ካልኦት ‘ካብ ልቢ ኺእዘዙ’ ሓግዞም
1. የሆዋ ኻብ ኣምለኽቱ እንታይ እዩ ዚደሊ፧
1 ተኣዛዝነት: ንየሆዋ ቕቡል ብዝዀነ መገዲ ንምምላኽ ዜኽእል መሰረታዊ ነገር እዩ። (ዘዳ. 12:28፣ 1 ጴጥ. 1:14-16) ድሕሪ ቐረባ ግዜ “ነቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጥዎን ንወንጌል ጐይታና የሱስ ዘይእዘዝዎን” ሰባት ፍርዲ ኣምላኽ ኪወርዶም እዩ። (2 ተሰ. 1:8) ካልኦት ንትምህርትታት ቃል ኣምላኽ ‘ካብ ልቢ ኺእዘዙ’ ኽንሕግዞም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧—ሮሜ 6:17
2. ካልኦት ድልድልቲ እምነት ኪሃንጹ ኽንሕግዞም ዘሎና ስለምንታይ እዩ፧
2 እምነትን ፍቕርን ኬጥርዩ ብምሕጋዝ:- ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት: ተኣዛዝነት ምስ እምነት ኣጸቢቓ እያ እትተኣሳሰር። ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ ‘ብትእዛዝ እቲ ናይ ዘለኣለም ኣምላኽ ምእዛዝ እምነት’ ተዛሪቡ እዩ። (ሮሜ 16:25) እብራውያን ምዕራፍ 11 ብዙሓት ካብቶም ምስ ፍቓድ የሆዋ ተሰማሚዖም ዚነብሩ ዝነበሩ ናይ እምነት ኣብነታት ትጠቅስ እያ። (እብ. 11:7, 8, 17) በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ ዘይምእዛዝ ምስ ምጕዳል እምነት እዩ ዚተሓሓዝ። (ዮሃ. 3:36፣ እብ. 3:18, 19) ካልኦት እዙዛት ንኪዀኑ እትድርኽ እምነት ኬጥርዩ ንምሕጋዝ: ንሕና ንገዛእ ርእስና ኣብ ኣጠቓቕማ ቓል ኣምላኽ ዘሎና ኽእለት ከነማዕብል ኣሎና።—2 ጢሞ. 2:15፣ ያእ. 2:14, 17
3. (ሀ) ተኣዛዝነት ምስ ፍቕሪ ዚተሓሓዝ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ንየሆዋ ዘለዎም ፍቕሪ ኼማዕብሉ ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧
3 ተኣዛዝነት ምስቲ ንየሆዋ ዘለካ ፍቕሪ እውን ይተሓሓዝ እዩ። (ዘዳ. 5:10፣ 11:1, 22፣ 30:16) 1 ዮሃንስ 5:3 “ፍቕሪ ንኣምላኽ ከኣ ትእዛዛቱ ኽንሕሉ እዩ እሞ: ትእዛዛቱውን ኣይከቢድን እዩ” ትብል። ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ንየሆዋ ዘለዎም ፍቕሪ ኼማዕብሉ ኽንሕግዞም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ኣብ እዋን መጽናዕቲ ንባህርያት የሆዋ ዘለዎም ሞሳ ኼዕብዩሉ ዚኽእሉ ኣጋጣሚታት ኣናዲ። ንኣምላኽ ዘሎካ ዓሚቝ ሞሳ ግለጽ። እቲ ተመሃራይ ምስ የሆዋ ብሕታዊ ርክብ ንኼማዕብል ሓግዞ። ንዓና ይኹን ንኻልኦት ልዕሊ ዝዀነ ይኹን ነገር ንየሆዋ ኽንእዘዞ ዚድርኸና እቲ ንዕኡ ዘሎና ፍቕሪ እዩ።—ማቴ. 22:37
4. (ሀ) ኣብነትና ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) “እዙዝ ልቢ” ንኺህልወና እንታይ ክንገብር ኣሎና፧
4 ኣብነት ብምዃን:- ሓደ ኻብቲ ኻልኦት ነቲ ብስራት ኪእዘዙ ኸነተባብዓሉ እንኽእል ዝበለጸ መገዲ ኣብነት ብምዃን እዩ። ይኹን እምበር: “እዙዝ ልቢ” ኺህልወና ብወገንና ቐጻሊ ጻዕሪ ምግባር ዚሓትት እዩ። (1 ነገ. 3:9 NW፣ ምሳ. 4:23) እዚ እንታይ የጠቓልል፧ ስርዓታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብምግባርን ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ብምክፋልን ንልብኻ መግቦ። (መዝ. 1:1, 2፣ እብ. 10:24, 25) ምስቶም ብናይ ሓቂ ኣምልኾ ዝሓበሩ ሰባት ተመሓዞ። (ምሳ. 13:20) ነቶም ኣብ ዞባኻ ዘለዉ ሰባት ንምሕጋዝ ኣብ ናይ ወፍሪ ኣገልግሎት ስርዓታዊ ዄንካ ተኻፈል። የሆዋ ቕኑዕ ልቢ ንኸተጥሪ ኺመርሓካ ጸሊ። (መዝ. 86:11) ንልብኻ ኼበላሹ ዚኽእል ርዅስን ዓመጽ ዝመልኦን መዘናግዒታት ኣወግድ። ናብ ኣምላኽ ንኽትቀርብን ምስኡ ዘሎካ ርክብ ንኸተደልድልን ዜኽእለካ ነገራት ስዓብ።—ያእ. 4:7, 8
5. እቶም እዙዛት ብኸመይ እዮም ዚባረኹ ዘለዉ፧
5 የሆዋ: ንጥንታዎት ህዝቡ ቓሉ እንተ ሰሚዖም ከም ዚባረኹ ኣረጋጊጹሎም ነበረ። (ዘዳ. 28:1, 2) ሎሚውን ብተመሳሳሊ የሆዋ “ነቶም ዚእዘዝዎ” ኣብዚሑ ይባርኾም ኣሎ። (ግብ. 5:32) ስለዚ እምበኣር ብትምህርትናን ኣብነትናን ካልኦት ካብ ልቢ ንኺእዘዙ ንሓግዞም።