ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ol ክፋል 9 ገጽ 29-31
  • ናይ ሓቂ ሃይማኖት ንዘለኣለም ክትጠቕመካ ትኽእል እያ!

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ ሓቂ ሃይማኖት ንዘለኣለም ክትጠቕመካ ትኽእል እያ!
  • መገዲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ረኺብካያዶ፧
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ጻድቃን ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም
  • ዜደንቕ መጻኢ!
  • ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ንበር
    ዕላማ ህይወት እንታይ ኢዩ፧ ብኸመይ ክትረኽቦ ትኽእል፧
  • ገነት እትኸውን ምድሪ
    መናፍስቲ ምዉታት ኪረድኡኻ ወይ ኪጐድኡኻ ይኽእሉዶ፧ ንምዃኑ ኣለዉዶ፧
  • ዝሓሸ ናብራ መብጽዓ ተገይርሉ ኣሎ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ኣዕሩኽ ኣምላኽ ኣብ ገነት ክነብሩ እዮም
    ዓርኪ ኣምላኽ ክትከውን ትኽእል ኢኻ!
ዝያዳ ርአ
መገዲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ረኺብካያዶ፧
ol ክፋል 9 ገጽ 29-31

9

ናይ ሓቂ ሃይማኖት ንዘለኣለም ክትጠቕመካ ትኽእል እያ!

ሓንቲ ስድራ ቤት

1. ‘ንኣምላኽ እንተ ቐሪብናዮ’ እንታይ ኢና እንኸውን፧

የሆዋ ነቶም ዜገልግልዎ የፍቅሮም እዩ። ንየሆዋ እንተ ኣምሊኽካዮ: ሕጅን ንመጻእን ኪባርኸካ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ: “ንኣምላኽ ቅረብዎ: ንሱውን ኪቐርበኩም እዩ” ይብል።—ያእቆብ 4:8

2. ናብ ኣምላኽ ክንቀርብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ እዚኸ ንጸሎትና ብኸመይ ይጸልዎ፧

2 ንኣምላኽ ንኽትቀርቦ: ቃሉ ኸተጽንዕን ኣብ ግብሪ ኸተውዕሎን ይግባእ። ምስ ፍቓዱ ተሰማሚዕካ እንተ ደኣ ጸሊኻ: የሆዋ ንጸሎትካ ኺሰምዖን ኪምልሰሉን እዩ። እቲ ክርስትያን ሃዋርያ ዮሃንስ: “ከምቲ ፍቓዱ ጌርና [ንኣምላኽ] ሓደ ነገር እንተ ለመንናዮ: ይሰምዓና እዩ: እቲ ኣብኡ ዘሎና ትብዓት ድማ እዚ እዩ። ነቲ ዝለመንናዮ ዘበለ ኸም ዝሰምዓና ኻብ እንፈልጥ ድማ: እቲ ኻብኡ ዝለመንናዮ ልማኖ ድሮ ኸም ዝረኸብናዮ: ንፈልጥ ኢና” ብምባል ጸሓፈ።—1 ዮሃንስ 5:14, 15

3-7. ጥበብ ኣምላኽ ከነጥሪ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ እዚኸ ብኸመይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

3 ብተወሳኺ: ንኣምላኽ እንተ ቐሪብካዮ ነቲ ኣብ መዓልታዊ ናብራኻ ዜጋጥመካ ነገራት ብዓወት ክትዋጽኣሉ ዜኽእለካ ጥበብ ኪህበካ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ‘ሓደ ኻባኻትኩም ጥበብ እንተ ጐደለቶ ንኣምላኽ ይለምኖ’ ይብል።—ያእቆብ 1:5

4 ጥበብ ኣምላኽ ክትሕግዘካ እትኽእል ብኸመይ እያ፧ ብቐዳምነት ንየሆዋ ዜጕሂ ነገራት እንታይ ምዃኑ ኽትፈልጥ ትሕግዘካ። እዚ ጌጋ ዝዀነ ስለምንታይ ምዃኑን ካብኡ ንምርሓቕ እንታይ ክትገብር ከም እትኽእልን ድማ ትመሃር። ከምዚ ዝኣመሰለ ፍልጠት: ካብቲ ንሰባት ብሓፈሻ ዚወርዶም ዘሎ ብዙሕ ጸገማት ኬዕቍበካ ይኽእል። ንኣብነት: ነቲ ብስነ-ምግባር ንጹህ ንኽትከውን ዚእዝዝ ምኽሪ ኣምላኽ ምሕላው: ንህዝቢ ኣምላኽ ካብ ዘይተደልየ ጥንሲ: ብጾታዊ ርክብ ካብ ዚመሓላለፉ ሕማማት: ከምኡውን ካብ ሓጐስ ዘይብሉ ወይ ዝፈረሰ ሓዳር የዕቍቦም።

5 ካብቲ ኣምላኽ ዚህበካ ጥበብ እትረኽቦ ኻልእ ጥቕሚኸ እንታይ ኣሎ፧ ንህይወት ብዝበለጸ ንኽትጥቀመላ የኽእለካ። ኣብ ከም ገንዘብካ ምምሕዳር ዝኣመሰለ ኣብ መዓልታዊ ህይወት ዜጋጥም ነገራት ጥበባዊ ስጕምቲ ኽትወስድ ይሕግዘካ። ጠቓሚ ሸቶታት ክትስዕብ: ነባሪ ጥቕሚ ዘይብሉ ሸቶታት ድማ ክትነጽግ የኽእለካ።

ሰብ ሓዳር፡ ሕጻን ሒዞም

6 ጥበብ ኣምላኽ ኣብቲ ምስ ካልኦት ዘሎካ ርክብ እውን ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። ሕጉስ ናብራ ስድራቤት ኪህልወካ ይኽእል። ምስ ካልኦት ነባሪ ዝዀነ ናይ ሓቂ ዕርክነት ክትምስርት: ካብቶም ንኣምላኽ ዘየገልግሉ ሰባት እውን ከይተረፈ ኽብረት ክትረክብ ትኽእል።

7 ብተወሳኺ: ጥበብ ኣምላኽ ምህላው ኣብ ህይወት ዘሎካ ኣረኣእያ ኼመሓይሾ እዩ። ኣብ ህይወት ዜጋጥም ሽግራትን ተስፋ ምቝራጽን ብዓወት ንኽትሰግሮ ኺሕግዘካ ይኽእል። ብዛዕባ መጻኢ ድማ ሚዛናውን ኣወንታውን ኣረኣእያ ይህልወካ። እዚ ኣወንታዊ ኣረኣእያ እዚ ድማ ብግዲኡ ኣብ ኣእምሮኣውን ኣካላውን ጥዕናኻ ኣበርክቶ ኺገብር እዩ።—ምሳሌ 14:30፣ ኢሳይያስ 48:17

8. ንኣምላኽ ተገልግል እንተ ደኣ ዄንካ: እንታይ ኢኻ ዘይትፈርህ፧

8 ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እንተ ደኣ ኣገልጊልካዮ: ካብቲ ነቶም ንኣምላኽ ዘየገልግሉ ዜጋጥሞም ፍርሂ ናጻ ኽትከውን ኢኻ። ምዉታት: ህይወት ዘይብሎም ኰይኖም ኣብ መቓብር ከም ዘለዉ ስለ እትፈልጥ: ኣይትፈርሆምን። ኣብቲ ኣምላኽ ምዉታት ከም ዚትንስኡ ዝኣተዎ መብጽዓ እምነት ስለ ዘሎካ: ሞት ኣይትፈርህን። ኣምላኽ ካብ ዝዀነ ይኹን ኣካል እቲ ዝሓየለ ምዃኑ ስለ እትፈልጥ: ኣስማት ይኹን ስራይ ኣይትፈርህን።—ዮሃንስ 8:32

ጻድቃን ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም

ሓንቲ ኣደ ወዳ ሓቚፋ

9-11. ኣብ ገነት ዚነብሩ መን እዮም፧ ዘይነብሩኸ መን እዮም፧

9 ናብ ኣምላኽ እንተ ደኣ ቐሪብካ: ብዛዕባ መጻኢ ኣይክትፈርህን ኢኻ። ኣቐዲምና ኸም ዝረኣናዮ: መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ሎሚ ኣብ ምድሪ ዘሎ ጸገማት ኣቐዲሙ ተነብዩ ነይሩ እዩ። የሆዋ: እዚ ነገራት እዚ ግዝያዊ ምዃኑን መንግስቲ ኣምላኽ ድማ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ንምድሪ ናብ ገነት ክትልውጣ ምዃናን ይነግረና እዩ።—ሉቃስ 21:10, 11, 31፣ 23:43

10 እቶም ናብ ኣምላኽ ዚቐርቡን ዜገልግልዎን ጥራይ እዮም ኣብ ገነት ዚነብሩ። መጽሓፍ ቅዱስ: “ቅሩብ ጸኒሑ እቲ ረሲእ የሎን: ቦታኡ ኽትደልዮ ኢኻ: ኣይኪህሉን ድማ እዩ። ትሑታት ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም: ብብዝሒ ሰላም ከኣ ደስ ኪብሎም እዩ” ይብል።—መዝሙር 37:10, 11

11 እቶም ብድርቅና ነቲ ጽድቃዊ ሕግታት ኣምላኽ ዘይእዘዙ: ንዘለኣለም ኪጠፍኡ እዮም። (2 ተሰሎንቄ 1:8, 9) ፈጺሞም ኣይኪህልዉን እዮም። ምስ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ንዘለኣለም ኪሞቱ እዮም። (ራእይ 20:10, 14) እቶም ብዛዕባ የሆዋ ዚመሃሩን ዜገልግልዎን ግን በቲ ኣብ ገነታዊት ምድሪ ዚረኽብዎ ደስ ኪብሎም እዩ።

ኣብ ገነት፡ ሰባት ሓቢሮም ይምገቡ

ዜደንቕ መጻኢ!

12. መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መጻኢ እንታይ ይብል፧

12 የሆዋ ነቶም ዜፍቅርዎ ዜደንቕ ነገራት ኣንቢሩሎም ኣሎ! ኣብ ገነታዊት ምድሪ ህይወት ከመይ ከም እትመስል ካብ ቃሉ ርአ:-

  • ኣኺሉ ዚተርፍ ምግቢ:- “ብዝሒ እኽሊ [ወይ: ምግቢ] ኣብ ሃገር: ኣብ ርእሲ ኣኽራን ኪኸውን [እዩ]።”—መዝሙር 72:16

  • ምሹእ ኣባይቲ:- “ኣባይቲ ኺሰርሑን ኪነብሩለንን እዮም።”—ኢሳይያስ 65:21

  • ዜሐጕስ ዕዮ:- “ሕሩያተይ ድማ ጻማ ግብሪ ኣእዳዎም ኪበልዑ እዮም . . . ንኸንቱ ኣይኪጽዕሩን . . . እዮም።”—ኢሳይያስ 65:22, 23

  • ሕማም ኣይኪህሉን:- “ካብቶም ኣብኣ ዚነብሩስ ሓደ እኳ: ሕማቕ [“ሕሙም:” ትርጕም 1990] እየ: ኣይብልን።”—ኢሳይያስ 33:24

  • ስንክልና ኣይኪህሉን:- “ሽዑ ኣዒንቲ ዕዉራት ኪኽፈታ: ኣእዛን ጸማማት ከኣ ጋህ ኪብላ እየን። ሽዑ ሓንካስ ከም እራብ ኪሰርር: ልሳን እቲ ዓባስ ከኣ እልል ኪብል: [እዩ።]”—ኢሳይያስ 35:5, 6

  • ቃንዛ: ሓዘን: ሞት ኣይኪህሉን:- “ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ: ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን: ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን: ወይ ጫውጫው: ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ።”—ራእይ 21:4

  • ውግእ ኣይኪህሉን:- “[ኣምላኽ] ንውግእ ክሳዕ ወሰን ምድሪ መወዳእታ ይገብረሉ።”—መዝሙር 46:9

  • ናይ ዘለኣለም ህይወት:- “ጻድቃን ንሃገር ኪወርስዋ: ኣብኣውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም።”—መዝሙር 37:29

መንጫዕጫዕታታት

13. ንምድሪ ናብ ገነት ኪልውጣ ዚኽእል መን ጥራይ እዩ፧ ስለምንታይከ፧

13 ደቅሰብ ከምዚ ዝኣመሰለ ለውጢ ኺገብሩ ኣይክእሉን እዮም: የሆዋ ግን ዝበሎ ዅሉ ኺገብር ዜኽእሎ ሓይሊ ኣለዎ። ዝደለዮ ኻብ ምግባር ኪዓግቶ ዚኽእል ዋላ ሓደ የለን። መጽሓፍ ቅዱስ: ‘ንኣምላኽ ዚሰኣኖ ነገር የልቦን’ ይብል።—ሉቃስ 1:37

14. ነታ ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት እትመርሕ መገዲ ብኸመይ ክትረኽባ ትኽእል፧

14 የሆዋ ብመሰኻኽሩ ኣቢሉ: ኣብ ኵሉ ቦታታት ንዘለዉ ሰባት ናብታ ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት እትመርሕ “ጸባብ ደገ” ኺኣትዉ ኣጋጣሚ ይኸፍተሎም ኣሎ። እምበኣር: ካብቶም ነቲ ዕድመ ዚቕበሉ ሕጉሳት ሰባት ኩን። ነታ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ብምስዓብ ንዘለኣለም በረኸት የሆዋ ርኸብ።—ማቴዎስ 7:13, 14

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ