ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w11 1/3 ገጽ 18-20
  • የሱስ ብሓቂዶ ኣብ መስቀል እዩ ተሸንኪሩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • የሱስ ብሓቂዶ ኣብ መስቀል እዩ ተሸንኪሩ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንመስቀል ድያ እተመልክት፧
  • መበቈል መስቀል
  • ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት እንታይ ይኣምኑ ነበሩ፧
  • ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንመስቀል ኣብ ኣምልኾኦም ዘይጥቀሙሉ ምኽንያት
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
  • ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ኣምልኾኦም መስቀል ዘይጥቀሙ ስለምንታይ እዮም፧
    ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብተደጋጋሚ ዚሕተት ሕቶታት
  • መስቀል
    ንቕሑ!—2017
  • ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ኣምልኾኦም መስቀል ዘይጥቀሙ ስለምንታይ እዮም፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
w11 1/3 ገጽ 18-20

የሱስ ብሓቂዶ ኣብ መስቀል እዩ ተሸንኪሩ፧

ሓደ መዝገበ-ፍልጠት፡ “መስቀል ኣጸቢቑ ዚፍለጥ ምልክት ክርስትና እዩ” ይብል። ሓያሎ ሃይማኖታዊ ስእልታትን ስነ-ጥበባዊ ስርሓትን ንየሱስ ኣብ መስቀል ከም እተሸንከረ ገይሩ እዩ ዚስእሎ። እዚ ምልክት እዚ፡ ኣብ ህዝበ-ክርስትያን ኣመና ዘስፋሕፍሐ ስለምንታይ እዩ፧ የሱስ ብሓቂዶ ኣብ መስቀል እዩ ተሸንኪሩ፧

ብዙሓት፡ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚርከብ ይገልጹ ይዀኑ። ንኣብነት፡ ብመሰረት እቲ ብ1956 እተተርጐመ መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ፡ ኣብቲ የሱስ እተቐትለሉ እዋን፡ ሓለፍቲ መገዲ የላግጹሉን “ካብ መስቀል ውረድ” እናበሉ ብድሆ የቕርቡሉን ከም ዝነበሩ ተገሊጹ ኣሎ። (ማቴዎስ 27:40, 42) ሓያሎ ኻልእ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ እውን፡ ብተመሳሳሊ መገዲ እዩ ዚትርጕም። ብ1990 እተተርጐመ መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ፡ እቶም ወተሃደራት ንስምኦን ቀሬናዊ፡ “[ንየሱስ] መስቀሉ ኺፆረሉ ኣገደድዎ” ትብል። (ማርቆስ 15:21) ኣብዘን ጥቕስታት እዚኣተን፡ እታ “መስቀል” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ቓል፡ ብግሪኽኛ ስታውሮስ እያ እትብል። ነዚ ትርጕም እዚ ዚድግፍ ድልዱል መሰረት ኣሎዶ፧ ትርጕም እታ ኣብ በዅሪ ጽሑፍ እትርከብ ቃል እንታይ እዩ፧

ንመስቀል ድያ እተመልክት፧

ብመሰረት እቲ ናይ ግሪኽኛ ምሁር ዝዀነ ዊልያም ኢ. ቫይን፡ ስታውሮስ “ብቐዳምነት፡ ቀጥ ንዝበለ ዕንጨይቲ ወይ ጕንዲ እያ እተመልክት። ገበነኛታት ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ እዮም ዚሽንከሩ ነይሮም። እታ ስምን እታ ኣብ ጕንዲ ወይ ኣብ ዕንጨይቲ ንምሽንካር እተመልክት ስታውሮ እትብል ግስን፡ ካብ መበቈለን ኣትሒዘን ካብቲ ኣቕላስያዊ [ወይ ቤተ-ክርስትያናዊ] መልክዕ ዘለዎ እተመሳቐለ ኽልተ ዕንጨይቲ እተፈልያ እየን።”

ዘ ኢምፐርያል ባይብል-ዲክሽነሪ ኸኣ፡ እታ ስታውሮስ እትብል ቃል፡ “ዝዀነ ይኹን ነገር ንዚስቀለሉ ቐጥ ዝበለ ጕንዲ ወይ ዕንጨይቲ” ኸም እተመልክት ገሊጹ ኣሎ። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን፡ “ኣብ ሮማውያን እውን እንተ ዀነ፡ ክሩክስ (ነታ ክሮስ [ማለት መስቀል] እትብል ቃል ዘመንጨወት ናይ ላቲን ቃል) ኣብ መጀመርታ ቐጥ ንዝበለ ዓንዲ እያ እተመልክት ነይራ” በለ። እምበኣር፡ ዘ ካቶሊክ ኢንሳይክሎፔድያ፡ “ዝዀነ ዀይኑ፡ መስቀል ኣብ መጀመርታ፡ ንሓደ ኣብ ላዕላይ ጫፉ ዝበልሐ ትኽ ዝበለ ዓንዲ የመልክት ከም ዝነበረ እተረጋገጸ እዩ” ምባሉ ዜገርም ኣይኰነን።

ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ የሱስ እተሰቕለሉ ንምግላጽ፡ ዛይሎን እትብል ካልእ ናይ ግሪኽኛ ቓል እውን ተጠቒሞም እዮም። ኤ ክሪቲካል ለክሲኮን ኤንድ ኮንኮርዳንስ ቱ ዘ ኢንግሊሽ ኤንድ ግሪክ ኒው ተስታመንት ዚበሃል መዝገበ-ቓላት፡ ነታ ዛይሎን እትብል ቃል፡ “ቍራጽ ዕንጨይቲ፡ ጕንዲ” ኢሉ ተርጒምዋ ኣሎ። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን፡ ዛይሎን ከም ስታውሮስ፡ “እቲ ሮማውያን ነቶም ዚስቀሉ ሰባት ዚሽንክሩሉ ዝነበሩ ቐጥ ዝበለ ዕንጨይቲ ወይ ጕንዲ እዩ” በለ።

ምስዚ ብምስምማዕ፡ እቲ ብ1956 እተተርጐመ መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ፡ ንግብሪ ሃዋርያት 5:30፡ “ነቲ ንስኻትኩም ኣብ ዕጸይቲ [ዛይሎን] ሰቒልኩም ዝቐተልኩምዎ የሱስ፡ ኣምላኽ ኣቦታትና ኣተንስኦ” ኢሉ ተርጒምዋ ኣሎ። እዚ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ እዚ፡ ነታ ስታውሮስ እትብል ቃል “መስቀል” ኢሉ ኺትርጕማ ኸሎ፡ ነታ ዛይሎን እትብል ቃል ግን “ዕጸይቲ” ኢሉ ተርጒምዋ ኣሎ። ግብሪ ሃዋርያት 13:29 እውን ብዛዕባ የሱስ፡ “ነቲ ብዛዕባኡ እተጻሕፈ ዘበለ ምስ ፈጸሙ፡ ካብ ዕጨይቲ [ዛይሎን] ኣውሪዶም ኣብ መቓብር ኣእተውዎ” ትብል።

እቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ክሪቲካል ለክሲኮን ኤንድ ኮንኮርዳንስ፡ ነቲ መሰረታዊ ትርጕማት እተን ስታውሮስን ዛይሎንን ዚብላ ናይ ግሪኽኛ ቓላት ኣብ ግምት ብምእታው፡ “ክልቲአን ቃላት ምስቲ ኣብ ስእልታት እንፈልጦ ዘመናዊ መስቀል ኣይሰማምዓን እየን” በለ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ እቲ እቶም ጸሓፍቲ ወንጌል ስታውሮስ ኢሎም ዝገለጽዎ ነገር፡ ምስቲ ሎሚ ሰባት መስቀል ኢሎም ዚጽውዕዎ ነገር ፈጺሙ ኣይመሳሰልን እዩ። ስለዚ ኸኣ እዩ እቲ ብእንግሊዝኛ እተዳለወ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ሓዳስ ዓለም፡ ኣብ ማቴዎስ 27:40-42 ኰነ እታ ስታውሮስ እትብል ቃል ኣብ እትርከበሉ ኻልእ ቦታታት፡ “መሳቐዪ ዕንጨይቲ” ተባሂሉ ኺትርጐም ዚከኣል ቃላት እተጠቕመ። ብተመሳሳሊ፡ ኮምፕሊት ጂውሽ ባይብል እውን፡ “ጕንዲ ቕትለት” ወይ “ዓንዲ ቕትለት” ተባሂሉ ኺትርጕም ዚኽእል ቃላት ተጠቒሙ ኣሎ።

መበቈል መስቀል

መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሱስ ኣብ መስቀል ከም እተቐትለ ዘይምህር ካብ ኰነ፡ እተን ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ኢና እንምህር፡ ንዕኡ እውን ኢና እንስዕብ ዚብላ ኣብያተ-ክርስትያን—ማለት ካቶሊክን ፕሮተስታንትን ኦርቶዶክስን—ኣብ ህንጻታተን መስቀል ዚገብራን ከም ምልክት እምነተን ገይረን ዚጥቀማሉን ስለምንታይ እየን፧ መስቀል ውሩይ ምልክት ኪኸውን ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧

መስቀል በቶም ቤተ-ክርስትያን ዚሳለሙን ንመጽሓፍ ቅዱስ ንስዕብ ኢና ዚብሉን ሰባት ጥራይ ዘይኰነስ፡ በቶም ብመጽሓፍ ቅዱስ ዘይኣምኑን ቅድሚ ክርስትና ዝነበረ ኣምልኾ ዚስዕቡን እውን ፍሉይ ኣኽብሮት ይወሃቦ እዩ። ሓያሎ ሃይማኖታዊ መወከሲ ጽሑፋት፡ ካብ ኣጋ መጀመርታ ስልጣነ ወዲ ሰብ ኣትሒዙ እተፈላለየ ቕርጽን መልክዕን ዘለዎ መስቀላት ኣብ ጥቕሚ ይውዕል ከም ዝነበረ ይእመን እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ጥንታዊ ሃይረግሊፍ ግብጻውያንን ስእልታት ኣማልኽቶምን፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ርእሱ ኽቢ ዘለዎ T ዚመስል መስቀል ይርከብ እዩ። እዚ ዓይነት መስቀል እዚ፡ ለዓት ዝቕርጹ መስቀል ተባሂሉ ዚጽዋዕ ኰይኑ፡ ምልክት ህይወት ከም ዝነበረ ጌርካ ኸኣ ይሕሰብ እዩ። ድሕሪ ግዜ፡ እዚ ዓይነት መስቀል እዚ ብቁብጣዊት ቤተ-ክርስትያን፡ ማለት በታ ኣብ ግብጺ ዝምንጫ ቤተ-ክርስትያን ኪልመድን ኪዝውተርን ጀመረ።

ብመሰረት ዘ ካቶሊክ ኢንሳይክሎፔድያ፡ “እቲ ፍልማዊ ዓይነት መስቀል፡ እቲ መስቀል ‘ጋማ’ (ክሩክስ ጋማታ) ተባሂሉ ዚጽዋዕ፡ ብምብራቓውያንን ብተመሃሮ ስነ-ጥንቲ ቕድመ ታሪኽን ከኣ በቲ ብሳንስክሪታዊ መጸውዒኡ ስዋስቲካ ተባሂሉ ዚፍለጥ ዝነበረ እዩ ዚመስል።” ኣብ ህንዲ ዝነበሩ ሰዓብቲ እምነት ሂንዱነትን ኣብ ምሉእ እስያ ዝነበሩ ሰዓብቲ እምነት ቡድህናን ነዚ ምልክት እዚ የዘውትርዎ ነበሩ፣ ክሳዕ ሕጂ እውን፡ ኣብቲ ቦታታት እቲ፡ ከም ስልማት ኰይኑ የገልግል ኣሎ።

መስቀል መዓስ ከም ምልክት “ክርስትና” ዀይኑ ኺልመድ ከም ዝጀመረ ብልክዕ ኣይፍለጥን እዩ። ብቫይን እተዳለወ ኤክስፖዚቶሪ ዲክሽነሪ ኦቭ ኒው ተስታመንት ዎርድስ፡ “ክሳዕ መፋርቕ 3ይ ዘመን ድ.ክ. ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ኣብያተ-ክርስትያን ንእተወሰነ ሰረተ-እምነታት ክርስትያናዊ እምነት ድሮ ገዲፈናኦ ወይ ጠምዚዘናኦ ነበራ። ክብረት እቲ ኸሓዲ ኣቕላስያዊ ስርዓት ንምውሳኽ፡ ኣረማውያን ብእምነት ከይተለወጡ ናብ ኣብያተ-ክርስትያን ይኣትዉ ነበሩ፣ መብዛሕትኡ ኣረማዊ ምልክታቶምን ኣርማታቶምን ኪዕቅቡ እውን ይፍቀደሎም ነበረ” በለ። እዚ ኸኣ ንመስቀል እውን ዜጠቓልል እዩ።

ገሊኦም ጸሓፍቲ ነቲ ብ312 ድ.ክ. እቲ ንጸሓይ ዜምልኽ ዝነበረ ቆስጣንጢኖስ ኣብ ሓደ ኻብ ወተሃደራዊ ወፈራታቱ ዘጋጠሞ ነገር ይጠቕሱ እዮም። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ቆስጣንጢኖስ ኣብ ጸሓይ መስቀልን ምስኡ እውን ብላቲን “ኢን ሆክ ዊንኬስ” (በዚ ስዓር) ዚብል ጽሑፍን ተራእዩኒ ኸም ዝበለ እዩ ዚንገር። ጸኒሑ፡ ሓደ ምልክት “ክርስትና” ኣብ ኣርማታትን ዋላቱን ኣጽዋርን ሰራዊቱ ገበረ። (ብጸጋም ተሳኢሉ ኣሎ።) ቆስጣንጢኖስ ኣቐዲሙ ክርስትና ተቐቢሉ ነይሩ ዚበሃል እኳ እንተ ዀነ፡ ካብቲ ምልክት ተራእዩኒ ዝበለሉ ፍጻመ 25 ዓመት ጸኒሑ፡ ኣብ ኣጋ ሞቱ እዩ ተጠሚቑ። ገሊኦም ሰባት፡ ከምኡ ዝገበረሉ ምኽንያት ኣብ ሕቶ የእትውዎ እዮም። ዘ ናን-ክርስችያን ክሮስ ዘርእስታ መጽሓፍ ብዛዕባ ቆስጣንጢኖስ፡ “ንክርስትና ናብቲ ንሱ ብተገዛእቱ ተቐባልነት ኪረክብ ኢሉ ዝሓሰቦ ሓፈሻዊ ሃይማኖት ንኪቕይር ደኣ እዩ እምበር፡ ንሱ ንባዕሉ እምነቱ ናብ ትምህርትታት የሱስ ናዝራዊ ኪቕይር ኣይኰነን ዚጽዕር ነይሩ” በለት።

ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ፡ እተፈላለየ መልክዕን ቅርጽን ዘለዎ መስቀላት ኣብ ጥቕሚ ኺውዕል ጀመረ። ንኣብነት፡ ዘ ኢላስትሬትድ ባይብል ዲክሽነሪ፡ እቲ መስቀል ቅዱስ ኣንቶንዮ ተባሂሉ ዚጽዋዕ ዓይነት፡ “ከምታ ዓባይ ፊደል T ዝቕርጹ ዀይኑ፡ ገሊኦም ሰባት ካብ ምልክት እቲ ታሙዝ ዚበሃል ኣምላኽ [ባቢሎናውያን]፡ ካብ ፊደል ታው ከም ዝመጸ እዮም ዚሓስቡ” በለት። ካልእ ከም ፊደል X ዝቕርጹ መስቀል ቅዱስ እንድርያስ እውን ነይሩ እዩ። ብዘይካዚ፡ እቲ ብብዙሓት ዚፍለጥ ክልተ እተመሳቐለ ዓንደ ገመል ዘለዎ እሞ፡ ከም ቅርጺ “ተ” ዚመስል መስቀል ተዘውተረ። እዚ ኣብ መወዳእታ እተጠቕሰ፡ መስቀል ላቲን ተባሂሉ ዚጽዋዕ ኪኸውን ከሎ፡ ብጌጋ “ጐይታና ዝሞተሉ ዓይነት መስቀል ተባሂሉ ብልምዲ ይእመነሉ እዩ።”

ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት እንታይ ይኣምኑ ነበሩ፧

ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ ብዙሓት ንየሱስ ዝሰምዕዎ ሰባት ከም ዝኣመኑን ነቲ ብመስዋእታዊ ሞቱ ዝኸፈሎ በጃ ኸም እተቐበልዎን፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ኣይሁድ፡ የሱስ እቲ ክርስቶስ ምዃኑ ምስ ሰበኸሎም፡ “ክሪስጶስ እቲ መራሕ ቤት ጸሎት ድማ፡ ምስ ኵሉ ስድራ ቤቱ ብጐይታ አመነ። ካብ ሰብ ቈረንቶስውን ብዙሓት ሰሚዖም አመኑን ተጠምቁን።” (ግብሪ ሃዋርያት 18:5-8) ጳውሎስ፡ ሃይማኖታዊ ምልክት ወይ ምስሊ ኣብ ክንዲ ዜተኣታቱ፡ ንክርስትያን ብጾቱ፡ “ካብ ምምላኽ ጣኦት ህደሙ” በሎም፣ ካብ ዝዀነ ይኹን ኣረማዊ ልምድታት ኪርሕቁ እውን መምርሒ ሃቦም።—1 ቈረንቶስ 10:14።

ጸሓፍቲ ታሪኽን ተመራመርትን፡ ቀዳሞት ክርስትያናት መስቀል ይጥቀሙ ኸም ዝነበሩ ዚሕብር ዋላ ሓንቲ መርትዖ ኣይረኸቡን። ሂስትሪ ኦቭ ዘ ክሮስ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ሓደ ኣብ መወዳእታ መበል 17 ዘመን ዝነበረ ጸሓፊ ኸምዚ ዚስዕብ ብምባል ዜገርም ሕቶ ኸም ዘቕረበ ጠቒሳ ኣላ፦ “እቲ ብሩኽ የሱስ፡ ደቀ መዛሙርቱ ነቲ ሕፍረት ንዒቑ ብትዕግስትን ብንጽህናን እተሳቐየሉ መቕተሊ [ተባሂሉ ዝእመነሉ] ኬኽብሩ ኸለዉ ኺርእዮምሲ፡ ኬሐጕሶ ይኽእልዶ፧” ንስኻ እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል ዝዀነ ኣምልኾ፡ ስእሊ ወይ ምስሊ ኣየድልዮን እዩ። ጳውሎስ፡ “ንመቕደስ ኣምላኽከ ምስ ጣኦታት እንታይ ስምምዕ አለዎ፧” ኢሉ ሓቲቱ እዩ። (2 ቈረንቶስ 6:14-16) ኣምልኾ ክርስትያናት፡ ነቲ የሱስ እተሸንከረሉ ምስሊ ዜጠቓልል ኪኸውን ከም ዘለዎ ዚሕብር ነገር፡ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣይርከብን እዩ።—ምስ ማቴዎስ 15:3፣ ማርቆስ 7:13 ኣረኣኢ።

መለለዪ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ደኣ እሞ እንታይ እዩ፧ መስቀል ወይ ካልእ ምልክት ዘይኰነስ፡ ፍቕሪ እዩ። የሱስ ንሰዓብቱ፡ “ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም፡ ከምኡ ጌርኩም ከኣ ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም አሎኹ። ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም፡ በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” በሎም።—ዮሃንስ 13:34, 35።

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

እቲ እቶም ጸሓፍቲ ወንጌል ዝገለጽዎ ነገር፡ ምስቲ ሎሚ ሰባት መስቀል ኢሎም ዚጽውዕዎ ነገር ፈጺሙ ኣይመሳሰልን እዩ

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ መበል 17 ዘመን እተሳእለ፡ ኣብ ስታውሮስ ዚፍጸም ቅትለት ዜርኢ፡ ካብ ሊፕስዩስ እተረኽበ “ደ ክሩቸ”

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]

ለዓት ዝቕርጹ መስቀል ዜርኢ፡ ምልክት ህይወት ጌርካ ዚውሰድ ግብጻውያን ኣብ መንደቕ ዝሰኣልዎ ስእሊ (ከባቢ 14 ዘመን ቅ.ክ.)

[ምንጪ ስእሊ]

© DeA Picture Library / Art Resource, NY

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ናይ ሂንዱነት ቤተ መቕደስ ላክስሚ ናራያን ዚርከብ መስቀል ጋማ

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

From the book The Cross in Tradition, History, and Art (1897)

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ