ኣርኣያ—እታ ሱላሚት
እታ መንእሰይ ዝነበረት ሱላሚት ንፍቕሪ ኣብ ዚምልከት ጕዳይ ብንጹር ክትሓስብ ከም ዘለዋ ትፈልጥ ነበረት። ንመሓዙታ፡ “ንፍቕሪ፡ ክሳዕ እትደሊ፡ ከይተተንስኣኣን ከይተበራብራኣን ኢለ ኤምሕለክን አሎኹ” በለተን። ስምዒት ቀልጢፉ ንኣተሓሳስባኣ ኺዕብልሎ ኸም ዚኽእል ትፈልጥ ነይራ። ካልኦት ሰባት ንዘይኰነካ ሰብ ሕራይ ክትብል ጸቕጢ ኺገብሩልካ ኸም ዚኽእሉ ኣይሰሓተቶን። ስምዒታ እውን ከይተረፈ፡ ነቲ ጽቡቕ ምምዝዛና ኼመዛብሎ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ እታ ሱላሚት ከም “ቀጽሪ” ዀነት።—መሃልየ መሃልይ 8:4, 10
ንስኻኸ ኸምታ ሱላሚት፡ ብዛዕባ ፍቕሪ ብስለት ዘለዎ ኣረኣእያ ድዩ ዘሎካ፧ ነቲ ልብኻ ዚብለካ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ኣእምሮኻ ዚብለካ እውን ትሰምዖ ዲኻ፧ (ምሳሌ 2:10, 11) ሓድሓደ ግዜ ኻልኦት ሰባት ገና ኸይተዳለኻ ርክብ ንኽትምስርት ጸቕጢ ኺገብሩልካ ይኽእሉ እዮም። ባዕልኻ እውን ኣብ ርእስኻ ጸቕጢ ኽትዕድም ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት፡ ወድን ጓልን ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም ኪኸዱ እንተ ርኢኻ፡ ተመሳሳሊ ርክብ ንኺህልወካ ኽቱር ሃንቀውታ ይሓድረካ ድዩ፧ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ እምነትካ ዘይኣምነሉ ሰብ እንተ ሓቲቱካ፡ ሕራይ ምበልካዶ፧ እታ ሱላሚት ንፍቕሪ ብዚምልከት ብስልቲ እያ ነይራ። ንስኻ እውን ከምኣ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ!