ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • yp2 ገጽ 33
  • ኣርኣያ​—እታ ሱላሚት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣርኣያ​—እታ ሱላሚት
  • መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን፡ 2ይ ጥራዝ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እታ ሹላማዊት—ክንመስላ ዚግባእ ሰናይ ኣብነት
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2016
  • ካብ መሃልየ መሃልይ ዚጐልሕ ነጥብታት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ዘይተቋርጽ ፍቕሪ ኽትህሉ ትኽእልዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ኣምላኻዊ ኣረኣእያ ብዛዕባ ስነ-ምግባራዊ ንጽህና
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
ዝያዳ ርአ
መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን፡ 2ይ ጥራዝ
yp2 ገጽ 33

ኣርኣያ​—እታ ሱላሚት

እታ መንእሰይ ዝነበረት ሱላሚት ንፍቕሪ ኣብ ዚምልከት ጕዳይ ብንጹር ክትሓስብ ከም ዘለዋ ትፈልጥ ነበረት። ንመሓዙታ፡ “ንፍቕሪ፡ ክሳዕ እትደሊ፡ ከይተተንስኣኣን ከይተበራብራኣን ኢለ ኤምሕለክን አሎኹ” በለተን። ስምዒት ቀልጢፉ ንኣተሓሳስባኣ ኺዕብልሎ ኸም ዚኽእል ትፈልጥ ነይራ። ካልኦት ሰባት ንዘይኰነካ ሰብ ሕራይ ክትብል ጸቕጢ ኺገብሩልካ ኸም ዚኽእሉ ኣይሰሓተቶን። ስምዒታ እውን ከይተረፈ፡ ነቲ ጽቡቕ ምምዝዛና ኼመዛብሎ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ እታ ሱላሚት ከም “ቀጽሪ” ዀነት።—መሃልየ መሃልይ 8:4, 10

ንስኻኸ ኸምታ ሱላሚት፡ ብዛዕባ ፍቕሪ ብስለት ዘለዎ ኣረኣእያ ድዩ ዘሎካ፧ ነቲ ልብኻ ዚብለካ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ኣእምሮኻ ዚብለካ እውን ትሰምዖ ዲኻ፧ (ምሳሌ 2:10, 11) ሓድሓደ ግዜ ኻልኦት ሰባት ገና ኸይተዳለኻ ርክብ ንኽትምስርት ጸቕጢ ኺገብሩልካ ይኽእሉ እዮም። ባዕልኻ እውን ኣብ ርእስኻ ጸቕጢ ኽትዕድም ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት፡ ወድን ጓልን ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም ኪኸዱ እንተ ርኢኻ፡ ተመሳሳሊ ርክብ ንኺህልወካ ኽቱር ሃንቀውታ ይሓድረካ ድዩ፧ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ እምነትካ ዘይኣምነሉ ሰብ እንተ ሓቲቱካ፡ ሕራይ ምበልካዶ፧ እታ ሱላሚት ንፍቕሪ ብዚምልከት ብስልቲ እያ ነይራ። ንስኻ እውን ከምኣ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ!

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ