መጽናዕቲ 50
ልቢ ንምትንካፍ ምጽዓር
ንሰባት ምስክርነት ምሃብ ጥራይ ዘይኰነስ: ልቦም ንምትንካፍ እውን ክትጽዕር ኣሎካ። መብዛሕትኡ ግዜ ልቢ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንጻር እቲ ሓደ ሰብ ብደጊኡ ዝመስሎ ነገር ምዃኑ ይግለጽ እዩ። ምሳልያዊ ልቢ ሓደ ሰብ ውሽጡ እንታይ ምዃኑ: ማለት ከመይ ከም ዚስምዖ: ኵሉ እቲ ዚሓስቦ ነገራት: ስለምንታይ ብዛዕባኡ ኸም ዚሓስብ: ከምኡውን እዚ ሓሳባት እዚ ንተግባራቱ ብኸመይ ከም ዚጸልዎ የመልክት። ዘርኢ ሓቂ ኣብዚ ምሳልያዊ ልቢ እዩ ዚዝራእ። (ማቴ. 13:19) ንኣምላኽ ዘሎና ተኣዛዝነት እውን ካብ ልቢ እዩ ዚምንጭ።—ምሳ. 3:1፣ ሮሜ 6:17
እትምህሮ ትምህርቲ ኣብ ልቢ ምእንቲ ኺሰፍር: ኣብዚ ዚስዕብ ዕላማታት ኣተኵር:- (1) ንልቢ ሰማዒኻ ኣቐዲሙ ዝጸለዎ ነገር እንታይ ምዃኑ ኣስተውዕል። (2) ከም ፍቕርን ፍርሃት ኣምላኽን ዝኣመሰለ ኣወንታዊ ባህርያት ኣበራትዕ። (3) ሰማዒኻ ንኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ዜሐጕሶ ምእንቲ ኪኸውን: ውሽጣዊ ድራኸታቱ ኺምርምር ኣተባብዓዮ።
ምስትውዓል ምጥቃም። ሰባት ንሓቂ ዘይቅበሉሉ ምኽንያት ይፈላለ እዩ። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ክትመርሕ ከለኻ: እቲ ተመሃራይ ኣሕዲርዎ ዝነበረ ጽልኢ መሚኻ ነቲ ግጉይ ሓሳባት ዜዐሪ ሓቅታት ከተቕርበሉ ኼድልየካ ይኽእል እዩ: ወይ እውን መርትዖ ጥራይ ከተቕርብ የድሊ ይኸውን። ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት:- ‘እዚ ሰብ እዚ ሰብኣዊ ፍጡር ከም ምዃኑ መጠን መንፈሳዊ ነገራት ከም ዜድልዮ ይፍለጦ ድዩ፧ ነዚ ነገር እዚ ኽሳዕ ክንደይ እዩ ዚኣምነሉ፧ ነየናይ ነገራት እዩ ዘይኣምነሉ፧ ኣብዚ መደምደምታ እዚ ዝበጽሐ ስለምንታይ እዩ፧ ሓቂ ምስ ምፍላጥ ተተሓሒዙ ዚመጽእ ሓላፍነታት ከም ዘይቅበል ኪገብሮ ዚኽእል ባህግታት ንምስናፍ ሓገዝ የድልዮዶ፧’
ሰባት ንገሊኡ ነገራት ስለምንታይ ከም ዚኣምኑሉ ምፍላጥ ቀሊል ኣይኰነን። ምሳሌ 20:5 “ምኽሪ ኣብ ልቢ ሰብ ከም ጥልቂ ማይ እዩ: ብዓል ኣእምሮ [“መስተውዓሊ:” NW] ግና ይቐድሖ” ትብል። ምስትውዓል ኪበሃል ከሎ: ብቐሊሉ ዘይርድኣካ ነገራት ናይ ምግንዛብ ክእለት እዩ። እዚ ድማ ብጥንቃቐ ምዕዛብን ሓልዮትን ይሓትት።
ብቓል ጥራይ ኣይኰነን ሓሳብ ዚመሓላለፍ። ገሊኡ ጕዳይ ኣብ ገጽ ወይ ድምጺ እቲ ተመሃራይ ለውጢ ኼምጽእ ይኽእል እዩ። ወላዲ እንተ ዄንካ: ኣብ ጠባይ ውሉድካ ዚርአ ለውጥታት ነቲ ኣብ ህይወቱ ዘጋጥሞ ሓድሽ ጽልዋታት ዜንጸባርቕ ምዃኑ ተስተውዕል ኢኻ። ነዚ ምልክታት እዚ ዕሽሽ ኣይትበሎ። ከመይሲ: ነቲ ውሽጣዊ ሰብ ዚገልጽ እዩ።
ብጥንቃቐ እተመርጸ ሕቶታት ነቲ ኣብ ልቢ ሓደ ሰብ ዘሎ ንኽትፈልጦ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ። “ብዛዕባ እዚ ኸመይ ይስምዓካ፧” “ነዚ ንኽትኣምነሉ ዝደረኸካ እንታይ እዩ፧” “ከምዚ እንተ ዘጋጥመካ: እንታይ ምገበርካ፧” ኢልካ ኽትሓትት ትኽእል ኢኻ። ኰይኑ ግን: ንሰባት ኣከታቲልካ ሕቶ ኣብ ልዕሊ ሕቶ ኸይተዝንመሎም ተጠንቀቕ። ሕቶታትካ ቕድሚ ምሕታትካ: ብሜላ “እተወሰነ ሕቶታት ግዳ ኽሓተካ” ኽትብል ትኽእል ኢኻ። ኣብ ልቢ ሰብ ዘሎ ምፍላጥ: ብታህዋኽ ኪግበር ዘይከኣል ትግሃት ዚሓትት ዕማም እዩ። ኣብ መብዛሕትኡ መዳያት: ሓደ ሰብ ውሽጣዊ ስምዒቱ ቕድሚ ምግላጹ ንንውሕ ዝበለ ግዜ እምነት ኬሕድር ኣለዎ። ድሕሪኡ እውን እንተ ዀነ: ኣብ ዘይምልከተካ ጕዳይ ትኣቱ ዘለኻ ዀይኑ ምእንቲ ኸይስምዖ: ክትጥንቀቕ ኣሎካ።—1 ጴጥ. 4:15
ነቲ እትሰምዖ ነገር እትህቦ ምላሽ እውን ምስትውዓል ዜድልዮ እዩ። ዕላማኻ ንሰባት ዚድርኾም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ትምህርቲ ምእንቲ ኽትፈልጥ: ውሽጣዊ ስምዒቶም ክትርድኣሎም ምዃኑ ኣይትረስዕ። ኣረኣእያኦም ጌጋ ምዃኑ ንኸተቃልዕ ዚመጸካ ድርኺት ቀልጢፍካ ጨፍልቆ። ኣብ ክንዳኡስ: ነቲ ብድሕሪ እቲ ቓላት ተሓቢኡ ዘሎ ስምዒታት ከተስተውዕል ጽዓር። ድሕሪኡ እንታይ ምላሽ ከም እትህብ ክትፈልጥ ኢኻ፣ እቲ ተመሃራይካ ኸኣ ከም እተረዳእካዮ ስለ ዚስምዖ: ብዛዕባ እቲ እትብሎ ብዝያዳ ኣርዚኑ ይሓስበሉ።—ምሳ. 16:23
ንብዙሓት ሰባት ክትዛረቦም ከለኻ እውን ከይተረፈ: ብእተወሰነ ደረጃ ንውልቀ-ሰባት ክትድርኽ ትኽእል ኢኻ። ንሰማዕትኻ ብዚግባእ ትጥምቶም እንተ ዄንካ: ኣብ ገጾም ንዚንበብ መግለጺታት ብንቕሓት እንተ ተኸታቲልካ: ከምኡውን ብልቦም ምላሽ ዚህቡሉ ዜመራምር ሕቶታት እንተ ሓቲትካዮም: ሰማዕትኻ ብዛዕባ እቲ እትብሎ ዘለኻ ኸመይ ከም ዚስምዖም እንዶ ኺህልወካ ይኽእል እዩ። ንሰማዕትኻ ኣጸቢቕካ ትፈልጦም እንተ ዄንካ: ንዅነታቶም ተገዳስነት ኣርኢ። ካብ ቃል ኣምላኽ መረዳእታ ኸተቕርበሎም ከለኻ: ንሓፈሻዊ ኣረኣእያኦም ኣብ ግምት ኣእቱ።—ገላ. 6:18
ጠቓሚ ስምዒታት ምልዕዓል። ብዛዕባ እቲ ሓደ ሰብ ዚኣምነሉን ዚገብሮን ነገራት ከምኡውን ስለምንታይ ከምኡ ኸም ዚገብር እተወሰነ ኽትርዳእ ምስ ከኣልካ: ኣብኡ ተመስሪትካ ኽትሃንጽ ትኽእል ኢኻ። የሱስ ደድሕሪ ትንሳኤኡ በቲ ኣብቲ እዋን እቲ እተፈጸመ ፍጻመታት ኣቢሉ ‘ነቲ ጽሑፋት ብምትርጓም’ ልቢ ደቀ መዛሙርቱ ተንኪፉ እዩ። (ሉቃ. 24:32) ንስኻ እውን ነቲ እቲ ሰብ ዘሕለፎ ዀነ ዚምነዮ ነገራትን ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርእዮ ዘሎ ነገራትን ንኸተተኣሳስር ክትጽዕር ኣሎካ። ሓደ ተመሃራይ ብንጹር “እዚኣ እታ ሓቂ እያ” ኺብል ምስ ከኣለ: ልቡ ኣጸቢቑ ተተንኪፉ ኣሎ ማለት እዩ።
ሰናይን ፍቕርን ጸጋን የሆዋ: ከምኡውን መገድታቱ ቕኑዕ ምዃኑ ኸተጕልሕ ከለኻ: ነቶም እትምህሮም ኣብ ኣምላኽ ዘላቶም ፍቕሪ ንኼዕብዩ ኢኻ እትሕግዞም። ንሰማዕትኻ: ነቲ ኣምላኽ ኣባታቶም ብውልቂ ዚርእዮ ሰናይ ባህርያት ግዜ ወሲድካ እንተ ኣረዲእካዮም: ምስኡ ብሕታዊ ርክብ ኪምስረት ከም ዚከኣል ምኽንያት ሂብካዮም ኣለኻ። ነዚ ድማ ብኸም መዝሙር 139:1-3፣ ሉቃስ 21:1-4፣ ከምኡውን ዮሃንስ 6:44 ዝኣመሰለ ጥቕስታት ብምስትንታን: ንሰማዕትኻ እውን የሆዋ ምስ እሙናት ኣገልገልቱ ዘለዎ ፍቕራዊ ምትእስሳር ከም ዚርድኡ ብምግባር ክትፍጽሞ ትኽእል ኢኻ። (ሮሜ 8:38, 39) የሆዋ ንጌጋታትና ጥራይ ከም ዘይርኢ: የግዳስ ንብምሉኡ ህይወትና: ንንጹህ ኣምልኾ ዘሎና ቕንኣት: ከምኡውን ንስሙ ዘሎና ፍቕሪ ኸም ዚርኢ ግለጽ። (2 ዜና 19:2, 3፣ እብ. 6:10) ንዅሉ እቲ ኣፈጣጥራና ብደቂቕ ይዝክሮ: ነቶም “ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም” ድማ ብዜደንቕ መገዲ እንደገና ህያዋን ኪገብሮም እዩ። (ዮሃ. 5:28, 29፣ ሉቃ. 12:6, 7) ሰባት ብመልክዕን ምስልን ኣምላኽ ስለ እተፈጥሩ: እቲ ብዛዕባ ባህርያት ኣምላኽ እንገብሮ ምይይጥ መብዛሕትኡ ግዜ ልቦም ይትንክፎም እዩ።—ዘፍ. 1:27
ሓደ ሰብ ንኻልኦት ሰባት ከምቲ የሆዋ ዚርእዮም ገይሩ ኺርእዮም ከም ዘለዎ ምስ ተማህረ እውን ልቡ ይትንከፍ እዩ። ኣምላኽና ንነፍሲ ወከፍና ብለውሃት ዚሕዘና ኻብ ኰነ: ንኻልኦት እውን ድሕረ-ባይታኦም: ዜግነቶም: ወይ ዓሌቶም ብዘየገድስ ብማዕረ ኸም ዚሓልየሎም ብቐሊሉ ኺወሓጠሉ ይኽእል። (ግብ. 10:34, 35) ሓደ ሰብ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ መደምደምታ እንተ በጺሑ: ጽልኢ ኻብ ልቡ ንኼወግዶ ድልዱል ቅዱስ ጽሑፋዊ መሰረት ይህልዎ። እዚ ኸኣ ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር ኣብ ዚመሃረሉ እዋን: ምስ ካልኦት ብሰላም ንኺነብር የኽእሎ።
ፍርሃት ኣምላኽ ንኻልኦት ሰባት ንኼማዕብልዎ ኽትሕግዞም ዘሎካ ኻልእ ስምዒት እዩ። (መዝ. 111:10፣ ራእ. 14:6, 7) ከምዚ ዝኣመሰለ ዓሚቝ ኣኽብሮት ወይ ፍርሃት ኣምላኽ: ነቲ ብብርታዐኡ ኺፍጽሞ ዘይክእል ዝነበረ ንኺፍጽም ኪድርኾ ይኽእል እዩ። ነቲ ዜፍርህ ንጥፈታት የሆዋን ሓለፍ ዝበለ ሳህሉን ብምግላጽ: ካልኦት ንዕኡ ንኸየጕህይዎ ጥዑይ ፍርሃት ከም ዚሓድሮም ክትገብር ትኽእል ኢኻ።—መዝ. 66:5፣ ኤር. 32:40
ሰማዕትኻ ዚስዕብዎ ኣካይዳ ንየሆዋ ዜገድሶ ምዃኑ ኸም ዚርድኦም ግበር። የሆዋ ስምዒታት ኣለዎ: ንመምርሒታት ብእንህቦ ምላሽ ከኣ ነጕህዮ ወይ ነሐጕሶ ኢና። (መዝ. 78:40-42) ብሕታዊ ኣካይዳኦም ነቲ ሰይጣን ንኣምላኽ ዘቕረበሉ ብድሆ ኣብ ምምላስ ግደ ዘለዎ ስለምንታይ ምዃኑ ሓብሮም።—ምሳ. 27:11
ሰማዕትኻ ነቲ ኣምላኽ ኪማላእ ዚደልዮ ብቕዓታት ምምላኦም ንዓታቶም ጠቓሚ ምዃኑ ኸም ዚግንዘቡ ግበር። (ኢሳ. 48:17) ሓደ ኻብቲ ኸምዚ ኽትገብረሉ እትኽእል መገዲ: ንጥበብ ኣምላኽ ንእተወሰነ እዋን እኳ እንተ ዀነ ምንጻግ ዜምጽኦ ኣካላውን ስምዒታውን ሳዕቤናት ምሕባር እዩ። ሓጢኣት ብኸመይ ካብ ኣምላኽ ከም ዜርሕቐና: ንኻልኦት ብኸመይ ነታ ሓቂ ኻባና ኸይሰምዑ ኸም ዚዓግቶም: ከምኡውን ንመሰላቶም ብኸመይ ከም ዚብለጸሉ ግለጽ። (1 ተሰ. 4:6) ሰማዕትኻ ነቲ ሕግታት ኣምላኽ ብምሕላዎም ረኺቦምዎ ዘለዉ በረኸት ኣኽቢሮም ከም ዚርእይዎ ግበር። ብጽድቃዊ መገድታት የሆዋ ምምልላስና ኻብ ብዙሕ ጸበባ ኸም ዜናግፈና ብምግላጽ: ሞሳኦም ከም ዜማዕብልዎ ግበር። ሓደ ሰብ: መገድታት ኣምላኽ ጥበባዊ ምዃኑ እምነት እንተ ኣሕዲሩ: ምስኡ ንዚጻረር ዝዀነ ይኹን መገዲ ይነጽጎ እዩ። (መዝ. 119:104) ተኣዛዝነት ከም ጾር ዘይኰነስ: ንየሆዋ ብብሕቱ ፍቕራዊ ተወፋይነቱ ዚገልጸሉ መገዲ ገይሩ እዩ ዚርእዮ።
ንኻልኦት ርእሶም ንኺምርምሩ ምሕጋዞም። ሰባት ብመንፈሳዊ መዳይ ብቐጻሊ ምእንቲ ኺዓብዩ: ነቲ ኣብ ልቦም ዘሎ ዚግደሱሉ ኪዀኑ ኣለዎም። መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ንምግባር ብኸመይ ከም ዚሕግዞም ግለጸሎም።
መጽሓፍ ቅዱስ ትእዛዛትን ምኽርታትን ታሪኻዊ ፍጻመታትን ትንቢታትን ዝሓዘ መጽሓፍ ጥራይ ዘይምዃኑ ንሰማዕትኻ ኣፍልጦም። ኣተሓሳስባ ኣምላኽ እውን ይገልጸልና እዩ። ኣብ ያእቆብ 1:22-25 ቃል ኣምላኽ ምስ መስትያት ተነጻጺሩ ኣሎ። ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሒዝዎ ዘሎ መልእኽትን ነቲ የሆዋ ዕላማኡ ዚፍጽመሉ መገድን ዘሎና ኣረኣእያ: ኣብ ልብና ዘሎ ነገር ይገልጸልና። በዚ ኸምዚ: እቲ “ንልቢ ዚፍትኖ” ኣምላኽ ብኸመይ ከም ዚርእየና ይሕብረና። (ምሳ. 17:3) ሰማዕትኻ ነዚ ኻብ ኣእምሮኦም ከየውጽእዎ ኣተባብዓዮም። ኣምላኽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዝዓቀበልና ኸምኡውን ንዕኡ ብዝያዳ ምእንቲ ኼሐጕስዎ እንታይ ምትዕርራይ ኪገብሩ ኸም ዘለዎም ንኺሓስቡሉ ተማሕጸኖም። ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ: ምስ ኣምላኽ ብምትሕብባር ዝዀነ ይኹን ኣድላዪ ምትዕርራይ ኪገብሩ ኸም ዜኽእሎም: ማለት የሆዋ “ምሕላንን ሓሳብ ልብን” ዚግምግመሉ መገዲ ገይሮም ከም ዚርእይዎ ግበር።—እብ. 4:12፣ ሮሜ 15:4
ገሊኦም ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ እተማህርዎ ኣብ ግብሪ ኼውዕልዎ ይደልዩ ይዀኑ፣ እንተዀነ ግን: ካልኦት ሰባት ከይብሉኒ ኢሎም ይጭነቑ። ምስ ገሊኡ ሓያል ስጋዊ ባህግታት ይቃለሱ ይህልዉ ይዀኑ። ወይ ካብ ልምድታት ዓለም ከይተላቐቑ ንኣምላኽ ኬገልግሉሉ ዚኽእሉ ቐዳድ የናድዩ ይህልዉ ይዀኑ። ከምዚ ዝኣመሰለ ምውልዋል ዘለዎ ሓደጋታት ሓብሮም። (1 ነገ. 18:21) ናብ ኣምላኽ ብምጽላይ: ልቦም ንኺምርምሮን ንኼጽርዮን ኪጽልዩ ደፋፍኣዮም።—መዝ. 26:2፣ 139:23, 24
የሆዋ ንቓልስታቶም ከም ዚርድኦን መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ኸም ዚገልጾን ኣርእዮም። (ሮሜ 7:22, 23) እቲ ዘይፍጹም ልቦም ዘለዎ ዝንባለ ንኺዕብልሎም ከይፈቕዱ ኺጥንቀቑ ንገሮም።—ምሳ. 3:5, 6፣ 28:26፣ ኤር. 17:9, 10
ነፍሲ ወከፎም ውሽጣዊ ድራኸኦም ኪምርምሩ ኣተባብዓዮም። ንርእሶም ከምዚ ኢሎም ንኺሓቱ ምሃሮም:- ‘ነዚ ኽገብሮ ዝደሊ ስለምንታይ እየ፧ ንዅሉ እቲ የሆዋ ዝገበረለይ ከም ዘማስወሉ ዜርኢ ድዩ፧’ ምስ የሆዋ ጽቡቕ ርክብ ምህላው: ሓደ ሰብ ኬጥርዮ ኻብ ዚኽእል ልዕሊ ዅሉ ዋጋ ዘለዎ ነገር ምዃኑ ንኺግንዘቡ እምነቶም ኣደልድለሎም።
ሰማዕትኻ ንየሆዋ ‘ብምሉእ ልቦም’ ምግልጋል ዘለዎ ኣገዳስነት ከም ዜስተውዕልዎ ግበር። (ሉቃ. 10:27) እዚ ኸኣ ኵሉ እቲ ስምዒታቶምን ባህግታቶምን ድራኸታቶምን ምስ መገድታት የሆዋ ዚሰማማዕ ኪኸውን ኣለዎ ማለት እዩ። ስለዚ: ንሰማዕትኻ ነቲ ዚገብርዎ ነገራት ጥራይ ዘይኰነስ: ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ከነማልኦ ዚደልየና ብቕዓታት ከመይ ከም ዚስምዖምን ንዕኡ ንኼገልግልዎ እንታይ ከም ዚድርኾምን ንኺምርምሩ ምሃሮም። (መዝ. 37:4) ተመሃሮኻ ምምሕያሽ ኪገብሩሉ ዜድልዮም ከባቢ ኼስተውዕሉ ምስ ጀመሩ: “ስምካ ኽፈርህሲ: ንልበይ ኣዳልዎ” ኢሎም ናብ የሆዋ ኺጽልዩ ኣተባብዓዮም።—መዝ. 86:11
ሓደ ተመሃራይ ምስ የሆዋ ብሕታዊ ርክብ ምስ ኣማዕበለ: ብእምነት ተላዒሉ ደኣሉ እምበር ንስኻ ስለ ዝደፋፋእካዮ ኣይኰንን ንኣምላኽ ዚእዘዞ። ድሕሪኡ: ባዕሉ ‘ንጐይታ ዜሐጕሶ ኺምርምር’ ይጅምር። (ኤፌ. 5:10፣ ፊል. 2:12) ከምዚ ዝኣመሰለ ኻብ ልቢ ዝነቐለ ተኣዛዝነት ንየሆዋ ባህ የብሎ።—ምሳ. 23:15
ንልቢ ዚመዝኖን ንሰባት ናብኡ ዚስሕቦምን የሆዋ ምዃኑ ኣይትረስዕ። (ምሳ. 21:2፣ ዮሃ. 6:44) ንሕና ምስኡ ንተሓባበር ጥራይ ኢና ዘለና። (1 ቈረ. 3:9) “ኣምላኽ ብኣና ገይሩ ይምዕድ አሎ።” (2 ቈረ. 5:20፣ ግብ. 16:14) የሆዋ ንዋላ ሓደ ሰብ ሓቂ ንኪቕበል ኣየገድዶን እዩ: የግዳስ ቅዱሳት ጽሑፋት ክንጥቀም ከለና: ንሰማዕትና እቲ ዚሰምዕዎ ነገር ንሕቶኦም ወይ ጸሎቶም መልሲ ኸም ዝዀነ ንኼስተውዕሉ የኽእሎም እዩ። ንኽትምህር ኣጋጣሚ ኣብ ዝረኸብካሉ ዘበለ: ነዚ ነገር እዚ ኣይትረስዕ: ንየሆዋ ድማ መምርሒኡን ሓገዙን ንኺህበካ ብዕቱብ ለምኖ።—1 ዜና 29:18, 19፣ ኤፌ. 1:16-18