ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w25 መስከረም ገጽ 32
  • የሱስ “ተኣዛዝነት ተማሂሩ”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • የሱስ “ተኣዛዝነት ተማሂሩ”
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “ተኣዛዝነት ተማሂሩ”
    “ንዓ እውን ሰዓብየይ ኩን”
  • “እዙዝ ልቢ” ድዩ ዘሎካ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • ተኣዛዝነት ኣብ እዋን ቍልዕነት ክወሃብ ዘለዎ ኣገዳሲ ትምህርቲዶ ኢዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • የሆዋ ንተኣዛዝነትካ ኣኽቢሩ ይርእዮ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
w25 መስከረም ገጽ 32

ሓረግ መጽሓፍ ቅዱስ

የሱስ “ተኣዛዝነት ተማሂሩ”

የሱስ ካብ ቀደሙ ኣትሒዙ ንየሆዋ ይእዘዞ ነይሩ እዩ። (ዮሃ. 8:29) ስለምንታይ ደኣ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “በቲ ዘሕለፎ መከራ ተኣዛዝነት ተማሂሩ እዩ” ዚብል፧—እብ. 5:8።

የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኣብ ሰማይ ዘየሎ ዅነታት ኣጋጢምዎ ነይሩ እዩ። ንኣብነት፡ ወለዱ ውፉያት እኳ እንተ ነበሩ፡ ዘይፍጽምና ግና ነይርዎም እዩ። (ሉቃ. 2:51) ብተወሳኺ፡ እቶም ሽዑ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት ብልሹዋት፡ እቶም ሰበ ስልጣን መንግስቲ እውን ዓመጽቲ እዮም ነይሮም። (ማቴ. 26:59፣ ማር. 15:15) ብዘይካዚ፡ ብዜሳቒ መገዲ እዩ ሞይቱ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባኡ፡ “ርእሱ ኣትሒቱ እዩ፣ ክሳዕ ሞት . . . እኳ ተኣዚዙ እዩ” ይብል።—ፊል. 2:8።

በዚ ኸምዚ ድማ፡ የሱስ ኣብ ሰማይ ተማሂርዎ ብዘይፈልጥ መገዲ ተኣዛዝነት ተማህረ። ስለዚ፡ ኪድንግጸልና ዚኽእል ፍጹም ንጉስን ሊቀ ኻህናትን ኪኸውን ከኣለ። (እብ. 4:15፣ 5:9) በቲ ዘሕለፎ መከራ ተኣዛዝነት ምስ ተማህረ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ብዝያዳ ኽቡር ኰነ። ንሕና እውን ኣብ ትሕቲ ጽንኩር ኵነታት እዙዛት እንተ ዄንና፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ብዝያዳ ኽቡራት ንኸውን፡ ነቲ ንሱ ዚህበና ዘበለ ዕዮ ብምዕያይ ከኣ ብዝያዳ ኸነገልግሎ ንኽእል ኢና።—ያእ. 1:4።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ