ምዕራፍ 1
1 ‘ኣቦይን ኣደይን ከኽብር’ ዝግብኣኒ ስለምንታይ ኢዩ፧
“ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር።” እዘን ቃላት እዚኣተን ንብዙሓት መንእሰያት ኣብ መዋእል ጸልማት ዝነበራ ቃላት ኰይነን ኢየን ዝስምዕኦም።
ቬዳ እተባህለት መንእሰይ ምስ ሓደ ሓሽሽን ኣልኮልን ዘዘውትር ወዲ ብምቍጻር ብቕሉዕ ኣንጻር ኣቦኣ ዓለወት። ብድርቅና ድማ ክሳዕ ወጋሕታ ክትልሀ ትሓድር ነበረት። ቬዳ ከምዚ ትብል:- “ኣዝዩ ጨቋኒ ኰይኑ ኢዩ ተሰሚዑኒ። ጓል 18 ዓመት ኢየ ነይረ: ስለዚ ኵሉ ዝፈልጥ ኢዩ ዝመስለኒ ነይሩ። ኣቦይ ርጉም: ክሕጐስ ዘይደልየኒ ኰይኑ ይስምዓኒ ስለ ዝነበረ ካብ ገዛ ወጺአ ዝደለኽዎ ዅሉ ገበርኩ።”
ብዙሓት መንእሰያት ነዚ ቬዳ ዝገበረቶ ከም ዘይሰማምዕሉ ፍሉጥ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ወለዶም መደቀሲኦም ከጽርዩ: ናይ ቤት ትምህርቲ ዕዮ ገዛ ክዓዩ: ወይ ገዛ ዝኣትውሉ ሰዓት ምስ ዝነግርዎም ይሓርቁ ወይ ድማ ብግልጺ ኣንጻር ወለዶም ይዓልዉ! ይኹን እምበር: እቲ ሓደ መንእሰይ ብዛዕባ ወለዱ ዘለዎ ኣረኣእያ ኣብ ገዛ ህውከት ይኹን ሰላም ኣብ ምምጻእ ዓብዪ ኣበርክቶ ኣለዎ ጥራይ ዘይኰነስ ንህይወት እቲ መንእሰይ እውን ዝትንክፍ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እቲ ‘ወለድኻ ኣኽብር’ ዝብል ትእዛዝ ኣምላኽ ዝሰርዖ ኢዩ: ስለምንታይ ከነቕልበሉ ከም ዘሎና ክገልጽ ከሎ ኸኣ “ጽቡቕ ኪዀነልካ: ኣብ ምድሪውን ዕድሜኻ ኺነውሕ” ብምባል ዝያዳ ሓይሊ ይውስኸሉ። (ኤፌሶን 6:2, 3) ንወለዲ ብምኽባር ዝርከብ ዓስቢ ኣዝዩ ብዙሕ ኢዩ። ስለዚ እምበኣር ኣቦኻን ኣዴኻን ምኽባር ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ምዃኑ እስከ ንርአ።
‘ምኽባሮም’ እንታይ ማለት ኢዩ፧
‘ምኽባር’ ክበሃል ከሎ ነቲ ብወግዒ ዝቘመ ስልጣን ኣፍልጦ ምሃብ ማለት ኢዩ። ንኣብነት: ክርስትያናት “ንንጉስ ኣኽብርዎ” ዝብል ትእዛዝ ተዋሂብዎም ኣሎ። (1 ጴጥሮስ 2:17) ምስ ሓደ ሃገራዊ መራሒ ኵሉ ግዜ ትሰማማዕ ኢኻ ማለት እኳ እንተ ዘይኰነ ነቲ ዘለዎ ቦታ ወይ ስልጣን ግን ተኽብሮ ኢኻ። ብተመሳሳሊ ድማ ኣምላኽ ንወለዲ ኣብ ስድራቤት ስልጣን ሂብዎም ኣሎ። እዚ ድማ ነቲ መምርሒ ንኸውጽኡ ኣምላኽ ዝሃቦም ስልጣን ኣፍልጦ ክትህበሉ ኣሎካ ማለት ኢዩ። ልክዕ ኢዩ ካልኦት ወለዲ ካብ ወለድኻ ንላዕሊ ልምልም ዝበሉ ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። እንተዀነ ግን: ወለድኻ ንዓኻ ዝሕሸካ ክውስኑልካ መሰል ኣለዎም: እተፈላለያ ስድራቤታት ድማ እተፈላለየ ስርዓታት ክህልወን ይኽእል ኢዩ።
እቶም ኣዝዮም ንፉዓት ዝበሃሉ ወለዲ እውን ከይተረፈ ሓድሓደ ግዜ ብሃውሪ ዝገበርዎ ነገራት ክህሉ ወይ እውን ዘይርትዓዊ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ኣብ ምሳሌ 7:1, 2 ግን ሓንቲ ጥበበኛ ወላዲት “ወደየ [ጓለየ] . . . ንትእዛዛተይ ሐልዎ እሞ ብህይወት ክትነብር ኢኻ” ኢላ ኣላ። ብተመሳሳሊ ወለድኻ ዘውጽእዎ ስርዓታት ወይ ‘ትእዛዛት’ እውን ንጥቕምኻ ኢዩ: መግለጺ ናይቲ ኣባኻ ዘለዎም ናይ ሓቂ ፍቕርን ሓልዮትን ድማ ኢዩ።
ንኣብነት: ንጆን በቲ ጥቓ ገዝኦም ልዕሊ እቲ ሽዱሽተ ማካይን ዘሕልፍ ጽርግያ ዘሎ መገዲ ኣጋር ኣቢሉ ክጓዓዝ ኣዲኡ ብተደጋጋሚ ትነግሮ ነበረት። ሓደ መዓልቲ ግን ክልተ መማህርቱ ኣዋልድ በቲ ማእከል ጽርግያ ዘሎ ሓጺር መገዲ ክሓልፍ ደፋፍኣኦ። ጆን ግን ነቲ “ጆቕጃቕ!” ዝብል ጸርፈን ግዲ ከይገበረሉ በቲ ናይ ኣጋር መገዲ ከደ። ክሳገር ኣብ ፍርቂ ምስ በጽሐ ጆን ሕጺጽ ዝብል ናይ ማኪና ድምጺ ሰምዐ። ንታሕቲ ገጹ እንተ ጠመተ እተን ክልተ ኣዋልድ ብማኪና ተሃሪመን ክወድቃ ኸለዋ ዘሰቅቕ ትርኢት ተዓዘበ! ሓቂ ኢዩ ንወለዲ ምእዛዝ ናይ ህይወትን ሞትን ጕዳይ ዝኸውን ሳሕቲ ኢዩ። እንተዀነ ግን ምእዛዝ ኵሉ ግዜ ክጠቕመካ ይኽእል ኢዩ።
‘ንወለዲ ምኽባር’ ማለት ተግሳጽ ምቕባል: ክትግሰጽ ከሎኻ ዘይምስቍርቋር ወይ ዘይምቝጣዕ ማለት እውን ኢዩ። ምሳሌ 15:5 ‘ንተግሳጽ ኣቡኡ ዝንዕቕ’ ዓሻ ጥራይ ምዃኑ ትገልጽ ኢያ።
ኣብ ርእሲ እዚ: ምኽባር ናይ ላዕሊ ላዕሊ ኣኽብሮት ምርኣይ ወይ እናስቈርቈርካ ምእዛዝ ማለት ኣይኰነን። እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ “ምኽባር” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ቦዅሪ ናይ ግሪኽ ቃል ንሓደ ሰብ ዝለዓለ ግምት ምሃብ ማለት ኢያ። ስለዚ ንወለድኻ ኣዝዮም ክቡራት: ልዑል ግምት ዝወሃቦም ገይርካ ክትርእዮም ኣሎካ። እዚ ኸኣ ኣብኦም ምዉቕን ሞሳ ዘለዎን ስምዒት ምህላው ዘጠቓልል ኢዩ። ይኹን እምበር: ገለ መንእሰያት ኣብ ወለዶም ምዉቕ ዝዀነ ስምዒት ፍጹም የብሎምን።
ሽግር ዝፈጥሩ ወለዲ—ከተኽብሮም ኣሎካዶ፧
ሓንቲ ጂና እተባህለት መንእሰይ ከምዚ ኢላ ጸሓፈት:- “ባባ ኣዝዩ ሰታይ ኢዩ: ወለደይ ክቋየቑን ዋዕዋዕ ክብሉን ስለ ዘምስዩ ክድቅስ ኣይክእልን ኢየ። ኣብ ዓራት ደቂሰ ካብ ምብካይ ሓሊፈ ዝገብሮ የብለይን። ኣደይ ከይትሃርመኒ ስለ ዝፈርህ ድማ ከመይ ከም ዝስምዓኒ ክነግሮም ኣይክእልን ኢየ። መጽሓፍ ቅዱስ ‘ኣቦኻ ኣኽብር’ ኢዩ ዝብል ኣነ ግን ክገብሮ ኣይክእልን ኢየ።”
ሓራቓት ወይ ስነ-ምግባር ዘይብሎም: ሰኽራማት: ንሓድሕዶም ዝናቘቱ ወለዲ ብሓቂ ኣኽብሮት ዝግብኦምዶ ኢዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ንዝዀነ ይኹን ወላዲ ‘ምብጫው’ ስለ ዝዅንን: እወ ኣኽብሮት ይግብኦም ኢዩ። (ምሳሌ 30:17) ምሳሌ 23:22 ወሲኻ ከም ‘ዝወለዱኻ’ ተዘኻኽር። እዚ ጥራይ ንባዕሉ ንኸተኽብሮም ምኽንያት ዝኸውን ኢዩ። እቲ ሓደ ግዜ ፈጺሙ ኣኽብሮት ዘየርኢ ዝነበረ ግሪጎሪ ሕጂ ከምዚ ይብል:- “[ኣደይ] ተጠኒሰ ኸለኹ ስለ ዘየንጸለትኒ ወይ ኣብ እንዳ ጐሓፍ ስለ ዘይደርበየትኒ ንየሆዋ ኣምላኽ ኣዝየ ኢየ ዘመስግኖ። ንሽዱሽቴና ውሉዳት እተዕቢ ንጽል ወላዲት ኢያ ነይራ። ኣዝዩ ይኸብዳ ከም ዝነበረ እፈልጥ ኢየ።”
ወለድኻ ዋላ እኳ ፍጹማት እንተዘይኰኑ ንዓኻ ክብሉ ብዙሕ መስዋእትታት ገይሮም ኢዮም። ግሪጎሪ ቀጺሉ ከምዚ ይብል:- “ሓደ ግዜ ተሪፉና ዝነበረ ዝብላዕ ቍሩብ እኽልን ኩእኩኦን ጥራይ ነበረ። ማማ ሰሪሓ ንዓና ሃበትና ንሳ ግን ኣይበልዐትን። ኣነ ጸጊበ ናብ መደቀስየይ ከይደ: ‘ስለምንታይ ኢያ ማማ ዘይበልዐት፧’ ኢለ ግን እሓስብ ነበርኩ። ሕጂ ግን ስድራ መስሪተ ምስ ፈተንክዎ ንዓና ክትብል ኢያ መስዋእቲ ትገብር ነይራ።” (ንሓደ ቘልዓ ክሳዕ ወዲ 18 ዓመት ዝበጽሕ 66,400 ዶላር ኣመሪካ ከም ዘድልዮ ሓደ መጽናዕቲ ይገልጽ።)
ወለድኻ ጽቡቕ ኣብነት ስለ ዘይኰኑ ጥራይ ዝብሉኻ ኵሉ ጌጋ ኢዩ ማለት ከም ዘይኰነ እውን ተገንዘብ። ኣብቲ የሱስ ዝነበረሉ ግዜ መራሕቲ ሃይማኖት ብልሹዋት ኢዮም ነይሮም። የሱስ ግን ነቶም ህዝቢ “ዚብሉኹም ኵሉ ግበሩን ሐልዉን . . . ከምቲ ግብሮም [ግን] ኣይትግበሩ” በሎም። (ማቴዎስ 23:1-3, 25, 26) እዚ ስርዓት እዚ ኣብ ገለ ወለዲ ዝውዕልዶ ኸይኰነ፧
ነቲ ናይ ሕርቃን ስምዒታት ብዓወት ተዋጽኣሉ
ወላዲኻ ነቲ ዘለዎ ስልጣን ብግቡእ ኣይጥቀመሉን ኢዩ ዘሎ ዝብል ስምዒት ምስ ዝህልወካኸ እንታይ ይኹን፧a ህድእ በል። ምዕላው ዋላ ሓንቲ ፋይዳ የብሉን: ጽልእን ድርቅናን እተሓወሶ ባህርያት ምንጽብራቕ እውን እንተዀነ ዋላ ሓንቲ ለውጢ ኣየምጽእን ኢዩ። (መክብብ 8:3, 4፣ ምስ መክብብ 10:4 ኣረኣእዮ።) ሓንቲ ጓል 17 ዓመት ጐርዞ ወለዳ ኵሉ ግዜ ንሓድሕዶም ስለ ዝቋየቑ ብዛዕባኣ ዘይግደሱ ኰይኑ ስለ እተሰምዓ ሓረቐት። ድሕርዚ እቲ ዘሕደረቶ ጽልኢ ነቲ ዝምህርዋ ዝነበሩ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ከም እትጸልኦ ገበራ። ንዕኦም ንምሕራቕ ድማ ጾታዊ ርኽሰትን ሓሽሽን ከተዘውትር ጀመረት። “ንወለደይ ዘሕረቕኩ ኢዩ ዝመስለኒ ነይሩ” ብምባል ዝነበራ መረረ ገለጸት። እንተዀነ ግን: ከምዚ ዝኣመሰለ ጽልኢ ብምሕዳራ ንገዛእ ርእሳ ኢያ ጐዲኣ።
መጽሓፍ ቅዱስ “ኵራ ናብ ጸርፊ ኸይደፍኣካ ተጠንቀቕ . . . ናብኡ ኸይትምለስ ተጠንቀቕ ደኣ” ይብል። (እዮብ 36:18-21) ወለዲ በቲ ዘርእይዎ ጠባይ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብሓላፍነት ከም ዝሕተቱ: ንዝገብርዎ ዝዀነ ይኹን ከቢድ ዘይፍትሓዊ ተግባር ድማ ጸብጻብ ከም ዝህብሉ ተገንዘብ።—ቈሎሴ 3:25
ምሳሌ 19:11 “ምስትውዓል ንሰብ ንዅራ ደንጓዪ ይገብሮ: ንበደል ምሕላፍ ከኣ ክብረቱ እዩ” ትብል። ሓድሓደ ግዜ ወላዲኻ ዝገብሮ ጐዳኢ ነገራት ክትሓድጎን ክትርስዖን ዝበለጸ ኢዩ። ብዛዕባ እቲ ዝገበሮ ጌጋ ደጋጊምካ ኣብ ክንዲ እትሓስብ ብዛዕባ እቲ ዘለዎ ጽቡቕ ባህርያት ሕሰብ። ንኣብነት: ዶዲ እተባህለት መንእሰይ ሓንቲ ቅጭጭ ዘይብላ ኣደን: ሰታይ ሰብኣይ ኣደን ኢዩ ዘለዋ። እቲ ዘለዋ ምስትውዓል ግን ብድኽመታቶም ንኸይትምረር ብኸመይ ከም ዝሓገዛ ርአ። ከምዚ ትብል:- “ማማ ከተፍቅረና ዘይከኣለት ምናልባት ብዛዕባ ፍቕሪ ከይተማህረት ብቝልዕነታ ተሃስያ ስለ ዝዓበየት ኢዩ ዝኸውን። ሳሕቲ እኳ እንተዀነ ሰብኣይ ኣደይ ኣብ ጽቡቕ ኵነታት ክህሉ ኸሎ ኣብቲ እንገብሮ ነገራት ተገዳስነት የርኢ ኢዩ። ኣነን ሓብተይን ግን ኵሉ ግዜ እነጽልለሉ ገዛን እንበልዖ መግብን ኣይሰኣንናን።”
ብዛዕባ ውሉዳቶም ፈጺሞም ዘይግደሱ ወለዲ ብዙሓት ዘይምዃኖም ጽቡቕ ኢዩ። ምናልባት ወለድኻውን ብዛዕባኻ ዝግደሱን ጽቡቕ ኣብነት ክገድፉልካ ዝጽዕሩን ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። ገና ግን ሓድሓደ ግዜ የሕርቑኻ ይዀኑ ኢዮም። ሓደ ሮጀር ዝስሙ መንእሰይ ከምዚ ኢሉ ይእመን:- “ሓድሓደ ግዜ ብዛዕባ ገለ ግድል ምስ ማማ ክንዘራረብ ከሎና ዝብሎ ዘለኹ ምስ ዘይትርድኣኒ እሓርቕ እሞ ንዓኣ ንምጕሃይ ሕማቕ እዛረብ። ከሕርቓ ኢለ ኢየ ከምኡ ዝገብር። ደሓር ግን ካብኣ ርሕቕ ምስ በልኩ ኣዝየ እጠዓስ: ንሳ እውን ከም እትጠዓስ ይርድኣኒ ኢዩ።”
ብዘይ ምስትውዓል እተዘርበ ቓል ከም ሰይፊ “ዚቘርጽ” ከምኡውን ‘ተሪር’ ክኸውን ዝኽእል እኳ እንተዀነ ነቲ ግድል ግን ክፈትሖ ኣይክእልን ኢዩ። “መልሓስ እቶም ጠቢባን ግና ጥዕና እዩ።” (ምሳሌ 12:18፣ 15:1) ሮጀር ከምዚ ኢሉ ይገልጾ:- “ከቢድ እኳ እንተዀነ ከይደ ይቕረታ እሓትት ኢየ። ድሕርዚ ነቲ ግድል ህድእ ኢለ እመያየጠሉ: ንፈትሖ ኸኣ።”
‘ባባ ልክዕ ኢዩ ነይሩ’
ገለ መንእሰያት ነቲ ናይ ወለዲ መምርሒታት ብምጥሓስ ገዛእ ርእሶምን ወለዶምን ምስ ኣድከሙ: ኣብ መወዳእታ ወለዶም ዝብልዎ ቅኑዕ ምንባሩ ይርድኡ ምዃኖም ዘገርም ኢዩ። ንኣብነት: ንቬዳ (እታ ኣብ መእተዊና ዝጠቐስናያ) ርአ። ሓደ ግዜ ምስ ዓርካ ብማኪና ይጓዓዙ ነበሩ። እቲ ዓርካ ብማሪዋናን ቢራን ሰኺሩ ኢዩ ነይሩ። ኣብ ሰዓት 100 ኪሎ ሜተር እናተጓዕዙ ኸለዉ እታ ማኪና ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ብምኻድ ምስ ሓደ ናይ መብራህቲ ዓንዲ ተላኸዐት። ቬዳ ኣብ ግምባራ ከቢድ መቝሰልቲ ወሪዱዋ ካብ ሞት ደሓነት። እቲ ዓርካ ኣብ ሆስፒታል ክሕግዛ ኢሉ እኳ ከይተቐልቀለ ብእኡ ኣቢሉ ጠፍአ።
ቬዳ ከምዚ ኢላ ትእመን:- “ወለደይ ኣብቲ ሆስፒታል ምስ መጹ: ባባ ዝብለኒ ዝነበረ ልክዕ ምንባሩ: ኣቐዲመ ክሰምዖ ከም ዝነበረኒ ነገርክዎም። . . . ከቢድ ጌጋ ኢየ ፈጺመ: ህይወተይ ከኣ ንስክላ ኢያ ወጺኣ።” ድሕርዚ ቬዳ ኣብቲ ብዛዕባ ወለዳ ዝነበራ ኣመለኻኽታ ብዙሕ ለውጢ ገበረት።
ንስኻ እውን እንተዀነ ገለ ለውጥታት ክትገብር የድልየካ ይኸውን። ‘ንወለድኻ ምኽባር’ ግዜ ዝሓለፎ መሲሉ ይርአ ይኸውን። እንተዀነ ግን ወለድኻ ምኽባር ብልህነት ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እውን ቅኑዕ ኢዩ። ኰይኑ ግን: ንወለድኻ ከተኽብሮም እናጸዓርካ ብጌጋ ዝርድኡኻ ምናልባት እውን ብሕግታት ዝቕይዱኻ ኰይኑ ምስ ዝስመዓካኸ፧ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ምስ ዘጋጥመካ ብኸመይ ከተዐርዮ ከም እትኽእል እስከ ንመርምር።
[Footnote]
a እዚ ነቲ ሓደ መንእሰይ ኣካላውን ጾታውን ማህሰይቲ ስለ ዘጋጥሞ ካብ ገዛ ወጻኢ ናይ ክኢላታት ሓገዝ ክደሊ ከም ዘለዎ ዝገልጽ ሓሳብ ዘጠቓልል ኣይኰነን።
ንመመያየጢ ዝኸውን ሕቶታት ምዕራፍ 1
◻ ንወለድኻ ምኽባር እንታይ ማለት ኢዩ፧
◻ ወለዲ ብዙሕ መምርሒታት ዘውጽኡ ስለምንታይ ኢዮም፧ እዚ መምርሒታት እዚ ክጠቕመካ ይኽእልዶ፧
◻ ወለድኻ ሕማቕ ጠባይ ምስ ዝህልዎም ከተኽብሮም ኣሎካዶ ኢዩ፧ ስለምንታይ፧
◻ ሓድሓደ ግዜ ብወለድኻ ክትሓርቕ ከሎኻ ነቲ ኵነታት ብዓወት ንኽትዋጽኣሉ ክሕግዘካ ዝኽእል ገለ ተግባራዊ መገድታት እንታይ ኢዩ፧ ገለ ናይ ዕሽነት ተግባራትከ እንታይ ኢዩ፧
[Blurb on page 16]
“ኣቦይ ርጉም: ክሕጐስ ዘይደልየኒ ኰይኑ ይስምዓኒ ስለ ዝነበረ ካብ ገዛ ወጺአ ዝደለኽዎ ዅሉ ገበርኩ”
[Picture on page 12]
ነቲ ወለድኻ ዘውጽእዎ መምርሒታት ብኸመይ ኢኻ ክትምልከቶ ዘሎካ፧
[Picture on page 14]
ወለድኻ ሕማቕ ጠባይ ምስ ዝህልዎም ከተኽብሮም ኣሎካዶ ኢዩ፧