ሓረግ መጽሓፍ ቅዱስ
የሱስ “ተኣዛዝነት ተማሂሩ”
የሱስ ካብ ቀደሙ ኣትሒዙ ንየሆዋ ይእዘዞ ነይሩ እዩ። (ዮሃ. 8:29) ስለምንታይ ደኣ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “በቲ ዘሕለፎ መከራ ተኣዛዝነት ተማሂሩ እዩ” ዚብል፧—እብ. 5:8።
የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኣብ ሰማይ ዘየሎ ዅነታት ኣጋጢምዎ ነይሩ እዩ። ንኣብነት፡ ወለዱ ውፉያት እኳ እንተ ነበሩ፡ ዘይፍጽምና ግና ነይርዎም እዩ። (ሉቃ. 2:51) ብተወሳኺ፡ እቶም ሽዑ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት ብልሹዋት፡ እቶም ሰበ ስልጣን መንግስቲ እውን ዓመጽቲ እዮም ነይሮም። (ማቴ. 26:59፣ ማር. 15:15) ብዘይካዚ፡ ብዜሳቒ መገዲ እዩ ሞይቱ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባኡ፡ “ርእሱ ኣትሒቱ እዩ፣ ክሳዕ ሞት . . . እኳ ተኣዚዙ እዩ” ይብል።—ፊል. 2:8።
በዚ ኸምዚ ድማ፡ የሱስ ኣብ ሰማይ ተማሂርዎ ብዘይፈልጥ መገዲ ተኣዛዝነት ተማህረ። ስለዚ፡ ኪድንግጸልና ዚኽእል ፍጹም ንጉስን ሊቀ ኻህናትን ኪኸውን ከኣለ። (እብ. 4:15፣ 5:9) በቲ ዘሕለፎ መከራ ተኣዛዝነት ምስ ተማህረ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ብዝያዳ ኽቡር ኰነ። ንሕና እውን ኣብ ትሕቲ ጽንኩር ኵነታት እዙዛት እንተ ዄንና፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ብዝያዳ ኽቡራት ንኸውን፡ ነቲ ንሱ ዚህበና ዘበለ ዕዮ ብምዕያይ ከኣ ብዝያዳ ኸነገልግሎ ንኽእል ኢና።—ያእ. 1:4።