ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lr ምዕ. 42 ገጽ 217-221
  • ክንሰርሕ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ክንሰርሕ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
  • ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብስራሕካ ተሓጐስ
    ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ብኸመይ ትጸንዕ፧
  • “እቲ ጸራቢ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ብጻዕርኻ ጽቡቕ ርአ
    “ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ”
  • ጻዕሪ ንዚሓትት ስራሕ ብኸመይ ከም እትሕጐሰሉ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
ዝያዳ ርአ
ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር
lr ምዕ. 42 ገጽ 217-221

ምዕራፍ 42

ክንሰርሕ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

ካብ ስራሕን ካብ ጸወታን ኣየናይ ኢኻ ብዝያዳ እትፈቱ፧⁠— ብሓቂ ኺርአ ኸሎ ጸወታ ጌጋ የብሉን። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ የሩሳሌም “ኣብተን ኣደባባያታ ዚስሐቑ ኣወዳትን ኣዋልድን ኪመልኣ” ምዃነን ይዛረብ።​—⁠ዘካርያስ 8:5

እቲ ዓብዪ መምህር ቈልዑ ኺጻወቱ ኺርእዮም ከሎ: ባህ እዩ ዚብሎ ነይሩ። ናብ ምድሪ ቕድሚ ምምጻኡ ድማ “ሰራሕተኛ ዀይነ [ምስ ኣምላኽ] ነበርኩ: . . . ኵሉ ጊዜ ኸኣ ኣብ ቅድሚኡ እሕጐስ ነበርኩ” በለ። የሱስ ምስ ኣቦኡ ኣብ ሰማይ ሰራሕተኛ ኸም ዝነበረ ኣስተብህል። ኣብኡ ኸሎ ድማ “ተድላይ ከኣ ብደቂ ሰብ ነበረ” በለ። እወ: ከምቲ ቕድሚ ሕጂ እተመሃርናዮ: እቲ ዓብዪ መምህር ብዅሉ ሰብ: እንተላይ ብቘልዑ ብሓቂ ይግደስ ነይሩ እዩ።​—⁠ምሳሌ 8:30, 31

ሰባት እተዓጽደ ስርናይ ይእክቡ

እቲ ዓብዪ መምህር ናብ ምድሪ ቕድሚ ምምጻኡ ብምንታይ እዩ ዚሕጐስ ነይሩ፧

የሱስ ቈልዓ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ዚጻወት ዝነበረዶ ይመስለካ፧⁠— ምናልባት ይጻወት ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር: ኣብ ሰማይ “ሰራሕተኛ” ኻብ ነበረ: ኣብ ምድሪኸ ይሰርሕዶ ነይሩ፧⁠— የሱስ “ወዲ እቲ ጸራቢ” ተባሂሉ እኳ ይጽዋዕ እንተ ነበረ: “እቲ ጸራቢ” ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ ነይሩ እዩ። እዚ እንታይ እዩ ዜርእየና፧⁠— እቲ ንየሱስ ከም ወዱ ገይሩ ዘዕበዮ ዮሴፍ ምሂርዎ ኪኸውን ኣለዎ። ስለዚ: የሱስ እውን ጸራባይ ኰነ።​—⁠ማቴዎስ 13:55፣ ማርቆስ 6:3

የሱስ እንታይ ዓይነት ጸራባይ እዩ ነይሩ፧⁠— ኣብ ሰማይ ወሓለ ሰራሕተኛ ኻብ ነበረ: ኣብ ምድሪ እውን ወሓለ ጸራባይ ዝዀነዶ ኣይመስለካን፧⁠— ኣብቲ ግዜ እቲ ጸራባይ ኴንካ ኽትሰርሕ ክሳዕ ክንደይ ከቢድ ከም ዝነበረ እሞ ሕሰብ። የሱስ ምናልባት ከይዱ ኦም ይቘርጽ: ነቲ ኦም ይቘራርጾ: ነቲ ዕንጨይቲ ንገዛ ተሰኪሙ ይወስዶ እሞ ድሕሪኡ ጣውላን ኮፍ መበልን ካልእ ነገራትን ንኺሰርሓሉ ይጸርቦ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

እዚ ስራሕ እዚ ንየሱስ ዜሐጕሶ ዝነበረዶ ይመስለካ፧⁠— ንሰባት ጽቡቕ ጣውላን ሰድያን ካልእ ዚጥቀሙሉ ነገራትን ክትሰርሓሎም እንተ ትኽእል ምተሓጐስካዶ፧⁠— መጽሓፍ ቅዱስ: ሓደ ሰብ ‘ብዕዮኡ ባህ ኪብሎ’ ጽቡቕ ምዃኑ ይገልጽ። ስራሕ ካብ ጸወታ ኽትረኽቦ ዘይትኽእል ሓጐስ የምጽኣልካ እዩ።​—⁠መክብብ 3:22

ስራሕ ነእምሮናን ንኣካላትናን ብሓቂ ይጠቕመና እዩ። ብዙሓት ቈልዑ ኾፍ ኢሎም ቲቪ ይርእዩ ወይ ናይ ቪድዮ ጸወታታት ይጻወቱ። ካብ መጠን ንላዕሊ ይረጕዱ እሞ ይደኽሙ: ሓጐስ ከኣ የብሎምን። ንኻልኦት እውን ኣየሐጕስዎምን እዮም። ንኽንሕጐስ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧⁠—

ኣብ ምዕራፍ 17 እዛ መጽሓፍ እዚኣ ንኻልኦት ንምሕጋዝ ኢልና ገለ ነገራት ምስ እንህቦምን እንገብረሎምን ሓጐስ ከም ዜምጽእ ርኢና ኔርና። (ግብሪ ሃዋርያት 20:35) መጽሓፍ ቅዱስ ንየሆዋ “ሕጉስ ኣምላኽ” ይብሎ። (1 ጢሞቴዎስ 1:11 NW​) ከምቲ ኣብ ምሳሌ ዘንበብናዮ ኸኣ የሱስ ‘ኵሉ ግዜ ኣብ ቅድሚኡ ይሕጐስ ነበረ።’ የሱስ ስለምንታይ እዩ ሕጉስ ነይሩ፧⁠— ንሱ ባዕሉ “ኣቦይ ክሳዕ ሕጂ ይገብር: ኣነውን እገብር አሎኹ” ብምባል ሓደ ኻብቲ ሕጉስ ዚገብሮ ምኽንያት ነጊሩና ኣሎ።​—⁠ዮሃንስ 5:17

የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ: ምሉእ ህይወቱ ጸራባይ ኰይኑ ኣይኰነን ኣሕሊፍዎ። የሆዋ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ሓደ ፍሉይ ዚዓዮ ዕዮ ሂብዎ እዩ። እዚ ዕዮ እዚ እንታይ ምዃኑስ ትፈልጥዶ፧⁠— የሱስ “ስለዚ እየ እተለአኽኩ እሞ: ንኻልኦት ዓድታት ድማ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክሰብከለን ይግብኣኒ እዩ” በለ። (ሉቃስ 4:43) ሓድሓደ ግዜ የሱስ ንሰባት ኪሰብከሎም ከሎ: ይኣምንዎ ነበሩ: ነቲ ዝበሎ እውን ንኻልኦት ይነግርዎም ነበሩ። እዛ ኣብዚ ስእሊ እትርእያ ዘለኻ ሳምራዊት ሰበይቲ ኸምኡ እያ ገይራ።​—⁠ዮሃንስ 4:7-15, 27-30

የሱስ ነታ ሳምራዊት ሰበይቲ ኣብ ጥቓ ዒላ ይዛረባ፡ የሱስ ጸራቢ ዀይኑ ይዓዪ

የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ: እንታይ ክልተ ዓይነት ዕዮ እዩ ዚዓዪ ነይሩ፧

የሱስ ነዚ ዕዮ እዚ ኺፍጽሞ ኸሎ እንታይ እዩ ዚስምዖ ነይሩ፧ ኪገብሮ ዚደሊ ዝነበረዶ ይመስለካ፧⁠— የሱስ “ብልዔይሲ ፍቓድ እቲ ዝለአኸኒ ኽገብር ዕዮኡውን ክፍጽም እዩ” በለ። (ዮሃንስ 4:34) እትፈትዎ ምግቢ ንኽትበልዕ ክሳዕ ክንደይ ኢኻ ሃረር እትብል፧⁠— እዚ ኣብነት እዚ የሱስ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ዕዮ ኽሳዕ ክንደይ ይፈትዎ ኸም ዝነበረ ንኽትርዳእ ኪሕግዘካ እዩ።

ኣምላኽ: ብስራሕ ከም እንሕጐስ ገይሩ እዩ ፈጢሩና። ንወድሰብ ዝሃቦ ህያብ “ብጻዕሩ ኺሕጐስ” ምዃኑ ነጊሩና ኣሎ። ስለዚ እምበኣር: ንእሽቶ ኸለኻ ምስራሕ እንተደኣ ለሚድካ: ኣብ ምሉእ ህይወትካ ዝያዳ ሓጐስ ክትረክብ ኢኻ።​—⁠መክብብ 5:19

እዚ ኺበሃል ከሎ: ሓደ ንእሽቶ ቘልዓ ነቲ ሓደ ዓብዪ ሰብ ኪዓዮ ዚኽእል ዕዮ ኺዓዪ ይኽእል እዩ ማለት ኣይኰነን። ይኹን እምበር: ኵላትና ገለ ዓይነት ዕዮ ኽንዓዪ ንኽእል ኢና። ብስድራ​ቤትኩም እትበልዕዎ ምግብን እትነብርሉ ቤትን ንኺህልወኩም ዚሕግዝ ገንዘብ ምእንቲ ኺረኽቡ ወለድኻ መዓልቲ መዓልቲ ስራሕ ይኸዱ ይዀኑ። ከም እትፈልጦ ኸኣ: እቲ ቤት ጽሩይን ጽፉፍን ምእንቲ ኪኸውን ኪዕየ ዜድልዮ ብዙሕ ዕዮ ኣሎ።

ንስድራ​ቤትኩም ብምልእታ ኺጠቅም ዚኽእል እንታይ ዕዮ ኽትዓዪ ምኸኣልካ፧⁠— ነቲ እትምገቡሉ ጣውላ ኸተተዓራርዮ: ኣቝሑ ኽትሓጽብ: ጐሓፍ ክትጕሕፍ: ክፍልኻ ኸተጽሪ: መጻወቲታትካ ኸተለዓዕል ትኽእል ኢኻ። ምናልባት ነዚ ነገራት እዚ ኣቐዲምካ እውን ትገብሮ ኔርካ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። እዚ ስራሕ እዚ ነታ ስድራ​ቤት ብሓቂ በረኸት እዩ።

መጻወቲ ንሓንቲ ኣደ የዐንቅፋ

ተጻዊትካ ምስ ወዳእካ: መጻወቲታትካ ኸተለዓዕል ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧

ከምዚ ዝኣመሰለ ስራሕ ከመይ ኢሉ በረኸት ኪኸውን ከም ዚኽእል እስከ ንርአ። ተጻዊትካ ምስ ወዳእካ መጻወቲታትካ ኸተለዓዕሎ ወይ ኣርኒብካ ኣብ ቦታኡ ኸተቐምጦ ይግባእ። እዚ ኣድላዪ ዝዀነሉ ምኽንያት እንታይ እዩ ምበልካ፧⁠— እቲ ቤት ጽፉፍ ንኪኸውንን ሓደጋ ንኸየጋጥምን ኪሕግዝ ይኽእል እዩ። መጻወቲታትካ እንተ ዘየላዒልካዮ: ኣዴኻ ሓደ መዓልቲ በእዳዋ ብዙሕ ነገራት ተሰኪማ ናብቲ ኽፍሊ መጺኣ ትረግጾ እሞ ተዓንቂፋ ኽትወድቕን ክትጕዳእን ትኽእል እያ። ናብ ሆስፒታል እውን ከይተረፈ ኽትከይድ ትኽእል እያ። ከምዚ ኼጋጥምሲ ዘስካሕክሕዶ ኣይኰነን፧⁠— ስለዚ እምበኣር: ተጻዊትካ ምስ ወዳእካ: መጻወቲታትካ ምስ እተለዓዕሎ: ንዅላ እታ ስድራ​ቤት በረኸት እዩ።

ቈልዑ ዚዓይዎ ኻልእ ስራሕ እውን ኣሎ። ንኣብነት: ዕዮ ቤት ትምህርቲ ይወሃበካ። ኣብ ቤት ትምህርቲ ንባብ ትመሃር ኢኻ። ንገሊኦም ቈልዑ ንባብ ኬሐጕሶም ከሎ: ንገሊኦም ግን ከቢድ ኰይኑ እዩ ዚስምዖም። መጀመርታ ኸቢድ ኰይኑ እኳ ዚስምዓካ እንተዀነ: ጽቡቕ ጌርካ ኸተንብብ እንተደኣ ኽኢልካ: ክትሕጐስ ኢኻ። ከተንብብ እንተደኣ ኽኢልካ: ክትመሃሮ እትኽእል ብዙሕ ባህ ዜብል ነገራት ኣሎ። ነቲ ናይ ኣምላኽ መጽሓፍ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ብብሕትኻ ኸተንብብ ክትክእል ኢኻ። ስለዚ እምበኣር: ዕዮ ቤት ትምህርትኻ ብግቡእ ትዓዪ እንተደኣ ዄንካ: ብሓቂ በረኸትዶ ኣይ​ኰነን፧⁠—

ካብ ስራሕ ኪሃድሙ ዚደልዩ ገለ ሰባት ኣለዉ። ምናልባት ከምዚ ዚገብር ሰብ ትፈልጥ ትኸውን። ይኹን እምበር: ኣምላኽ ክንሰርሕ ስለ ዝፈጠረና: ብስራሕ ከመይ ጌርና ኽንሕጐስ ከም እንኽእል ክንመሃር ኣሎና። እቲ ዓብዪ መምህር ንስራሑ ኽሳዕ ክንደይ እዩ ዚሕጐሰሉ ነይሩ፧⁠— ልክዕ ከምቲ ንዚፈትዎ ምግቢ ዚበልዕ ዘሎ ገይሩ እዩ ዚርእዮ ነይሩ። ብዛዕባ እንታይ ዓይነት ስራሕከ እዩ ዚዛረብ ነይሩ፧⁠— ንሰባት ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽን ከመይ ገይሮም ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረኽቡ ኸም ዚኽእሉን ምንጋር እዩ።

ስለዚ: ብስራሕ ክንሕጐስ ኪሕግዘና ዚኽእል ሓሳባት እንሆ:- ንገዛእ ርእስኻ ‘እዚ ስራሕ እዚ ስለምንታይ እዩ ኺዕየ ዘለዎ፧’ ኢልካ ሕተት። ሓደ ነገር ስለምንታይ ኣገዳሲ ምዃኑ እንተደኣ ፈሊጥካ: ንኽትገብሮ ቐሊል እዩ። እቲ ስራሕ ዓብዪ ይኹን ንእሽቶ ብዘየገድስ ከኣ ጽቡቕ ጌርካ ዕየዮ። ከምኡ እንተደኣ ጌርካ: ልክዕ ከምቲ እቲ ዓብዪ መምህርና ብዕዮኡ ዚሕጐስ ዝነበረ ንስኻውን ብዕዮኻ ኽትሕጐስ ኢኻ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንሓደ ሰብ ንፉዕ ሰራሕተኛ ንኪኸውን ኪሕግዞ ይኽእል እዩ። ኣብ ምሳሌ 10:4፣ 22:29፣ መክብብ 3:12, 13፣ ከምኡውን ቈሎሴ 3:23 እንታይ ከም ዚብል ኣንብብ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ