ልቢ እቶም እንምህሮም ብኸመይ ንትንክፍ
1. ትምህርትታት የሱስ ኣብ ልቢ ሰማዕቱ እንታይ ጽልዋ ነበሮ፧
1 የሱስ ክርስቶስ፡ ልቢ ሰማዕቱ ተንኪፉ እዩ። እንተ ወሓደ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ብንጹር ምስ ገለጸሎም ልቢ ደቀ መዛሙርቱ “ይነድድ” ነበረ። (ሉቃ. 24:32) ንኣምላኽ ምእዛዝ ካብ ልቢ ዝነቐለ ኪኸውን ስለ ዚግባእ፡ ነቶም እንምህሮም ኣብ ህይወቶም ለውጢ ንምግባር ምእንቲ ኺድረኹ ስምዒቶም ከነለዓዕል እንኽእል ብኸመይ ኢና፧—ሮሜ 6:17።
2. ሜላን ምስትውዓልን ምጥቃም፡ ልቢ ሓደ ሰብ ኣብ ምትንካፍ እንታይ ተራ ኣለዎ፧
2 ሜላን ምስትውዓልን ተጠቐም፦ ብዙሓት ሰባት ቅኑዕን ጌጋን ስለ እተነገሮም ጥራይ ንተግባር ኣይለዓዓሉን እዮም። ብብዙሕ ጥቕስታት ጌርካ ንእምነቶም ምንቃፍ እውን ዝያዳ ኬርሕቖም ይኽእል እዩ።። ንሓደ ሰብ ንምልዕዓል፡ ፈለማ ነቲ ንሓደ ነገር ኪኣምኖን ኪቕበሎን ዝገበሮ ምኽንያት ከነስተውዕሎ ኣሎና። ኣረኣእያኡ ኸም ዚገልጽ ዚገብሮ እተመርጸ ሕቶታት ብሜላ ምሕታት፡ ውሽጣዊ ሓሳባቱ ኸም ዜውጽእ ኪገብሮ ይኽእል እዩ። (ምሳ. 20:5) ድሕሪኡ፡ ልቡ ኺትንክፎ ዚኽእል ሓበሬታ፡ ካብ ቃል ኣምላኽ ክንመርጽ ንኽእል ኢና። ስለዚ፡ ብሕታዊ ተገዳስነት ከነርእን ዕጉሳት ክንከውንን ይግብኣና። (ምሳ. 25:15) ሰባት መንፈሳዊ ዕቤት ዚገብሩሉ ደረጃ እተፈለለየ ምዃኑ ኣይንረስዕ። ናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ ንኣተሓሳስባኦምን ንተግባሮምን ጽልዋ ኽሳዕ ዚገብረሉ ድማ ንጸበ።—ማር. 4:26-29።
3. ነቶም እንምህሮም ኣወንታዊ ባህርያት ንኼማዕብሉ ኽንሕግዞም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
3 ኣወንታዊ ባህርያት ንኼማዕብሉ ሓግዞም፦ እቲ ብዛዕባ ሕያውነትን ፍቕርን የሆዋ ዚገልጽ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነቶም እንምህሮም ሰባት ኣወንታዊ ባህርያት ንኼማዕብሉ ኺሕግዞም ይኽእል እዩ። የሆዋ ኣብ ነፍሲ ወከፍና ዘለዋ ብሕታዊ ተገዳስነት ክሳዕ ክንደይ ከም ዝዀነ ንምሕባር፡ ከም መዝሙር 139:1-4 ወይ ድማ ሉቃስ 12:6, 7 ዝኣመሰለ ጥቕስታት ክንጥቀም ንኽእል ኢና። ሰባት ንጸጋ የሆዋ ልባዊ ሞሳ ኼሕድሩ እንተ ጀሚሮም፡ ፍቕሮምን ንኣምላኽ ዘለዎም ተወፋይነትን ይዓቢ እዩ። (ሮሜ 5:6-8፣ 1 ዮሃ. 4:19) ብተወሳኺ፡ ባህርያቶም ብፍላይ ንየሆዋ ኸም ዚጐድኦ ምስ ዚምሃሩ፡ ንዕኡ ባህ ብዜብሎን ክብሪ ብዜምጽኣሉን መገዲ ንኺመላለሱ ኺልዓዓሉ ይኽእሉ እዮም።—መዝ. 78:40, 41፣ ምሳ. 23:15።
4. ኣብ ኣገልግሎትና ንሰባት ክንምህሮም ከለና፡ ነቲ ዘለዎም ናይ ምምራጽ ናጽነት ኣኽብሮት ከም ዘሎና ኸነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
4 የሆዋ ትእዛዛቱ ምእንቲ ኺሕሎ ንማንም ኣየገድድን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንምኽሩ ምስዓብ ክሳዕ ክንደይ ጥበባዊ ምዃኑ ንኼስተውዕሉ ብምሕጋዝ ንኺእዘዝዎ ይምሕጸኖም። (ኢሳ. 48:17, 18) ንሕና እውን ሰባት ኣብ ናይ ርእሶም መደምደምታ ንኺበጽሑ ብምሕጋዝ ንየሆዋ ንመስሎ። ሰባት ኣብ ህይወቶም ለውጢ ኸም ዜድልዮም ንርእሶም ምስ ዜእምንዋ፡ ውጽኢቱ ነባሪ ይኸውን። (ሮሜ 12:2) ብዘይካዚ፡ ናብቲ “ንልቢ ዚፍትኖ” ተባሂሉ እተጸወዐ የሆዋ ዝያዳ እናቐረቡ ኸም ዚኸዱ ይገብሮም።—ምሳ. 17:3።