ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb18 ለካቲት ገጽ 4
  • “ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር”
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2018
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ወለድና ምኽባር
    መፍትሕ ሓጐስ ስድራ ቤት
  • “ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር” ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • 1 ‘ኣቦይን ኣደይን ከኽብር’ ዝግብኣኒ ስለምንታይ ኢዩ፧
    መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን
  • ንኻልኦት ኣኽብሩ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2018
mwb18 ለካቲት ገጽ 4

ክርስትያናዊ ህይወት

“ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር”

የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፡ ነቲ “ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር” ዚብል ትእዛዝ ኣጕሊሕዎ እዩ። (ዘጸ 20:12፣ ማቴ 15:4) የሱስ ብትብዓት ኪዛረብ ዝኸኣለ፡ መንእሰይ ከሎ ንወለዱ “ይግዝኦም” ስለ ዝነበረ እዩ። (ሉቃ 2:51፡ እ.ጽ.) በጽሒ ምስ ኰነ ኸኣ፡ ድሕሪ ሞቱ ንኣዲኡ ኽንክን ኪግበረላ ምድላዋት ገይሩ እዩ።—ዮሃ 19:26, 27።

ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ክርስትያን መንእሰያት፡ ንወለዶም ምስ ዚእዘዙን ብኣኽብሮት ምስ ዜዘራርብዎምን፡ ከም ዜኽብርዎም እዮም ዜርእዩ። እቲ ንወለድና ኸነኽብር እተዋህበ ትእዛዝ ብግዜ ዚድረት ኣይኰነን። ወለድና ምስ ኣረጉ እውን ከይተረፈ፡ ካብ ጥበቦም ምእንቲ ኽንጥቀም ከነኽብሮም ኣሎና። (ምሳ 23:22) ብዕድመ ንዝደፍኡ ወለድና ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ ግዜ ስምዒታውን ገንዘባውን ሓገዝ ብምሃብ እውን ከነኽብሮም ንኽእል ኢና። (1ጢሞ 5:8) መንእሰያት ንኹን ዓበይቲ ብዘየገድስ፡ ብዕድመ ንዝደፍኡ ወለድና ኸነኽብሮም ኪሕግዘና ዚኽእል ቀንዲ ነገር ምሳታቶም ጽቡቕ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ልምዲ ምዕቃብ እዩ።

ነታ ንወለደይ ከዘራርቦም ዝኽእል ብኸመይ እየ፧ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ምስ ወለድኻ ምዝርራብ ኪኸብደካ ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧

  • ምስ ወለድኻ ኽትዘራረብ ከለኻ ኸተኽብሮም እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

    ሓደ ቘልዓ ንወለዱ ደብዳበ ይጽሕፍ፡ ምስ ወለዱ ይዘራረብ፡ ምስ ኣቦኡ ዅዕሶ ይጻወት
  • ምስ ወለድኻ ኽትዘራረብ ጻዕሪ ምግባርካ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ምሳ 15:22)

    ወለዲ ንወዶም ኣብ መጻኢ ብዛዕባ ዜጋጥሞ ጸገማት የመያይጡዎ

    ምስ ወለድኻ ምዝርራብ ኣብ ህይወትካ ኣሳልጦ ኽትረክብ ይሕግዘካ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ