6ይ ክፋል
ወለድኻ
ወለዲ ውህሉል ተመክሮ ኣለዎም። ነቲ ኣብ እዋን ብጽሕና/ጕርዝውና ዚመጽእ ኣካላውን ስምዒታውን ለውጥታት ድሮ ሓሊፎምዎ እዮም። ስለዚ፡ ኣብቲ ጽንኩር እዋን እቲ መምርሒ ንምሃብ ክእለት ኬጥርዩ እዩ ትጽቢት ዚግበረሎም። ሓድሓደ ግዜ ግን፡ ወለዲ፡ ፍታሕ ኣብ ክንዲ ዜምጽኡ፡ ሽግር እዮም ዚፈጥሩ። ንኣብነት፡ ሓደ ኻብዚ ጸገማት ኬጋጥመካ ይኽእል እዩ፦
□ ወለደይ ወግሐ ጸብሐ እዮም ዚነቕፉኒ።
□ ኣቦይ ወይ ኣደይ ወልፊ ሓሽሽ ወይ መስተ ኣለዎ።
□ ወለደይ ኵሉ ሳዕ እዮም ዚቋየቑ።
□ ወለደይ ተፈላልዮም እዮም ዘለዉ።
ምዕራፍ 21-25 ነዝን ንኻልእን ጸገማት ንኽትክእሎ ኺሕግዛኻ እየን።
[ኣብ ገጽ 172, 173 ምሉእ ስእሊ ይርከብ]