ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • bh ገጽ 204-ገጽ 205 ሕ.ጽ. 5
  • ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንመስቀል ኣብ ኣምልኾኦም ዘይጥቀሙሉ ምኽንያት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንመስቀል ኣብ ኣምልኾኦም ዘይጥቀሙሉ ምኽንያት
  • መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሱስ ብሓቂዶ ኣብ መስቀል እዩ ተሸንኪሩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ኣምልኾኦም መስቀል ዘይጥቀሙ ስለምንታይ እዮም፧
    ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብተደጋጋሚ ዚሕተት ሕቶታት
  • መስቀል
    ንቕሑ!—2017
  • ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ኣምልኾኦም መስቀል ዘይጥቀሙ ስለምንታይ እዮም፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
bh ገጽ 204-ገጽ 205 ሕ.ጽ. 5

መመላእታ ጽሑፍ

ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንመስቀል ኣብ ኣምልኾኦም ዘይጥቀሙሉ ምኽንያት

መስቀል ሚልዮናት ብዚቝጸሩ ሰባት ይፍቶን ይኽበርን እዩ። ዘ ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ ንመስቀል፡ “ቀንዲ ምልክት ሃይማኖት ክርስትና” ይብሎ። ይኹን እምበር፡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት መስቀል ንኣምልኾ ኣይጥቀሙሉን እዮም። ስለምንታይ፧

ሓደ ኣገዳሲ ምኽንያት የሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ዘይሞተ ምዃኑ እዩ። እታ ብሓፈሻኡ “መስቀል” ተባሂላ እትትርጐም ናይ ግሪኽኛ ቓል ስታውሮስ እትብል ኰይና፡ ብመሰረቱ ኸኣ፡ “ቀጥ ንዝበለ ዓንዲ ወይ ጕንዲ” ዚብል ትርጉም እዩ ዘለዋ። ዘ ኮምፓንዮን ባይብል ነዚ ኣመልኪቱ፡ “[ስታውሮስ] ብዝዀነ ይኹን መልክዑ ንእተመሳቐለ ኽልተ ዕንጨይቲ ኸቶ ኣየመልክትን እዩ። . . . ኣብቲ [ሓድሽ ኪዳን] ዚጥቀመሉ ግሪኽኛ ንኽልተ ዕንጨይቲ ዜመልክት ዋላ ሓንቲ ነገር የልቦን” በለ።

ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሓያሎ ጥቕስታት ነታ የሱስ ዝሞተላ ንምግላጽ ካልእ ቃል ተጠቒሞም እዮም። እዛ ናይ ግሪኽኛ ቓል እዚኣ ኸኣ ክሲሎን እትብል እያ። (ግብሪ ሃዋርያት 5:30፣ 10:39፣ 13:29፣ ገላትያ 3:13፣ 1 ጴጥሮስ 2:24) “ዕንጨይቲ፡” “በትሪ ወይ ኦም” ዚብል ትርጉም ድማ ኣለዋ።

እታ ብሀርማን ፉልዳ እተጻሕፈት ዳስ ክሮይጽ ኡንት ዲ ክሮይጺጉንግ (መስቀልን ምስቃልን) ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “ኣብቲ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ቕትለት ዚፍጸመሉ ዝነበረ ቦታ ኣእዋም ኣይርከብን እዩ ነይሩ። ስለዚ ድማ ሓደ ተራ ገመል ኣብ ምድሪ ይትከል። እቶም መፍረስቲ ሕጊ ኸኣ ኣእዳዎም ንላዕሊ ገይሮም፡ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ኣእጋሮም እውን ተኣሲሮም ወይ ተሸንኪሮም ይስቀሉ ነበሩ” በለት።

እቲ ልዕሊ ዅሉ ዜእምን መርትዖ ግና ኣብ ቃል ኣምላኽ እዩ ዚርከብ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “‘ኣብ ጕንዲ [“ኦም፡” ኪንግ ጄምስ ቨርሽን] ዚስቀል ዘበለ ርጉም እዩ፡’ ተባሂሉ ስለ እተጻሕፈ፡ ክርስቶስ ኣብ ክንዳና መርገም ብምዃን፡ ካብ መርገም እቲ ሕጊ ዓዲጉ፡ ሓራ ኣውጺኡና እዩ” በለ። (ገላትያ 3:13) ኣብዚ ሃዋርያ ጳውሎስ ካብቲ ንዕንጨይቲ ደኣ እምበር ንመስቀል ፈጺሙ ዘየመልክት ኣብ ዘዳግም 21:22, 23 ዚርከብ ሓሳባት እዩ ጠቒሱ። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣቀታትላ ንሓደ ሰብ “ርጉም” ስለ ዚገብሮ፡ ክርስትያናት ንስቕለት ክርስቶስ ዜርኢ ምስልታት ገይሮም ቤቶም ኪስልሙ የብሎምን።

ድሕሪ ሞት ክርስቶስ ኣብ ዝነበራ ናይ መጀመርታ 300 ዓመታት፡ እቶም ክርስትያናት ዚብሃሉ ዝነበሩ ንመስቀል ኣብ ኣምልኾኦም ከም እተጠቕሙሉ ዚሕብር ዋላ ሓንቲ መርትዖ የልቦን። ኣብ ራብዓይ ዘመን ግና እቲ ኣረማዊ ሃጸይ ቆስጣንጢኖስ እምነቱ ናብ ናይ ክሕደት ክርስትና ቐየረ፡ ንመስቀል ድማ ከም ምልክት ገይሩ ተጠቕመላ። ቆስጣንጢኖስ ከምዚ ዝገበረሉ ምኽንያት ብዘየገድስ፡ ንመስቀል ምስ የሱስ ክርስቶስ ዜተሓሕዞ ዋላ ሓንቲ ነገር የለን። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ መስቀል መበቈሉ ኻብ ኣረማውያን እዩ። ኒው ካቶሊክ ኢንሳይክሎፔድያ “መስቀል ኣብቲ ቕድሚ ክርስትና ዝነበረ ዘይክርስትያናዊ ልምድታት ይርከብ እዩ” ብምባል ይእመን። ሓያሎ ኻልእ ኣኽቢርካ ዚርአ ጽሑፋት እውን ንመስቀል ምስ ኣምልኾ ተፈጥሮን ኣረማዊ ጾታዊ ጽምብላትን ኣተሓሒዝዎ ኣሎ።

ስለምንታይ ደኣ እዩ እሞ ኣረማዊ ምልክት ዘስፋሕፍሐ፧ ኣረማውያን “ንክርስትና” ብቐሊሉ ምእንቲ ኪቕበሉ ተባሂሉ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ኰይኑ ግና፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንዝዀነ ይኹን ኣረማዊ ምልክት ምምላኽ ይዅንኖ እዩ። (2 ቈረንቶስ 6:14-18) ብዘይካዚ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ኵሉ ዓይነት ኣምልኾ ጣኦት ይኽልክል እዩ። (ዘጸኣት 20:4, 5፣ 1 ቈረንቶስ 10:14) እምበኣር፡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንመስቀል ኣብ ኣምልኾኦም ዘይጥቀሙሉ ብቑዕ ምኽንያት ኣለዎም።a

a ብዛዕባ መስቀል ዝያዳ ዝርዝር ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ሪዝኒን ፍሮም ዘ ስክሪፕቸርስ ዘርእስታ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ኣብ ገጽ 89-93 ተወከስ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ