“እዙዝ ልቢ” ድዩ ዘሎካ፧
ሰሎሞን ንጉስ ናይ ጥንቲ እስራኤል ምስ ኰነ: ዘይብቑዕ ኰይኑ ተሰምዖ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ጥበብን ፍልጠትን ክረክብ ንኣምላኽ ሓተቶ። (2 ዜና መዋእል 1:10) “ንህዝብኻ ምእንቲ ኺፈርድሲ: ንባርያኻ ኣስተውዓሊ ልቢ [“እዙዝ ልቢ:” NW ] ሀቦ” ብምባል እውን ጸለየ። (1 ነገስት 3:9) ሰሎሞን “እዙዝ ልቢ” እንተ ዝህልዎ ነይሩ: ንመለኮታዊ ሕግታትን መሰረታዊ ስርዓታትን ምተኣዘዘ: በረኸት የሆዋ እውን ምረኸበ።
እዙዝ ልቢ ጾር ዘይኰነስ ናይ ሓጐስ ምንጪ ኢዩ። ሃዋርያ ዮሃንስ “ፍቕሪ ንኣምላኽ . . . ትእዛዛቱ ኽንሕሉ እዩ እሞ: ትእዛዛቱውን ኣይከቢድን እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ዮሃንስ 5:3) ንኣምላኽ ክንእዘዞ ከም ዘሎና ኣየተሓታትትን ኢዩ። ልዕሊ ዅሉ: የሆዋ ዓቢ ፈጣሪና ኢዩ። ምድሪ ከምኡውን ብሩርን ወርቅን ሓዊስካ ኣብ ውሽጣ ዘሎ ዅሉ ነገራት ናቱ ኢዩ። ስለዚ እምበኣር ኣምላኽ ብገንዘብና ገይርና ፍቕርና ክንገልጸሉ ዘፍቅድ እኳ እንተዀነ ብሓቂ ክርአ ኸሎ ግን ክንህቦ እንኽእል ዝዀነ ይኹን ስጋዊ ነገራት የለን። (1 ዜና መዋእል 29:14) የሆዋ ፍቓዱ ብምግባር ከነፍቅሮን ምስኡ ብትሕትና ክንመላለስን ይደልየና ኢዩ።—ሚክያስ 6:8
የሱስ ክርስቶስ ኣብ ሕጊ እታ ዝዓበየት ትእዛዝ ኣየነይቲ ምዃና ምስ ተሓተተ: “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓሳብካን ኣፍቅሮ: እዚአ እታ ዓባይን ቀዳመይትን ትእዛዝ እያ” በለ። (ማቴዎስ 22:36-38) እዛ ፍቕሪ እዚኣ እትግለጸሉ ሓደ መገዲ ንኣምላኽ ብምእዛዝ ኢዩ። ስለዚ እምበኣር: የሆዋ እዙዝ ልቢ ንኽህበና ኵላትና ክንጽሊ ኣሎና።
እዙዝ ልቢ ነበሮም
መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቶም እዙዝ ልቢ ዝነበሮም ሰባት ዝገልጽ ብዙሕ ኣብነታት ሒዙ ኣሎ። ንኣብነት: የሆዋ ንምድሓን ህይወት እትኸውን ሓንቲ ዓባይ መርከብ ክሰርሕ ንኖህ ነገሮ። እዚ ገለ 40 ወይ 50 ዓመታት ዝወሰደ ከቢድ ዕዮ ኢዩ ነይሩ። ኵሉ እዚ ሓያል ዝዀነ ዘመናዊ ናውትን ኣብዚ እዋን እዚ ክርከብ ዝከኣል ካልእ መሳርሕን ተጠቒምካ እውን ከይተረፈ: ከምዚኣ ዝኣመሰለት ጸምበለል ክትብል እትኽአል ዓባይ መርከብ ምስራሕ ከቢድ ዕዮ ምህንድስና ዝሓትት ኢዩ። ብተወሳኺውን: ኖህ ነቶም ብዘይ ምጥርጣር ዘላግጽሉን ዘባጭውሉን ዝነበሩ ሰባት ከጠንቅቖም ነበሮ። እንተዀነ ግን ንደቀቕቲ ነገራት እውን ከይተረፈ ተኣዚዙ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ኖህ ድማ ከምኡ ገበረ” ይብል። (ዘፍጥረት 6:9, 22፣ 2 ጴጥሮስ 2:5) እወ: ንብዙሕ ዓመታት እሙን ኰይኑ ብምእዛዝ ንየሆዋ ዘለዎ ፍቕሪ ኣርእዩ ኢዩ። እዝስ ንዅላትና ከመይ ዝበለ ሰናይ ኣብነት ኰን ኢዩ ዝዀነና!
ነቲ ርእሲ ኣቦታት ዝነበረ ኣብርሃም እውን ርአ። ኣምላኽ ካብታ ብልጽግቲ ዝነበረት ኡር ናይ ከለዳውያን ወጺኡ ናብ ዘይፈልጦ ሃገር ክኸይድ ነገሮ። ኣብርሃም ከየዕጠጠየ ተኣዘዘ። (እብራውያን 11:8) ካብቲ ግዜ እቲ ንደሓር: ምስ ስድራቤቱ ዀይኑ ኣብ ድንኳናት ይቕመጥ ነበረ። ኣብታ ሃገር ከም ስደተኛ ዀይኑ ንሓያሎ ዓመታት ምስ ተቐመጠ: የሆዋ ንዕኡን ነታ እዝዝቲ ዝነበረት በዓልቲ ቤቱ ሳራን: ይስሃቅ ዝስሙ ውላድ ብምሃብ ባረኾም። እቲ ወዲ 100 ዓመት ኰይኑ ዝነበረ ኣብርሃም ነዚ ኣብ እርግናኡ ዝወለዶ ወዱ እዚ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ዝፈትዎ ነይሩ ክኸውን ዘለዎ! ብድሕሪኡ ዓመታት ጸኒሑ: የሆዋ ንኣብርሃም ከም ዝሓርር መስዋእቲ ገይሩ ንይስሃቅ ክስውኦ ሓተቶ። (ዘፍጥረት 22:1, 2) እቲ ምስዋእ ዝብል ሓሳብ ንባዕሉ ንኣብርሃም ኣጨኒቕዎ ክኸውን ኣለዎ። እንተዀነ ግን: ንየሆዋ የፍቅሮ ስለ ዝነበረን ኣምላኽ ካብ ምዉታት ብምትንሳእ እውን እንተዀነ ነቲ መብጽዓ እተገብረሉ ዘርኢ ብይስሃቅ ኣቢሉ ከም ዘምጽኦ እምነት ስለ ዝነበሮን ንምእዛዝ ቈሪጹ ተላዕለ። (እብራውያን 11:17-19) ይኹን እምበር: ኣብርሃም ንወዱ ክስውእ ኢዱ ምስ ዘርግሐ: የሆዋ ከልከሎ እሞ “ነዚ ሓደ ውሉድካ እኳ ካብ ዘይከላእካንስ: ንእግዚኣብሄር ከም እትፈርህ ሕጂ ፈሊጠ አሎኹ” በሎ። (ዘፍጥረት 22:12) እዚ ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮ ኣብርሃም ስለ እተኣዘዘ ‘ፍቑር ኣምላኽ’ ተባሂሉ ተጸውዐ።—ያእቆብ 2:23
ብተኣዛዝነት ዝመጸ ዝበለጸ ኣብነት ዝዀነና የሱስ ክርስቶስ ኢዩ። ሰብ ኰይኑ ናብ ምድሪ ቅድሚ ምምጽኡ ኣብ ዝነበረሉ እዋን: ኣብ ሰማይ ኰይኑ ንኣቡኡ ብተኣዛዝነት ብምግልጋሉ ሓጐስ ረኺቡ ኢዩ። (ምሳሌ 8:22-31) ሰብ ኰይኑ ምስ መጸ ድማ ኵሉ ግዜ ፍቓድ የሆዋ ክገብር ብምድላይ ብዅሉ ነገር ተኣዘዞ። (መዝሙር 40:8፣ እብራውያን 10:9) ስለዚ ኸኣ: የሱስ ብሓቂ ከምዚ ክብል ክኢሉ ኢዩ:- “ከምቲ ኣቦይ ዝመሀረኒ ኸምኡ ኸም ዝነግር እምበር: . . . ካብ ርእሰይ ሓንቲ [ኣይገብርን ኢየ]: . . . እቲ ዝለአኸኒ ኸኣ ምሳይ አሎ። ኵሉ ሳዕ ባህ ዜብሎ እገብር እየ እሞ: በይነይ ኣይሓድገንን እዩ።” (ዮሃንስ 8:28, 29) ኣብ መወዳእታ ድማ የሱስ ንሉዓላውነት የሆዋ ንምርግጋጽን ንእዙዛት ደቅሰብ ንምብጃውን ኣዝዩ ብዘዋርድን ዘሳቕን ሞት ብምሕላፍ ህይወቱ ብፍታው ሃበ። እወ “ርእሱ ኽሳዕ ሞት ኣትሓተ: ክሳዕ ሞት ኣብ መስቀል እኳ ደኣ ተአዘዘ።” (ፊልጲ 2:8) የሱስ እዙዝ ልቢ ብምርኣይ ዝመጸስ ኣየ ከመይ ዝበለ ኣብነት ኰን ኢዩ!
ፍርቂ ተኣዛዝነት እኹል ኣይኰነን
ካብቶም ንኣምላኽ ክንእዘዝ ኢና ዝበሉ ሰባት ብሓቂ እተኣዘዙ ኵሎም ኣይኰኑን። ነቲ ንጉስ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ሳኦል ርአ። ኣምላኽ ነቶም እኩያት ኣማሌቃውያን ከጥፍኦም ኣዘዞ። (1 ሳሙኤል 15:1-3) ሳኦል ብደረጃ ህዝቢ እኳ እንተ ኣጥፍኦም: ነቲ ንጉሶም ግን ነሓፎ: ገለ ካብተን ኣባጊዖምን ኣሓኦምን ድማ ኣትረፈ። ሳሙኤል “ስለምንታይ ኢኻ ደሃይ እግዚኣብሄር ዘይሰማዕካ፧” ኢሉ ሓተቶ። ሳኦል ከኣ ‘ደሃይ እግዚኣብሄር ሰሚዐስ: እቲ ህዝቢ [እስራኤል] ኻብተን እተዘምታ ኣባጊዕን ኣሓን ዘዝጸበቐ ንእግዚኣብሄር ክስውኣሉ ኢሉ ወሰደን’ ኢሉ መለሰሉ። ሳሙኤል ምሉእ ተኣዛዝነት ከም ዘድሊ ብምጕላሕ: ከምዚ ኢሉ መለሰ:- “ንእግዚኣብሄርሲ ዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ሕሩድን ከም ምስማዕ ደሃይ እግዚኣብሄር ገይሩዶ የሐጕሶ እዩ፧ እንሆ: ምስማዕ ካብ መስዋእቲ: ጽን ምባል ድማ ካብ ስብሒ ደዓውል ይበልጽ። ዕልወትሲ ሓጢኣት ጥንቍልና እዩ: ህልኽ ከኣ ምምላኽ ጣኦትን ትራፊምን እዩ። ንቓል እግዚኣብሄር ስለ ዝነዐቕካዮ: ንሱ ኸኣ ከይትነግስ ነዐቐካ።” (1 ሳሙኤል 15:17-23) ሳኦል እዙዝ ልቢ ስለ ዘይነበሮስ ከመይ ዝበለ መሰል ኰን ኢዩ ዘጥፍአ!
እቲ እዙዝ ልቢ ክዋሃቦ ጸልዩ ዝነበረ ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን እውን ከይተረፈ: ንየሆዋ ምእዛዝ ኣይቀጸለን። ኣንጻር እቲ መለኮታዊ ፍቓድ ብምኻድ: ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንኽሓጥእ ጠንቂ ዝዀናኦ ጓኖት ኣንስቲ ኣእተወ። (ነህምያ 13:23, 26) ሰሎሞን እዙዝ ልቢ ሃልይዎ ስለ ዘይቀጸለ መለኮታዊ ስምረት ኣጥፍአ። እዝስ ከመይ ዝበለ መጠንቀቕታ ኰን ኢዩ ዝዀነና!
ከምዚ ክበሃል ከሎ ግን የሆዋ ካብ ሰብኣውያን ኣገልገልቱ ፍጽምና ይጽበ ኢዩ ማለት ኣይኰነን። “ሓመድ ምዃንና ይዝክር እዩ።” (መዝሙር 103:14) ሓድሓደ ግዜ ኵላትና ጌጋታት ከም እንገብር እተረጋገጸ ኢዩ: ይኹን እምበር ኣምላኽ ንዕኡ ንምሕጓስ ብሓቂ ልባዊ ባህጊ እንተ ኣልዩና ክርኢ ይኽእል ኢዩ። (2 ዜና መዋእል 16:9) ብሰንኪ ሰብኣዊ ዘይፍጽምናና እንተድኣ ተጋጊና እሞ ኸኣ እንተድኣ ተናሲሕና: የሆዋ “ኣዝዩ ይቕረ ይብል” ምዃኑ እምንቶ ብምሕዳር: ብመሰረት መስዋእታዊ በጅነት ክርስቶስ ምሕረት ንምርካብ ክንሓትት ንኽእል ኢና። (ኢሳይያስ 55:7፣ 1 ዮሃንስ 2:1, 2) መንፈሳውነትና ምእንቲ ኽምለሰልና: ድልዱል እምነትን እዙዝ ልብን ከኣ ምእንቲ ኽህልወና ሓገዝ ናይቶም ፈቃራት ክርስትያን ሽማግለታት እውን ከድሊ ይኽእል ኢዩ።—ቲቶስ 2:2፣ ያእቆብ 5:13-15
ተኣዛዝነትካ ክሳዕ ክንደይ ምሉእ ኢዩ፧
ኣገልገልቲ የሆዋ ከም ምዃንና መጠን: መብዛሕትና እዙዝ ልቢ ዘሎና ዀይኑ ከም ዝስምዓና ኣየጠራጥርን ኢዩ። ‘ኣብቲ ዕዮ ስብከት እታ መንግስቲ እካፈልዶ ኸየለኹ፧ ከም ገለልትነት ዝኣመሰለ ዓበይቲ ጕዳያት ክለዓል ከሎ ጸኒዐ ደው ዝብልዶ ኸይኰንኩ፧ ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ እተማሕጸኖ ድማ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ስርዓታዊ ኰይነ እካፈልዶ ኸየለኹ፧’ ኢልና ንሓስብ ንኸውን ኢና። (ማቴዎስ 24:14፣ 28:19, 20፣ ዮሃንስ 17:16፣ እብራውያን 10:24, 25) ሓቂ ኢዩ: ህዝቢ የሆዋ ብሓፈሻ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣገዳሲ መዳያት ልባዊ ተኣዛዝነት የርእዩ ኢዮም።
እንተዀነ ግን መዓልታዊ ምምልላስና ምናልባት ንኣሽቱ ኣብ ዝመስል ነገራት እውን ከይተረፈ ከመይ ኢዩ፧ የሱስ “ብሒደት እሙን ዝዀነ ብብዙሕ ድማ እሙን እዩ: እቲ ብሒደት ዚዕምጽ ድማ ብብዙሕውን ዓማጺ እዩ” ብምባል ገለጸ። (ሉቃስ 16:10) ስለዚ እምበኣር: ነፍሲ ወከፍና ‘ካልኦት ብዘይፈልጥዎ ደቀቕቲ ነገራት ወይ ድማ ጕዳያት ዝመጸ እውን ከይተረፈ እዙዝ ልቢዶ ኣሎኒ ኢዩ፧’ ኢልና ምስ እንሓትት ሰናይ ኢዩ።
እቲ ጸሓፍ መዝሙር ኣብቲ ካልኦት ዘይርእይዎ ውሽጢ ገዝኡ እውን ከይተረፈ ‘ብፍጹም ልቡ [ከም] እተመላለሰ’ ገለጸ። (መዝሙር 101:2) ኣብ ቤትካ ኮፍ ኢልካ ከሎኻ: ተሌቪዥን ወሊዕካ ፊልም ክትርኢ ትጅምር። ተኣዛዝነትካ ብኡንብኡ ክፍተን ይኽእል ኢዩ። ምናልባት ትሕዝቶ ናይቲ ፊልም ዘይስነ-ምግባራዊ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ኣብዚ ግዜ እዚ ዝርአ ዘሎ ፊልም እዚ ኢዩ ኢልካ ብምምኽናይ ከየቋረጽካዶ ምረኣኻዮ፧ ወይስ እቲ እዙዝ ልብኻ ነቲ ‘ምንዝርናን ስስዐን ከቶ ኣይሰማዕኩም’ ዝብል ቅዱስ ጽሑፋዊ ትእዛዝ ንኽትቅበሎ ኢዩ ዝድርኸካ፧ (ኤፌሶን 5:3-5) እቲ ታሪኽ ዝምስጥ እውን እንተዀነ: ነታ ተሌቪዥን መጥፋእካያዶ፧ ወይ እቲ ዝመሓላለፍ መደብ ዓመጽ ዘለዎ እንተድኣ ዀይኑ ኣጥፊእካ ናብ ካልእ መደበር ተሌቪዥን ምለወጥካያዶ፧ እቲ ጸሓፍ መዝሙር “እግዚኣብሄር ንጻድቕ ይዕዘቦ: ንረሲእን ንፈታው ግፍዕን ግና ነፍሱ ትጸልኦም” ብምባል ዘመረ።—መዝሙር 11:5
እዙዝ ልቢ በረኸት የፍሪ
ንኣምላኽ ብሓቂ ካብ ልቢ ንእዘዞ እንተድኣ ዄንና ንኽንግንዘብ ጠቓሚ ብዝዀነ መገዲ ገዛእ ርእስና ክንምርምረሉ እንኽእል ኣብ ህይወትና ሓያሎ መዳያት ከም ዘሎ እተረጋገጸ ኢዩ። እቲ ንየሆዋ ዘሎና ፍቕሪ ንዕኡ ንኸነሐጕሶን ነቲ ብቓሉ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ ዝነግረና ንኽንገብርን ክድርኸና ኣለዎ። እዙዝ ልቢ ምስ የሆዋ ጽቡቕ ዝምድና ንኽንዕቅብ ክሕግዘና ኢዩ። ምሉእ ብምሉእ እንተድኣ ንእዘዝ ኴንና: ‘ቃላት ኣፍናን ሓሳባት ልብናን ኣብ ቅድሚኡ ብሁግ ክኸውን’ ኢዩ።—መዝሙር 19:14
የሆዋ ስለ ዘፍቅረና: ንሰናይና ኢሉ ተኣዛዝነት ይምህረና ኢዩ። ናብቲ መለኮታዊ ትምህርቲ ብምሉእ ልቢ ኣቓልቦ ብምግባር ድማ ብዓቢኡ ንጥቀም ኢና። (ኢሳይያስ 48:17, 18) ስለዚ እምበኣር: እቲ ሰማያዊ ኣቦና ነቲ ብቓሉን መንፈሱን ብማሕበሩን ኣቢሉ ዘዳልዎ ሓገዝ ብሓጐስ ንቀበሎ። ጽቡቕ ትምህርቲ ኢና እንማሃር ዘሎና: እዚ ድማ ልክዕ ብድሕሬና “እዚኣ እያ እታ መገዲ: ብእኣ ተመላለሱ” ዝብል ድምጺ ንሰምዕ ከም ዘሎና ኢዩ። (ኢሳይያስ 30:21) የሆዋ ብመጽሓፍ ቅዱስን ክርስትያናዊ ጽሑፋትን ብናይ ጉባኤ ኣኼባታትን ኣቢሉ ክምህረና ኸሎ: ኣቓልቦ እንገብርን ነቲ እንማሃሮ ኣብ ግብሪ እነውዕልን “ብዅሉ ነገር እዙዛት” እንኸውንን ይግበረና።—2 ቈረንቶስ 2:9
እዙዝ ልቢ ብዙሕ ሓጐስን በረኸትን የፍሪ ኢዩ። ንየሆዋ ኣምላኽ ኣዚና ነሐጕስን ንልቡ ደስ ነብልን ከም ዘሎና ምፍላጥና ናይ ኣእምሮ ሰላም ከምጽኣልና ኢዩ። (ምሳሌ 27:11) እዙዝ ልቢ ጌጋ ንኽንገብር ምስ እንፍተን ዕቝባ ክዀነና ኢዩ። ብርግጽ እምበኣር: ነቲ ሰማያዊ ኣቦና ክንእዘዞ ኣሎና: “ንባርያኻ እዙዝ ልቢ ሀቦ” ኢልና ድማ ክንጽሊ ኣሎና።
[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
From the Self-Pronouncing Edition of the Holy Bible, containing the King James and the Revised versions