ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • bh ገጽ 218-ገጽ 219 ሕ.ጽ. 1
  • ሚካኤል እቲ ሊቀ መላእኽቲ መን እዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሚካኤል እቲ ሊቀ መላእኽቲ መን እዩ፧
  • መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሚካኤል እቲ ሊቀ መላእኽቲ መን እዩ፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • የሱስ፡ ሚካኤል እቲ ሊቀ መላእኽቲ ድዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ብዛዕባ መላእኽቲ እቲ ሓቂ እንታይ እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2017
  • መላእኽቲ —“መናፍስቲ ኣገልግሎት”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
ዝያዳ ርአ
መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
bh ገጽ 218-ገጽ 219 ሕ.ጽ. 1

መመላእታ ጽሑፍ

ሚካኤል እቲ ሊቀ መላእኽቲ መን እዩ፧

እቲ ሚካኤል ተባሂሉ ዚጽዋዕ መንፈሳዊ ፍጡር ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ሳዕ ተጠቒሱ ኣይርከብን እዩ። እንተዀነ ግና፡ ሓደ ተግባር ብንጥፈት ኣብ ዚፍጸመሉ እዋናት እዩ ተጠቒሱ ዚርከብ። ኣብ መጽሓፍ ዳንኤል፡ ሚካኤል ምስ እኩያት መላእኽቲ ኺቃለስ ከሎ፣ ኣብ መልእኽቲ ይሁዳ፡ ምስ ሰይጣን ኪማጐት ከሎ፣ ኣብ ራእይ ከኣ፡ ምስ ድያብሎስን ኣጋንንቱን ኪዋጋእ ከሎ ተጠቒሱ ይርከብ። ሚካኤል ንግዝኣት ኣምላኽ ብምጥባቕን ምስ ጸላእቲ ኣምላኽ ብምቅላስን፡ ምስቲ “መን ከም ኣምላኽ፧” ዚብል ትርጉም ስሙ ተሰማሚዑ እዩ ዚነብር። ሚካኤል ግና መን እዩ፧

ሓድሓደ ግዜ ውልቀ ሰባት ልዕሊ ሓደ ስም ይውሃቦም ነይሩ እዩ። ንኣብነት፡ ያእቆብ እንተ ወሲድና፡ እስራኤል ተባሂሉ ይፍለጥ ነበረ፣ ሃዋርያ ጴጥሮስ እውን ስምኦን ይብሃል ነበረ። (ዘፍጥረት 49:1, 2፣ ማቴዎስ 10:2) እቲ ሚካኤል ዚብል ስም እውን የሱስ ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ቕድሚ ምምጻኡን ድሕሪኡን ኣብ ዝነበሮ ህይወት ዚጽውዓሉ ኻልእ ስሙ ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ይሕብረና። ናብዚ መደምደምታ እዚ ኼብጽሓና ዚኽእል ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽንያታት እስከ ንርአ።

ሊቀ መላእኽቲ። ቃል ኣምላኽ ንሚካኤል “እቲ ሊቀ መላእኽቲ” እዩ ዚብሎ። (ይሁዳ 9) ሚካኤል ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ እቲ ሊቀ መላእኽቲ ተባሂሉ ኸም እተጸውዐ ኣስተብህል። እዚ ኸኣ ከምዚ ዝኣመሰለ ስልጣን ዘለዎ ሓደ መልኣኽ ጥራይ ከም ዘሎ ይሕብር። እታ “ሊቀ መላእኽቲ” እትብል ቃል እውን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብንጽል ደኣ እምበር፡ ንብዙሕ ብዜመልክት ኣገባብ ኣይተጠቕሰትን። ብዘይካዚ፡ የሱስ ምስ መዓርግ ሊቀ መላእኽቲ ተተሓሒዙ ተጠቒሱ ኣሎ። ኣብ 1 ተሰሎንቄ 4:16 ብዛዕባ እቲ ኻብ ሞት ዝተንስአ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ “ጐይታ ባዕሉ ብናይ ትእዛዝ ጻውዒት፡ ብድምጺ ሊቀ መላእኽትን ብመለኸት ኣምላኽን ካብ ሰማይ ኪወርድ እዩ” ተባሂሉ ኣሎ። ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ ድምጺ የሱስ ከም ድምጺ ሊቀ መላእኽቲ ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ። እዛ ጥቕሲ እዚኣ እምበኣር የሱስ ባዕሉ ሚካኤል እቲ ሊቀ መላእኽቲ ምዃኑ እያ እትገልጽ።

ሓለቓ ሰራዊት። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሚካኤልን መላእኽቱን ምስቲ ገበል ተዋግኡ፣ እቲ ገበልን መላእኽቱን ድማ ተዋግእዎም” ይብል። (ራእይ 12:7) ስለዚ እምበኣር፡ ሚካኤል ሓለቓ ሰራዊት እሙናት መላእኽቲ እዩ። ብዘይካዚ፡ መጽሓፍ ራእይ ንየሱስ ሓለቓ ሰራዊት እሙናት መላእኽቲ ምዃኑ ትገልጾ እያ። (ራእይ 19:14-16) ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ን“ጐይታና የሱስ” ምስ “ሓያላት መላእኽቲ” ፈልዩ ጠቒስዎ እዩ። (2 ተሰሎንቄ 1:7) ስለዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሚካኤልን “መላእኽቱን” ከምኡ እውን ብዛዕባ የሱስን “መላእኽቱ”ን ይዛረብ እዩ። (ማቴዎስ 13:41፣ 16:27፣ 24:31፣ 1 ጴጥሮስ 3:22) ቃል ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ሓደ ጕጅለ ብሚካኤል ዚምራሕ፡ ካልእ ጕጅለ ኸኣ ብየሱስ ዚምራሕ ክልተ ሰራዊት እሙናት መላእኽቲ ኸም ዘለዉ ስለ ዘይሕብር፡ እቲ ሚካኤል ተባሂሉ ዘሎ፡ የሱስ ክርስቶስ ሰማያዊ ግዲኡ ኣብ ዚፍጽመሉ እዋን እንተ ዘይኰይኑ ኻልእ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ ኢልና ኽንድምድም ንኽእል ኢና።a

a እቲ ሚካኤል ዚብል ስም ንወዲ ኣምላኽ ከም ዜመልክት ዚሕብር ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ (እንግሊዝኛ) 2ይ ጥራዝ፡ ገጽ 393-394 ተወከስ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ