ ኣርዮስፋጎስ ንግሪኻውያን ኪዛረቦም ከሎ: ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣይኰነን ተጠቒሙ። ኣብ ክንዳኡስ: በቲ ዚፈልጥዎን ዚቕበልዎን ነገራት እዩ ጀሚሩ: ካብዚ ተበጊሱ ድማ ብዛዕባ ፈጣርን ዕላማታቱን ከም ዚሓስቡ ገበረ።—ግብ. 17:22-31
ኣብዚ ግዜና: ብቢልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት: መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወቶም መምርሒ ኪኸውን ከም እተዋህበ ኣይኣምኑሉን እዮም። ኰይኑ ግን: ዳርጋ ናይ ኵሉ ሰብ ህይወት በቲ ኣብዚ ስርዓት እዚ ዘሎ ሕማቕ ኵነታት ይትንከፍ እዩ። ሰባት ዝሓሸ ነገር ኪረኽቡ ሃረር ይብሉ እዮም። ፈለማ በቲ ዚርብሾም ነገር ከም እትግደስ: ድሕሪኡ ኸኣ መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ብኸመይ ከም ዚገልጾ እንተ ኣርኢኻዮም: ከምዚ ዝኣመሰለ ርትዓዊ ኣቀራርባ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንደቅሰብ ዘለዎ ዕላማ ዚገልጾ ነገራት ኪሰምዑ ይድረኹ ይዀኑ።
ሓደ ተመሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ወለዱ ዝወረሶ እተወሰነ ሃይማኖታዊ እምነታትን ልምድታትን ይህልዎ ይኸውን። ሕጂ ግን እቲ ተመሃራይ እቲ እምነታትን ልምድታትን ንኣምላኽ ዜሐጕስ ዘይምዃኑ ይመሃር: ብመሰረት እቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመሃሮ ኸኣ ነዚ እምነታትን ልምድታትን ይሓድጎ። እቲ ተመሃራይ ነቲ ውሳኔኡ ኸመይ ገይሩ እዩ ንወለዱ ኺገልጸሎም ዚኽእል፧ ነቲ ዘውረስዎ ሃይማኖት ብምሕዳጉ: ንዓታቶም ይሓድጎም ከም ዘሎ ዀይኑ ኺስምዖም ይኽእል እዩ። እቲ ተመሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ውሳኔኡ መሰረት ዝዀኖ ነገር ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ቅድሚ ምግላጹ: ንወለዱ ኸም ዜፍቅሮምን ከም ዜኽብሮምን ዳግም ኬረጋግጸሎም የድልዮ ይኸውን።
መዓስ ክትዕጸፍ ከም ዘሎካ። የሆዋ ንኺእዝዝ ምሉእ ስልጣን እኳ እንተ ኣለዎ: ዜደንቕ ርትዓውነት የርኢ እዩ። መላእኽቲ የሆዋ ንሎጥን ስድራቤቱን ካብ ሶዶም ኬድሕንዎም ከለዉ: “ምእንቲ ኸይትጠፍእ: ናብ ከረን ኣቢልካ ድሓን” በልዎ። ኰይኑ ግን: ሎጥ “ኣይፋልካን ጐይታይ” ድሕሪ ምባሉ: ናብ ዞኣር ኪሃድም ለመነ። የሆዋ ንሎጥ ከምኡ ኺገብር ብምፍቃድ ሓልዮት ኣርኣዮ፣ ስለዚ: ካልኦት ከተማታት ኪጠፍኣ ኸለዋ: ዞኣር ተናሕፈት። እንተዀነ ግን: ሎጥ ጸኒሑ ነቲ የሆዋ ኣብ መጀመርታ ዝሃቦ መምርሒ ብምስዓብ ናብቲ ኣኽራን ገዓዘ። (ዘፍ. 19:17-30) የሆዋ እቲ ዝሃቦ መምርሒ ቕኑዕ ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ: ሎጥ ክሳዕ ዚርድኦ ግን ብትዕግስቲ ሓልዮት ኣርኣዮ።
ምስ ካልኦት ዘሎና ርክብ ጽቡቕ ምእንቲ ኪኸውን: ርትዓውያን ክንከውን ኣሎና። እቲ ኻልእ ሰብ ጌጋ ምዃኑ ንተኣማመን ንኸውን: ነዚ ዜረጋግጽ ሓያል መርትዖታት እውን ይህልወና ይኸውን። ሓድሓደ ግዜ ግን: ነቲ ሰብ ጌጋኡ ንኪቕበል ጸቕጢ ዘይምግባር ይሓይሽ። ርትዓውነት ኪበሃል ከሎ: ኣብ መለክዒታት የሆዋ ምልምላም ማለት ኣይኰነን። ነቲ ሰብ ዝያዳ ኣብ ዚጠቕሞ ምይይጥ ምእንቲ ኸተተኵር ኢልካ: ሓሳቡ ብምግላጹ ምምስጋኑ ወይ ገሊኡ ሓሳባት ከይተኸራኸርካ ስቕ ኢልካ ምሕላፉ ማለት ጥራይ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ነቲ እትኣምነሉ ዋላ እንተ ዀነኖ: ስምዒታዊ ኣይትኹን። ስለምንታይ ከምኡ ኸም ዚስምዖ ኽትሓቶ ትኽእል ኢኻ። መልሲ ምእንቲ ኽትህቦ: ተጠንቂቕካ ስማዕ። እዚ ኸኣ ነቲ ኣተሓሳስባኡ ንኸተስተውዕል ኪሕግዘካ እዩ። ኣብ መጻኢ ሃናጺ ዝርርብ ንኽትገብሩ እውን ባይታ ኼንብር ይኽእል ይኸውን።—ምሳ. 16:23፣ 19:11
የሆዋ ንሰባት ናይ ምምራጽ ክእለት ዓዲሉ እዩ ፈጢርዎም። ነቲ ኽእለት እቲ ብጥበብ እኳ እንተ ዘይተጠቐሙሉ: ክጥቀሙሉ ግን ፈቒዱሎም እዩ። እያሱ ኣፈኛ የሆዋ ስለ ዝነበረ: ነቲ ኣምላኽ ንእስራኤል ዝገበረሎም ነገራት ዘርዘረ። ድሕሪኡ ግን “ንእግዚኣብሄር ምግልጋል ክፉእ ኰይኑ እንተ ተራእየኩምሲ ንመን ከም እተገልግሉ: ነቶም ኣቦታትኩም ኣብ ክንየው ርባ ዜገልግልዎም ዝነበሩ ኣማልኽቲ ወይ ኣማልኽቲ ናይቶም ንስኻትኩም ኣብ ምድሮም እትነብሩ ዘሎኹም ኣሞራውያን: ሎሚ ሕረዩ። ኣነን ቤተይን ግና ንእግዚኣብሄር ኢና እነገልግል” በለ። (እያ. 24:15) ሎሚ ተዋሂቡና ዘሎ መዝነት: “ምስክር” ክንህብ እዩ: ነዚ ድማ ብምትእምማን ኢና እንዛረቦ፣ እንተዀነ ግን: ካልኦት ንኺኣምኑ ጸቕጢ ኽንገብረሎም ኣይንፍትንን ኢና። (ማቴ. 24:14) ባዕሎም ኪመርጹ ኣለዎም: ነዚ መሰል እዚ ኸኣ ከነሕድጎም የብልናን።
ሕቶታት ሕተት። የሱስ ንሰባት ብርትዓዊ መገዲ ብምርዳእ ዝመጸ ብሉጽ ኣብነት እዩ ሓዲጉልና። ድሕረ-ባይታኦም ኣብ ግምት የእቱ ነበረ: ብቐሊሉ ዚቕበልዎ ምሳሌታት እውን ተጠቕመ። ንሕቶታት እውን ብውጽኢታዊ መገዲ ተጠቒሙሉ እዩ። እዚ ኸኣ ንኻልኦት ሓሳቦምን ኣብ ልቦም ዘሎ ነገራትን ንኺገልጹ ኣጋጣሚ ኸፈተሎም። ነቲ እተላዕለ ጕዳይ ብርትዓዊ መገዲ ንኺሓስቡሉ እውን ኣተባቢዕዎም እዩ።
ሓደ ፈላጥ ሕጊ ንየሱስ: “መምህር: ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽወርስ እንታይ እግበር፧” ኢሉ ሓተቶ። የሱስ ብቐሊሉ መልሲ ኺህቦ ይኽእል ነይሩ እዩ። እንተዀነ ግን: “ኣብ ሕጊ እንታይ ጽሑፍ አሎ፧ ከመይሲ ተንብብ፧” ብምባል ነቲ ሰብኣይ ሓሳቡ ንኺገልጽ ዓደሞ። እቲ ሰብኣይ ቅኑዕ መልሲ መለሰ። ቅኑዕ መልሲ ምምላሱ ነቲ ምይይጥ ከም ዜብቅዕ ገይርዎዶ፧ ኣይፋሉን። የሱስ ነቲ ሰብኣይ ሓሳቡ ንኺገልጽ ፈቐደሉ: እታ እቲ ሰብኣይ ኣስዒቡ ዝሓተታ ሕቶ ኸኣ ርእሱ ኼጽድቕ ይደሊ ኸም ዝነበረ ሓበረት። “ብጻየይከ መን እዩ፧” ኢሉ እዩ ሓቲቱ። የሱስ ትርጕም እታ ቓል እንተ ዚገልጸሉ: እቲ ሰብኣይ ብምኽንያት እቲ ኣይሁድ ንኣህዛብን ንሳምራውያንን ዝነበሮም ኣረኣእያ ኺከራኸሮ ምኸኣለ ነይሩ። ስለዚ: ምሳሌ ብምንጋር ብርትዓዊ መገዲ ኺሓስበሉ ዓደሞ። እቲ ምሳሌ: ንሓደ እተዘርፈን እተኸትከተን ገያሺ: ሓደ ኻህንን ሓደ ሌዋውን ከይሓገዝዎ ኺሓልፉ ኸለዉ: ሓደ ሕያዋይ ሳምራዊ ግን ከም ዝሓገዞ ዚገልጽ ነበረ። የሱስ ብሓንቲ ቐላል ሕቶ ገይሩ: እቲ ሰብኣይ ነቲ ቝም ነገር ከም ዚርድኦ ገበሮ። የሱስ ብርትዓዊ መገዲ ዝገለጸሉ ኣገባብ: እቲ ሰብኣይ ንትርጕም እታ “ብጻይ” እትብል ቃል: ቅድሚኡ ተረዲእዎ ብዘይፈልጥ መገዲ ንኽርድኦ ኣኽኣሎ። (ሉቃ. 10:25-37) ከመይ ዝበለ ኽንቀድሖ ዚግባእ ሰናይ ኣብነት ኰን እዩ! ባዕልኻ ዅሉ ነገራት ኣብ ክንዲ እትዛረብ: ብኻልእ ኣበሃህላ ነቲ ብዓል ቤት ኣነ ኽሓስበልካ ኣብ ክንዲ እትብሎ: ንሰማዒኻ ኺሓስብ ምእንቲ ኸተተባብዖ ብሜላ ሕቶታትን ምሳሌታትን ብኸመይ ከም እትጥቀም ተምሃር።
ምኽንያታት ሃብ። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብቲ ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበረ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ኪዛረብ ከሎ: ካብቲ እቶም ሰማዕቱ ኸም መምርሒ ዚቕበልዎ ጽሑፍ ካብ ምንባብ ንላዕሊ እዩ ገይሩ። ጳውሎስ ነቲ ዘንበቦ ኸም ዝገለጸሎምን ከም ዘረድኦምን ኣወዓዕላኡ ኸም ዝሓበሮምን ሉቃስ ገሊጹ ኣሎ። በዚ ምኽንያት እዚ: “ካባታቶም ከኣ ሓያሎ አሚኖም: ናብ ጳውሎስን ሲላስን ተጸምበሩ።”—ግብ. 17:1-4
መንነት ሰማዕትኻ ብዘየገድስ: ከምዚ ዝኣመሰለ ርትዓዊ ኣቀራርባ ጠቓሚ እዩ። ንኣዝማድካ ኽትምስክረሎም ከለኻ: ንመሳርሕትኻ ወይ ንመማህርትኻ ኽትዛረቦም ከለኻ: ኣብ ህዝባዊ ምስክርነት ንዘይትፈልጦ ሰብ ከተዛርቦ ኸለኻ: መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትመርሕ ከለኻ: ወይ ኣብ ጉባኤ መደረ ኸተቕርብ ከለኻ: እዚ ኣድላዪ እዩ። ጥቕሲ ኸተንብብ ከለኻ: እቲ ትርጕሙ ንዓኻ ንጹር እኳ እንተ ዀነ: ንኻልኦት ግን ኣይነጸረሎምን ይኸውን። እተቕርቦ መግለጺ ወይ ኣወዓዕላኡ እተብርሃሉ መገዲ: ብዕሙት ሓሳባትካ ኪቕበሉ ትዛረብ ከም ዘለኻ ኺመስል ይኽእል እዩ። ኣብቲ ጥቕሲ ዘሎ ገለ ወሳኒ ቓላት ፈሊኻ ምግላጽካ: ይሕግዝ ደዀን ይኸውን፧ ካብቲ ኸባቢ እቲ ጥቕሲ ወይ ካብ ካልእ ጥቕሲ ምስቲ ርእሰ ነገር ዚተሓሓዝ ዚድግፍ መርትዖ ኸተቕርብ ትኽእልዶ፧ ብምሳሌ ጌርካ ንርትዓውነት እቲ እትብሎ ዘለኻ ኸተረድእ ትኽእልዶ፧ ብሕቶታት ጌርካ ንሰማዕትኻ ነቲ ጕዳይ ብርትዓዊ መገዲ ኸም ዚሓስቡሉ ኽትገብር ትኽእልዶ፧ ከምዚ ዝኣመሰለ ርትዓዊ ኣቀራርባ: ጽቡቕ ጦብላሕታ ይሓድግ: ንኻልኦት ድማ ብዙሕ ዚሓስቡሉ ነገር ይሓድገሎም።